Logotipo da YouVersion
Ícone de Pesquisa

ዮሃንስ 21

21
ኢየሱስ ንሸውዓተ ደቀ መዛሙርቱ ኸም ዝተርኣየ
1 # ማር. 14፡28። ድሕሪዙይ ኢየሱስ ንደቀ መዛሙርቱ፥ ኣብ ጥቓ ባሕሪ ጥብርያዶስ መሊሱ ተገለፀሎም። በዝ ኸምዙይውን ተርኣዮም። 2ስምኦን ጴጥሮስን፥ ዲዲሞስ ዝብልዎ ቶማስን፥ ኣብ ገሊላ ኻብ እትርከብ ካብ ቃና ዝኾነ ናትናኤልን፥ ደቂ ዘብዴዎስን፥ ክልተ ኻልኦት ካብ ደቀ መዛሙርቱን፥ ሓቢሮም ነበሩ። 3ስምኦን ጴጥሮስ ድማ “ኣነስ ዓሳ ኸስግር ክኸይድ እየ” በሎም። ንሳቶም ከዓ “ንሕናውን ምሳኻ ኽንኸይድ ኢና” በልዎ። ወፂኦም ድማ ናብ ጃልባ ኣተዉ፤ እንተ ኾነ በታ ለይቲ እቲኣ ሓደኳ ኣይሓዙን። 4#ዮሓ. 20፡14። ምድሪ ምስ ወግሐ ኢየሱስ ኣብ ገምገም ባሕሪ ደው በለ፤ እቶም ደቀ መዛሙርቱ ግና፥ ኢየሱስ ከም ዝኾነ ኣይፈለጡን። 5#ሉቃ. 24፡41። ኢየሱስ “ደቀይ፥ ዝብላዕዶ ኣለኩም?” በሎም። ንሳቶም ድማ “የብልናን” ኢሎም መለሱሉ። 6#ሉቃ. 5፡4-6። ንሱ ኸዓ “ነቲ መርበብ ናብ የማን ጃልባ ኣቢልኩም ደርቢይዎሞ፥ ክትረኽቡ ኢኹም” በሎም። ሽዑ ነቲ መርበቦም ደርበይዎ እሞ፥ ካብ ብዝሒ ዓሳ ዝተልዓለ ምስሓቡ ሰኣኑ። 7እቲ ኢየሱስ ዝፈትዎ ደቀ መዝሙር ከዓ ንጴጥሮስ “ጐይታ እኮ እዩ” በሎ። ስምኦን ጴጥሮስ ድማ፥ ጐይታ ምዃኑ ምስ ሰምዐ፥ ጥራሕ ዝባኑ ስለ ዝነበረ፥ ክዳኑ ተዓጢቑ ናብ ባሕሪ ዘለለ። 8እቶም ካልኦት ደቀ መዛሙርት ግና፥ ካብ ወሰን ባሕሪ ኣስታት ሓደ ሚእቲ ሜትር ዝኣክል ጥራሕ ርሒቖም ስለ ዝነበሩ፥ ነቲ ዓሳ ዝመልአ መርበብ እናሰሓብዎ ብጃልባ መፁ። 9ናብ ምድሪ ምስ ወረዱ ኸዓ፥ ኣብ ልዕሊኡ ዓሳ ዝነበሮ ጓህርን፥ ዝተሰርዐ እንጀራን ረአዩ። 10ኢየሱስ ከዓ ኻብዝ ሕዚ ዝሓዝኩምዎ ዓሳ ኣምፅኡ በሎም። 11ስምኦን ጴጥሮስ ናብታ ጃልባ ደዪቡ፥ ነቲ ሚእትን ሓምሳን ሰለስተን ገዘፍቲ ዓሳ ዝመልአ መርበብ፥ ናብ ምድሪ ጐተቶ። ብዝሓቱ ኽሳዕ ክንድዙይ ዝኣክል እንተ ኾነኳ፥ እቲ መርበብ ኣይተቐደደን። 12ኢየሱስ ድማ “ንዑ ብልዑ” በሎም። እቶም ደቀ መዛሙርቱ፥ ንሱ ጐይታ ምዃኑ ስለ ዝፈለጡ፥ ካብኣቶም ሓደኳ “ንስኻ መን ኢኻ” ኢሉ ኽጥይቖ ዝደፈረ ኣይነበረን። 13#ዮሓ. 6፡11። ኢየሱስ መፂኡ ነቲ እንጀራ ኣልዒሉ ሃቦም፤ ካብቲ ዓሳውን ከምኡ። 14ካብ ሙታን ድሕሪ ምትስኡ፥ ንደቀ መዛሙርቱ እንትግለፀሎም፥ እዙይ ሳልሳይ ጊዜ እዩ።
ኢየሱስን ጴጥሮስን
15 # ሉቃ. 22፡32፥ ግ.ሓ. 20፡28። ምስ በልዑ ድማ፥ ኢየሱስ ንስምኦን ጴጥሮስ፥ “ስምኦን ወዲ ዮና፥ ካብዚኣቶም ኣብሊፅካዶ ትፈትወኒ ኢኻ?” በሎ። ንሱ ኸዓ “እወ ጐይታ፤ ኣነ ኸም ዝፈትወካ ንስኻ ትፈልጥ ኢኻ” ኢሉ መለሰሉ። ኢየሱስ ከዓ “መሓሲአይ መግብ” በሎ። 16#1 ጴጥ. 5፡2-4። ንካልኣይ ጊዜ ድማ “ስምኦን ወዲ ዮና፥ ትፈትወኒ ዲኻ?” በሎ። ንሱ ድማ “እወ ጐይታ፥ ኣነ ኸም ዝፈትወካ ንስኻ ትፈልጥ ኢኻ” በሎ። ንሱ ኸዓ “ኣባጊዐይ ሓሉ” በሎ። 17#ዮሓ. 13፡38። ንሳልሳይ ጊዜ ድማ “ስምኦን ወዲ ዮና፥ ትፈትወኒ ዲኻ?” በሎ። ጴጥሮስ ንሳልሳይ ጊዜ “ትፈትወኒ ዲኻ?” ስለ ዝበሎ እናሓዘነ “ጐይታ፥ ንስኻ ዅሉ ትፈልጥ ኢኻ፤ ኣነ ኸም ዝፈትወካውን ትፈልጥ #21፡17 ትፈልጥ፦ ግእዝ “ትፈልጥን ትምርምርን” ይብል። ኢኻ” በሎ። ኢየሱስ ከዓ “ኣባጊዐይ ኣብልዕ፤ 18#ዮሓ. 13፡36። ንስኻ ጐበዝ እንተለኻ፥ ባዕልኻ ሕቘኻ ተዓጢቕካ፥ ናብ ዝደለኻዮ ትኸይድ ኔርካ፤ ምስ ሸምገልካ ግና፥ ኣእዳውካ ኸም እተልዕል እሞ፥ ሕቘኻ ኻልእ ከም ዘዕጥቐካ፥ ናብ ዘይደለኻዮውን ከም ዝወስደካ፥ ብሓቂ ብሓቂ እብለካ ኣለኹ” በሎ። 19#ማቴ. 16፡24፥ ፊልጵ. 1፡20። እዙይ ዝበለ፥ ጴጥሮስ ብኸመይ ዝበለ ሞት፥ ንእግዚኣብሄር ከኽብሮ ኸም ዘለዎ፥ ምእንቲ ኸመልክቶ እዩ። እዙይ ምስ በለ ኸዓ፥ “ተኸተለኒ” በሎ።
20 # ዮሓ. 13፡25። ጴጥሮስ ድማ ግልፅ ኢሉ፥ ነቲ ኢየሱስ ዝፈትዎ ደቀ መዝሙር ክስዕብ እንተሎ ረአዮ። ንሱውን እቲ ኽድረሩ እንተለዉ፥ ናብ ኢየሱስ ፅግዕ ኢሉ “ጐይታ፥ ኣሕሊፉ ዝህበካ መን እዩ?” ዝበሎ ደቀ መዛሙር እዩ። 21ሽዑ ጴጥሮስ ንእኡ ሪኡ ንኢየሱስ “ጐይታ፥ እዙይከ ኸመይ ክኸውን እዩ?” በሎ። 22ኢየሱስ ከዓ “ክሳዕ ዝመፅእ ኽፀንሕ እንተ ደለኹኸ እንታይ ኣእተወካ? ንስኻ ግዳ ተኸተለኒ” በሎ። 23ስለዙይ “እቲ ደቀ መዝሙር እቱይ ኣይመውትን እዩ” ዝብል ዘረባ ኣብ ማእኸል ኣሕዋት ተሰምዐ። ኢየሱስ ግና “ክሳዕ ዝመፅእ ክፀንሕ እንተ ደለኹኸ እንታይ ኣእተወካ?” እዩ ዝበለ እምበር፥ “ኣይመውትን” ኣይበለን።
24 # ዮሓ. 19፡35። እቲ ብዛዕባዙይ ዝመስከረን ዝፀሓፈን፥ እዝ ደቀ መዝሙር እዙይ እዩ። እቲ ምስክርነቱ ሓቂ ምዃኑ ድማ፥ ንሕና ንፈልጥ ኢና።
25 # ዮሓ. 20፡30። ኢየሱስ ዝገበሮ ኻልእ ብዙሕ ነገራትውን ኣሎ። ኵሉ በብሓደ ተፅሒፉ እንተ ዝኸውንስ፥ ነቲ ዝፀሓፍ መፃሕፍቲ፥ ዓለም ኣይምኣኸሎን ይመስለኒ።

Atualmente Selecionado:

ዮሃንስ 21: ትመ15

Destaque

Compartilhar

Copiar

None

Quer salvar seus destaques em todos os seus dispositivos? Cadastre-se ou faça o login