ሉቃስ 22
22
ይሁዳ ኣሕሊፉ ኽህቦ ኸም ዝተሰማምዐ
(ማቴ. 26፡1-5፥ ማር. 14፡1-2፥ ዮሓ. 11፡45-53)
1ፋሲካ ዝበሃል በዓል ቅጫ ድማ ቐረበ። 2ሊቃነ ካህናትን መምህራን ሕግን፥ ነቶም ህዝቢ ይፈርሑ ስለ ዝነበሩ፥ ከመይ ገይሮም ንኢየሱስ ከም ዝቐትልዎ፥ ይበላሓቱ ነበሩ። 3ሽዑ ሰይጣን ኣብ ኣስቆሮታዊ ይሁዳ #22፡3 ኣብ ኣስቆሮታዊ ይሁዳ፦ ግእዝ “ኣብ ልቢ ይሁዳ” ይብል። ሓደረ። ንሱ፥ ካብቶም ዓሰርተ ኽልተ ደቀ መዛሙርቱ ሓደ ነበረ። 4ከይዱ ኸዓ፥ ከመይ ገይሩ ኣሕሊፉ ኸም ዝህቦም፥ ምስቶም ሊቃነ ካህናትን፥ ኣሕሉቕ ሓለውቲ ቤተ መቕደስን ተዘራረበ። 5ንሳቶምውን ተሓጐሱ፤ ገንዘብ #22፡5 ገንዘብ፦ ግእዝ “ሰላሳ ቕርሺ ብሩር” ይብል። ክህብዎ ኸዓ ተወዓዓልዎ። 6ይሁዳ ድማ ተሰማምዖም፤ ህዝቢ ኣብ ዘይብሉ ኸትሕዞውን፥ ምችዊ ጊዜ ይደሊ ነበረ።
ድራር ፋሲካ
(ማቴ. 26፡17-25፥ 14፡12-21፥ ዮሓ. 13፡21-30)
7እታ በጊዕ ፋሲካ ዝሓርዱላ መዓልቲ በዓል ቅጫ ድማ በፅሐት። 8ኢየሱስ ከዓ ንጴጥሮስን ንዮሃንስን “በጊዕ ፋሲካ ኽንበልዕስ፥ ኬድኩም ኣዳልዉልና” ኢሉ ለኣኾም። 9ንሳቶም ከዓ “ኣበይ ክነዳልወልካ ትደሊ?” በልዎ። 10ንሱ ድማ “እንሆ፥ ኣብ ከተማ ምስ ኣተኹም፥ ዕትሮ ማይ ዝፆረ ሰብኣይ ክትረኽቡ ኢኹም እሞ፥ ናብታ ዝኣትዋ ገዛ ሰዓብዎ። 11ነቲ በዓል ገዛ ኸዓ ‘መምህር እታ ምስ ደቀ መዛሙርተይ ፋሲካ ዝበልዐላ፥ መቐበሊ ኣጋይሽ ኣበይ እያ? ይብለካ ኣሎ’ በልዎ። 12ንሱ ኸዓ ኣብ ልዕሊ ደብሪ ዝተነፀፈ፥ ገፊሕ ኣዳራሽ ከርእየኩም እዩ እሞ፥ ኣብኡ ኣዳልዉልና” በሎም። 13ከይዶም ድማ ከምቲ ዝበሎም ረኸቡ፤ በጊዕ ፋሲካውን ኣዳለዉ።
ኢየሱስ፥ ቅዱስ ቍርባን ከም ዝሰርዐ
(ማቴ. 26፡26-30፥ ማር. 14፡22-26)
14እታ ሰዓት ምስ በፅሐት፥ ኢየሱስ ምስቶም ዓሰርተ ኽልተ ሃዋርያት ኣብ ማእዲ ተቐመጠ። 15ከምዙይ ድማ በሎም፦ “ቅድሚ መከራይ፥ ምሳኻትኩም በጊዕ ፋሲካ ኽበልዕ፥ ብዙሕ ሃረር ኢለ ነይረ። 16እዙይ ኣብ መንግስቲ እግዚኣብሄር ክሳዕ ዝፍፀም፥ ደጊም ካብዙይ ከም ዘይበልዕ እብለኩም ኣለኹ።” 17ፅዋዕ ኣልዒሉ ኣመስጊኑ ድማ፦ “እንኩ፥ እዙይ ንዅልኻትኩም ተኻፈልዎ። 18መንግስቲ እግዚኣብሄር ክሳዕ እትመፅእ፥ ካብ ፍረ ወይኒ #22፡18 ካብ ፍረ ወይኒ፦ ግእዝ “ካብዝ ፍረ ወይኒ እዙይ” ይብል። ኸም ዘይሰቲ እብለኩም ኣለኹ” በለ። 19ሕብስቲ ኣልዒሉ ድማ ኣመስጊኑ ቘሪሱ፥ “እዙይ ምእንታኻትኩም ዝወሃብ ስጋይ እዩ፤ ንመዘከርታይ ግበርዎ” እናበለ ሃቦም። 20ከምኡውን ድሕሪ ድራር፥ ነቲ ፅዋዕ ኣልዒሉ፥ “እዝ ፅዋዕ እዙይ፥ በቲ ምእንታኻትኩም ብዝፈስስ ደመይ ዝግበር፥ ሓድሽ ኪዳን እዩ። 21ግና ኢድ እቲ ዘትሕዘኒ ኣብ ማእዲ ምሳይ እኒሃ። 22ወዲ ሰብስ ከምቲ ዝተፅሓፈሉ ክኸይድ እዩ፤ ነቲ ንወዲ ሰብ ኣሕሊፉ ዘትሕዞ ግና ወይለኡ!” በለ። 23ካብኣቶም እዙይ ዝገብር መን ከም ዝኾነ፥ ንስንሳቶም ተጠያየቑ።
ካብ ኵሉ ዝዓቢ መን እዩ?
(ማቴ. 26፡36-46)
24ብድሕሪኡ እቶም ደቀ መዛሙርት “ካብ መንጎኣቶም መን ከም ዝዓቢ” ንስንሳቶም ተኸራኸሩ። 25ሽዑ ኢየሱስ፦ “ንኣህዛብ ነገስታቶም ይገዝእዎም፤ እቶም ስልጣን ዘለዎም ከዓ፥ ገበርቲ ሰናይ ይበሃሉ። 26ኣባኻትኩም ግና ኸምዙይ ኣይኹን፤ ኣባኻትኩምስ፥ እቲ ዓብዪ ኸም ንእሽተይ፥ እቲ ሓለቓ ኸም ኣገልጋሊ ይኹን። 27ካብቲ ኣብ ማእዲ ዝቕመጥን፥ ካብቲ ዘገልግልን ኣየናይ ይዓቢ? እቲ ኣብ ማእዲ ዝቕመጥዶ ኣይኮነን? ኣነ ግና ኣብ ማእኸልኩም፥ ከም ኣገልጋሊ እየ። 28ንስኻትኩም ብመከራይ ምሳይ ዝተዓገስኩም ኢኹም እሞ፥ 29-30ኣብታ መንግስተይ፥ ኣብ ማእደይ ምእንቲ ኽትበልዑን ክትሰትዩን፥ ኣብ ዙፋናት ተቐሚጥኩም ድማ፥ ንዓሰርተ ኽልተ ነገድ እስራኤል ክትፈርዱ፥ ከምቲ ኣቦይ ንኣይ መንግስቲ ዝሃበኒ፥ ንኣኻትኩም ከዓ፥ ኣነ መንግስቲ እህበኩም ኣለኹ” በሎም።
ኢየሱስ፥ ጴጥሮስ ከም ዝኽሕዶ ተዛረበ
(ማቴ. 26፡31-35፥ ማር. 14፡27-31፥ ዮሓ. 13፡36-38)
31ኢየሱስ “ስምኦን! ስምኦን! እንሆ ሰይጣን ከም ስርናይ ክሓሕየኩም ለመነ። 32ኣነ ግና፥ እምነትካ ኸይትጠፍእ ምእንታኻ ፀለኹ፤ ንስኻውን ምስ ተመለስካ ነሕዋትካ ኣፀናንዓዮም” በሎ። 33ስምኦን ግና “ኦ ጐይታ! ኣነስ ንማእሰርቲ ኾነ ንሞት፥ ምሳኻ ንምኻድ ተዳልየ ኣለኹ” በሎ። 34ንሱ ግና “ጴጥሮስ፥ ሎሚ ደርሆ እንተይነቀወ ኸም ዘይትፈልጠኒ፥ ሰለስተ ሻዕ ከም እትኽሕደኒ እብለካ ኣለኹ” በሎ። 35ኣስዒቡ ድማ፦ “እቲ ብዘይ ሳንጣ፥ ብዘይ ስንቂ፥ ብዘይ ሳእኒ ምስ ለኣኽኩኹም፥ ዝኾነ ዝጐደለኩምዶ ነይሩ?” በሎም። ንሳቶም ከዓ “ዝጐደለና ኣይነበረን” በልዎ። 36“ሕዚ ግና ሳንጣ ዘለዎ ይማላእ፤ ከምኡውን ስንቂ፤ እቲ ዘይብሉውን ክዳኑ ሸይጡ፥ ሰይፊ ይዓድግ። 37እብለኩም ኣለኹ፥ ‘ምስ ዓመፅቲ ተቘፀረ’ ዝብል ፅሑፍ፥ ኣባይ ክፍፀም ግድን እዩ። እወ እቲ ዅሉ ብዛዕባይ ዝተፅሓፈ ሕዚ ይፍፀም ኣሎ” በሎም። 38ንሳቶም ከዓ፥ “ጐይታ፥ እንሆ፥ ኣብዙይ ክልተ ኣስይፍቲ ኣለዉ” በልዎ። ንሱ ድማ “ይኣክል” በሎም።
ኢየሱስ ኣብ ደብረ ዘይት ከም ዝፀለየ
39ኢየሱስ ወፂኡ ኸምቲ ልማዱ ኽፅሊ፥ ናብ ደብረ ዘይት ኸደ፤ ደቀ መዛሙርቱውን ተኸተልዎ። 40ኣብታ ስፍራ ምስ በፅሐ ኸዓ፥ “ናብ ፈተና ኸይትኣትዉ ፀልዩ” በሎም። 41ንሱ ድማ ኻብኣቶም ዳርባ እምኒ ዝኣክል ርሒቑ፥ ተንበርኪኹ 42“ኦ ኣቦይ! ፍቓድካ እንተ ኾይኑስ፥ ነዛ ፅዋዕ እዚኣ ኻባይ ኣሕልፋ፤ ግና ፍቓድካ ደኣ እምበር፥ ፍቓደይ ኣይኹን” እናበለ ፀለየ። 43ዘበረታትዖ መልኣኽ እግዚኣብሄር ድማ፥ ካብ ሰማይ ተርኣዮ። 44የመና ተጨኒቑ ስለ ዝነበረ፥ ኣበርቲዑ ፀለየ። ረሃፁ ኸም ነጠብጣብ ደም፥ ናብ ምድሪ የንጠብጥብ ነበረ። 45ካብ ፀሎቱ ተሲኡ፥ ናብቶም ደቀ መዛሙርቱ ምስ ተመለሰ፥ ካብ ሓዘን ዝተልዓለ ደቂሶም ረኸቦም። 46ንሱ ኸዓ “ስለ ምንታይ ትድቅሱ? ናብ ፈተና ኸይትኣትዉ፥ ተሲእኹም ፀልዩ” በሎም።
ኢየሱስ ከም ዝተትሓዘ
(ማቴ. 26፡46-56፥ ማር. 14፡43-50፥ ዮሓ. 18፡3-11)
47ኢየሱስ እዙይ እናበሎም እንተሎ፥ እንሆ ብዙሓት ሰባት መፁ፤ ካብቶም ዓሰርተ ኽልተ ሓደ ዝኾነ ይሁዳ ድማ፥ ይመርሖም ነበረ፤ ንኢየሱስውን ክስዕሞ ቐረበ። 48ኢየሱስ ድማ “ይሁዳ፥ ብምስዓምዶ ንወዲ ሰብ ኣሕሊፍካ ትህቦ ኣለኻ?” በሎ። 49እቶም ምስኡ ዝነበሩ ኸዓ፥ እቲ ዝኾነ ምስ ረአዩ፥ “ጐይታ፥ ብሰይፊ ኽንወቕዖምዶ ትፈቅድ ኢኻ?” በልዎ። 50ሓደ ኻብኣቶም ድማ፥ ንሓሽከር ሊቀ ካህናት ወቕዖ፤ የማነይቲ እዝኑውን ቈረፆ። 51ኢየሱስ ግና “እዙይስ ሕደግ” ኢሉ፥ እዝኑ ዳህሲሱ ኣሕወዮ። 52ኢየሱስ፥ ነቶም ክሕዝዎ ዝመፁ ሊቃነ ካህናትን፥ ኣሕሉቕ ሓለውቲ ቤተ መቕደስን ሽማግለታትን፦ “ከም ከታሪዶ ኣስይፍትን ኣብትርትን ሒዝኩም መፂእኹምኒ? 53ኵሉ መዓልቲ ኣብ ቤተ መቕደስ ምሳኻትኩም ነይረ፤ ኣእዳውኩምኳ ኣየልዓልኩምለይን፤ እዙይ ግና ጊዜኹምን፥ ጊዜ ናይ ፀልማት በዓል ስልጣንን እዩ” በሎም።
ክሕደት ጴጥሮስ
(ማቴ. 26፡57-58፥69-75፥ ማር. 14፡53-54፥66-72፥ ዮሓ. 18፡12-18፥25-27)
54ሒዞም ድማ ናብ ገዛ ሊቀ ካህናት ወሰድዎ፤ ጴጥሮስ ከዓ ርሕቕ ኢሉ ይስዕቦ ነበረ። 55ኣብ ውሽጢ እቲ መካበብያ፥ ሓዊ ኣንዲዶም ብሓንሳእ ተቐሚጦም ነበሩ። ጴጥሮስውን ኣብ መንጎኣቶም ተቐሚጡ ነበረ። 56ሓንቲ ገረድ፥ ኣብ ጥቓ እቲ ሓዊ ተቐሚጡ ምስ ረአየቶ ኣትኲራ ጠሚታ፥ “እዙይውን ምስኡ ነይሩ እዩ” በለት። 57ንሱ ግና፥ “ኣቲ ሰበይቲ ኣነ ኣይፈልጦን እየ” ኢሉ ኸሓደ። 58ድሕሪ ቑሩብ ጊዜ ኸዓ፥ ካልእ ምስ ረአዮ “ንስኻውን ካብኣቶም ኢኻ” በሎ። ጴጥሮስ ግና “ኣታ ሰብኣይ፥ ኣይኮንኩን” በሎ። 59ሓደ ሰዓት ኣቢሉ ምስ ሓለፈ ድማ፥ ካልእ ሰብ “እዙይ ገሊላዊ እዩ፤ ብርግፅውን ምስኡ ነይሩ እዩ” እናበለ ኣትሪሩ ተዛረበ። 60ጴጥሮስ ግና “ኣታ ሰብኣይ፥ ነዝ እትብሎ ዘለኻ ኣይፈልጦን እየ” በለ። እዙይ እናተዛረበ እንተሎ፥ ሽዑ ዶርሆ ነቀወ። 61ጐይታ ኢየሱስ ድማ፥ ግልፅ ኢሉ ንጴጥሮስ ጠመቶ። ጴጥሮስ ከዓ ነቲ “ሎሚ ደርሆ እንተይነቀወ፥ ሰለስተ ሻዕ ክትክሕደኒ ኢኻ” ዝበሎ ቓል ጐይታ ዘከረ።
62ጴጥሮስ ድማ ናብ ደገ ወፂኡ፥ መሪር ብኽያት በኸየ።
ኢየሱስ ናብ መጋባእያ ኸም ዝቐረበ
(ማቴ. 26፡67-68፥ ማር. 14፡65)
63እቶም ንኢየሱስ ዝሓዝዎ ሰባት ድማ፥ የላግፁሉን ይወቕዕዎን ነበሩ። 64ገፁ ሸፊኖም ድማ ይፀፍዕዎ፥ “እስኪ ተነበየልና፥ መን እዩ ዝፀፍዐካ?” እናበሉ ይጥይቕዎ ነበሩ። 65እናፀረፉ ኸዓ ብዙሕ ካልእ ነገራት በልዎ።
66-67ምስ ወግሐ፥ ዓበይቲ ህዝብን ሊቃነ ካህናትን መምህራን ሕግን ተኣኪቦም፥ ናብ መጋባእያ ወሰድዎ። “ንስኻ እቲ ክርስቶስ እንተ ዄንካስ፥ እስኪ ንገረና” በልዎ። ንሱ ኸዓ “እንተ ነገርኩኹም ኣይትኣምኑንን፤ 68እንተ ጠየቕኩኹም ድማ፥ ኣይትምልሱለይን፤ ኣይትሰዱንንውን ኢኹም። 69ካብ ሕዚ ግና፥ ወዲ ሰብ ብየማን ሓይሊ እግዚኣብሄር ክቕመጥ እዩ” በሎም። 70ኵሎም ከዓ፥ “እምበኣር ንስኻ ወዲ እግዚኣብሄር ኢኻ?” በልዎ። ንሱ ድማ፥ “ከምኡ ኸም ዝኾንኩስ፥ ንስኻትኩምኳ ትብሉ ኣለኹም” በሎም። #22፡70 ንስኻትኩምኳ ትብሉ ኣለኹም፦ ግእዝ “ንስኻትኩም ትብሉ ኣለኹም” ይብል።
71ንሳቶም ከዓ “ባዕልትና ኻብ ኣፉ ኻብ ሰማዕናኸ፥ ደጊም እንታይ ምስክር የድልየና?” በሉ።
Currently Selected:
ሉቃስ 22: ትመ15
Označeno
Share
Copy
Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in