ዘፍጥረት 20
20
ኣብርሃምን ኣቢሜሌክን
1ኣብርሃም ካብኡ ተልዒሉ ንምድሪ ኔጌብ ኣቢሉ ተጕዓዘ። ኣብ መንጎ ቃዴስን ሱርን ተቐመጠ። ኣብ ጌራራውን ጋሻ ኾይኑ ቑሩብ ፀንሐ። 2#ዘፍ. 12፡13፥ 26፡7። ኣብርሃም ንሰበይቱ ሳራ “ሓፍተይ እያ” ኢሉ ተዛረበ። ንጉስ ጌራራ ኣቢሜሌክ ከዓ ልኢኹ ንሳራ ወሰዳ። 3እግዚኣብሄር ግና ንኣቢሜሌክ ለይቲ ብሕልሚ መፂኡ፤ “እዛ ወሲድካያ ዘለኻ፥ ሰበይቲ ሰብኣይ እያ እሞ፥ እንሆ ብሰንካ ኽትመውት ኢኻ” በሎ።
4ኣቢሜሌክ ከዓ ኣይቀረባን ነበረ እሞ፥ “ጐይታይ! ንፃድቕ ህዝቢ እውንዶ ትቐትል ኢኻ? 5ባዕሉዶ ኣይኮነን፥ ‘ንሳ ሓፍተይ እያ’ ዝበለኒ? ንሳኸ ባዕላዶ ኣይኮነትን ‘ንሱ ሓወይ እዩ’ ዝበለትኒ? ብንፁህ ልበይን ብፅሩይ ኢደይን እየ እዙይ ዝገበርኩ” በሎ።
6እግዚኣብሄር ከዓ ብሕልሚ፥ “ኣነውን ነዙይ ብንፁህ ልብኻ ኸም ዝገበርካዮ ፈሊጠ፥ ኣብ ቅድመይ ሓጢኣት ከይትገብር ከልከልኩኻ። ስለዙይውን ክትቀርባ ኣይፈቐድኩልካን። 7ሕዚ ኸዓ ነታ ሰበይቲ ናብ ሰብኣያ ምለሳ። ንሱ ነቢይ እዩ እሞ፥ ምእንቲ ኽትድሕን ክፅልየልካ እዩ። እንተ ዘይመሊስካያ ግና፥ ንስኻን ናትካ ዝኾነ ዅሉን ብርግፅ ከም እትሞቱ ፍለጥ” በሎ።
8ኣቢሜሌክ ንፅባሒቱ ኣንጊሁ ተስአ፤ ንዅሎም መኳንንቱ ፀዊዑ ድማ ነዝ ዅሉ ነገር ነገሮም። እቶም ሰባት ከዓ የመና ፈርሑ። 9ኣቢሜሌክ ድማ ንኣብርሃም ፀዊዑ “እዝ ዝገበርካና እንታይ እዩ? ኣባይን ኣብ መንግስተይን ዓብዪ ሓጢኣት ኣምፂእኻልና ኔርካ። እንታይ በዲለካ ነይረ እየ? ዘይግበር ግብሪ ኢኻ ዝገበርካኒ” በሎ። 10መሊሱ ኣቢሜሌክ ንኣብርሃም “እንታይ ርኢኻ ኢኻ እዝ ነገርዙይ ዝገበርካ?” በሎ።
11ኣብርሃም ከዓ “ኣብዛ ቦታ እዚኣ ንእግዚኣብሄር ዝፈርሕ ሰብ ብርግፅ የለን እሞ፥ ብምኽንያት ሰበይተይ ከይቐትሉኒ ኢለ ስለ ዝሓሰብኩ እየ። 12ብዘይ እዙይውን ብሓቂ ብወገን እንዳቦይ ሓፍተይ እያ፤ ብእንዳኖይ ግና ኣይኮነትን፤ ንኣይውን ሰበይተይ ኮነት። 13እግዚኣብሄር ካብ እንዳ ኣቦይ ምስ ኣውፅአኒ፤ ንኣይ እትገብሪዮ ሰናይ፥ ኣብ ኵሉ ዝኣተናዮ ቦታ ‘ሓወይ እዩ’ በሊ፥ በልክዋ” ኢሉ መለሰ።
14ኣቢሜሌክ ከዓ ኣባጊዕ፥ ከፍቲ፥ ተባዕትዮን ኣንስትዮን ባሮት፥ ወሲዱ ንኣብርሃም ሃቦ። ንሳራ ሰበይቱ ድማ መለሰሉ። 15ኣቢሜሌክ ድማ “ምድረይ ኣብ ቅድሜኻ እያ፤ ኣብ ዝመረፅካዮ ተቐመጥ” በሎ። 16ንሳራ ድማ “ንሓውኪ ሽሕ ብሩር ሂበዮ ኣለኹ። እንሆ፥ እዙይ ኣብ ቅድሚ እቶም ምሳኺ ዘለዉ ዅሎም ንኽብርኺ ይኹንኪ፤ ኣብ ቅድሚ ዅሉውን ነውሪ ዘይፈፀምኪ ምዃንኪ ምልክት ይኹንኪ” በላ።
17-18እግዚኣብሄር ብምኽንያት ሳራ፥ ሰበይቲ ኣብርሃም፥ ንዅለን እተን ኣብ ቤት ኣቢሜሌክ ዝነበራ ኣንስቲ ማህፀነን ዓፅዩ ነበረ። ኣብርሃም ድማ ንእግዚኣብሄር ለመነ። እግዚኣብሄርውን ንኣቢሜሌክን ንሰበይቱን ኣግራዱን ኣሕወዮም፤ ክወልዱ ኸም ዝኽእሉ ኸዓ ኾኑ።
Արդեն Ընտրված.
ዘፍጥረት 20: ትመ15
Ընդգծել
Կիսվել
Պատճենել
Ցանկանու՞մ եք պահպանել ձեր նշումները ձեր բոլոր սարքերում: Գրանցվեք կամ մուտք գործեք