ሉቃስ 2
2
ልደት ኢየሱስ
(ማቴ. 1፡18-25)
1በቲ ጊዜ እቱይ፥ ኵሉ ዓለም ክምዝገብ ካብ ቄሳር ኣውግስጦስ ትእዛዝ ወፀ። 2እዝ ምዝገባ እዙይውን፥ ቄሬኔዎስ ኣብ ሶርያ ተሸይሙ እንተሎ ዝኾነ፥ ቀዳማይ ምዝገባ እዩ። 3ሽዑ ዅሉ ሰብ ክምዝገብ፥ ነናብ ዓዱ ኸደ። 4-5#1 ሳሙ. 17፡12፥ ሉቃ. 1፡27፥ ዮሓ. 7፡42። ዮሴፍውን ካብ ቤት ዳዊትን፥ ካብ ዓሌቱን ስለ ዝነበረ፥ ካብ ገሊላ ኻብ ከተማ ናዝሬት፥ ምስታ ጠኒሳ ዝነበረት ሕፅይቱ ማርያም ናብ ይሁዳ፥ ቤተ ልሔም ናብ እትበሃል ከተማ ዳዊት፥ ክምዝገብ ደየበ። 6ኣብኡ እንተለዉ ድማ እትወልደሉ ዕለት በፅሐ። 7#ሉቃ. 9፡58። በዅሪ ወዳ ድማ ወለደት፤ በጭርቕትውን ጠቕለለቶ፤ ኣብቲ መሕደሪ ኣጋይሽ፥ ሰፈር ስለ ዘይነበሮም ድማ፥ ኣብ መብልዒ ኸፍቲ ኣደቀሰቶ።
ጓሶትን መላእኽትን
8ኣብቲ ኸባቢ እቱይ፥ ብለይቲ መጓሰኦም ክሕልዉ፥ ኣብ ወፍሪ ዝሓደሩ ጓሶት ነበሩ። 9እንሆ ድማ መልኣኽ እግዚኣብሄር ኣብ ጥቓኦም ቆመ፤ ክብሪ እግዚኣብሄርውን ኣብ ዙርያኦም ኣብርሀ፤ የመና ድማ ፈርሑ። 10እቲ መልኣኽ ድማ “እንሆ ንዅሉ ህዝቢ ዝኸውን፥ ዓብዪ ሓጐስ ኣብስረኩም ኣለኹ እሞ ኣይትፍርሑ። 11#ሉቃ. 1፡13፥30፥69፥ ኢሳ. 9፡5፥ 40፡9። ሎሚ መድሕን፥ ንሱውን ክርስቶስ ጐይታ፥ ኣብ ከተማ ዳዊት ተወሊዱልኩም ኣሎ። 12ምልክቱ ኸዓ እዙይ ኢዩ፦ በጭርቕቲ ዝተጠቕለለ ህፃን፥ ኣብ መብልዒ ኸፍቲ ደቂሱ ኽትረኽቡ ኢኹም” በሎም። 13ብድንገት ከዓ፥ ብዙሓት ሰራዊት ሰማይ ምስቲ መልኣኽ ኮይኖም፥ ንእግዚኣብሄር እናመስገኑ፦
14 #
መዝ. 103፡21፥ 148፡1-2፥ ኢሳ. 57፡19፥ ሉቃ. 19፡38። “ክብሪ ንእግዚኣብሄር፥ ኣብ ኣርያም!
ሰላምውን ኣብ ምድሪ፥ ንሰብውን ፅቡቕ ፍቓድ
ይኹን!” ይብሉ ነበሩ።
15እቶም መላእኽቲ፥ ካብኣቶም ናብ ሰማይ ምስ ዓረጉ ድማ፥ እቶም ጓሶት ንስንሳቶም፥ “ነዝ እግዚኣብሄር ዝገለፀልና ኽዉን ነገር ክንርኢ፥ ንዑ ናብ ቤተ ልሔም ንኺድ” ተበሃሃሉ። 16ቀልጢፎም ድማ ኸዱ፤ ንማርያምን ንዮሴፍን፥ ነቲ ኣብ መብልዒ ኸፍቲ ዝደቀሰ ህፃንውን ረኸብዎም። 17ነዙይ ምስ ረአዩ ድማ፥ ብዛዕባ እቲ ህፃን ዝተነገሮም ነገር ኣውረዩ። 18እቶም ዝሰምዑ ዅሎም ከዓ፥ በቲ እቶም ጓሶት ዝነገርዎም ተገረሙ። 19#ሉቃ. 1፡66፥ 2፡51። ማርያም ግና፥ ነዝ ዅሉ ነገር እዙይ፥ ኣብ ልባ ተዓቝሮን ትሓስቦን ነበረት። 20#ሉቃ. 5፡25-26፥ 7፡16፥ 17፡15። እቶም ጓሶት ድማ ኸምቲ ዝተነግሮም ኮይኑ ስለ ዝረኸብዎ፥ ስለ እቲ ዅሉ ዝሰምዕዎን ዝረአይዎን፥ ንእግዚኣብሄር እናኽበሩን እናመስገኑን ተመለሱ።
ግርዘት ኢየሱስን ናብ ቤተ መቕደስ ከም ዝተወሰደን
21 #
ሉቃ. 1፡31። ብሻምናይ መዓልቲ፥ ነቲ ህፃን ክገርዝዎ ወሰድዎ። ስሙውን ከምቲ ገና ኣብ ማህፀን ከይተጠንሰ እንተሎ፥ እቲ መልኣኽ ኣቐዲሙ ዝሰመዮ፥ “ኢየሱስ” ኢሎም ሰመይዎ።
22ከምቲ ኣብ ሕጊ ሙሴ ዘሎ፥ ናይ ምንፃሆም እዋን ምስ ኣኸለ፥ ነቲ ህፃን ናብ እግዚኣብሄር ከቕርብዎ ናብ ኢየሩሳሌም ወሰድዎ። 23እዙይ ድማ ኣብ ሕጊ እግዚኣብሄር “ኵሉ ማህፀን እኖኡ ዝኸፍት፥ በዅሪ ወዲ፥ ንእግዚኣብሄር ዝተቐደሰ ይበሃል” ዝብል ተፅሒፉ ስለ ዝነበረ እዩ። 24#ዘፀ. 13፡2፥ ዘሌ. 12፡4-8። ከምኡውን ኣብ ሕጊ እግዚኣብሄር “ክልተ ባሪቶ ወይ ክልተ ጫቚታት ርግቢ መስዋእቲ የቕርቡሉ” ስለ ዝብል እዩ። 25#ሉቃ. 23፡51፥ መዝ. 119፡166። እንሆ ድማ ኣብ ኢየሩሳሌም ስምኦን ዝበሃል ሰብ ነበረ። እዝ ሰብ እዙይ፥ ምፅንናዕ እስራኤል ክርኢ ዝፅበ፥ ፃድቕን ንእግዚኣብሄር ዝፈርሕን ሰብ ነበረ፤ መንፈስ ቅዱስ ድማ ሓዲርዎ ነበረ። 26ነቲ ናይ እግዚኣብሄር መሲሕ እንተይረአየ ኸም ዘይመውትውን፥ መንፈስ ቅዱስ ገሊፁሉ ነበረ። 27ዮሴፍን ማርያምን ከም ስርዓት ሕጊ ኽገብሩሉ፥ ንህፃን ኢየሱስ ናብ ቤተ መቕደስ ምስ ኣእተውዎ፤ ስምኦን ብመንፈስ ቅዱስ ተለዓዒሉ ናብኡ መፀ። 28ንሱ ድማ ኣብ ሕቝፉ ተቐቢሉ፥ ንእግዚኣብሄር ከምዙይ ኢሉ ኣመስገኖ፦
29“ኦ ጐይታ! ደጊም ንባርያኻ ኸም ቃልካ ብሰላም ኣፋንዎ፤
30ኣዒንተይ ነቲ ምድሓንካ ሪአናኦ እየንሞ።
31እዙይ ከዓ ኣብ ቅድሚ ዅሉ ህዝቢ፥ ዘዳሎኻዮ ድሕነት እዩ፤
32 #
መዝ. 98፡2-3፥ ኢሳ. 49፡6፥ 60፡19፥ ግ.ሓ. 26፡23። ንሱ እቲ ንኣህዛብ ብርሃን ዝገልፅ፥ ንህዝብኻ እስራኤልውን ክብሪ እዩ።”
33ዮሴፍን እኖኡን ግና፥ በቲ ብዛዕባኡ ዝተብሃለ ይግረሙ ነበሩ። 34#ኢሳ. 8፡14። ስምኦን ከዓ ባረኾም፤ ንኖኡ ማርያም ድማ “እንሆ እዝ ህፃን እዙይ፥ ኣብ እስራኤል ንብዙሓት ምኽንያት ምውዳቖምን ምትሳኦምን፥ ከምኡውን ንዝቃወምዎ፥ ምልክት ኮይኑ ተሸይሙ እዩ። 35#ዮሓ. 19፡25። በዙይ ናይ ብዙሓት ሓሳባት ልቦም ክግለፅ እዩ፤ ንኣኺ ግና ብነፍስኺ ሰይፊ ኽሓልፍ እዩ” በላ።
36ካብ ነገድ ኣሴር ሃና እትብሃል ጓል ፋኑኤል፥ የመና ዝኣረገት ነቢዪት ነበረት፤ ብድንግልናኣ ምስ ዘእተወቶ ሰብኣያ ሸውዓተ ዓመት ገበረት። 37ንሳ ሰማንያን ኣርባዕተን ዓመት ዝዕድሚኣ መበለት ነበረት። ካብ ቤተ መቕደስ እንተይወፀትውን፥ ብፆምን ብፀሎትን ለይትን መዓልትን፥ ንእግዚኣብሄር ተገልግል ነበረት። 38#ሉቃ. 2፡25። ሽዑ መፂኣ ንእግዚኣብሄር ኣመስገነቶ፤ ንዅሎም ነቶም ምድሓን ኢየሩሳሌም ዝፅበዩ ከዓ፥ ብዛዕባኡ ተዛረበቶም። 39ከምቲ ዅሉ ሕጊ እግዚኣብሄር ዝእዝዞ ምስ ፈፀሙ፥ ንገሊላ ናብ ናዝሬት ዓዶም ተመለሱ። 40#ሉቃ. 1፡80፥ 2፡52። እቲ ህፃን ዓበየ፤ ብመንፈስውን ፀንዐ፤ ጥበብውን መሊእዎ ነበረ፤ ፀጋ እግዚኣብሄር ድማ ኣብ ልዕሊኡ ነበረ።
ኢየሱስ ንበዓል ፋሲካ ናብ ኢየሩሳሌም ከም ዝተወሰደ
41እቶም ወለዱ ንበዓል ፋሲካ ዓመት ዓመት፥ ናብ ኢየሩሳሌም ይኸዱ ነበሩ። 42ኢየሱስ ዓሰርተ ኽልተ ዓመት ምስ ኮኖ፥ ከምቲ ልማዳቶም በዓል ከኽብሩ፥ ናብ ኢየሩሳሌም ደየቡ። 43ነተን በዓላት ኣሕሊፎም፥ ናብ ዓዶም ክምለሱ እንተለዉ፥ ህፃን ኢየሱስ ኣብ ኢየሩሳሌም ተረፈ፤ ዮሴፍን ማርያምን ግና ኣይፈለጡን። 44ምስ መኻይዶም ዘሎ መሲልዎም፥ መንገዲ ሓደ መዓልቲ ተጕዓዙ፤ ኣብ ኣዝማዶምን ኣብ ዝፈልጥዎምን ድማ ደለይዎ። 45ምስ ሰኣንዎ ግና፥ እናደለይዎ ናብ ኢየሩሳሌም ተመለሱ። 46ኣብ ሳልሳይ መዓልቲ ድማ፥ ኣብ ቤተ መቕደስ፥ ኣብ ማእኸል መምህራን ተቐሚጡ፥ ክሰምዖምን ክጥይቖምን እንተሎ ረኸብዎ። 47#ሉቃ. 4፡22፥ ማር. 1፡22፥ ዮሓ. 7፡15። ዅሎም እቶም ዝሰምዕዎ ድማ፥ በቲ ምስትውዓሉን መልስታቱን ተገረሙ። 48ምስ ረአይዎ ድማ ገረሞም። እኖኡ ኸዓ “ወደይ፥ ስለ ምንታይ ደኣ ኸምዙይ ገበርካና? እንሆ ኣነን ኣቦኻን፥ ተጨኒቕና ኽንደልየካ ቐኒና” በለቶ። 49#ዮሓ. 4፡34። ንሱ ድማ “ንምንታይሞ ትደልዩኒ? ኣብቲ ገዛ ኣቦይ ክህሉ፥ ከም ዝግብአኒዶ ኣይትፈልጡን ኢኹም?” በሎም። 50ንሳቶም ግና፥ ነቲ ዝበሎም ዘረባ ኣየስተውዓልዎን።
51 #
ሉቃ. 2፡19። ምስኣቶም ወሪዱ ናብ ናዝሬት ከደ፤ ይእዘዞምውን ነበረ፤ እኖኡ ድማ ነዝ ዅሉ ነገር፥ ኣብ ልባ ተዓቝሮ ነበረት። 52#1 ሳሙ. 2፡26፥ ኢሳ. 11፡2። ኢየሱስ ድማ፥ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄርን ሰብን፥ ብጥበብን ብቑመትን ብፀጋን ዓበየ።
Currently Selected:
ሉቃስ 2: ትመ15
Highlight
Share
Copy
Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in