ማቴዎስ 8
8
ኢየሱስ ሓደ ለምፃም ከም ዘንፅሀ
(ማር. 1፡40-45፥ ሉቃ. 5፡12-16)
1ካብቲ እምባ ኽወርድ እንተሎ፥ ብዙሓት ሰባት ተኸተልዎ። 2እንሆ ኸዓ ሓደ ለምፃም #8፡2 ለምፃም፦ እዝ ቓል እዙይ ብግሪክ ንኵሉ ሕማም ቈርበት ዝኾነ ዝወሃብ ዝነበረ እዩ እሞ፥ ግድን ለምፂ ማለት ኣይኮነን። ሌዋ. 13 ረአ። ቀሪቡ፥ “ጐይታይ! እንተ ፈቒድካስ፥ ክተንፅሀኒ ትኽእል ኢኻ” እናበለ ሰገደሉ።
3ኢየሱስ ከዓ ኢዱ ዘርጊሑ ዳህሰሶ፤ “ፍቓደይ እዩ፤ ንፃህ!” ድማ በሎ፤ ሽዑ ንሽዑ ኸዓ፥ ካብ ለምፁ ነፅሀ። 4#ማቴ. 9፡30፥ 12፡16፥ 17፡9፥ ማር. 1፡34፥44፥ 3፡12፥ 5፡43፥ 7፡36፥ 8፡30፥ 9፡9፥ ሉቃ. 4፡41፥ 8፡56፥ 9፡21፥ ዘሌ. 14፡1። ኢየሱስ ድማ “ንሓደ እኳ ኸይትነግር ተጠንቀቕ! ግና ኼድካ ርእስኻ ንካህን ኣርኢ፤ ንኣኣቶም ምስክር ምእንቲ ክኾኖምውን ከምቲ ሙሴ ዝኣዘዞ መባእ ኣቕርብ!” በሎ።
ኢየሱስ ንወዲ ሓለቓ ሚእቲ ኸም ዘሕወየ
(ሉቃ. 7፡1-10)
5-6 #
ዮሓ. 4፡46-53። ኢየሱስ ናብ ቅፍርናሆም ምስ ኣተወ፥ ሓደ ሓለቓ ሚእቲ ናብኡ ቐሪቡ፥ “ጐይታይ! ወደይ መፃጕዕ ኾይኑ፥ ኣብ ገዛ ደቂሱ የመና ይሳቐ ኣሎ” እናበለ ለመኖ። 7ኢየሱስ ድማ፥ “መፂአ ኸሕውዮ እየ” በሎ። 8እቲ ሓለቓ ሚእቲ ኸዓ “ጐይታይ! ናብ ገዛይ ክትኣቱ ኣይግብአንን፤ ግና ብቓልካ ኣዝዝ፤ ወደይ ድማ ኽሓዊ እዩ። 9ኣነ እኳ ሹም እየ፤ #8፡9 ኣነ እኳ ሹም እየ፦ ኣብ ግሪክ “ኣብ ትሕቲ ስልጣን ዝሓደርኩ” ዝብል ይርከብ። ኣብ ትሕተይ ዝእዝዞም ወታደራት ኣለዉኒ፤ ነዙይ ‘ኪድ’ እብሎ፥ ይኸይድ፤ ነቱይ ከዓ ‘ነዓ’ እብሎ፥ ይመፅእ፤ ንሓሽከረይ ድማ ‘ከምዙይ ግበር’ እንተ በልክዎ፥ ይገብር” በሎ።
10 #
ማር. 6፡6። ኢየሱስ ነዙይ ሰሚዑ ተደነቐ፤ ምልስ ኢሉ ድማ ነቶም ዝስዕብዎ ዝነበሩ፦ “ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ፥ ክንድዙይ ዝኣክል እምነት ዘለዎ፥ ኣብ እስራኤል እኳ ኣይረኸብኩን። 11#ሉቃ. 13፡28-29፥ ኤፌ. 3፡6። ብዙሓት ካብ ምብራቕን ካብ ምዕራብን ክመፁ እዮም፤ ኣብ መንግስተ ሰማያት ምስ ኣብርሃምን ይስሓቅን ያእቆብንውን ክቕመጡ እዮም። 12#ማቴ. 21፡43፥ ሉቃ. 13፡28-29። ደቂ መንግስቲ ግና፥ ናብቲ ኣብ ወፃኢ ዘሎ ፀልማት ክድርበዩ እዮም፤ ኣብኡ ድማ ብኽያትን ምሕርቃም ኣስናንን ክኸውን እዩ” በሎም። 13#ማቴ. 9፡22፥29፥ ማር. 5፡34፥ 10፡52፥ ሉቃ. 5፡20፥ 7፡50፥ 8፡48፥ 17፡19፥ 18፡42። ሽዑ ኢየሱስ ነቲ ሓለቓ ሚእቲ “ኪድ፥ ከም እምነትካ ይኹነልካ” በሎ። እቲ ወዱ ኸዓ በታ ሰዓት እቲኣ ሓወየ።#8፡13 ኣብ ግእዝ “እቲ ሓለቓ ሚእቲ ንገዛኡ ምስ ተመለሰ ሓውዩ ረኸቦ” ዝብል ይርከብ።
ብዛዕባ ሓማት ጴጥሮስ
(ማር. 1፡29-34፥ ሉቃ. 4፡38-41)
14 #
1 ቆሮ. 9፡5። ኢየሱስ ናብ እንዳ ጴጥሮስ ምስ ኣተወ፥ ንሓማት ጴጥሮስ ብረስኒ ተትሒዛ ደቂሳ ረኸባ። 15ኢዳ ምስ ዳህሰሳ ግና ረስና ሓደጋ፤ ተሲኣ ድማ ኣገልገለቶም። #8፡15 ኣገልገለቶም፦ ገሊኣቶም ብራናታት ግሪክ “ኣገልገለቶ” ይብሉ።
ኢየሱስ ብዙሕ ሰብ ከም ዘሕወየ
16-17 #
ማር. 1፡32-34፥ ሉቃ. 4፡40-41፥ ማቴ. 4፡24፥ ኢሳ. 53፡4። ምስ መሰየ፥ ኣጋንንቲ ዝሓደርዎም ብዙሓት ናብኡ ኣምፅኡ፤ እቲ ብነቢይ ኢሳይያስ፥
“ንሱ ድኻምና ወሰደ፥
ሕማምናውን ፆረ”
ዝተብሃለ ምእንቲ ኽፍፀም፥ ብቓሉ መናፍስቲ ኣውፅአ፤ ንዅሎም ሕማም ዘለዎም ድማ ኣሕወዮም።
18ኢየሱስ ኣብ ዙርያኡ ብዙሕ ህዝቢ ምስ ረአየ፥ ናብቲ ማዕዶ ባሕሪ ኽሳገሩ ኣዘዘ።
ክስዕብዎ ስለ ዝደለዩ ሰባት
(ሉቃ. 9፡57-62)
19ሓደ መምህር ሕጊ ናብኡ ቐሪቡ “መምህር፥ ናብ ኵሉ እትኸዶ ክኽተለካ?” በሎ። 20#ሉቃ. 2፡7፥ 2 ቆሮ. 8፡9። ኢየሱስ ድማ “ንወኻሩ ጕድጓድ ኣለወን፤ ነዕዋፍ ሰማይውን መፅለሊ ኣለወን፤ ወዲ ሰብ ግና ርእሱ ዘፀግዐሉ እኳ የብሉን” በሎ። 21#1 ነገ. 19፡20። ሓደ ኻልእ ካብ ደቀ መዛሙርቱ ኸዓ “ጐይታይ! ንቐደም ክኸይድ እሞ፥ ነቦይ ክቐብር ፍቐደለይ!” በሎ። 22#ዮሓ. 5፡25፥ ሮሜ 6፡13። ኢየሱስ ግና “ንስኻስ ተኸተለኒ ደኣ፥ ምውታንስ ንምውታኖም ይቕበርዎም ሕደጎም” በሎ።
ኢየሱስ ማዕበል ከም ዘህድአ
(ማር. 4፡35-41፥ ሉቃ. 8፡22-25)
23ናብ ጃልባ ምስ ደየበ፥ ደቀ መዛሙርቱ ተኸተልዎ። 24እንሆ ኸዓ እታ ጃልባ ብማዕበል ክሳዕ እትድፈን፥ ኣብቲ ባሕሪ ብርቱዕ ምንውዋፅ ኮነ፤ ንሱ ግና ደቂሱ ነበረ። 25ደቀ መዛሙርቱ ቐሪቦም “ኦ ጐይታ! ኸይንመውት ኣድሕነና!” እናበሉ ኣንቅሕዎ።
26 #
ማቴ. 6፡30፥ መዝ. 46፡2-3፥ 107፡25-29። ንሱ ኸዓ፥ “ኣቱም እምነት ዝጐደለኩም! ንምንታይ ትፈርሑ?” በሎም። ሽዑ ተሲኡ ንንፋስን ንባሕርን ገሰፆም እሞ፥ ዓብዪ ህድኣት ኮነ። 27#ማር. 1፡27። እቶም ሰባት ከዓ፥ “እዝ ንፋስን ባሕርን ዝእዘዝዎስ፥ ከመይ ዝበለ እዩ!” ኢሎም ተገረሙ።
ኣጋንንቲ ዝሓደርዎም ከም ዘሕወየ
(ማር. 5፡1-20፥ ሉቃ. 8፡26-39)
28ኢየሱስ ናብ ማዕዶ ሃገር ጌርጌሴኖን ምስ በፅሐ፥ ሓደ እኳ በታ መንገዲ ምሕላፍ ክሳዕ ዝስእን፥ የመና ኽፉኣት ዝነበሩ ኣጋንንቲ ዝሓደርዎም ክልተ ሰባት፥ ካብ መቓብራት ወፂኦም ተራኸብዎ። 29#ማቴ. 4፡3፥ ማር. 1፡24፥ ሉቃ. 4፡41፥ ያቆ. 2፡19፥ ይሁዳ 6። እንሆ ኸዓ “ኢየሱስ ወዲ እግዚኣብሄር! ንስኻ ምሳና እንታይ ኣለካ? ጊዜኡ እንተይበፅሐዶ ኽተሳቕየና ናብዙይ መፂእኻ?” እናበሉ ዓው ኢሎም ኣእወዩ። 30ካብኣቶም ርሕቕ ኢሉ፥ ብዙሕ መጓሰ ሓሰማታት ተዋፊሩ ነበረ። 31እቶም ኣጋንንቲ ድማ “እተውፅአና እንተ ዄንካስ፥ ናብዝ መጓሰ ሓሰማታት ስደደና” ኢሎም ለመንዎ። ንሱ ኸዓ፥ “ኪዱ!” በሎም። 32ወፂኦም ድማ ናብቶም ሓሰማታት ኣተዉ። እንሆ ኸዓ እቶም መጓሰ ሓሰማታት፥ ናብቲ ባሕሪ ፀደፉ፤ ኣብቲ ባሕሪ እውን ጠሊቖም ሞቱ። 33እቶም ጓሶት ግና ሃዲሞም ናብ ከተማ ኣተዉ፤ ኵሉ እቲ ዝኾነን ብዛዕባ እቶም ኣጋንንቲ ሓዲሮምዎም ዝነበሩ ሰባትን ከዓ ኣውረዩ። 34#ኢዮብ 21፡14፥ ዮሓ. 3፡19፥ ግ.ሓ. 16፡39። እንሆ ድማ ዅሎም ህዝቢ እታ ኸተማ፥ ንኢየሱስ ክራኸብዎ ወፁ፤ ምስ ረአይዎ ድማ ኻብ ዓዶም ክወፀሎም ለመንዎ።
Currently Selected:
ማቴዎስ 8: ትመ15
Highlight
Share
Copy
Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in