1
ዮሃንስ 13:34-35
መፅሓፍ ቅዱስ
ንስንሳትኩም ክትፋቐሩ፥ ከምቲ ኣነ ዘፍቀርኩኹም ጌርኩም ንስንሳትኩም ምእንቲ ኽትፋቐሩ፥ ሓድሽ ትእዛዝ እህበኩም ኣለኹ። ንስንሳትኩም ፍቕሪ እንተ ሃልዩኩም፥ ደቀ መዛሙርተይ ከም ዝኾንኩም፥ በዙይ ኵሉ ኽፈልጥ እዩ።”
Compară
Explorează ዮሃንስ 13:34-35
2
ዮሃንስ 13:14-15
እምበኣር ኣነ ጐይታኹምን መምህርኩምን እንተለኹ፥ ኣእጋርኩም ካብ ሓፀብኩ፥ ንስኻትኩምውን ከምኡ፥ ኣእጋር ብፆትኩም ክትሓፅቡ ይግብአኩም እዩ። ከምቲ ኣነ ንኣኻትኩም ዝገበርክዎ፥ ንስኻትኩምውን ከምኡ ኽትገብሩ፥ ኣርኣያ ሂበኩም ኣለኹ።
Explorează ዮሃንስ 13:14-15
3
ዮሃንስ 13:7
ኢየሱስ ድማ መሊሱ “ነዝ ኣነ ዝገብሮ ዘለኹ፥ ንስኻ ሕዚ ኣይትፈልጦን ኢኻ፤ ደሓር ግና ኽትፈልጦ ኢኻ” በሎ።
Explorează ዮሃንስ 13:7
4
ዮሃንስ 13:16
ሓሽከር ካብ ጐይታኡ፥ ልኡኽውን ካብ ለኣኺኡ ኸም ዘይበልፅ፥ ብሓቂ ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ።
Explorează ዮሃንስ 13:16
5
ዮሃንስ 13:17
እምበኣር ነዙይ እንተ ፈሊጥኩምዎ እሞ፥ እንተ ጌርኩምዎ ብፁኣን ኢኹም።
Explorează ዮሃንስ 13:17
6
ዮሃንስ 13:4-5
ካብ ድራር ተሲኡ፥ ክዳውንቱ ኣንበረ፤ ዕጣቕ ኣልዒሉውን ተዓጠቐ። ሽዑ ማይ ናብ መሕፀቢ ገይሩ፥ ኣእጋር ደቀ መዛሙርቱ ኽሓፅብን፥ በቲ ዝተዓጠቖ ዕጣቕ ገይሩ ኽውልውልን ጀመረ።
Explorează ዮሃንስ 13:4-5
Acasă
Biblia
Planuri
Videoclipuri