Logotipo da YouVersion
Ícone de Pesquisa

ዮሃንስ 15

15
ኢየሱስ ናይ ብሓቂ ጕንዲ ወይኒ ኸም ዝኾነ
1“ኣነ፥ ናይ ብሓቂ ጕንዲ ወይኒ እየ፤ ተኻሊኡ ኸዓ ኣቦይ እዩ። 2ነቲ ዅሉ ኣባይ ዘሎ፥ ፍረ ዘይፈሪ ጨንፈር የወግዶ፤ ነቲ ፍረ ዝፈሪ ጨንፈር ግና፥ ብዙሕ ምእንቲ ኽፈሪ የፅርዮ። 3#ዮሓ. 17፡17፥ ግ.ሓ. 15፡9። ንስኻትኩም፥ ሳላ እቲ ዝነገርኩኹም ቃል፥ ድሮ ንፁሃት ኢኹም። 4ኣባይ ንበሩ፤ ኣነውን ኣባኻትኩም ክነብር እየ፤ ጨንፈር ኣብቲ ጕንዲ ወይኑ እንተ ዘይነይሩ፥ ካብ ባዕሉ ኽፈሪ ኸም ዘይኽእል፥ ንስኻትኩምውን ኣባይ እንተ ዘይኔርኩም፥ ክትፈርዩ ኣይትኽእሉን። 5#ፊልጵ. 1፡11። እቲ ጕንዲ ወይኒ ኣነ እየ፤ ንስኻትኩም ድማ ጨናፍር ኢኹም፤ እቲ ኣባይ ዝነብር፥ ኣነውን ኣብኡ ዝነብር፥ ንሱ እዩ ብዙሕ ፍረ ዝፈሪ፤ ብዘይ በኣይ፥ ሓንቲ እኳ ኽትገብሩ ኣይትኽእሉን ኢኹም እሞ። 6#ማቴ. 3፡10። ኵሉ ኣባይ ዘይነብር፥ ከም ጨንፈር ንወፃኢ ተደርቢዩ ይነቅፅ፤ ኣኪቦም ድማ፥ ናብ ሓዊ ይድርብይዎ እሞ ይነድድ። 7#ማቴ. 7፡7-8። ኣባይ ትነብሩ እንተ ዄንኩም፥ ቃለይውን ኣባኻትኩም ዝነብር እንተ ደኣ ኾይኑ፥ ኵሉ እትደልይዎ ለምኑ እሞ ክኾነልኩም እዩ። 8#ማቴ. 5፡16። ብዙሕ ፍረ እንተ ፈረኹም፥ ኣቦይ በዙይ ክኸብር እዩ፤ ንስኻትኩምውን ደቀ መዛሙርተይ ምዃንኩም ክትፍለጡ ኢኹም።
9“ከምቲ ኣብ ዘፍቀረኒ፥ ኣነውን ኣፍቂረኩም ኣለኹ፤ ብፍቕረይ ንበሩ። 10#ዮሓ. 14፡15። ከምቲ ኣነ ትእዛዛት ኣቦይ ሓልየ፥ ኣብ ፍቕሩውን ዝነብር ዘለኹ፥ ከምኡ ኸዓ ንስኻትኩም ትእዛዛተይ እንተ ሓሊኹም፥ ኣብ ፍቕረይ ፀኒዕኹም ክትነብሩ ኢኹም። 11#ዮሓ. 17፡13። ሓጐሰይ ኣባኻትኩም ምእንቲ ኽነብር፥ ሓጐስኩምውን ምሉእ ምእንቲ ክኸውንስ እዙይ ነገርኩኹም። 12#ዮሓ. 13፡34። ከምቲ ኣነ ዘፍቀርኩኹም፥ ንስኻትኩምውን ንስንሳትኩም ክትፋቐሩ፥ ትእዛዘይ እዙይ እዩ። 13#1 ዮሓ. 3፡16። ሰብ ቤዛ ኣዕርኽቱ ገይሩ፥ ንህይወቱ ኣሕሊፉ ኻብ ምሃብ ዝበልፅ ፍቕሪ የብሉን። 14#ማቴ. 12፡50፥ ዮሓ. 8፡31። ንስኻትኩምውን፥ ኵሉ ዝኣዘዝኩኹም እንተ ፈፂምኩም፥ ኣዕርኽተይ ኢኹም። 15ባርያ ጐይታኡ ዝገብሮ ኣይፈልጥን እዩ እሞ፥ ደጊም ኣዕርኽተይ እምበር፥ ባሮተይ ኣይብለኩምን፤ ኣነ ግና፥ እቲ ዅሉ ኻብ ኣቦይ ዝሰማዕኽዎ፥ ንኣኻትኩም ስለ ዘፍለጥኩኹም፥ ኣዕርኽተይ ኢኹም እብለኩም ኣለኹ። 16#ማቴ. 28፡19፥ ማር. 3፡13። ኣነ እየ ዝሓረኹኹም እምበር፥ ንስኻትኩም ኣይሓረኹምንን፤ ኬድኩም ፍረ ምእንቲ ኽትፈርዩ፥ ፍረኹምውን ምእንቲ ነባሪ ክኸውን ሾምኩኹም፤ ስለዙይውን፥ እቲ ዅሉ ንኣብ ብስመይ ዝለመንኩምዎ ኽህበኩም እዩ። 17ንስንሳትኩም ክትፋቐሩ፥ እዙይ እእዝዘኩም ኣለኹ።
ዓለም ክፀልአኩም እዩ
18 # ዮሓ. 7፡7። “ዓለም እንተ ፀልአኩም፥ ኣቐዲሙ ንኣይ ከም ዝፀልአኒ ፍለጡ። 19ንስኻትኩም ካብ ዓለም እንተ እትኾኑስ፥ ዓለም ናቱ ዝኾነ ይፈቱ እዩ እሞ፥ ምፈተወኩም ነይሩ፤ ኣነ ኻብ ዓለም ሓረኹኹም እምበር፥ ካብ ዓለም ኣይኮንኩምን፤ ስለዙይ ዓለም ይፀልአኩም ኣሎ። 20#ዮሓ. 13፡16። ‘ኣገልጋሊ፥ ካብ ጐይታኡ ኣይዓብን እዩ’ ኢለ ዝነገርኩኹም ቃል ዘክሩ፤ ንኣይ እንተ ኣሳጒጎምኒ ንኣኻትኩምውን ከሳጕጉኹም እዮም፤ ቃለይ እንተ ሓልዮም፥ ቃልኩምውን ክሕልዉ እዮም። 21#ማቴ. 10፡22። እንተ ኾነ ነቲ ዝለኣኸኒ ስለ ዘይፈልጥዎ፥ ምእንቲ ስመይ፥ እዝ ዅሉ ኣብ ልዕሌኹም ክፍፅምዎ እዮም። 22ኣነ መፂአ እንተ ዘይነግሮምስ፥ ሓጢኣት ኣይምኾኖምን ነይሩ፤ ሕዚ ግና ንሓጢኣቶም ምኽንያት የብሎምን። 23እቲ ንኣይ ዝፀልእ፥ ነቦይውን ይፀልእ። 24#ማቴ. 11፡23። ኣብ ማእኸሎም፥ ካልእ ሰብ ዘይገበሮ ግብሪ እንተ ዘይገብር ነይረ፥ ሓጢኣት ኣይምኾኖምን ነይሩ፤ ሕዚ ግና ሪኦምስ፥ ንኣይን ነቦይን ፀልኡና። 25#መዝ. 35፡19። እዙይ ግና እቲ ኣብ ሕጎም ‘ብዘይ ምኽንያት ፀልኡኒ’ ዝብል ተፅሒፉ ዘሎ ቓል ምእንቲ ኽፍፀም እዩ ዝኾነ። 26#ዮሓ. 14፡16-26። እቲ ኣነ ኻብ ኣብ፥ ዝሰደልኩም መፀናንዒ፥ #15፡26 መፀናንዒ፦ ግእዝ “ጰራቅሊጦስ” ይብል። ኻብ ኣብ፥ ዝወፅእ መንፈስ ሓቂ ምስ መፀ ግና፥ ንሱ ኽምስክረለይ እዩ። 27#ግ.ሓ. 1፡8፥ 4፡33፥ 1 ዮሓ. 1፡2፥ 4፡14። ንስኻትኩምውን ካብ መጀመርታ ምሳይ ኔርኩም ኢኹም እሞ፥ መሰኻኽረይ ኢኹም።

Atualmente Selecionado:

ዮሃንስ 15: ትመ15

Destaque

Compartilhar

Copiar

None

Quer salvar seus destaques em todos os seus dispositivos? Cadastre-se ou faça o login