ሉቃስ 16
16
ዓመፀኛ መጋቢ
1ኢየሱስ መሊሱ ንደቀ መዛሙርቱ ኸምዙይ በሎም፦ “መጋቢ ዝነበሮ፥ ሓደ ሃብታም ሰብኣይ ነበረ። ንእኡ ኸዓ ገንዘብካ ይብትነልካ ኣሎ፤ እናበሉ ነገርዎ። 2እቲ ጐይታኡ ድማ ፀዊዑ ‘እዝ ብዛዕባኻ ዝሰምዖ ዘለኹ እንታይ እዩ? ደጊም መጋቢ ኽትኮነኒ፥ ኣይትኽእልን ኢኻ እሞ፥ ፀብፃብ መጋብነትካ ሃበኒ’ በሎ። 3እቲ መጋቢ ድማ ብልቡ፥ ‘ጐይታይ ካብዛ ሽመተይ ክስዕረኒ እዩ፤ ከይባሩ፥ ኣይክእልን፤ ከይልምን ድማ፥ ኣሓፍር፤ እንታይ ደኣ ኽገብር እየ? 4ካብ መጋብነተይ ምስተስዓርኩ፥ ኣብ ገዛውቶም ምእንቲ ኽቕበሉኒ፥ ዝገብሮ ሕዚ ፈሊጠ ኣለኹ’ በለ። 5ነቶም ሰብ ዕዳ ጐይታኡ በብሓደ ፀዊዑ፥ ነቲ ቐዳማይ ‘ንጐይታይ እትፈድዮ ዕዳ ኽንደይ ኣለካ?’ በሎ። 6ንሱ ኸዓ ‘ሚእቲ ዕትሮ ዘይቲ’ በሎ። ሽዑ ንሱ ‘እንካ ፅሕፈት ዕዳኻ ተቐበል፤ ቀልጢፍካ ተቐመጥ እሞ፥ ሓምሳ ኢልካ ፀሓፍ’ በሎ። 7ነቲ ኻልኣይ ድማ ‘ንስኻኸ ዕዳኻ ኽንደይ እዩ?’ በሎ፤ ንሱውን ‘ሚእቲ ፅዕነት ስርናይ’ በሎ። ሽዑ ንሱ ‘እንካ ፅሕፈት ዕዳኻ ተቐበል እሞ፥ ሰማንያ ኢልካ ፀሓፍ’ በሎ። 8ነቲ ዓመፀኛ መጋቢ፥ ብጥበብ ስለ ዝገበረ፥ ጐይታኡ ነኣዶ፤ #16፡8 ጐይታኡ ነኣዶ፦ ግእዝ “እግዚኣብሄር ነቲ ዓመፀኛ መጋቢ ነኣዶ” ይብል። ካብ ደቂ ብርሃንስ፥ ደቂ እዛ ዓለም እዚኣ፥ ኣብ ናብራ ዓለም ይበላሓቱ እዮም እሞ።
9 #
መክ. 11፡1፥ ማቴ. 6፡20፥ ሉቃ. 18፡22። “ኣነ ኸዓ፥ ገንዘብ ምስ ተወድአኩም፥ ኣብ ናይ ዘለኣለም ገዛውቲ ምእንቲ ኽቕበሉኹምስ፥ ብገንዘብ ዓመፃ፥ ንባዕልትኹም ኣዕርኽቲ ግበሩ እብለኩም ኣለኹ። 10#ሉቃ. 19፡17። ብውሑድ እሙን ዝኾነ፥ ብብዙሕውን እሙን እዩ፤ እቲ ብውሑድ ዝዕምፅ ድማ፥ ብብዙሕውን ዓማፂ እዩ። 11እምበኣርከስ ብገንዘብ ዓመፃ፥ እንድሕር እሙናት ዘይኴንኩም፥ በቲ ናይ ሓቂ ሃብቲ፥ መን ይኣምነኩም? 12ብናይ እማትኩም ሃብቲ፥ እንድሕር እሙናት ዘይኮንኩምከ፥ ናይ ባዕልኻትኩም ዝኾነ መን ይህበኩም?
13 #
ማቴ. 6፡24። “ሓደ መገልገሊ፥ ንኽልተ ጐይቶት ከገልግል ኣይኽእልን፤ ነቲ ሓደ ይፈቱ፤ ነቲ ሓደ ይፀልእ፤ ወይ ነቲ ሓደ የኽብር፤ ነቲ ሓደ ድማ ይንዕቕ። እምበኣር ንእግዚኣብሄርን ንገንዘብን፥ ክትግዝኡ ኣይትኽእሉን ኢኹም።”
14እቶም ፈሪሳውያን ድማ፥ ፍቕሪ ገንዘብ ስለ ዝነበሮም ነዝ ዅሉ ሰሚዖም ሓጨጩሉ። 15#ማቴ. 23፡5፥ ሉቃ. 11፡39። ንሱ ድማ ኸምዙይ በሎም፦ “ንስኻትኩም ኣብ ቅድሚ ሰብ፥ ንርእስኹም ተመፃድቑ ኣለኹም፤ ንልብኹም ግና እግዚኣብሄር ይፈልጦ እዩ፤ እቲ ኣብ ቅድሚ ሰብ ክቡር ዝኾነ፥ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ሕሱር እዩ እሞ።”
16 #
ማቴ. 11፡12-13። “ሕግን ነቢያትን ክሳዕ ዮሃንስ ነበሩ፤ ካብ ሽዑ ናብዙይ ግና፥ መንግስቲ እግዚኣብሄር ትብሰር ኣላ፤ ኵሉ ድማ ይዳፍአላ ኣሎ። 17ካብ ሕጊ ሓንቲ ሕንፃፅ ካብ እትወድቕስ፥ ሰማይን ምድርን ክሓልፍ ይቐልል። 18እቲ ንሰበይቱ ፈቲሑ፥ ካልአይቲ ዘእቱ ዅሉ ይዝሙ፤ እቲ ኻብ ሰብኣያ ንዝተፈትሐት ሰበይቲ ዘእቱውን ይዝሙ።”
ኣልኣዛርን ሃብታም ሰብኣይን
19ቀይሕ ክዳንን ፃዕዳ ሃርን ዝኽደን፥ ኵሉ መዓልቲ እውን እናጋየፀ ዝሕጐስ ሃብታም ሰብኣይ ነበረ። 20ኵሉ ሰብነቱ ብቝስሊ ዝተወረረ፥ ኣብ ኣፍ ደገ እቲ ሃብታም ተደርቢዩ ዝነብር፥ ኣልኣዛር ዝስሙ ሓደ ድኻ ሰብኣይውን ነበረ። 21ካብቲ ማእዲ እቲ ሃብታም ዝወድቕ ርፍራፍ ክፀግብ ድማ፥ ሃረር ይብል ነበረ፤ ኣኽላባት እናመፁ ድማ ቝስሉ ይልሕሱ ነበሩ። 22ብድሕሪዙይ እቲ ድኻ ሞተ፤ መላእኽቲ ናብ ሕቝፊ ኣብርሃም ወሰድዎ። እቲ ሃብታምውን ሞተ፤ ተቐበረውን። 23ኣብ ሲኦል፥ ኣብ ስቓይ ኮይኑ፥ ዓይኑ ቘላሕ እንተበለ፥ ካብ ርሑቕ ንኣብርሃም ረአዮ፤ ንኣልኣዛርውን ኣብ ሕቝፉ። 24ፀዊዑ ኸዓ “ኦ ኣቦይ ኣብርሃም፥ በዝ ነበልባል እዙይ፥ እሳቐ ኣለኹ እሞ ራህርሀለይ፤ ጫፍ ኣፃብዕቱ ኣብ ማይ ጠሚዑ፥ መልሓሰይ ከዝሕለለይውን፥ ንኣልኣዛር ስደደለይ” በሎ። 25#ሉቃ. 6፡24-25። ኣብርሃም ድማ “ወደይ፥ ንስኻስ ብህይወትካ እንተለኻ፥ ኣብ ምቾት ከም ዝነበርካ፥ ኣልኣዛር ግና ኣብ ስቓይ ከም ዝነበረ ዘክር። ሕዚ ንሱ ኣብዙይ ይሕጐስ ኣሎ፤ ንስኻ ግና ትሳቐ ኣለኻ። 26ምስ እዝ ዅሉ ድማ፥ ካብዙይ ናባኻትኩም ከይሓልፉ፥ ኣብኡ ዘለዉውን ናባና ኸይሳገሩስ፥ ኣብ መንጎናን መንጎኹምን፥ ዓብዪ ፀድፊ ኣሎ” በሎ። 27-28ንሱ ድማ “ኦ ኣቦይ፥ እምበኣርከስ ሓሙሽተ ኣሕዋት ኣለዉኒ እሞ፥ ንሳቶምውን ናብዛ ስፍራ ስቓይ እዚኣ ኸይመፁ ኸጠንቅቖም፥ ንኣልኣዛር ናብ እንዳ ኣቦይ ክትሰዶ፥ እልምነካ ኣለኹ” በሎ። 29#ዮሓ. 5፡45። ኣብርሃም ድማ “ሕጊ ሙሴን ነቢያትን ኣለዉዎም፤ ንኣኣቶም ይስምዑ” በሎ። 30ንሱ ኸዓ “ኣይፋሉን፤ ኣቦይ ኣብርሃም፥ ካብ ምዉታን ተሲኡ፥ ሓደ ናብኣቶም ከይዱ እንተ ነጊርዎም ክንስሁ እዮም” በሎ። 31ንሱ ድማ “ንሙሴን ንነቢያትን ዘይሰምዑ እንተ ኾይኖም፥ ካብ ምዉታን ሓደ እንተ ተስአውን፥ ከቶ ኣይኣምኑን እዮም” በሎ።
अहिले सेलेक्ट गरिएको:
ሉቃስ 16: ትመ15
हाइलाइट
शेयर गर्नुहोस्
कपी गर्नुहोस्
तपाईंका हाइलाइटहरू तपाईंका सबै यन्त्रहरूमा सुरक्षित गर्न चाहनुहुन्छ? साइन अप वा साइन इन गर्नुहोस्