1
ዮሃንስ 14:27
መፅሓፍ ቅዱስ
ሰላም እሓድገልኩም ኣለኹ፤ ሰላመይውን እህበኩም ኣለኹ፤ እቲ ኣነ ዝህበኩም ዘለኹ፥ ከምቲ ዓለም ዝህቦ ኣይኮነን፤ ልብኹም ኣይሸበር፤ ኣይፍራሕውን።
השווה
חקרו ዮሃንስ 14:27
2
ዮሃንስ 14:6
ኢየሱስ ድማ፦ “ኣነ መንገድን ሓቅን ህይወትን እየ፤ ብዘይ ብኣይ፥ ሓደኳ ናብ ኣብ ዝመፅእ የለን።
חקרו ዮሃንስ 14:6
3
ዮሃንስ 14:1
“ልብኹም ኣይሸበር፤ ብእግዚኣብሄር እመኑ፤ ብኣይውን እመኑ።
חקרו ዮሃንስ 14:1
4
ዮሃንስ 14:26
እቲ ኣብ፥ ብስመይ ዝሰዶ መፀናንዒ መንፈስ ቅዱስ፥ ንሱ ዅሉ ኽምህረኩም፥ ነቲ ዅሉ ኣነ ዝነገርኩኹምውን ከዘክረኩም እዩ።
חקרו ዮሃንስ 14:26
5
ዮሃንስ 14:21
እቲ ትእዛዛተይ ዘለዎሞ ዝሕልዎ፥ ንሱ እዩ ዘፍቅረኒ፤ ነቲ ዘፍቅረኒ ድማ፥ ኣቦይ ከፍቅሮ እዩ፤ ኣነውን ከፍቅሮ እየ፤ ርእሰይ ከዓ ኽገልፀሉ እየ።”
חקרו ዮሃንስ 14:21
6
ዮሃንስ 14:16-17
ኣነ ኸዓ ንኣብ ክልምኖ እየ፤ ንሱ ድማ ንዘለኣለም ምሳኻትኩም ዝነብር፥ ካልእ መፀናንዒ ኽህበኩም እዩ። ንሱ ናይ ሓቂ መንፈስ እዩ፤ ዓለም ዘይሪኦን ዘይፈልጦን ብምዃኑ፥ ክቕበሎ ኣይኽእልን፤ ንስኻትኩም ግና ምሳኻትኩም ዝነብርን ኣባኻትኩም ዝሓድርን ስለ ዝኾነ ትፈልጥዎ ኢኹም።
חקרו ዮሃንስ 14:16-17
7
ዮሃንስ 14:13-14
ኣብ፥ ብወልድ ምእንቲ ክኸብርስ፥ ኵሉ ብስመይ እትልምንዎ ኽገብረልኩም እየ። ኵሉ ብስመይ ዝለመንኩምዎ ድማ ኽገብረልኩም እየ።
חקרו ዮሃንስ 14:13-14
8
ዮሃንስ 14:15
“ትፈትዉኒ እንተ ዄንኩም ትእዛዛተይ ሓልዉ።
חקרו ዮሃንስ 14:15
9
ዮሃንስ 14:2
ኣብ እንዳ ኣቦይ፥ ብዙሕ መንበሪ ኣሎ፤ እንተ ዘይህሉስ፥ ስፍራ ኸዳልወልኩም እኸይድ ኣለኹ፥ ኣይምበልኩኹምን ነይረ።
חקרו ዮሃንስ 14:2
10
ዮሃንስ 14:3
ከይደ ስፍራ ምስ ኣዳለኹልኩም፥ ኣብቲ ኣነ ዘለኹዎ፥ ንስኻትኩምውን ኣብኡ ምእንቲ ኽትነብሩ፥ ተመሊሰ ኽመፅእ እየ፤ ናባይውን ክወስደኩም እየ።
חקרו ዮሃንስ 14:3
11
ዮሃንስ 14:5
ቶማስ ከዓ “ጐይታ፥ ናበይ ከም እትኸይድ ኣይንፈልጥን ኢና፤ ነቲ መንገዲ ደኣ፥ ከመይ ጌርና ኢና እንፈልጦ?” በሎ።
חקרו ዮሃንስ 14:5
בית
כתבי הקודש
תוכניות
קטעי וידאו