ሉቃስ 6
6
ወዲ ሰብ ጐይታ ሰንበት ከም ዝኾነ
(ማቴ. 12፡1-8፥ ማር. 2፡23-28)
1ኢየሱስ ብሰንበት፥ ብማእኸል ዝሩእ ገራሁ ኽሓልፍ እንተሎ፥ ደቀ መዛሙርቱ ሸዊት እናቐንጠቡ፥ በእዳዎም እናሓሰዩ ኽበልዑ ጀመሩ። 2ካብ ፈሪሳውያን ገሊኣቶም “ስለ ምንታይ፥ ብሰንበት ክግበር ዘይግባእ ትገብሩ ኣለኹም?” በልዎም። 3-4#1 ሳሙ. 21፡3-6። ኢየሱስ ድማ “ዳዊት፥ ንሱን እቶም ምስኡ ዝነበሩን ምስ ጠመዩ፥ እንታይ ድዩ ዝገበረ? ናብ ቤት እግዚኣብሄር ከም ዝኣተወ እሞ፥ ንኻህናት ጥራሕ እምበር፥ ካልእ ክበልዖ ዘይግባእ፥ ሕብስቲ ቝርባን ወሲዱ ኸም ዝበልዐ፥ ነቶም ምስኡ ዝነበሩውን ከም ዝሃቦም፥ ኣየንበብኩምን ዲኹም?” ኢሉ መለሰሎም። 5“ወዲ ሰብ፥ ጐይታ ሰንበት እዩ” ድማ በሎም።
ኢየሱስ ኢዱ ንዝሰለለት ሰብ ከም ዘሕወየ
(ማቴ. 12፡9-14፥ ማር. 3፡1-6)
6 #
ሉቃ. 13፡10። ብኻልእ ሰንበት ድማ፥ ኢየሱስ ናብ ቤተ ፀሎት ኣይሁድ #6፡6 ቤተ ፀሎት ኣይሁድ፦ ወይ “ምኩራብ” ኣትዩ መሃረ፤ ኣብኡውን የማነይቲ ኢዱ ዝሰለለት ሰብ ነበረ። 7#ሉቃ. 14፡1። መምህራን ሕግን ፈሪሳውያንን ከዓ መኽሰሲ ምእንቲ ኽረኽቡሉ፥ ብሰንበት እንተ ኣሕወዮ ኢሎም፥ ይፀናተውዎ ነበሩ። 8#ሉቃ. 5፡22። ንሱ ግና ሓሳባቶም ፈሊጡ፥ ነቲ ኢዱ ዝሰለለት ሰብኣይ “ተስእ እሞ ኣብ ማእኸል ደው በል!” በሎ። ንሱውን ተሲኡ ደው በለ። 9#ሉቃ. 14፡3። ኢየሱስ ከዓ “እስኪ ኽጥይቐኩም፤ ብሰንበት ፅቡቕ ምግባርዶ ወይ ክፉእ ምግባር፥ ነፍሲ ምድሓንዶ ወይ ምቕታል ይግባእ?” በሎም። 10ንዅሎም እቶም ኣብ ዙርያኡ ዝነበሩ እናጠመተ፥ ነቲ ሰብኣይ “ኢድካ ዘርግሕ!” በሎ፤ ንሱ ኸዓ ዘርግሐ፤ እታ ኢዱውን ሓወየት፤ ከምታ ኻልአይታውን ኮነት። 11#ሉቃ. 4፡28። ንሳቶም ግና የመና ተናደዱ፤ ንኢየሱስ እንታይ ከም ዝገብርዎ ድማ ንስንሳቶም ተማኸሩ።
ዓሰርተ ኽልተ ሃዋርያት ከም ዝተመረፁ
(ማቴ. 10፡1-4፥ ማር. 3፡13-19)
12ኢየሱስ በተን መዓልቲታት እቲኣተን ክፅሊ ናብ እምባ ደየበ፤ ምሉእ ለይቲ እውን ናብ እግዚኣብሄር ክፅሊ ሓደረ። 13#ሉቃ. 9፡1-2። ምስ ወግሐ ንደቀ መዛሙርቱ ናብኡ ፀውዖም፤ ካብኣቶም ድማ፥ ዓሰርተ ኽልተ መረፀ፤ “ሃዋርያት” ኢሉ ድማ ሰመዮም፤ 14ንሳቶም ከዓ፥ እቲ ጴጥሮስ ኢሉ ዝሰመዮ ስምኦንን፥ እንድርያስ ሓዉን፥ ያእቆብን፥ ዮሃንስን፥ ፊልጶስን፥ በርተሎሜዎስን፥ 15ማቴዎስን፥ ቶማስን፥ ያእቆብ ወዲ እልፍዮስን፥ እቲ ቀናኢ ዝተብሃለ ስምኦንን፥ 16ይሁዳ ወዲ ያእቆብን፥ እቲ ኣሕሊፉ ዝሃቦ ይሁዳ ኣስቆሮታዊን ነበሩ።
ኢየሱስ ንብዙሓት ሰባት ከም ዝፈወሰን ከም ዝመሃረን
(ማቴ. 4፡23-25፥ 14፡34-36፥ ማር. 3፡7-12)
17ኢየሱስ ምስኣቶም ወሪዱ ድማ፥ ለጥ ኣብ ዝበለ መይዳ ደው በለ፤ ብዙሓት ካብ ደቀ መዛሙርቱን ብዙሕ ህዝብን ድማ፥ ካብ ኵሉ ይሁዳን ኢየሩሳሌምን፥ ካብ ገምገም ባሕሪ ጢሮስን ሲዶናን፥ 18ምእንቲ ኽሰምዕዎን፥ ካብ ሕማሞም ምእንቲ ኽፍወሱን ናብኡ መፁ። እቶም ብርኹሳት መናፍስቲ ዝሳቐዩ ዝነበሩውን ሓወዩ። 19#ማቴ. 9፡20። ካብኡ ሓይሊ ወፂኡ፥ ንዅሎም የሕውዮም ስለ ዝነበረ፥ ኵሎም እቶም ህዝቢ ኽነኽእዎ ይደልዩ ነበሩ።
ብዛዕባ ብፅእና
(ማቴ. 5፡1-12)
20ንሱ ግና ናብ ደቀ መዛሙርቱ እናጠመተ ኸምዙይ በለ፦ “ኣቱም ድኻታት፥ መንግስቲ እግዚኣብሄር ንኣኻትኩም እያ እሞ፥ ብፁኣን ኢኹም። ኣቱም ሕዚ እትጠምዩ፥ ክትፀግቡ ኢኹም እሞ፥ ብፁኣን ኢኹም። 21#መዝ. 107፡9። ኣቱም ሕዚ እትበኽዩ፥ ክትስሕቑ ኢኹም እሞ፥ ብፁኣን ኢኹም። 22ሰባት ምእንቲ ‘ወዲ ሰብ’ እንተ ፀልኡኹም፥ እንተ ፈለዩኹም፥ እንተ ፀረፉኹም፥ ንስምኩምውን እንተ ኣነወርዎ፥ ብፁኣን ኢኹም። 23#2 ቆሮ. 4፡17፥ ያቆ. 1፡2። እንሆ ኣቦታቶም ድማ፥ ንነቢያት ከምኡ ይገብርዎም ነይሮም እዮም እሞ፥ ዓስብኹም ኣብ ሰማይ ብዙሕ ስለ ዝኾነ፥ በታ መዓልቲ እቲኣ ደስ ይበልኩም፤ ብሓጐስውን ዝለሉ። 24#ሉቃ. 12፡16-21፥ ያቆ. 5፡1። ኣቱም ሃብታማት ግና ሓጐስኩም ወዲእኹም ኢኹም እሞ ወይለኹም! 25#ያቆ. 4፡9፥ ኢሳ. 65፡13-14። ኣቱም ሕዚ እትፀግቡ፥ ክትጠምዩ ኢኹም እሞ፥ ወይለኹም! ኣቱም ሕዚ እትስሕቑ፥ ክትበኽዩን ክትሓዝኑን ኢኹም እሞ፥ ወይለኹም! 26#ያቆ. 4፡4። ኵሉ ሰብ ፅቡቕ እንተ ተዛረበልኩም፥ ወይለኹም! ኣቦታቶምውን ንሓሰውቲ ነቢያት ከምኡ ይገብሩሎም ነይሮም እዮም እሞ።
ንፀላኢኻ ምፍታው
(ማቴ. 5፡38-48፥ 7፡12)
27“ኣነ ግና ንኣኻትኩም ንእትሰምዑኒ እብለኩም ኣለኹ፦ ፀላእትኹም ፍተዉ፤ ንዝፀልኡኹም ድማ ፅቡቕ ግበሩ። 28#1 ጴጥ. 3፡9። ንዝረግሙኹም መርቑ፤ ምእንቲ እቶም ዝብድሉኹም ፀልዩ። 29መትልሕኻ ንዝፀፍዐካ፥ እታ ኻልአይታውን ኣዙረሉ፤ ነፀላኻ ንዘሕደገካ፥ እጀ ጠባብካውን ኣይትኽልኣዮ። 30ንዝለመነካ ሃብ፤ ገንዘብካ ንዝወሰደውን፥ ምለሰለይ ኣይትበሎ። 31#ማቴ. 7፡12። ከምቲ ሰባት ክገብሩልኩም እትደልይዎ፥ ንስኻትኩምውን ከምኡ ግበሩሎም።
32“ንዝፈትዉኹም ጥራሕ እንተ ፈተኹም ደኣ፥ እንታይ ዓስቢ ኣለኩም? ሓጥኣንውን ንዝፈትውዎምስ ይፈትዉ እዮም። 33ሰናይ ንዝገብሩልኩም ጥራሕ፥ ሰናይ እንተ ገበርኩምከ፥ እንታይ ዓስቢ ኣለኩም? ከምኡስ ሓጥኣንውን ይገብሩ እዮም። 34#ሉቃ. 14፡12-13። ክፈድየኩም ንትፅበይዎ እንተ ኣለቃሕኹምከ፥ እንታይ ዓስቢ ኣለኩም? ሓጥኣንውን ንሓጥኣን፥ ክንድቲ ዘለቅሕዎም ክፍደዩ የለቅሕዎም እዮም። 35#ሉቃ. 14፡14፥ 1 ጢሞ. 6፡18-19። ንስኻትኩም ግና ፀላእትኹም ኣፍቅሩ፤ ሰናይውን ግበሩ፤ ክትፍደዩ እንተይተፀበኹም ኣለቅሑ። እግዚኣብሄር ንዘየመስግኑን፥ ንሕሱማትን ርህሩህ እዩ እሞ፥ ዓስብኹም ብዙሕ ክኸውን እዩ፤ ውሉድ እቲ ልዑልውን ክትኮኑ ኢኹም። 36ከምቲ ሰማያዊ ኣቦኻትኩም ርህሩህ ዝኾነ፥ ንስኻትኩምውን ርህሩሃት ኩኑ።
ብኻልኦት ምፍራድ ከም ዘይግባእ
(ማቴ. 7፡1-5፥16-20፥ 12፡33-35)
37“ኣይትፍረዱ፤ ኣይትፍረዱን ኢኹም፤ ኣይትዀንኑ፤ ኣይትዅነኑን ድማ ኢኹም፤ ይቕረ በሉ፤ ይቕረ ኽትበሃሉ ኢኹም። 38#ማቴ. 10፡42። ሃቡ፤ ክወሃበኩም እዩ፤ በቲ እትሰፍሩሉ መስፈሪ፥ ክስፈረልኩም እዩ፤ ብፅቡቕ መስፈሪ ዝመልአ፥ ዝተፀቐጠ፥ ዝተነነወ፥ ሕልፍን ትርፍን ዝኾነ፥ ኣብ ሕቝፍኹም ክወሃበኩም እዩ።”
39 #
ማቴ. 7፡3-5፥16-20፥ 15፡14። መሊሱውን ብምስላ ኸምዙይ በሎም፦ “ዕዉርዶ ንዕዉር ክመርሖ ይኽእል እዩ? ክልቲኦምከ ኣብ ጕድጓድ ኣይወድቁን ድዮም? 40#ማቴ. 10፡24-25። ተምሃራይ ካብ መምህሩ ኣይበልፅን፤ ኵሉ ተምሂሩ ዝወድአ ግና፥ ከም መምህሩ እዩ ዝኸውን።
41“ኣብ ዓይንኻ ዘሎ ጕንዲ እንተይረአኻ፥ ኣብ ዓይኒ ሓውካ ዘሎ መንገፍ ንምንታይ ትርኢ? 42ወይ ንስኻ ኣብ ዓይንኻ ዘሎ ጕንዲ ዘይትርእስ፥ ንሓውካ፥ ‘ኣታ ሓወይ፥ ነቲ ኣብ ዓይንኻ ዘሎ መንገፍ እስኪ ኸውፅአልካ’ ኽትብሎዶ ትኽእል? ኣታ ግብዝ! ቅድም ነቲ ኣብ ዓይንኻ ዘሎ ጕንዲ ኣውፅእ እሞ፥ ብድሕሪኡ ነቲ ኣብ ዓይኒ ሓውካ ዘሎ መንገፍ ንምውፃእ፥ ኣፅሪኻ ኽትርኢ ኢኻ።
43“ሕማቕ ፍረ ዝፈሪ፥ ፅቡቕ ኦም የለን፤ ወይ ከዓ ፅቡቕ ፍረ ዝፈሪ ሕማቕ ኦም የለን። 44በለስ፥ ካብ እሾኽ ኣይእረን፤ ወይኒ እውን፥ ካብ ኣሜከላ ኣይቕንጠብን እዩ፤ ኵሉ ኦም፥ ብፍረኡ እዩ ዝፍለጥ። 45#ማቴ. 12፡33-35። ኣፍ ድማ፥ ካብ ምልኣት ልቢ እዩ ዝዛረብ እሞ፥ እቲ ቕኑዕ ሰብ፥ ካብቲ ሰናይ መዝገብ ልቡ፥ ሰናይ ነገር የውፅእ፤ እቲ ኽፉእ ሰብ ድማ፥ ካብቲ ኽፉእ መዝገብ ልቡ፥ ክፉእ እዩ ዘውፅእ።
ኣብ ኰዅሕን ኣብ ሑፃን ዝተሰረተ ገዛ
(ማቴ. 7፡24-27)
46 #
ሮሜ 2፡13። “ነቲ ኣነ ዝብሎ ዘይትገብሩስ፥ ስለ ምንታይ ኢኹም ጐይታ! ጐይታ! እትብሉኒ? 47ኵሉ እቲ ናባይ ዝመፅእን፥ ንቓለይ ሰሚዑ ዝገብሮን፥ ንመን ከም ዝመስል ከርእየኩም እየ። 48#ሉቃ. 11፡28። ንሱ ገዛኡ ኽሰርሕ እንተሎ፥ ኣዕሚቑ ዝዀዓተን፥ መሰረቱውን ኣብ ኰዅሒ ዝሰረተን ሰብ እዩ ዝመስል። ብርቱዕ ውሕጅ መፂኡ፥ ነቲ ገዛ ደፍኦ፤ ኣብ ኰዅሒ ስለ ዝተሰረተ ግና፥ ክነቓነቕ ኣይከኣለን። 49እቲ ንቓለይ ሰሚዑ ዘይገብሮ ግና፥ ገዛኡ ብዘይ መሰረት፥ ኣብ ምድሪ ዝሰርሐ ሰብ እዩ ዝመስል፤ እቲ ውሕጅ ደፍኦ፤ ሽዑ ንሽዑውን ወደቐ፤ ኣወዳድቓ እቲ ገዛ ኸዓ ዓብዪ ኾነ።”
Currently Selected:
ሉቃስ 6: ትመ15
Highlight
Share
Copy
Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in