YouVersion लोगो
खोज आइकन

ሉቃስ 14

14
ከብዱ ንዝተነፍሐ ሰብ ብሰንበት ከም ዘሕወየ
1 # ሉቃ. 7፡36። ኢየሱስ ብሰንበት፥ ሓደ ኻብ ኣሕሉቕ ፈሪሳውያን ናብ ዝኾነ ሰብ፥ እንጀራ ኽበልዕ ምስ ኣተወ፥ ፈሪሳውያን ይፀናፀንዎ ነበሩ። 2እንሆ፥ ከብዱ ዝተነፍሐ ሰብኣይ ኣብ ቅድሚኡ ነበረ። 3#ሉቃ. 6፡9። ኢየሱስ ንሊቃውንቲ ሕግን ፈሪሳውያንን “ብሰንበት ምፍዋስስ ግቡእ ድዩ ወይ ኣይግቡእን?” ኢሉ ጠየቖም።
4ንሳቶም ከዓ ኣፅቀጡ፤ ንሱ ግና ኣሕውዩ ሰደዶ። 5#ሉቃ. 13፡15። መሊሱ ድማ፦ “ካባኻትኩምከ ኣድጉ #14፡5 ኣድጉ፦ ገሊኣቶም ብራናታት “ወዱ” ይብሉ። ወይ ብዕራዩ ናብ ጕድጓድ እንተ ወደቐ፥ ሽዑ ንሽዑ ብመዓልቲ ሰንበት ዘየውፅኦ መን ኣሎ?” ኢሉ ጠየቖም። 6ነዝ ነገርዙይውን መልሲ ሰኣኑሉ።
ትምህርቲ ብዛዕባ ትሕትናን ተዓደምቲ መርዓን
(ማቴ. 22፡1-10)
7 # ሉቃ. 11፡43። ነቶም ንምሳሕ ዝተዓደሙ ድማ፥ ዝለዓለ መቐመጢ እንትመርፁ ምስ ረአየ፥ ከምዙይ ኢሉ ብምስላ ነገሮም። 8#ምሳ. 25፡6-7። “ሓደ ናብ መርዓ እንተ ዓደመካ፥ ኣብቲ ዝለዓለ መንበር ኣይትቀመጥ። ምናልባሽ ካባኻ ዝኸብር ካልእ ተዓዲሙ ኸይኸውን እሞ፥ 9እቲ ንእኡን ንኣኻን ዝዓደመ መፂኡ፥ ‘እዛ ስፍራ እዚኣ ነዙይ ሕደገሉ’ ኸይብለካ፤ ሽዑ እናሓፈርካ ናብ ታሕተዋይ መቐመጢ ኸይትወርድ። 10ምስ ተዓደምካ፥ ኬድካ ኣብ ዝተሓተ መቐመጢ ተቐመጥ። ሽዑ እቲ ዝዓደመካ መፂኡ ‘ዓርከይ፥ ናብቲ ዝለዓለ መቐመጢ ደይብ’ ይብለካ፤ ሽዑ ኣብ ቅድሚ እቶም ኵሎም ዕዱማት መቓምጥኻ፥ ክብሪ ክኾነካ እዩ። 11#ሉቃ. 18፡14። ዅሉ ንባዕሉ ዘኽብር ክዋረድ እዩ፤ ንባዕሉ ዘትሕት ግና፥ ክኸብር እዩ እሞ።”
12 # ሉቃ. 6፡33-34። ኢየሱስ ድማ ነቲ ዝፀውዖ ሰብኣይ ከምዙይ በሎ፦ “ምሳሕ ወይ ድራር እንተ ገበርካ፥ መሊሶም ከይፅውዑኻ እሞ፥ ልቓሕ ምምላስ ከይኾነካ፥ ኣዕርኽትኻ ወይ ኣሕዋትካ፥ ኣዝማድካ ወይ ሃብታማት ጐረባብትኻ ኣይትፀውዕ። 13ምሳሕ እንተ ገበርካስ፥ ድኻታትን ቈራያትን ሓንካሳትን ዕዉራትን ደኣ ፀውዕ። 14#ማቴ. 25፡40፥ ቈላ. 3፡23-24። ዝፈድዩኻ የብሎምን እሞ ብፁእ ክትከውን፥ ብትንሳኤ ፃድቃንውን ክትፍደዮ ኢኻ” በሎ።
15 # ሉቃ. 13፡29። ሓደ ኻብቶም ኣብ ማእዲ ተቐሚጦም ዝነበሩ ነዙይ ምስ ሰምዐ “ኣብ መንግስተ ሰማያት፥ እንጀራ ዝበልዕ ብፁእ እዩ” በለ። 16#ኢሳ. 25፡6። ኢየሱስ ከዓ ኸምዙይ በሎ፦ “ሓደ ሰብኣይ ዓብዪ ድራር ገበረ፤ ንብዙሓትውን ዓደመ። 17ጊዜ ድራር ምስ ኮነ ድማ፥ ነቶም ዕዱማት፥ ‘ኵሉ ተዳልዩ እዩ እሞ ንዑ’ ኽብሎም ሓሽከሩ ለኣኸ። 18ኵሎም ከዓ ሓቢሮም ከመኻንዩ ጀመሩ። እቲ ቐዳማይ፥ ‘ግራት ዓዲገ ኣለኹ እሞ፥ ናብኣ ወፊረ ኽሪኣ ግድን ስለ ዘድለየኒ፥ ይቕረታ ኽትገብረለይ እልምነካ ኣለኹ’ በሎ። 19እቲ ኻልኣይ ድማ ‘ሓሙሽተ ፅምዲ ብዕራይ ዓዲገ ኣለኹ፤ ክፍትኖም ክኸይድ እየ እሞ፥ በይዛኻ ይቕረታ ክትገብረለይ እልምነካ ኣለኹ’ በሎ። 20እቲ ሳልሳይ ከዓ ‘ሰበይቲ ኣእትየ ኣለኹ እሞ፥ ክመፅእ ኣይክእልን እየ’ በሎ። 21#1 ቆሮ. 1፡27-29። እቲ ሓሽከር ተመሊሱ፥ ነዝ ነገራትዙይ ንጐይታኡ ነገሮ፤ ሽዑ እቲ በዓል ገዛ ተቘጢዑ ነቲ ሓሽከሩ ‘ናብ ኣደባባይን ናብቲ መተሓላለፊ ኸተማታትን ቀልጢፍካ ኺድ፤ ድኻታትን ቈራያትን ዕውራትን ሓንካሳትን፥ ናብዙይ ኣምፅእ’ በሎ። 22እቲ ሓሽከር ከዓ ‘ጐይታይ፥ ከምቲ ዝኣዘዝካኒ ገይረ ኣለኹ፤ ይኹን እምበር ገና ቦታ ኣሎ’ በሎ። 23እቲ ጐይታ ድማ ነቲ ሓሽከሩ ኸምዙይ በሎ፦ ‘ናብ መንገድታትን ፀግዒ ቕፅርታትን ኪድ እሞ፥ ገዛይ ምእንቲ ኽመልእ፥ ግድን ከም ዝመፁ ግበሮም። 24#ማቴ. 21፡43። ካብቶም ዝተዓደሙ ሰባት፥ ሓደኳ ንድራረይ ኣይጥዕሞን እዩ፥ እብለኩም ኣለኹ።’ ”
ኵሉ ሓዲግካ ንክርስቶስ ምኽታል
(ማቴ. 10፡37-38)
25ብዙሓት ሰባት ምስኡ ክኸዱ እንተለዉ ድማ፥ ምልስ ኢሉ ኸምዙይ በሎም፦ 26#ማቴ. 10፡37፥ ሉቃ. 9፡61፥ ዮሓ. 12፡25፥ ራእይ 12፡11። “ናባይ ክመፅእ ዝደሊ ኣቦኡን እኖኡን ሰበይቱን #14፡26 ኣብ ግእዝ “ቤቱን” ዝብል ይርከብ። ደቁን ኣሕዋቱን ኣሓቱን፥ ህይወቱውን ከይተረፈ እንተ ዘይፀሊኡ፥ ደቀ መዝሙረይ ክኸውን ኣይኽእልን እዩ። 27#ሉቃ. 9፡23። መስቀሉ ፆይሩ ደድሕረይ ዘይኽተል፥ ደቀ መዝሙረይ ክኸውን ኣይኽእልን እዩ። 28ካባኻትኩምከ፥ ሓደ ኣዳራሽ ክሰርሕ ዝደሊ እሞ፥ ንምውድኡ ዝኣኽሎ ገንዘብ እንተ ሃልይዎ፥ ኣቐዲሙ ዘይፅብፅብ መን እዩ? 29-30እንተ ዘይኮነ መሰረት ምስ ሰረተ፥ ምውዳእ እንተ ሰኣነ፥ ኵሎም ዝረአይዎ ‘እዝ ሰብ እዙይ ህንፃ ጀሚሩስ፥ ክፍፅም ኣይከኣለን’ እናበሉ ኽሕጭጩሉ ይጅምሩ። 31ወይ ምስ ካልእ ንጉስ ክዋጋእ ክኸይድ ዝደሊ እሞ፥ ነቲ ብዕስራ ሽሕ ዝመፆ፥ ብዓሰርተ ሽሕ ክዋግኦ ዝኽእል እንተ ኾይኑ፥ ተቐሚጡ ኣቐዲሙ ዘይመክር ኣየናይ ንጉስ እዩ? 32እንተ ዘይኮነ፥ ገና ኣብ ርሑቕ እንተሎ፥ ልኡኻት ናብኡ ሰዲዱ ዕርቂ ይጥይቕ። 33#ሉቃ. 5፡11፥28። ከምኡ ድማ ነፍሲ ወከፍ ካባኻትኩም፥ ዘለዎ ዅሉ ዘይሓደገ፥ ደቀ መዝሙረይ ክኸውን ኣይኽእልን እዩ። 34#ማቴ. 5፡13። ጨው ፅቡቕ እዩ፤ ጨው መቐረቱ እንተ ኣጠፍአኸ፥ ብምንታይ የመቅርዎ? 35#ዮሓ. 15፡6። ንመሬት ኾነ ንድዅዒ ስለ ዘይጠቅም፥ ናብ ደገ ይድርብይዎ፤” ዝሰምዕ እዝኒ ዘለዎ ይስማዕ!

अहिले सेलेक्ट गरिएको:

ሉቃስ 14: ትመ15

हाइलाइट

शेयर गर्नुहोस्

कपी गर्नुहोस्

None

तपाईंका हाइलाइटहरू तपाईंका सबै यन्त्रहरूमा सुरक्षित गर्न चाहनुहुन्छ? साइन अप वा साइन इन गर्नुहोस्