1
ዘፍጥረት 3:6
መፅሓፍ ቅዱስ
እታ ሰበይቲ ድማ፥ እታ ኦም ንዐይኒ ፅብቕቲ፥ እቲ ፍረኣ ንምብላዑ ዘብህግ፥ ጥበብ ብምሃብውን ሰናይ ምዃና ሪኣ፥ ካብታ ፍረ ኦም ወሲዳ በልዐት፤ ንሰብኣያውን ሃበቶ፤ ንሱውን ምስኣ በልዐ።
Lee anya n'etiti ihe abụọ
Nyochaa ዘፍጥረት 3:6
2
ዘፍጥረት 3:1
እግዚኣብሄር ኣምላኽ ካብ ኵሉ ዝፈጠሮ ኣራዊት ምድሪ፥ ተመን የመና ጐራሕ ነበረ። ነታ ሰበይቲ ኸዓ “ብሓቂዶ እግዚኣብሄር ‘ካብ ኵሉ ኦም ገነት ኣይትብልዑ’ ኢሉ ኣዚዙኩም እዩ?” ኢሉ ጠየቓ።
Nyochaa ዘፍጥረት 3:1
3
ዘፍጥረት 3:15
ኣብ መንጎኻን ኣብ መንጎ እዛ ሰበይትን፥ ኣብ መንጎ ዘርእኻን ኣብ መንጎ ዘርኣን ፅልኢ እተክል ኣለኹ። ንሱ ርእስኻ ኽቕጥቅጥ እዩ፤ ንስኻ ድማ ሸዀናኡ ኽትነክስ ኢኻ” በሎ።
Nyochaa ዘፍጥረት 3:15
4
ዘፍጥረት 3:16
ነታ ሰበይቲ ኸዓ “ኣብ ወርሓት ጥንስኺ ንመከራኺ ኸብዝሖ እየ፤ ብፃዕሪ ኽትወልዲ ኢኺ፤ ምስ እዙይውን ድሌትኪ ናብ ሰብኣይኪ ክኸውን እዩ፤ ንሱውን ክመልከኪ እዩ” በላ።
Nyochaa ዘፍጥረት 3:16
5
ዘፍጥረት 3:19
ናብታ ዝተፈጠርካላ መሬት ክሳዕ እትምለስ፥ እንጀራኻ ብረሃፅካ ኽትበልዕ ኢኻ። መሬት ኢኻሞ፥ ናብ መሬት ከዓ ኽትምለስ ኢኻ” በሎ።
Nyochaa ዘፍጥረት 3:19
6
ዘፍጥረት 3:17
ንኣዳም ከዓ “ቃል ሰበይትኻ ሰሚዕኻ፥ ካብታ ‘ካብኣ ኣይትብላዕ’ ኢለ ዝኣዘዝኩኻ ኦም ስለ ዝበላዕኻ፥ ምድሪ ብሰንክኻ ርግምቲ ትኹን። ብዅሉ ዘመን ህይወትካ እንጀራኻ ኻብኣ ብፃዕሪ ኽትበልዕ ኢኻ።
Nyochaa ዘፍጥረት 3:17
7
ዘፍጥረት 3:11
ንሱ ድማ “ጥራሕኻ ምዃንካ መን ነገረካ? ካብታ ‘ካብኣ ኣይትብላዕ’ ኢለ ዝኣዘዝኩኻ ኦምዶ በሊዕኻ ኢኻ?” በሎ።
Nyochaa ዘፍጥረት 3:11
8
ዘፍጥረት 3:24
ምስ ኣውፅኦ ድማ፥ ነታ ናብ ኦም ህይወት እትወስድ መንገዲ ዝሕልዉ ኪሩቤልን፥ እትጋላበጥን እተንበልብል ሰይፍን፥ ብወገን ምብራቕ ገነት ኤደን ኣቐመጠ።
Nyochaa ዘፍጥረት 3:24
9
ዘፍጥረት 3:20
ኣዳም ድማ ንሰበይቱ፥ እኖ ዅሎም ህያዋን ስለ ዝኾነት “ሄዋን” ኢሉ ሰመያ።
Nyochaa ዘፍጥረት 3:20
Ebe Mmepe Nke Mbụ Nke Ngwá
Akwụkwọ Nsọ
Atụmatụ Ihe Ogụgụ Gasị
Vidiyo Gasị