Logotipo da YouVersion
Ícone de Pesquisa

ግብሪ ሃዋርያት 6

6
ሸውዓተ ዲያቆናት ከም ዝተመረፁ
1 # ግ.ሓ. 4፡35። በቲ እዋን እቱይ፥ ደቀ መዛሙርት ብቝፅሪ እናበዝሑ ምስ ከዱ፥ እቶም ካብ ግሪክ ዝመፁ ኣይሁድ፥ እተን ናታቶም መበለታት፥ ኣብቲ ዕለታዊ ምዕዳል ምግቢ ሸለል ስለ ዝተብሃላ፥ ኣብ ልዕሊ እቶም ናይ ይሁዳ ዕብራውያን ኣጕረምረሙ። 2ሽዑ እቶም ዓሰርተ ኽልተ ሃዋርያት ንዅሎም ደቀ መዛሙርት ኣኪቦም፥ “ንሕና ማእዲ ኽንሰርዕ ክንብል፥ ቃል እግዚኣብሄር ምስባኽ ክንሓድግ ኣይግብአናን እዩ። 3ስለዙይ ኣቱም ኣሕዋትና፥ ነዝ ጉዳይ እዙይ ክንሸሞም፥ ካባኻትኩም ብፅቡቕ ዝተመስከረሎም፥ መንፈስ ቕዱስን ጥበብን ዝመልኦም፥ ሸውዓተ ሰባት ሕረዩ፤ 4#ሉቃ. 1፡2። ንሕና ግና ኣብ ፀሎትን፥ ኣብ ምምሃር ቃሉን፥ ክንተግህ ኢና” በልዎም። 5#ግ.ሓ. 8፡5፥26፥ 21፡8። እዝ ዘረባ እዙይ፥ ንዅሉ እቲ ህዝቢ ኣሐጐሰ፤ ነቲ እምነትን መንፈስ ቅዱስን ዝመልኦ ሰብ እስጢፋኖስን፥ ንፊልጶስን፥ ንጵሮኮሮንን፥ ንኒቃሮናን፥ ንጢሞናን፥ ንጰርሜናን፥ ነቲ ናብ እምነት ኣይሁድ ዝኣተወ ኒቆላዎስ በዓል ኣንፆኪያን ድማ ሓረዩ። 6ነዚኣቶም ኣብ ቅድሚ ሃዋርያት ኣቖምዎም፤ ንሳቶምውን ፀለዩሎም፤ ኣእዳዎም ከዓ ኣንበሩሎም።
7 # ዮሓ. 12፡42፥ ቈላ. 1፡6። ቃል እግዚኣብሄር ድማ እናሰፍሐን እናተባፅሐን ከደ፤ ቍፅሪ እቶም ደቀ መዛሙርትውን፥ ኣብ ኢየሩሳሌም የመና እናበዝሐ ኸደ፤ ካብ ካህናትውን ብዙሓት ኣመኑ።
እስጢፋኖስ ከም ዝተትሓዘ
8 # 1 ቆሮ. 2፡4። እስጢፋኖስ ድማ ፀጋን ሓይልን መሊእዎ፥ ኣብ ማእኸል እቲ ህዝቢ፥ ዓበይቲ ምልክታትን ተኣምራትን ይገብር ነበረ። 9ገሊኣቶም ናይታ ውፁኣት ሓራ #6፡9 ውፁኣት ሓራ፦ ብግሪክ “ሊበርቲነስ” ይበሃል። እትበሃል ቤተ ፀሎትን፥ ሰብ ቀሬናዎንን፥ ሰብ እስክንድርያን፥ ሰብ ኪልቅያን እስያን ግና፥ ተልዒሎም ንእስጢፋኖስ ይከራኸርዎ ነበሩ። 10#ማቴ. 10፡20፥ ሉቃ. 21፡5። ነቲ ዝዛረበሉ ዝነበረ ጥበብን መንፈስን #6፡10 መንፈስ፦ ግእዝ “ብመንፈስ ቕዱስን” ይብል። ግና ኽረትዕዎ #6፡10 ኽረትዕዎ፦ ግእዝ “ክቃወምዎ” ይብል። ኣይከኣሉን። 11ሽዑ “እዝ ሰብ እዙይ፥ ኣብ ልዕሊ ሕጊ ሙሴን፥ ኣብ ልዕሊ እግዚኣብሄርን፥ እንትፃረፍ ሰሚዕናዮ” ዝብሉ ሰባት ሓባበሉ። 12በዙይ ከዓ ንህዝብን ንሽማግለታትን ንመምህራን ሕግን ኣለዓዓሉ፤ ንሳቶም ድማ መፂኦም ሓዝዎ፤ ናብ መጋባእያውን ኣቕረብዎ። 13“እዝ ሰብ እዙይ፥ ኣብ ልዕሊ እቲ ቕዱስ ስፍራን፥ ኣብ ልዕሊ ሕጊ ሙሴን፥ ምፅራፍ ኣቋሪፁ ኣይፈልጥን” ዝብሉ ሓሰውቲ መሰኻኽር ኣተስኡሉ። 14#ማቴ. 5፡17፥ 24፡2። ንሳቶም “ናይ ናዝሬት ኢየሱስ፥ ‘ነዝ ቤተ መቕደስ እዙይ፥ ከፍርሶ እዩ፤ ነቲ ሙሴ ዝሃበና ሕጊ እውን ክልውጦ እዩ’ ኽብል እንተሎ ሰሚዕናዮ” ዝብሉ መሰኻኽር ኣቖሙ። 15እቶም ኣብቲ መጋባእያ ተቐሚጦም ዝነበሩ ሰባት፥ ኵላቶም ጠመትዎ፤ ገፁ ኸዓ፥ ከም ገፅ መልኣኽ ኮይኑ ተርኣዮም።

Destaque

Compartilhar

Copiar

None

Quer salvar seus destaques em todos os seus dispositivos? Cadastre-se ou faça o login