ዮሃንስ 12
12
ኢየሱስ ኣብ ቢታንያ ሽቱ ኸም ዝተቐብአ
(ማቴ. 26፡6-13፥ ማር. 14፡3-9)
1 #
ሉቃ. 7፡36-50። ሽዑ ኢየሱስ ሽዱሽተ መዓልቲ ቕድሚ ፋሲካ፥ ናብታ ንሱ ኻብ ምዉታን ዘተስኦ ኣልኣዛር ዘለዋ፥ ቢታንያ ናብ ዝተብሃለት ዓዲ ኸደ። 2ኣብኣ ኸዓ ድራር ገበሩሉ፤ ማርታውን ተገልግል ነበረት፤ ካብቶም ምስኡ ዝተቐመጡ ሓደ ኣልኣዛር ነበረ። 3ማርያም ድማ ፍርቂ ሊትሮ #12፡3 ፍርቂ ሊትሮ፦ ወይ “ሓደ ነጥሪ” ዝኸውን ብፅሩይ ናርዶስ ዝተሰርሐ፥ ብዙሕ ዝዋጋኡ ምዑዝ ሽቱ ወሲዳ፥ ኣእጋር ኢየሱስ ቀብአት፤ ብፀጕሪ ርእሳውን ሓበሰቶ። እታ ገዛ ኸዓ፥ ብመዓዛ እቲ ሽቱ መልአት። 4#ዮሓ. 6፡71። ሓደ ኻብቶም ደቀ መዛሙርቱ፥ እቲ ኸትሕዞ ዘለዎ ይሁዳ ኣስቆሮታዊ ወዲ ስምኦን ግና፥ 5“እዝ ምዑዝ ሽቱ እዙይ፥ ብሰለስተ ሚእቲ ዲናር ተሸይጡ፥ ንምንታይ ንድኻታት ዘይምተውሃበ ነይሩ?” በለ። 6#ዮሓ. 13፡29። እዙይ ዝበለ ድማ፥ ሰራቒ ስለ ዝኾነ እዩ እምበር፥ ንድኻታት ሓልዩሎም ኣይኮነን፤ ተሓዚ ሙዳየ ምፅዋት ስለ ዝነበረ፥ ካብቲ ኣብኡ ዝኣተወውን የልዕል ስለ ዝነበረ እዩ። 7ስለዙይ ኢየሱስ “ንመዓልቲ ቐብረይ ዘዳለወቶ እዩ እሞ ሕደጉዋ። 8ድኻታትስ ኵልሻዕ ምሳኻትኩም ኣለዉ፤ #12፡8 ኣብ ግእዝ “ብዝደለኹምዎ ጊዜ ፅቡቕ ክትገብሩሎም ትኽእሉ ኢኹም” ዝብል ይርከብ። ንኣይ ግና ዅልሻዕ ኣይትረኽቡንን ኢኹም” በሎም።
9ድሕሪዙይ ካብ ኣይሁድ ብዙሓት ሰባት፥ ኢየሱስ ኣብኡ ኸም ዘሎ ፈሊጦም፥ ናብ ቢታንያ መፁ። እንተ ኾነ ነቲ ኻብ ምዉታን ዘተስኦ ኣልኣዛርውን ክሪኡ እምበር፥ ምእንቲ ኢየሱስ ጥራሕ ኢሎም ኣይኮኑን ዝመፁ። 10-11#ሉቃ. 16፡31። ብዙሓት ኣይሁድ ብምኽንያት ኣልኣዛር እናኸዱ፥ ብኢየሱስ ይኣምኑ ስለ ዝነበሩ፥ ሊቃነ ካህናት ንኣልኣዛር ክቐትልዎ ተማኸሩ።
ኢየሱስ ብዓብዪ ኽብሪ ናብ ኢየሩሳሌም ከም ዝኣተወ
(ማቴ. 21፡1-11፥ ማር. 11፡1-11፥ ሉቃ. 19፡28-40)
12ብፅባሒቱ እቶም ንበዓል ዝመፁ ብዙሓት ህዝቢ፥ ኢየሱስ ናብ ኢየሩሳሌም ከም ዝመፅእ ሰሚዖም፥ 13#መዝ. 118፡26፥ ዮሓ. 1፡49። ጨናፍር ስየ ሒዞም ክቕበልዎ ወፁ። ዓው ኢሎም ከዓ “ሆሳዕና! እቲ ብስም እግዚኣብሄር ዝመፅእ፥ ንጉስ እስራኤል ቡሩኽ እዩ!” በሉ። 14-15#ዘካ. 9፡9። ከምቲ፦
“ኣቲ ጓል ፅዮን ኣይትፍርሒ፤
እንሆ ንጉስኪ፥ ኣብ ገልገል ኣድጊ
ተቐሚጡ ይመፅእ ኣሎ”
ተብሂሉ ኸም ዝተፅሓፈ፥ ኢየሱስ ገልገል ኣድጊ ረኺቡ ኣብ ልዕሊኡ ተቐመጠ። 16ደቀ መዛሙርቱ፥ ነዝ ነገር እዙይ ቅድም ኣየስተውዓልዎን። ኢየሱስ ምስ ከበረ ግና፥ ነዝ ነገር እዙይ ብዛዕባኡ ኸም ዝተፅሓፈ፥ ንሳቶምውን እዙይ ከም ዝገበሩሉ ዘከሩ። 17እቶም ንኣልኣዛር ካብ መቓብር ፀዊዑ፥ ካብ ምዉታን ከተስኦ እንተሎ፥ ምስኡ ዝነበሩ ህዝቢ ኸዓ ይምስክሩሉ ነበሩ። 18እቶም ህዝቢ ድማ፥ እዝ ተኣምራት እዙይ ከም ዝገበረ ስለ ዝሰምዑ እዮም፥ ክቕበልዎ ዝወፁ። 19#ዮሓ. 11፡47-48። ሽዑ ፈሪሳውያን ንስንሳቶም “ሓንቲ እኳ ኽትገብሩ፥ ከም ዘይትኽእሉ ትሪኡዶ ኣለኹም? እንሆ ዅሉ ዓለም ደድሕሪኡ ይስዕብ ኣሎ” ተበሃሃሉ።
ኢየሱስ ብዛዕባ ሞቱ ኸም ዝተዛረበ
20ካብቶም በቲ በዓል ክሰግዱ ዝደየቡ ኸዓ፥ ገሊኣቶም ግሪካውያን ነበሩ። 21ንሳቶም ናብ ፊልጶስ፥ በዓል ቤተ ሳይዳ ናይ ገሊላ መፂኦም፥ “ጐይታ፥ ንኢየሱስ ክንሪኦ ንደሊ ኣለና” ኢሎም ለመንዎ። 22ፊልጶስ ድማ ኸይዱ ንእንድርያስ ነገሮ፤ እንድርያስን ፊልጶስን ድማ፥ ከይዶም ንኢየሱስ ነገርዎ። 23#ዮሓ. 13፡32፥ 17፡1። ኢየሱስ ድማ መሊሱ ኸምዙይ በሎም፦ “ወዲ ሰብ ዝኸብረላ ሰዓት በፂሓ እያ። 24#ዮሓ. 3፡14፥ 1 ቆሮ. 15፡36። ፍረ ስርናይ፥ ኣብ ምድሪ ወዲቓ እንተ ዘይሞተት፥ በይና እያ እትነብር፤ እንተ ሞይታ ግና፥ ብዙሕ ፍረ ኸም እትፈሪ፥ ብሓቂ ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ። 25#ማቴ. 10፡39። እቲ ንነፍሱ ዝፈትዋ፥ ከጥፍኣ እዩ፤ እቲ ንነፍሱ ኣብዛ ዓለም እዚኣ ዝፀልኣ ግና፥ ንህይወት ዘለኣለም ክሕልዋ እዩ። 26#ማቴ. 25፡34፥ ሉቃ. 9፡23፥ ዮሓ. 14፡3፥ 1 ጴጥ. 2፡21። እቲ ኸገልግለኒ ዝደሊ ይከተለኒ፤ እቲ ዘገልግለኒ ኸዓ፥ ኣብቲ ኣነ ዘለኹዎ ኽነብር እዩ። ነቲ ዘገልግለኒውን፥ ኣብ ከኽብሮ እዩ።
27 #
ማቴ. 26፡38-39፥ ማር. 10፡45፥ ሉቃ. 12፡50። “ሕዝስ ነፍሰይ ተጨኒቓ ኣላ፤ እንታይ እሞ ኽብል እየ? ‘ኣቦ! ካብዛ ሰዓት እዚኣ ኣድሕነኒ’ #12፡27 ኣድሕነኒ፦ ግእዝ “ንነፍሰይ ኣድሕና” ይብል። ግና፥ ምእንቲ እዙይ እንድየ ዝመፃእኹ፥ ናብዛ ሰዓት እዚኣውን ዝበፃሕኹ። 28#ማቴ. 3፡17፥ ዮሓ. 5፡37። ኦ ኣቦ! ንስምካ ኣኽብሮ” #12፡28 ንስምካ፦ ግእዝ “ንወድኻ” ይብል። ሽዑ ኻብ ሰማይ “ኣነ ኣኽቢረዮ ኣለኹ፤ ደጊመውን ከኽብሮ እየ” ዝብል ድምፂ መፀ። 29ሽዑ እቶም ኣብኡ ደው ኢሎም ዝነበሩ ህዝቢ፥ እዙይ ምስ ሰምዑ “ነጐድጓድ እዩ” በሉ፤ ገሊኣቶም ከዓ “መልኣኽ እዩ ዝተዛረቦ” በሉ። 30ኢየሱስ ድማ ኸምዙይ ኢሉ መለሰሎም፦ “እዝ ድምፂ እዙይ ምእንታኻትኩም እምበር፥ ምእንታይ ኣይኮነን ዝመፀ። 31#ሉቃ. 10፡18፥ ዮሓ. 16፡11፥ ዕብ. 2፡14። እዝ ዓለም እዙይ ዝፍረደሉ ጊዜ በፂሑ እዩ፤ ገዛኢ እዝ ዓለም እዙይውን፥ ናብ ወፃኢ ዝድርበየሉ ሕዚ እዩ። 32#ዮሓ. 3፡14፥ ሮሜ 5፡18። ኣነ ድማ ኻብ ምድሪ ልዕል ምስ በልኩ፥ ንዅሉ ናባይ ክስሕቦ እየ።” 33እዙይ ዝበለ ኸዓ፥ ብኸመይ ዝበለ ሞት፥ ክመውት ከም ዘለዎ እንተመልክት እዩ። 34#ኢሳ. 9፡6፥ ሕዝ. 37፡25። ስለዙይ እቶም ህዝቢ “ንሕናስ ክርስቶስ ንዘለኣለም ከም ዝነብር፥ ካብ ሕጊ ሰሚዕና ኔርና፤ ንስኻ ደኣ ኸመይ ኢልካ ኢኻ ‘ወዲ ሰብ ግድን ልዕል ክብል እዩ’ ትብል ዘለኻ? እቲ ወዲ ሰብ እቱይከ መን እዩ?” ኢሎም ጠየቕዎ። 35#ኤር. 13፡16፥ ዮሓ. 7፡33፥ 11፡9-10። ሽዑ ኢየሱስ “ገና ንቑሩብ መዓልቲ፥ ብርሃን ምሳኻትኩም ኣሎ፤ ስለዙይ ፀልማት እንተየርከበኩም፥ ብብርሃን ተመላለሱ፤ እቲ ብፀልማት ዝመላለስ፥ ናብ ዝኸዶ ኣይፈልጥን እዩ እሞ። 36#ኤፌ. 5፡8። ደቂ ብርሃን ምእንቲ ኽትኮኑ፥ ብርሃን እንተለኩም ብብርሃን እመኑ” በሎም። ኢየሱስ ከምዙይ ኢሉ ምስ ተዛረበ፥ ካብኣቶም ከይዱ ተሰወሮም።
ኣይሁድ ምእማን ከም ዝኣበዩ
37-38 #
ዮሓ. 2፡11፥ ኢሳ. 53፡1። እቲ ነቢይ ኢሳይያስ “ኦ ጐይታ፥ ንምስክርነትና መን ኣመኖ? ሓይሊ እግዚኣብሄርከ ንመን ተግሃደሉ?” ዝበሎ ቓል ምእንቲ ኽፍፀም፥ ክንድዙይ ዝኣክል ተኣምራት እኳ፥ ኣብ ቅድሚኣቶም እንተ ገበረ፥ ብእኡ ኣይኣመኑን፤ 39-40#ኢሳ. 6፡9-10። ከምኡ ድማ ኢሳይያስ ደጊሙ “በዒንቶም ከይሪኡ፥ ብልቦምውን ከየስተውዕሉ እሞ፥ ናባይ ከይምለሱ፥ ኣነውን ከይምሕሮምስ፥ ኣዒንቶም ኣዕወረ፤ ልቦምውን ኣትረረ” ኸም ዝበሎ ምእማን ሰኣኑ።
41 #
ኢሳ. 6፡1-5። ኢሳይያስ ብዛዕባኡ ኸምዙይ ኢሉ ዝተዛረበ፥ ክብሩ ስለ ዝረአየ እዩ።
42ምስዙይ ኵሉ፥ ካብ ኣሕሉቕ ብዙሓት ብእኡ ኣመኑ፤ እንተ ኾነ ፈሪሳውያን፥ ካብ ቤተ ፀሎቶም ከየባርርዎም ስለ ዝፈርሑ፥ እምነቶም ኣየግሃዱን። 43#ዮሓ. 5፡44፥ 7፡13። እዙይ ከዓ፥ ካብ ክብሪ እግዚኣብሄር፥ ክብሪ ሰብ ስለ ዝመረፁ እዩ።
44 #
ማቴ. 10፡40። ኢየሱስ ከዓ ዓው ኢሉ ኸምዙይ በለ፦ “እቲ ዅሉ ብኣይ ዝኣምን፥ ብኣይ ጥራሕ ዘይኮነስ፥ በቲ ዝለኣኸኒውን እዩ ዝኣምን። #12፡44 ግሪክ “በቲ ዝለኣኸኒ እዩ እምበር፥ ብኣይ ኣይኮነን ዝኣምን” ይብል። 45#ዮሓ. 10፡33፥ 14፡9፥ ቈላ. 1፡15። እቲ ንኣይ ዝረአየ፥ ነቲ ዝለኣኸኒውን ይርኢ። 46#ዮሓ. 1፡4-9። እቲ ዅሉ ብኣይ ዝኣምን፥ ኣብ ፀልማት ምእንቲ ኸይነብር፥ ኣነ ብርሃን ኮይነ፥ ናብ ዓለም መፂአ ኣለኹ። 47#ዮሓ. 3፡17። እቲ ንቓለይ ሰሚዑ ዘይሕልዎ፥ ኣነ ኣይኮንኩን ዝፈርዶ፤ ኣነ ዝመፃእኹ፥ ንዓለም ከድሕን ደኣ እምበር፥ ንዓለም ክፈርድ ኣይመፃእኹንሞ። 48#ዮሓ. 3፡11፥16፥18፥ 6፡40፥ 7፡16። ነቲ ነኣይ ዘይደሊ፥ ንቓለይውን ዘይቕበል ዝፈርዶ ኣለዎ፤ እዝ ኣነ ዝዛረቦ ዘለኹ ቓል፥ ንሱ በታ ዳሕረወይቲ መዓልቲ ኽፈርዶ እዩ። 49እቲ ዝለኣኸኒ ኣብ፥ እንታይ ከም ዝብልን እንታይ ከም ዝዛረብን ዝኣዘዘኒ እምበር፥ ኣነ ኻብ ባዕለይ ኣይተዛረብኩን። 50እቲ ትእዛዙ ኸዓ፥ ናይ ዘለኣለም ህይወት ከም ዝኾነ እፈልጥ እየ፤ ስለዙይ እቲ ኣነ ዝዛረቦ ኸምቲ ኣብ፥ ዝነገረኒ ገይረ እየ ዝዛረቦ ዘለኹ።”
Atualmente Selecionado:
ዮሃንስ 12: ትመ15
Destaque
Compartilhar
Copiar
Quer salvar seus destaques em todos os seus dispositivos? Cadastre-se ou faça o login