ሉቃስ 19
19
ኢየሱስን ተቐባሊ ቀረፅ ዘኬዎስን
1ኢየሱስ ኣብ ኢያሪኮ ኣትዩ ብኣኣ ይሓልፍ ነበረ። 2እንሆ ሓለቓ ተቐበልቲ ቐረፅ ዝኾነ፥ ዘኬዎስ ዝስሙ ሃብታም ሰብኣይ፥ 3ኢየሱስ ኣየናይ ምዃኑ ንምፍላጥ፥ ክሪኦ ይደሊ ነበረ። ቁመቱ ሓፂር ስለ ዝነበረ ግና፥ ካብ ብዝሒ እቲ ህዝቢ ዝተልዓለ፥ ክሪኦ ኣይከኣለን። 4በታ መንገዲ እቲኣ ይሓልፍ ስለ ዝነበረ ኸዓ፥ ክሪኦ ንቕድሚት ጐይዩ፥ ናብ ሳግላ ደየበ። 5#ራእይ 3፡20። ኢየሱስ ድማ ኣብታ ቦታ ምስ በፅሐ፥ ቅንዕ ኢሉ ጠሚቱ፥ “ዘኬዎስ፥ ሎሚ ኣብ ገዛኻ ኽውዕል እየሞ፥ ቀልጢፍካ ውረድ” በሎ። 6#ዮሓ. 1፡12። ቐልጢፉ ወረደ፤ እናተሓጐሰውን ተቐበሎ። 7#ሉቃ. 5፡30። እዙይ ምስ ረአዩ ድማ “ኣብ እንዳ ሓጢኣተኛ ሰብ ክውዕል ኣትዩ” ኢሎም፥ ኵላቶም ኣጕረምረሙ። 8#ሉቃ. 6፡43-44፥ ያቆ. 2፡22። ዘኬዎስ ከዓ ተሲኡ ንጐይታ “ኦ ጐይታ! እንሆ ፍርቂ ጥሪተይ፥ ንድኻታት እህብ፤ ዝዓመፅክዎ እንተ ሃልዩውን ኣርባዕተ ዕፅፊ እፈድዮ” በሎ። 9#ሉቃ. 3፡8፥ 5፡32፥ 9፡56፥ ዮሓ. 3፡17፥ 1 ጢሞ. 1፡15። ኢየሱስ ድማ “ሎሚ ነዝ ገዛ እዙይ፥ ድሕነት ኮነሉ፤ ንሱውን ወዲ ኣብርሃም እዩሞ። 10ወዲ ሰብ ዝመፀ፥ ንዝጠፍአ ኽደልን ከድሕንን እዩ እሞ” በሎ።
ምስላ ዓሰርተ ምናናት ዝተቐበሉ ኣገልገልቲ
(ማቴ. 25፡14-30)
11 #
ሉቃ. 17፡20፥ ግ.ሓ. 1፡6። ንሳቶም እዙይ ክሰምዑ እንተለዉ ድማ፥ ናብ ኢየሩሳሌም ቀሪቡ ነበረ እሞ፥ መንግስቲ እግዚኣብሄር ሽዑ እትገሃድ ይመስሎም ስለ ዝነበረ፥ ወሲኹ ብምስላ ተዛረበ። 12#ማር. 16፡19። ከምዙይ ድማ በለ፦ “ሓደ ኽቡር ሰብ፥ መንግስቲ ተቐቢሉ ኽምለስ፥ ናብ ርሑቕ ሃገር ከደ። 13#1 ጴጥ. 4፡10። ንዓሰርተ ኣገልገልቱ ፀዊዑ ኸዓ ‘ክሳዕ ዝመፅእ በዙይ ንገዱ’ ኢሉ፥ ዓሰርተ ምናን #19፡13 ምናን፦ ወይ “ምናናት” ናይ ገንዘብን ሚዛንን መለክዒ እንትኸውን 700 ግራም ኣቢሉ ይኸውን። ሃቦም። 14ደቂ ዓዱ ግና ፀልእዎ #19፡14 ፀልእዎ፦ ገሊኣቶም መፃሕፍቲ “ይፀልእዎ ነበሩ” ይብል። እሞ ‘እዙይ ኣብ ልዕሌና ኽነግስ ኣይንደልን ኢና’ ኢሎም፥ ደድሕሪኡ ልኡኻት ሰደዱ። 15መንግስቲ ተቐቢሉ ምስ ተመለሰ ድማ፥ ክንደይ ዝኣክል ነጊዶም ከም ዘትረፉ ኽፈልጥ ደልዩ፥ ነቶም ምናን ዝሃቦም ክፅውዑሉ ኣዘዘ። 16እቲ ቐዳማይ መፂኡ ‘ኦ ጐይታ፥ እታ ምናንካ፥ ካልእ ዓሰርተ ትርፊ ረኺበላ’ በሎ። 17#ሉቃ. 16፡10። ንሱ ኸዓ ‘ኣታ ሕያዋይ ኣገልጋሊ፥ ፅቡቕ ገበርካ፤ ብውሑድ እሙን ኴንካ ኢኻ እሞ፥ ኣብ ዓሰርተ ኸተማታት ሸይመካ ኣለኹ’ በሎ።
18“እቲ ኻልኣይ ድማ፥ ‘ኦ ጐይታ፥ እታ ምናንካ፥ ካልእ ሓሙሽተ ትርፊ ረኺበላ’ እናበለ ቐረበ። 19ነዙይ ድማ ‘ንኣኻውን ኣብ ሓሙሽተ ኸተማታት ሸይመካ ኣለኹ’ በሎ። 20-21እቲ ሳልሳይ ድማ ‘ኦ ጐይታ፥ ዘየንበርካዮ እተልዕል፥ ዘይዘራእኻዮ እትዓፅድ ጨካን ሰብ ምዃንካ ስለ ዝፈልጥ፥ ፈሪሐ፥ እዛ ኣብ ቍራፅ ዓለባ ቛፂረ ዘፅናሕክዋ ምናን እኒሃትልካ’ እናበለ ቐረበ። 22#ማቴ. 12፡37። ንሱ ድማ ‘ኣታ ኽፉእ ኣገልጋሊ፥ ከም ቃልካ ኽፈርደካ እየ። ኣነ ዘየንበርክዎ ዘልዕል፥ ዘይዘራእኽዎ ዝዓፅድ፥ ጨካን ሰብ ምዃነይ እናፈለጥካ ደኣ 23ስለ ምንታይ ነቲ ገንዘበይ፥ ኣብ ባንኪ ዘየእተኻዮ? ኣነ መፂአ ምስ ወለዱ ምወሰድክዎ ነይረ’ በሎ። 24ነቶም ኣብኡ ደው ኢሎም ዝነበሩ ሰባት ከዓ ‘እታ ምናን ኣሕድግዎ እሞ፥ ነቲ ዓሰርተ ዘለዎ ሃብዎ’ በሎም። 25ንሳቶም ከዓ፥ ‘ኦ ጐይታ፥ ንሱስ ዓሰርተ ምናን ኣለዎ’ በልዎ። 26#ሉቃ. 8፡18። ንሱ ድማ ‘ንዘለዎ ይወሃቦ፤ ነቲ ዘይብሉ ግና፥ እታ ዘላቶ እኳ ኸሕድግዎ እዮም፥ እብለኩም ኣለኹ። 27#ማቴ. 21፡41። ነዞም ኣነ ኣብ ልዕሊኣቶም ክነግስ ዘይደለዩ ፀላእተይ ግና፥ ናብዙይ ኣምፂእኹም፥ ኣብ ቅድመይ ቅተልዎም’ ” በለ።
ኢየሱስ ብዓብዪ ኽብሪ ናብ ኢየሩሳሌም ከም ዝኣተወ
(ማቴ. 21፡1-11፥ ማር. 11፡1-11፥ ዮሓ. 12፡12-19)
28 #
ማር. 10፡32፥ ሉቃ. 9፡51። ኢየሱስ እዙይ ምስ ተዛረበ ናብ ኢየሩሳሌም ክድይብ ቀቅድሚኣቶም ከደ። 29ጥቓ ደብረ ዘይት ዝበሃል እምባ ናብ ዝርከባ ቤተ ፋጌን ቢታንያን ምስ ቀረበ፥ ንኽልተ ኻብ ደቀ መዛሙርቱ ኸምዙይ ኢሉ ለኣኸ፦ 30“ናብዛ ኣብ ቅድሜኹም ዘላ ዓዲ ኺዱ፤ ኣብኣ ምስ ኣተኹም፥ ሰብ ዘይተቐመጦ እሱር ገልገል #19፡30 ገልገል፦ ኻብ ዒሉ ዕብይ ዝበለ ዘይፀዓን ኣድጊ ማለት እዩ። ኣድጊ ኽትረኽቡ ኢኹም፤ ፈቲሕኹም ኣምፅእዎ። 31ዝኾነ ሰብ፥ ‘ስለ ምንታይ ትፈትሕዎ ኣለኹም?’ ኢሉ እንተ ጠየቐኩም ከዓ፥ ‘ጐይታ ይደልዮ ኣሎ’ በልዎ።” 32እቶም ዝተልኣኹ ኸይዶም ከምቲ ዝበሎም ረኸቡ። 33ንሳቶም ነቲ ገልገል ኣድጊ ኽፈትሕዎ እንተለዉ፥ ዋናታቱ “ነዝ ገልገል ኣድጊ ስለ ምንታይ ትፈትሕዎ ኣለኹም?” በልዎም። 34ንሳቶም ድማ “ጐይታ ይደልዮ ኣሎ” በልዎም። 35ናብ ኢየሱስውን ኣምፅእዎ። ልዕሊ እቲ ገልገል ኣድጊ፥ ክዳውንቶም ምስ ጐዝጐዙሉ ኸዓ፥ ንኢየሱስ ኣብኡ ኣቐመጥዎ። 36ንሱ ክኸይድ እንተሎ፥ ክዳውንቶም ኣብ መንገዲ ኣንፀፉ። 37ናብ ቝልቍል ደብረ ዘይት ምስ ቀረበ፥ ኵሎም እቶም ንኢየሱስ ዝኽተልዎ ዝነበሩ፥ በቲ ዅሉ ዝረአይዎ ሓይልታት ክሕጐሱን፥ ንእግዚኣብሄር ብዓብዪ ድምፂ ኸመስግንዎን ጀመሩ። 38#መዝ. 118፡26፥ ሉቃ. 2፡14፥ 13፡35። “እቲ ብስም እግዚኣብሄር ዝመፅእ ንጉስ ቡሩኽ እዩ። #19፡38 ንጉስ ቡሩኽ እዩ፦ ግእዝ “ቡሩኽ ንጉስ እስራኤል” ይብል። ሰላም ኣብ ሰማይ፥ ክብሪ ኣብ ኣርያም!” እውን ይብሉ ነበሩ።
39ኣብ ማእኸል እቲ ህዝቢ ዝነበሩ ገሊኣቶም ፈሪሳውያን ግና “መምህር፥ ንደቀ መዛሙርትኻ ገስፆም” በልዎ። 40ንሱ ድማ “እዚኣቶም ስቕ እንተ በሉ እኳ፥ እዞም ኣእማን ዓው ኢሎም ድምፂ ኸስምዑ እዮም፥ እብለኩም ኣለኹ” ኢሉ መለሰሎም።
ኢየሱስ ንኢየሩሳሌም ከም ዝበኸየላ
41 #
ሉቃ. 13፡34። ኢየሱስ ናብታ ኸተማ ቐረበ፤ ምስ ረአያ ኸዓ፥ ከምዙይ ኢሉ በኸየላ፦ 42“ኣየ ንስኺ! በዝ መዓልቲ እዙይ ንሰላምኪ ዝኸውን ፈሊጥክዮ እንተ እትኾኒ! #19፡42 ንሰላምኪ ዝኸውን ፈሊጥክዮ እንተ እትኾኒ፦ ግእዝ “እንተ እትፈልጢ ኔርኪ ሰላምኪ ሎሚ እዩ ነይሩ” ይብል። ሕዚ ግና ኻብ ዓይንኺ ተኸዊሉ ኣሎ፤ 43#ዘዳ. 28፡52። ፀላእትኺ ኣብ ዙርያኺ ሓፁር ሓፂሮም፥ ከቢቦም በዙይን በቱይን፥ ንኣኺ ዘጨንቑሉ መዓልቲ ኽመፅእ እዩ። 44#ሉቃ. 12፡56፥ 21፡6። ዘመን ድሕነትኪ ሰኣን ምፍላጥኪ፥ ንኣኽን ኣባኺ ንዝነብሩ ደቅኽን፥ ምስ ሓመድ ክሓዋውሱኺ እዮም፤ እምኒ ኣብ ልዕሊ እምኒውን ኣይሓድጉልክን እዮም።”
ኢየሱስ ነቶም ኣብ ቤተ መቕደስ ዝሽቅጡ ኸም ዘባረረ
(ማቴ. 21፡12-17፥ ማር. 11፡15-19፥ ዮሓ. 2፡13-22)
45ኢየሱስ ናብ ቤተ መቕደስ ኣትዩ፥ ነቶም ዝሸጡን ዝዕድጉን ዝነበሩ፥ 46#ኢሳ. 56፡7፥ ኤር. 7፡11። “ ‘ቤተይ ቤተ ፀሎት ክበሃል እዩ’ ዝብል ተፅሒፉ ኣሎ፤ ንስኻትኩም ግና በዓቲ ጐሓሉ ገበርኩምዎ” እናበለ ኸውፅኦም ጀመረ።
47 #
ማር. 11፡18-19፥ ሉቃ. 20፡19፥ 21፡37፥ 22፡53። ዕለት ዕለትውን ኣብ ቤተ መቕደስ ይምህር ነበረ። ሊቃነ ካህናትን መምህራንን ዓበይቲ ህዝብን ግና፥ ክቐትልዎ ይደልዩ ነበሩ። 48#ሉቃ. 21፡38። ኵሉ እቲ ህዝቢ ግና፥ ብተመስጦ ይሰምዖ ስለ ዝነበረ፥ ዝገብርዎ ሰኣኑ።
अहिले सेलेक्ट गरिएको:
ሉቃስ 19: ትመ15
हाइलाइट
शेयर गर्नुहोस्
कपी गर्नुहोस्
तपाईंका हाइलाइटहरू तपाईंका सबै यन्त्रहरूमा सुरक्षित गर्न चाहनुहुन्छ? साइन अप वा साइन इन गर्नुहोस्