1
ዮሃንስ 15:5
መፅሓፍ ቅዱስ
እቲ ጕንዲ ወይኒ ኣነ እየ፤ ንስኻትኩም ድማ ጨናፍር ኢኹም፤ እቲ ኣባይ ዝነብር፥ ኣነውን ኣብኡ ዝነብር፥ ንሱ እዩ ብዙሕ ፍረ ዝፈሪ፤ ብዘይ በኣይ፥ ሓንቲ እኳ ኽትገብሩ ኣይትኽእሉን ኢኹም እሞ።
השווה
חקרו ዮሃንስ 15:5
2
ዮሃንስ 15:4
ኣባይ ንበሩ፤ ኣነውን ኣባኻትኩም ክነብር እየ፤ ጨንፈር ኣብቲ ጕንዲ ወይኑ እንተ ዘይነይሩ፥ ካብ ባዕሉ ኽፈሪ ኸም ዘይኽእል፥ ንስኻትኩምውን ኣባይ እንተ ዘይኔርኩም፥ ክትፈርዩ ኣይትኽእሉን።
חקרו ዮሃንስ 15:4
3
ዮሃንስ 15:7
ኣባይ ትነብሩ እንተ ዄንኩም፥ ቃለይውን ኣባኻትኩም ዝነብር እንተ ደኣ ኾይኑ፥ ኵሉ እትደልይዎ ለምኑ እሞ ክኾነልኩም እዩ።
חקרו ዮሃንስ 15:7
4
ዮሃንስ 15:16
ኣነ እየ ዝሓረኹኹም እምበር፥ ንስኻትኩም ኣይሓረኹምንን፤ ኬድኩም ፍረ ምእንቲ ኽትፈርዩ፥ ፍረኹምውን ምእንቲ ነባሪ ክኸውን ሾምኩኹም፤ ስለዙይውን፥ እቲ ዅሉ ንኣብ ብስመይ ዝለመንኩምዎ ኽህበኩም እዩ።
חקרו ዮሃንስ 15:16
5
ዮሃንስ 15:13
ሰብ ቤዛ ኣዕርኽቱ ገይሩ፥ ንህይወቱ ኣሕሊፉ ኻብ ምሃብ ዝበልፅ ፍቕሪ የብሉን።
חקרו ዮሃንስ 15:13
6
ዮሃንስ 15:2
ነቲ ዅሉ ኣባይ ዘሎ፥ ፍረ ዘይፈሪ ጨንፈር የወግዶ፤ ነቲ ፍረ ዝፈሪ ጨንፈር ግና፥ ብዙሕ ምእንቲ ኽፈሪ የፅርዮ።
חקרו ዮሃንስ 15:2
7
ዮሃንስ 15:12
ከምቲ ኣነ ዘፍቀርኩኹም፥ ንስኻትኩምውን ንስንሳትኩም ክትፋቐሩ፥ ትእዛዘይ እዙይ እዩ።
חקרו ዮሃንስ 15:12
8
ዮሃንስ 15:8
ብዙሕ ፍረ እንተ ፈረኹም፥ ኣቦይ በዙይ ክኸብር እዩ፤ ንስኻትኩምውን ደቀ መዛሙርተይ ምዃንኩም ክትፍለጡ ኢኹም።
חקרו ዮሃንስ 15:8
9
ዮሃንስ 15:1
“ኣነ፥ ናይ ብሓቂ ጕንዲ ወይኒ እየ፤ ተኻሊኡ ኸዓ ኣቦይ እዩ።
חקרו ዮሃንስ 15:1
10
ዮሃንስ 15:6
ኵሉ ኣባይ ዘይነብር፥ ከም ጨንፈር ንወፃኢ ተደርቢዩ ይነቅፅ፤ ኣኪቦም ድማ፥ ናብ ሓዊ ይድርብይዎ እሞ ይነድድ።
חקרו ዮሃንስ 15:6
11
ዮሃንስ 15:11
ሓጐሰይ ኣባኻትኩም ምእንቲ ኽነብር፥ ሓጐስኩምውን ምሉእ ምእንቲ ክኸውንስ እዙይ ነገርኩኹም።
חקרו ዮሃንስ 15:11
12
ዮሃንስ 15:10
ከምቲ ኣነ ትእዛዛት ኣቦይ ሓልየ፥ ኣብ ፍቕሩውን ዝነብር ዘለኹ፥ ከምኡ ኸዓ ንስኻትኩም ትእዛዛተይ እንተ ሓሊኹም፥ ኣብ ፍቕረይ ፀኒዕኹም ክትነብሩ ኢኹም።
חקרו ዮሃንስ 15:10
13
ዮሃንስ 15:17
ንስንሳትኩም ክትፋቐሩ፥ እዙይ እእዝዘኩም ኣለኹ።
חקרו ዮሃንስ 15:17
14
ዮሃንስ 15:19
ንስኻትኩም ካብ ዓለም እንተ እትኾኑስ፥ ዓለም ናቱ ዝኾነ ይፈቱ እዩ እሞ፥ ምፈተወኩም ነይሩ፤ ኣነ ኻብ ዓለም ሓረኹኹም እምበር፥ ካብ ዓለም ኣይኮንኩምን፤ ስለዙይ ዓለም ይፀልአኩም ኣሎ።
חקרו ዮሃንስ 15:19
בית
כתבי הקודש
תוכניות
קטעי וידאו