ইউভার্শন লোগো
সার্চ আইকন

ዘፍጥረት 5

5
ካብ ኣዳም ክሳዕ ኖህ
1 # ዘፍ. 1፡27-28። መፅሓፍ ትውልዲ ኣዳም እዙይ እዩ፦
እግዚኣብሄር በታ ንኣዳም ዝፈጠረላ መዓልቲ ንሰብ ብኣምሳል እግዚኣብሄር ፈጠሮ። 2#ማቴ. 19፡4፥ ማር. 10፡6። ተባዕታይን ኣንስተይትን ገይሩውን ፈጠሮም፤ ባረኾምውን። በታ ዝተፈጠሩላ መዓልቲ ኸዓ ስሞም “ኣዳም” ኢሉ ሰመዮም።
3ኣዳም ሚእትን ሰላሳን ዓመት ምስ ገበረ፤ ብምስሉ ኸም መልክዑ ወዲ ወለደ። ሴት ኢሉውን ሰመዮ። 4ኣዳም ንሴት ምስ ወለደ፥ ብድሕሪኡ ሸሞንተ ሚእቲ ዓመት ነበረ፤ ኣወዳትን ኣጓላትንውን ወለደ። 5ኣዳም ዕድሚኡ ትሽዓተ ሚእትን ሰላሳን ዓመት ኮነ፤ ሞተውን።
6ሴት ድማ ሚእትን ሓሙሽተን ዓመት ምስ ገበረ ንሄኖስ ወለደ። 7ሴት ንሄኖስ ምስ ወለደ፥ ብድሕሪኡ ሸሞንተ ሚእትን ሸውዓተን ዓመት ነበረ። ኣወዳትን ኣጓላትን ድማ ወለደ። 8ሴት ዕድሚኡ ትሽዓተ ሚእትን ዓሰርተ ኽልተን ዓመት ኮነ፤ ሞተውን።
9ሄኖስ ድማ ተስዓ ዓመት ምስ ገበረ፥ ንቃይናን ወለደ። 10ሄኖስ ንቃይናን ምስ ወለደ፥ ብድሕሪኡ ሸሞንተ ሚእትን ዓሰርተ ሓሙሽተን ዓመት ነበረ፤ ኣወዳትን ኣጓላትንውን ወለደ። 11ሄኖስ ዕድሚኡ ትሽዓተ ሚእትን ሓሙሽተን ዓመት ኮነ፤ ሞተውን።
12ቃይናን ከዓ ሰብዓ ዓመት ምስ ገበረ፥ ንመላልኤል ወለደ። 13ቃይናን ንመላልኤል ምስ ወለደ፥ ብድሕሪኡ ሸሞንተ ሚእትን ኣርብዓን ዓመት ነበረ፤ ኣወዳትን ኣጓላትን ድማ ወለደ። 14ቃይናን ዕድሚኡ ትሽዓተ ሚእትን ዓሰርተን ዓመት ኮነ፤ ሞተውን።
15መላልኤል ድማ ስሳን ሓሙሽተን ዓመት ምስ ገበረ፥ ንያሬድ ወለደ። 16መላልኤል ንያሬድ ምስ ወለደ፥ ብድሕሪኡ ሸሞንተ ሚእትን ሰላሳን ዓመት ነበረ፤ ኣወዳትን ኣጓላትንውን ወለደ። 17መላልኤል ዕድሚኡ ሸሞንተ ሚእትን ተስዓን ሓሙሽተን ዓመት ኮነ፤ ሞተውን።
18ያሬድ ከዓ ሚእትን ስሳን ክልተን ዓመት ምስ ገበረ፥ ንሄኖክ ወለደ። 19ያሬድ ንሄኖክ ምስ ወለደ፥ ብድሕሪኡ ሸሞንተ ሚእቲ ዓመት ነበረ፤ ኣወዳትን ኣጓላትንውን ወለደ። 20ያሬድ ዕድሚኡ ትሽዓተ ሚእትን ስሳን ክልተን ዓመት ኮነ፤ ሞተውን።
21ሄኖክ ድማ ስሳን ሓሙሽተን ዓመት ምስ ገበረ፥ ንማቱሳላ ወለደ። 22ሄኖክ ንማቱሳላ ምስ ወለደ፥ ብድሕሪኡ ሰለስተ ሚእቲ ዓመት ኣካይዳኡ ምስ እግዚኣብሄር ገበረ፤ ኣወዳትን ኣጓላትንውን ወለደ። 23ኵሉ ዕድመ ሄኖክ ሰለስተ ሚእትን ስሳን ሓሙሽተን ዓመት ነበረ። 24#ዕብ. 11፡5፥ ይሁዳ 14። ሄኖክ ኣካይዳኡ ምስ እግዚኣብሄር ስለ ዝገበረ ኣይተረኽበን፤ እግዚኣብሄር ወሲድዎ እዩሞ።
25ማቱሳላ ድማ ሚእትን ሰማንያን ሸውዓተን ዓመት ምስ ገበረ ንላሜህ ወለደ። 26ማቱሳላ ንላሜህ ምስ ወለደ፥ ብድሕሪኡ ሸውዓተ ሚእትን ሰማንያን ክልተን ዓመት ነበረ፤ ኣወዳትን ኣጓላትን ከዓ ወለደ። 27ማቱሳላ ዕድሚኡ ትሽዓተ ሚእትን ስሳን ትሽዓተን ዓመት ኮነ፤ ሞተውን።
28ላሜህ ከዓ ሚእትን ሰማንያን ክልተን ዓመት ምስ ገበረ ወዲ ወለደ። 29“ኣብዛ እግዚኣብሄር ዝረገማ ምድሪ፥ ካብ ኵሉ ስራሕናን ከቢድ ፃዕርናን ከዕርፈና እዩ” እንትብል ኖህ ኢሉ ሰመዮ። 30ላሜህ ንኖህ ምስ ወለደ፥ ብድሕሪኡ ሓሙሽተ ሚእትን ተስዓን ሓሙሽተን ዓመት ነበረ፤ ኣወዳትን ኣጓላትንውን ወለደ። 31ላሜህ ዕድሚኡ ሸውዓተ ሚእትን ሰብዓን ሸውዓተን ዓመት ኮነ፤ ሞተውን።
32ኖህ ከዓ ሓሙሽተ ሚእቲ ዓመት ምስ ኮኖ፥ ንሴምን ንካምን ንያፌትን ወለደ።

বর্তমানে নির্বাচিত:

ዘፍጥረት 5: ትመ15

হাইলাইট

শেয়ার

কপি

None

Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in