YouVersion लोगो
खोज आइकन

ዮሃንስ 7

7
ኢየሱስ ኣብ በዓል ዳስ
1ድሕሪዙይ ኢየሱስ፥ ኣብ ምድሪ ይሁዳ ዝነብሩ ኣይሁድ፥ ክቐትልዎ ይደልዩ ስለ ዝነበሩ፥ ናብ ምድሪ ይሁዳ ክኸይድ ኣይደለየን፤ እንተ ኾነ ኣብ ገሊላ ይመላለስ ነበረ። 2#ዘሌ. 23፡34። ሽዑ ናይ ኣይሁድ ናይ ዳስ በዓል ቀሪቡ ነበረ። 3ኣሕዋቱ ድማ “ደቀ መዛሙርትኻ ነዝ እትገብሮ ምእንቲ ኽሪኡስ #7፡3 ክሪኡስ፦ ግእዝ “ሪኦም ምእንቲ ኽኣምኑስ” ይብል። ካብዙይ ወፂእኻ ናብ ምድሪ ይሁዳ ኺድ። 4ብገሃድ ክፍለጥ እናደለየ ብሕቡእ ዝገብር የለንሞ፥ እዙይ እትገብር እንተ ደኣ ዄንካ፥ ንባዕልኻ ንዓለም ግለፅ” በልዎ። 5#ማር. 3፡21። ኣሕዋቱ ብእኡ ኣይኣመኑን ነበሩሞ። 6#ዮሓ. 2፡4። ኢየሱስ ድማ “ጊዜይ ገና ኣይበፅሐን፤ ጊዜኹም ግና፥ ኵልሻዕ ድልዊ እዩ። 7#ዮሓ. 3፡19፥ 15፡18። ዓለም ንኣኻትኩም ክፀልእ ኣይኽእልን እዩ፤ ንኣይ ግና፥ ግብሩ ኽፉእ ከም ዝኾነ ስለ ዝምስክረሉ ይፀልአኒ እዩ። 8ንስኻትኩም ናብቲ በዓል ደይቡ፤ ኣነ ግና፥ ጊዜይ ገና ስለ ዘይበፅሐ፥ ናብዝ በዓል እዙይ ኣይድይብን እየ” በሎም። 9እዙይ ምስ በሎም ኣብ ገሊላ ተረፈ።
10እቶም ኣሕዋቱ ናብቲ በዓል ምስ ደየቡ፥ ንሱ ኸዓ ብገሃድ ዘይኮነስ ብሕቡእ ደየበ። 11#ዮሓ. 11፡56። ኣይሁድ ግና በቲ በዓል “ኣበይ ኣሎ?” እናበሉ ይደልይዎ ነበሩ። 12#ዮሓ. 7፡40-43። ኣብ መንጎ እቶም ህዝቢ ኸዓ፥ ብዛዕባኡ ብርቱዕ ምጕርምራም ኮነ፤ ገሊኣቶም “ሕያዋይ እዩ” ገሊኣቶም ድማ “ንህዝቢ እባ ደኣ የስሕት ኣሎ” ይብሉ ነበሩ። 13#ዮሓ. 9፡22፥ 12፡42። ንኣይሁድ ስለ ዝፈርሑ ግና፥ ሓደኳ ብዛዕባኡ ኣግሂዱ ዝተዛረበ ኣይነበረን።
ኢየሱስ ኣብቲ በዓል ዳስ ከም ዝመሃረ
14ኣብ ፍርቂ እቲ በዓል ከዓ፥ ኢየሱስ ናብ ቤተ መቕደስ ደዪቡ ኽምህር ጀመረ። 15#ማቴ. 13፡54። ስለዙይ ኣይሁድ “እዙይ እንተይተምሃረ፥ ከመይ ገይሩ እዩ መፃሕፍቲ ዝፈልጥ?” እናበሉ ተገረሙ። 16#ዮሓ. 12፡49፥ 14፡10፥24። ሽዑ ኢየሱስ መሊሱ ኸምዙይ በሎም፦ “ትምህርተይስ፥ ናይቲ ዝለኣኸኒ እዩ እምበር፥ ናተይ ኣይኮነን። 17ፍቓዱ ኽገብር ዝደሊ እንተ ሃልዩ፥ ትምህርተይ ካብ እግዚኣብሄር እምበር፥ ካባይ ከም ዘይኮነ ኽፈልጥ ይኽእል እዩ። 18#ዮሓ. 5፡41፥ 8፡50። እቲ ኻብ ርእሱ ዝዛረብ፥ ክብሪ ርእሱ እዩ ዝደሊ፤ እቲ ናይቲ ዝለኣኾ ኽብሪ ዝደሊ ግና፥ ንሱ ሓቀኛ እዩ፤ ኣብኡ ኸዓ ዓመፅ የለን። 19#ዮሓ. 5፡18። ሙሴዶ ሕጊ ሂቡኩም ኣይነበረን? ካባኻትኩም ግና፥ ሓደኳ ነቲ ሕጊ ዝፍፅሞ የለን። ንምንታይ ደኣ ኽትቀትሉኒ ትደልዩ ኣለኹም?” 20#ዮሓ. 8፡48፥52፥ 10፡20። እቶም ህዝቢ ኸዓ “ጋኔን ኣለካ፤ መን እዩ ኽቐትለካ ዝደሊ?” ኢሎም መለሱሉ። 21ኢየሱስ ድማ ኸምዙይ ኢሉ መለሰሎም፦ “ሓደ ግብሪ ገበርኩ፤ ንዅልኻትኩም ድማ ኣገረመኩም። 22#ዘፍ. 17፡10፥ ዘሌ. 12፡3። ስለዙይ ሙሴ ግርዘት ሰርዐልኩም፤ እዙይ ድማ ኻብ ኣቦታት እዩ እምበር፥ ካብ ሙሴ ኣይነበረን፤ ንሰብውን ብሰንበት ትገርዝዎ። 23እቲ ሕጊ ሙሴ ምእንቲ ኸይጠሓስ፥ ሰብ ብሰንበት ዝግረዝ ካብ ኮነ፥ ኣነ ንሰብ ኵለንትናኡ ብሰንበት እንተ ኣሕወኹዎ ደኣ፥ ስለ ምንታይ ትነቕፉኒ? 24#ዮሓ. 8፡15። ቅኑዕ ፍርዲ ፍረዱ እምበር፥ ገፅ ርኢኹም ኣይትፍረዱ።”
ኢየሱስ፥ እቲ ክርስቶስ ምዃኑ
25ሓድሓደ ኻብ ሰብ ኢየሩሳሌም ድማ “እቲ ኽቐትልዎ ዝደልዩስ እዙይዶ ኣይኮነን? 26እንሆ ንሱ ብገሃድ ይዛረብ ኣሎ፤ ንሳቶምውን ገለ እኳ ኣይበልዎን፤ እዞም ኣሕሉቕ፥ ንሱ ክርስቶስ ከም ዝኾነ ብሓቂ ፈሊጦም ደኾን ኮይኖም? 27#ዮሓ. 6፡42፥ ዕብ. 7፡3። ግና እዝ ሰብኣይ እዙይ ካበይ ከም ዝኾነ ንፈልጦ ኢና፤ ክርስቶስ ክመፅእ እንተሎ ግና፥ ካበይ ከም ዝኾነ ዝፈልጥ ሓደኳ የለን” በሉ። 28#ዮሓ. 8፡19፥26፥42። ኢየሱስ ከዓ ኣብ ቤተ መቕደስ ክምህር እንተሎ ዓው ኢሉ “ንኣይ ትፈልጡኒ ኢኹም፤ ካበይ ምዃነይውን ትፈልጡ ኢኹም፤ ኣነ ብባዕለይ ኣይመፃእኹን፤ እቲ ዝለኣኸኒ ግና ሓቀኛ እዩ፤ ንእኡ ንስኻትኩም ኣይትፈልጥዎን ኢኹም። 29#ማቴ. 11፡27፥ ዮሓ. 8፡55፥ 10፡15። ኣነ ግና ኻብኡ እየ፤ ንሱ ስለ ዝለኣኸኒ እውን እፈልጦ እየ” በለ። 30#ዮሓ. 2፡4። ስለዙይ ክሕዝዎ ደለዩ፤ ጊዜኡ ስለ ዘይበፅሐ ግና፥ ሓደኳ ኣይሓዞን። 31#ዮሓ. 2፡11። ካብቶም ህዝቢ ኸዓ ብዙሓት ብእኡ ኣመኑ እሞ “ክርስቶስ ምስ መፀኸ፥ ካብዝ ንሱ ዝገብሮ ዘሎ ተኣምራት ዝበዝሕዶ ኽገብር እዩ?” በሉ።
ሓሻኽር ፈሪሳውያን ንኢየሱስ ክሕዝዎ ኸም ዝተልኣኹ
32ፈሪሳውያን ድማ እቶም ህዝቢ ብዛዕባኡ፥ ከምዙይ ኢሎም ከም ዘጕረምረሙ ምስ ሰምዑ፥ ምስ ሊቃነ ካህናት ኮይኖም ክሕዝዎ ሓሻኽሮም ለኣኹ። 33#ዮሓ. 12፡35፥ 16፡5። ሽዑ ኢየሱስ “ገና ቑሩብ ጊዜ ምሳኻትኩም ኣለኹ፤ ድሕሪዙይ ናብቲ ዝለኣኸኒ ክኸይድ እየ። 34#ሆሴዕ 5፡6፥ ኣሞፅ 8፡11-12፥ ዮሓ. 13፡33። ክትደልዩኒ ኢኹም፤ እንተ ኾነ ኣይትረኽቡንን፤ ናብቲ ኣነ ዘለኽዎ ኸዓ፥ ክትመፁ ኣይትኽእሉን ኢኹም” በሎም። 35ስለዙይ ኣይሁድ “ንሕና ኽንረኽቦ ናብ ዘይንኽእል፥ ንሱ ናበይ ኮን ክኸይድ ኢሉ? ናብቶም ኣብ ሃገር ግሪክ ተበቲኖም ዘለዉ ኣይሁድን ኣህዛብን፥ ክምህር ዶኾን ክኸይድ ኮይኑ? 36#ዮሓ. 16፡17-18። ‘ክትደልዩኒ ኢኹም፤ ግና ኣይትረኽቡንን፤ ናብቲ ኣነ ዝኸዶ ኸዓ፥ ክትመፁ ኣይትኽእሉን ኢኹም’ ዝብለና ዘሎኸ እንታይ እዩ?” ተበሃሃሉ።
ማይ ህይወት
37 # ኢሳ. 55፡1፥ 1 ቆሮ. 10፡4፥ ራእይ 21፡6፥ ዮሓ. 4፡10፥14። በታ ዳሕረወይቲ ዓባይ መዓልቲ በዓል፥ ኢየሱስ ደው ኢሉ ብዝለዓለ ድምፂ “ዝፀምአ እንተ ሃልዩ ናባይ መፂኡ ይስተ። 38እቲ ብኣይ ዝኣምን፥ ከምቲ መፅሓፍ ዝበሎ፥ ‘ካብ ውሽጡ ማይ ህይወት ክፍልፍል እዩ’ ” እናበለ ተዛረበ። 39#ዮሓ. 16፡7፥ ግ.ሓ. 2፡33፥38፥ ኢሳ. 44፡3። እዙይ ብዛዕባቲ እቶም ብእኡ ዝኣምኑ፥ ክቕበልዎ ዘለዎም መንፈስ ቅዱስ እዩ ዝተዛረበ፤ ኢየሱስ ገና ስለ ዘይከበረ መንፈስ ቅዱስ ገና ኣይወረደን ነበረሞ።
40 # ዮሓ. 6፡14። ካብቶም ህዝቢ ብዙሓት ነዝ ዘረባዙይ ሰሚዖም፥ “እዙይ ብሓቂ እቲ ነቢይ እዩ” በሉ። 41ካልኦት ከዓ “ክርስቶስ እዩ” በሉ። ገሊኣቶም ግና “ክርስቶስ ካብ ገሊላ ድዩ ዝመፅእ? 42ክርስቶስ ካብ ዘርኢ ዳዊት፥ ካብታ ዳዊት ዝነበረላ ዓዲ፥ ካብ ቤተ ልሔም ከም ዝመፅእ፥ መፅሓፍዶ ኣይነግርን እዩ?” በሉ። 43ስለዙይ እቶም ህዝቢ ብዛዕባኡ ንስንሳቶም ተፈላለዩ። 44ገሊኣቶም ክሕዝዎ ደለዩ፤ ግና ኽሕዞ ኢዱ ዘልዓለሉ ሓደ እኳ ኣይነበረን።
45እቶም ሓሻኽር ናብ ሊቃነ ካህናትን ፈሪሳውያንን ተመለሱ፤ ንሳቶም ድማ “ስለ ምንታይ ደኣ ዘየምፃእኹምዎ?” በልዎም። 46#ዮሓ. 1፡46፥ 7፡52። እቶም ሓሻኽር ከዓ “ከምዝ ሰብኣይ እዙይ ገይሩ ዝተዛረበ ኸቶ የለን” ኢሎም መለሱ። 47#ዮሓ. 12፡42። ፈሪሳውያን ድማ “ንስኻትኩምውንዶ ትጋገዩ ኣለኹም? 48ብዘይ እዞም ሕጊ ዘይፈልጡ ግጉያት ህዝቢ፥ ካብ ኣሕሉቕ ወይ ካብ ፈሪሳውያን፥ ብእኡ ዝኣመኑዶ ኣለዉ እዮም? 49እዝ ሕጊ ዘይፈልጥ ህዝቢ ግና ዝተረግመ እዩ” ኢሎም መለሱሎም። 50ሓደ ኻብኣቶም፥ እቲ ቕድም ብለይቲ ናብ ኢየሱስ ከይዱ ዝነበረ ኒቆዲሞስ፥ 51#ዘዳ. 19፡17-19። “ሕግና፥ ንሰብ ቅድም እንተይሰምዖን፥ እቲ ዝገበሮ እንተይፈለጠንዶ ይፈርዶ እዩ?” በሎም። 52#ዮሓ. 1፡46። ንሳቶም ከዓ “ንስኻውንዶ ኻብ ገሊላ ኢኻ? መፅሓፍ መርምር እሞ፥ ካብ ገሊላ ነቢይ ከም ዘይትስእ ክትርኢ ኢኻ” ኢሎም መለሱሉ። 53ኵሎም ድማ ነናብ ገዛኦም ከዱ።

अहिले सेलेक्ट गरिएको:

ዮሃንስ 7: ትመ15

हाइलाइट

शेयर गर्नुहोस्

कपी गर्नुहोस्

None

तपाईंका हाइलाइटहरू तपाईंका सबै यन्त्रहरूमा सुरक्षित गर्न चाहनुहुन्छ? साइन अप वा साइन इन गर्नुहोस्