YouVersion Logo
Search Icon

ዘካርያስ 10

10
እግዚኣብሄር ንህዝቡ ኸድሕን ዝሃቦ ተስፋ
1ብጊዜ ዳሕረዋይ ዝናም፥ ካብ እግዚኣብሄር ዝናም ለምኑ፤ እግዚኣብሄር መብረቅ ይገብር፤ ዝናምን ንነፍሲ ወከፍ ድማ ሳዕሪ ኣብ ግራት ክህብ እዩ። 2#ማቴ. 9፡36፥ ማር. 6፡34። ተራፊም ከንቱ ይናገሩ፤ ጠንቈልቲውን ሓሰት ይሪኡ፤ ሓለምቲ ድማ ሓሰት ይናገሩ፤ ብኸንቱውን የፀናንዑ፤ ስለዙይ እቶም ህዝቢ ጓሳ የብሎምን፤ ከም ኣባጊዕ ከርተት በሉ፤ ተጨነቑውን።
3ቍጥዓይ ኣብ ልዕሊ ጓሶት ነደደ፤ ነቶም ዲበላታትውን ክቐፅዖም እየ። ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር፥ ንመጓሰኡ ቤት ይሁዳ ተመልኪትዎ እዩ፤ ኣብ ጊዜ ውግእውን፥ ከም ናይ ክብሩ ፈረስ ክገብሮም እዩ። 4ካብኡ እምኒ መኣዝን፥ ካስማ ድንኳን፥ ቀስቲ ውግእ፥ ኵሎም ግብሪ ዘገብሩ ኽወፁ እዮም። 5ኣብ ጊዜ ውግእ ንፀላእቶም ኣብ መንገዲ ንዘሎ ጭቃ ኸም ዝረጋግፁ ሓያላት ክኾኑ እዮም፤ እግዚኣብሄር ምስኣቶም ስለ ዝኾነ ኸዓ ኽዋግኡ እዮም፤ እቶም ፈረሰኛታትውን ከዋርዱ እዮም።
6“ፈትየዮም እየሞ፥ ንቤት ይሁዳ ኸበርትዖም እየ፤
ንቤት ዮሴፍ ድማ ኸድሕኖም እየ፤
ከደላድሎምውን እየ።
ስለ ዝርህርሀሎም፥ ናብ ዓዶም ክመልሶም እየ፤
ከም ዘይሓደግክዎምውን ክኾኑ እዮም።
ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኾም እየሞ፥
ፀሎቶም ክሰምዖም እየ፤
ከም ዘይደርበኹዎምውን ክኾኑ እዮም።
7ሰባት ኤፍሬም ከም ሓያላት ሰባት ክኾኑ እዮም፤
ልቦምውን ወይኒ ኸም ዝሰተየ ሰብ ክሕጐስ እዩ።
ደቆምውን ነዙይ ሪኦም ክሕጐሱ እዮም፤
ልቦምውን ብእግዚኣብሄር ሓሴት ክገብር እዩ።”
8“ተቤዚወዮም እየሞ፥ ብፋፃ ኽፅውዖም እየ፤
ብሓደ ኽእክቦም እየ፤
ከም ቀደሞምውን ክበዝሑ እዮም።
9ኣብ መንጎ ህዝብታት እኳ እንተ በተንክዎም፥
ኣብ ርሑቕ ኮይኖም ክዝክሩኒ እዮም፤
ምስ ደቆምውን ብህይወት ክነብሩን፥
ናብ ዓዶም ክምለሱን እዮም።
10ካብ ምድሪ ግብፂ ኽመልሶም እየ፤
ካብ ኣሶርውን ክእክቦም እየ፤
ናብ ምድሪ ገለዓድን ሊባኖስን ከምፅኦም እየ፤
ብቑዕ ቦታውን ኣይርከበሎምን።
11ብባሕሪ ጭንቂ ኽሓልፉ እዮም፤
ማዕበል ባሕሪ እውን ክሃድእ እዩ፤
ኵሉ መዓሙቝ ሩባ ኸዓ ይነፅፍ፤
ትዕቢት ኣሶር ክዋረድ፥
በትሪ መንግስቲ ግብፂውን ክውገድ እዩ።
12ብኣምላኾም ብእግዚኣብሄር ከበርትዖም እየ፤
ብስሙውን ክምክሑ እዮም”
ይብል ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር።

Currently Selected:

ዘካርያስ 10: ትመ15

Highlight

Share

Copy

None

Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in

Video for ዘካርያስ 10