ማቴዎስ 7
7
ብዛዕባ ግቡእ ፍርዲ
(ሉቃ. 6፡37-38፥41-42)
1-2 #
ሮሜ 2፡1፥3፥ 14፡10፥ ማር. 4፡24። “ብትፈርድዎ ፍርዲ ኽፍረደኩም፤ ብትሰፍርዎ መስፈሪውን ክስፈረኩም እዩ እሞ፥ ከይፍረደኩም ኣይትፍረዱ። 3#ዮሓ. 8፡7። ኣብ ዓይንኻ ዘሎ ጕንዲ ዘይረአኻስ፥ ንምንታይ ኣብ ዓይኒ ሓውካ ዘሎ መንገፍ እትርኢ? 4ኣብ ዓይንኻ ጕንዲ እንተሎስ፥ ከመይ ጌርካ ንሓውካ ‘ካብ ዓይንኻ መንገፍ ከውፅአልካ’ ትብሎ? 5#ገላ. 6፡1። ኣታ ግብዝ! ቅድም ካብ ዓይንኻ ጕንዲ ኣውፅእ፤ ብድሕሪኡ ኻብ ዓይኒ ሓውካ፥ መንገፍ ንምውፃእ ኣፀቢቕካ ኽትርኢ ኢኻ።
6 #
ማቴ. 10፡11-14፥ ግ.ሓ. 13፡46። “ተመሊሶም ከይነኽስኹም፥ ዝተቐደሰ ነገር ነኽላባት ኣይትሃቡ፤ በእጋሮም ከይረግፅዎ ድማ፥ ዕንቍኹም ኣብ ቅድሚ ሓሰማታት ኣይትደርብዩ።”
ለምኑ፥ ድለዩ፥ ኳሕዅሑ
7“ለምኑ፥ ክወሃበኩም እዩ፤ ድለዩ፥ ክትረኽቡ ኢኹም፤ ማዕፆ ኳሕዅሑ፥ ክኽፈተልኩም እዩ። 8#ማቴ. 18፡19፥ 21፡22፥ ዮሓ. 14፡13፥ 15፡7፥ 16፡23፥24፥ ያቆ. 1፡5-8፥ 1 ዮሓ. 3፡22፥ 5፡14፥ ምሳ. 8፡17፥ ኤር. 29፡12፥13። ኵሉ ዝለመነ ይቕበል፤ ዝደለየውን ይረክብ፤ ማዕፆ ንዝዃሕዅሐ ድማ ይኽፈተሉ። 9እንታዋይ ሰብ እዩ፥ ካባኻትኩም ወዱ እንጀራ እንተ ለመኖ፥ እምኒ ዝህቦ? 10ወይ ከዓ ዓሳ እንተ ለመኖ፥ ተመን ዝህቦ? 11እምበኣርከስ ንስኻትኩም እኳ ኽፉኣት እንተለኹም፥ ንደቅኹም ሰናይ ውህብቶ ምሃብ ካብ ፈለጥኩም፥ እቲ ኣብ ሰማይ ዘሎ ኣቦኻትኩም ግዳ፥ ንዝለመንዎ ኽንደይ ኣብዚሑ ሰናይ ነገር ዘይህቦም? 12#ሉቃ. 6፡31፥ ያቆ. 2፡8፥ ሮሜ 13፡8፥10፥ ማቴ. 22፡35-40፥ ገላ. 5፡14። እምበኣር ሕግን ነቢያትን እዙይ እዩሞ፥ ከምቲ ዅሉ ሰባት ክገብሩልኩም እትደልይዎ፥ ንስኻትኩምውን ከምኡ ግበሩሎም።”
ፀባብን ገፋሕን በሪ
(ሉቃ. 13፡24፥ ምሳ. 14፡12፥ ኤር. 6፡16፥ 21፡8)
13“በታ ፀባብ በሪ እተዉ፤ እታ ናብ ጥፍኣት እትወስድ በሪ ገፋሕ፥ መንገዳውን ሰፊሕ እዩ እሞ፥ እቶም ናብኣ ዝኣትዉ ብዙሓት እዮም። 14እታ ናብ ህይወት እትወስድ በሪ ግና ፀባብ እያ፤ መንገዳውን ቀጢን እዩ፤ እቶም ዝረኽብዋ #7፡14 ዝረኽብዋ፦ ግእዝ “ዝኣትውዋ” ይብል። ኸዓ ውሑዳት እዮም።”
ኦም ብፍረኡ ኸም ዝፍለጥ
(ሉቃ. 6፡43-44)
15 #
ዘዳ. 13፡1-3፥ ኤር. 14፡14፥ 23፡16፥ ማቴ. 24፡11፥24፥ ግ.ሓ. 20፡29፥ ቈላ. 2፡8፥ 1 ጴጥ. 2፡1-3፥ 1 ዮሓ. 4፡1። “ውሽጣቶም መንጠልቲ ተዃሉ እናሃለዉ፥ ኣባጊዕ መሲሎም ካብ ዝመፁኹም ሓሰውቲ ነቢያት ተጠንቀቑ። 16#ገላ. 5፡19-23፥ ያቆ. 3፡12። ብፍረኦም ክትፈልጥዎም ኢኹም፤ ካብ ኣሜከላ ፍረ ወይኒ፥ ወይ ካብ ዳንዴር በለስዶ ይእረ? 17ከምኡ ድማ እቲ ፅቡቕ ኦም፥ ፅቡቕ ፍረ ይፈሪ፤ እቲ ሕማቕ ኦም ከዓ፥ ሕማቕ ፍረ ይፈሪ። 18#ሉቃ. 6፡43-45፥ ማቴ. 12፡33-35። ፅቡቕ ኦም ሕማቕ ፍረ ኽፈሪ፥ ሕማቕ ኦም ድማ ፅቡቕ ፍረ ኽፈሪ ኣይኽእልን እዩ። 19#ማቴ. 3፡10። ዅሉ ፅቡቕ ፍረ ዘይፈሪ ኦም ይቝረፅ፤ ናብ ሓዊ ድማ ይድርበ። 20እምበኣርከስ ብፍረኦም ክትፈልጥዎም ኢኹም። 21#ኢሳ. 29፡13። ፍቓድ እቲ ኣብ ሰማይ ዘሎ ኣቦይ ዝገብር ደኣ እምበር፥ ኵሉ ጐይታይ! ጐይታይ! ዝብለኒ፥ ናብ መንግስተ ሰማያት ኣይኣቱን እዩ። 22#ኤር. 14፡14። በታ መዓልቲ እቲኣ ብዙሓት ‘ኦ ጐይታ! ኦ ጐይታ! ብስምካዶ ትንቢት ኣይተናገርናን? ብስምካዶ ኣጋንንቲ ኣየውፃእናን? ብስምካኸ ብዙሕ ተኣምራትዶ ኣይገበርናን?’ ክብሉኒ እዮም። 23#ማቴ. 25፡12፥41፥ መዝ. 6፡8። ሽዑ ኣነ ‘ኣቱም ገበርቲ ዓመፃ፥ ከቶ ኣይፈልጠኩምን፤ ካባይ ረሓቑ!’ ኽብሎም እየ።” #ሉቃ. 13፡25-27።
24 #
ሉቃ. 11፡28፥ ሮሜ 2፡13፥ ያቆ. 1፡22፥25። “ኵሉ ነዝ ቓለይ ሰሚዑ ዝፍፅም፥ ገዛኡ ኣብ ልዕሊ ኰዅሒ ዝሰርሐ፥ ለባም ሰብ ይመስል። 25#ምሳ. 10፡25፥ 1 ዮሓ. 2፡17። ዝናም ዘነመ፥ ወሓይዝ ወሓዙ፥ ንፋሳትውን ነፈሱ፥ ነቲ ገዛ ደፍእዎ፤ ኣብ ኰዅሒ ስለ ዝተመስረተ ግና ኣይወደቐን። 26#ማቴ. 13፡21። ዅሉ ነዝ ቓለይ ሰሚዑ ዘይፍፅም ግና፥ ገዛኡ ኣብ ልዕሊ ሑፃ ዝሰርሐ፥ ሰነፍ ሰብ ይመስል። 27#ሉቃ. 6፡47-49። ዝናም ዘነመ፥ ወሓይዝ ወሓዙ፥ ንፋሳት ነፈሱ፥ ነቲ ገዛ ደፍእዎ፤ ወደቐውን፥ ኣወዳድቓኡ ድማ ዓብዪ ኾነ።”
28 #
ማር. 1፡22፥ ሉቃ. 4፡32፥ ማቴ. 22፡23፥ ዮሓ. 7፡46። ኢየሱስ ነዝ ነገር እዙይ ምስ ወድአ፥ እቶም ህዝቢ ብትምህርቱ ተደነቑ። 29ከም መምህራን ሕጊ ዘይኮነስ፥ ከም በዓል ስልጣን ይምህሮም ነበረ እሞ።
Currently Selected:
ማቴዎስ 7: ትመ15
Highlight
Share
Copy
Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in