ዘፍጥረት 33

33
ያእቆብን ኤሳውን ከም ዝተራኸቡ
1ያእቆብ ከዓ ዓይኑ ኣልዒሉ እንሆ፥ ኤሳው ኣርባዕተ ሚእቲ ሰባት ኣኸቲሉ ኽመፅእ እንተሎ ኣማዕድዩ ረአየ። ሽዑ ነቶም ደቁ፥ ኣብ ልያን ኣብ ራሄልን ኣብ ክልቲአን እተን ኣገልገልትን መቓቐሎም። 2ነተን ኣገልገልትን ንደቀንን ቅድሚት፥ ንልያን ንደቃን ድማ ደድሕሪአን፥ ንራሄልን ንዮሴፍን ከዓ ድሕሪ ዅሎም ገበሮም። 3ያእቆብ ከዓ ቕድሚኦም ሓሊፉ፥ ናብ ሓዉ ኤሳው ክሳዕ ዝበፅሕ ሸውዓተ ሻዕ ናብ ምድሪ ሰገደ። 4ኤሳው ድማ እናጐየየ ተቐበሎ፤ ክሳዱ ሓቝፉ ድማ ሰዓሞ፤ ክልቲኦምውን በኸዩ። 5ኤሳው ዓይኑ ኣልዓለሞ ኣንስትን ቈልዑን ምስ ረአየ፥ “እዞም ምሳኻ ዘለዉ ደኣ እንታዎት እዮም?” ኢሉ ጠየቖ።
ያእቆብ ድማ፥ “እዚኣቶም ንኣይ ንኣገልጋሊኻ እግዚኣብሄር ብልግስናኡ ዝሃበኒ ውሉድ እዮም” ኢሉ መለሰሉ። 6ሽዑ እተን ኣገልገልቲ ምስ ደቀን ቀሪበን ሰገዳሉ። 7ልያን ደቃንውን ቐሪቦም ሰገዱሉ። ደሓር ድማ ዮሴፍን ራሄልን ቐሪቦም ሰገዱሉ።
8ኤሳው ከዓ “እዝ ዅሉ ዝረኸብክዎ መጓሰታትከ እንታይ እዩ? ንምንታይ ዝኸውንከ እዩ?” ኢሉ ጠየቖ። ያእቆብ ድማ “ኣብ ቅድሚ ጐይታይ ሞገስ ክረክብ ኢለ እየ” ኢሉ መለሰሉ። 9ኤሳው ከዓ፥ “ሓወይ፥ ኣነ ዝኣክል ኣለኒ፤ ናትካስ ንኣኻ ደኣ ይኹን” በሎ።
10ያእቆብ ድማ “ኣይፋልካን፤ ብሓጐስ ካብ ተቐበልካንስ፥ ገፅካ ምርኣይ፥ ገፅ እግዚኣብሄር ከም ምርኣይ እዩ እሞ፥ ኣብ ቅድሜኻ ሞገስ እንተ ደኣ ረኺበስ፥ በይዛኻ፥ ዘምፃእኹልካ ገፀ በረከት ተቐበለኒ። 11እግዚኣብሄር ልግሱ ኣብዚሑለይ፥ ብዅሉውን ኣሀብቲሙኒ እዩ እሞ፥ እቲ ዝሰደድኩልካ ገፀ በረከት ተቐበል ደኣ” ኢሉ ግድን በሎ፤ ኤሳው ከዓ ተቐበሎ።
12ኤሳው ድማ፥ “ንዑናይ ንኺድ፥ ኣነ ድማ ቐቅድሜኻ ክኸይድ እየ” በሎ።
13ያእቆብ ግና፥ “እዞም ቈልዑ ዘይጠንከሩ ህፃናት ከም ዝኾኑ፥ ዘጥብዋ ጤለ በጊዕን ከፍትን ከዓ ኸም ዘለዋኒ፥ ጐይታይ ትፈልጥ ኢኻ። ሓደ መዓልቲ እኳ ብታህዋኽ እንተ ዀብኰብናየን ኵለን መጓሰ ኽሞታ እየን። 14ጐይታይስ ቀቅድመይ ደኣ ሕለፍ፤ ኣነ ኣገልጋሊኻ ድማ ናባኻ ናብ ጐይታይ ኣብ ሴይር ክሳዕ ዝበፅሕ፥ ከም ዓቕሚ እተን ቀቅድመይ ዘለዋ ኸብትን ከም ዓቕሚ እቶም ቈልዑን ገይረ ሰለይ እናበልኩ ኽመፅእ እየ” በሎ።
15ኤሳው ከዓ “እምበኣር ካብዞም ምሳይ ዘለዉ ሰባትዶ መቒለ ኽሓድገልካ” በሎ። ያእቆብ ግና “ኣብ ቅድሜኻ ደኣ ሞገስ እርከብ እምበር፥ እዙይስ ኣየድልን እዩ” በሎ። 16በታ መዓልቲ እቲኣ ኸዓ ኤሳው ናብ ሴይር ኣቢሉ ተመለሰ። 17ያእቆብ ግና ናብ ሱኮት ተጕዓዘ፤ ኣብኡውን ንባዕሉ ቤት ሰርሐ፤ ንጥሪቱውን ዳሳት ገበረ፤ ስለዙይ ስም እቲ ቦታ ሱኮት ተብሃለ።
18ያእቆብ ድማ ኻብ ማእኸል ክልተ ሩባታት ምስ መፀ፥ ኣብ ምድሪ ከነዓን ናብ ዘላ ኸተማ ሴኬም ብደሓን ኣተወ። ኣብ ማዕዶ እታ ኸተማ ኸዓ ሰፈረ። 19#ኢያሱ 24፡32፥ ዮሓ. 4፡5። እታ ድንኳኑ ተኺሉላ ዝነበረ ኽፍሊ ግራት ድማ ኻብ ኢድ ደቂ ኤሞር፥ ኣቦ ሴኬም፥ ብሚእቲ ኣባጊዕ ዓደጋ። 20ኣብኣ መሰውኢ ኣቝሙ ኸዓ “ኤል ኤሎሄ እስራኤል” ኢሉ ሰመዮ።

ទើបបានជ្រើសរើសហើយ៖

ዘፍጥረት 33: ትመ15

គំនូស​ចំណាំ

ចែក​រំលែក

ចម្លង

None

ចង់ឱ្យគំនូសពណ៌ដែលបានរក្សាទុករបស់អ្នក មាននៅលើគ្រប់ឧបករណ៍ទាំងអស់មែនទេ? ចុះឈ្មោះប្រើ ឬចុះឈ្មោះចូល