YouVersion Logo
Search Icon

ሉቃስ 1

1
1ኦ ኽቡር ቴዎፍሎስ! ከምቲ ብዙሓት ነቲ ኣባና ብምልኣት ዝተፈፀመ ነገራት ክፅሕፉ ዝጀመሩ፥ 2#ዮሓ. 15፡27። እቶም ካብ መጀመርታ ናይ ዓይኒ መሰኻኽርን፥ ናይቲ ቓል ኣገልገልትን፥ ናባና ዝተሓላለፈ፥ 3-4#ዮሓ. 20፡31፥ ግ.ሓ. 1፡1። ኣነውን፥ ኣብ ዝሓለፈ ቐረባ ጊዜ፥ ነቲ ነገር ካብ መሰረቱ ሒዘ፥ ብጥንቃቐ ምስ መርመርክዎ፥ ናይቲ ዝተምሃርካዮ ነገራት ርግፅነት ኣፀቢቕካ ምእንቲ ኽትፈልጥ፥ ኣከታቲለ ኽፅሕፈልካ ቕኑዕ ኾይኑ ተርእዩኒ ኣሎ።
ገብርኤል ልደት ዮሃንስ ከም ዘብሰረ
5 # 1 ዜና. 24፡3። ብዘመን ሄሮድስ ንጉስ ይሁዳ፥ ሓደ ኻብ ክፍሊ ኽህነት ኣብያ ዝኾነ፥ ዘካርያስ ዝበሃል ካህን ነበረ፤ ካብ ዘርኢ ኣሮን ዝኾነት፥ ኤልሳቤጥ እትበሃል ሰበይቲ ድማ ነበረቶ። 6#ዘፍ. 7፡1፥ ኢዮብ 1፡1። ክልቲኦም ከዓ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር፥ ብዅሉ ትእዛዛት እግዚኣብሄርን ሕግጋቱን፥ ብዘይ ነቐፋ ዝመላለሱ ፃድቃን ነበሩ። 7#ዘፍ. 11፡30። እንተ ኾነ ኤልሳቤጥ መኻን ስለ ዝነበረት ውሉድ ኣይነበሮምን፤ ክልቲኦም ድማ መዋእሎም ዝሓለፈ ኣረጋውያን ነበሩ። 8እንሆ ዘካርያስ ብተራኡ፥ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር፥ ብግብሪ ኽህነት ከገልግል እንተሎ፥ 9#ዘፀ. 30፡1-7። ከም ስርዓት ካህናት፥ ናብ ቤተ መቕደስ እግዚኣብሄር ኣትዩ ዕጣን ክዓጥን ተራ በፅሖ። 10በቲ ጊዜ ዕጣን ድማ፥ ኵሉ እቲ ህዝቢ ብወፃኢ ኾይኑ ይፅሊ ነበረ። 11#ሉቃ. 1፡28። ሽዑ መልኣኽ እግዚኣብሄር፥ ብወገን የማን እቲ መሰውኢ ዕጣን ቆይሙ ተርኣዮ። 12#ሉቃ. 1፡29፥ ምሳ. 6፡22። ዘካርያስ ምስ ረአዮ ደንገፀ፤ ዓብዪ ፍርሓትውን ወረዶ። 13#ሉቃ. 1፡30፥ 2፡10፥ ዘፍ. 17፡19። እቲ መልኣኽ ድማ፦
“ዘካርያስ፥ ፀሎትካ ተሰሚዑልካ እዩሞ ኣይትፍራሕ፤ ሰበይትኻ ኤልሳቤጥ ወዲ ኽትወልደልካ እያ፤ ስሙውን ዮሃንስ ኢልካ ኽትሰምዮ ኢኻ። 14#ሉቃ. 1፡58። ንሱ ሓጐስን ደስታን ክኾነልካ እዩ፤ ብምውላዱውን ብዙሓት ክሕጐሱ እዮም። 15#ዘሑ. 6፡2-3፥ ኤር. 1፡5፥ ሉቃ. 7፡33። ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ዓብዪ ክኸውን እዩ እሞ፥ ወይንን ዘስክር #1፡15 ዘስክር፦ ግእዝ “ዘስክርን ዘየስክርን” ይብል። መስተን ከቶ ኣይሰትን እዩ። ገና ኣብ ማህፀን እኖኡ እንተሎ፥ መንፈስ ቅዱስ ክመልኦ እዩ። 16#ሉቃ. 1፡77። ካብ ህዝቢ እስራኤል ንብዙሓት፥ ናብ እግዚኣብሄር ኣምላኾም ክመልሶም እዩ። 17#ማቴ. 11፡14፥ ሚል. 3፡1፥ 4፡6፥ ሉቃ. 1፡76። ንሱ ንእግዚኣብሄር ብቑዕ ህዝቢ ምእንቲ ኸዳሉ፥ ልቢ ኣቦታት ናብ ውሉድ፥ ንዘይእዙዛት ድማ ናብ ጥበብ ፃድቃን ምእንቲ ኽመልስ፥ ብመንፈስን ብሓይሊ ኤልያስን ቀቅድሚ ጐይታ ክኸይድ እዩ።”
18 # ሉቃ. 1፡34፥ ዘፍ. 17፡17። ዘካርያስ ከዓ ነቲ መልኣኽ “ኣነ ኣሪገ እየ፤ ሰበይተይውን መዋእላ ሓሊፉ እዩ፤ እዝ ነገር እዙይ ከም ዝኸውን ብምንታይ ክፈልጦ እየ?” በሎ። 19#ሉቃ. 1፡26። እቲ መልኣኽ መሊሱ፦ “ኣነ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ዝቐውም ገብርኤል እየ፤ ነዙይ ክነግረካን ከብስረካን ናባኻ ተልኢኸ ኣለኹ። 20እንሆ ነቲ ብጊዜኡ ዝፍፀም ዘረባይ ስለ ዘይኣመንካ፥ እዝ ነገር እዙይ ክሳዕ ዝፍፀም በሃም ክትከውን፥ ምዝራብውን ክትስእን ኢኻ” በሎ። 21እቶም ህዝቢ ግና ንዘካርያስ ይፅበይዎ ነበሩ፤ በቲ ኣብ ቤተ መቕደስ ምድንጓዩውን ተገረሙ። 22ናብኣቶም ናብ ደገ ወፂኡ፥ ክዛረቦም ስለ ዘይከኣለ ድማ፥ ኣብ ቤተ መቕደስ ራእይ ከም ዝረአየ ፈለጡ፤ ንሱውን በሃም ኮይኑ ብኢዱ የመልክቶም ነበረ። 23ዘካርያስ እዋን ኣገልግሎቱ ምስ ፈፀመ ናብ ገዛኡ ተመለሰ።
24ድሕሪ እተን መዓልቲታት እቲኣተን፥ ሰበይቱ ኤልሳቤጥ ጠነሰት እሞ፥ ንሓሙሽተ ኣዋርሕ ንባዕላ ሓብአት። 25#ዘፍ. 30፡23። “ጐይታይ በዘን መዓልቲታት እዚኣተን ተመልከተኒ፤ ነቲ ኣብ ቅድሚ ሰብ ዝነበረኒ ውርደተይውን ኣርሓቐለይ” በለት።
ገብርኤል ልደት ኢየሱስ ከም ዘብሰረ
26-27 # ሉቃ. 1፡19። ብሻድሻይ ወርሒ መልኣኽ ገብርኤል፥ ናዝሬት ናብ እትብሃል ከተማ ገሊላ፥ ካብ ዓሌት ዳዊት ዝኾነ፥ ዮሴፍ ንዝበሃል ሰብ፥ ናብ ዝተሓፀየት ናብ ሓንቲ ድንግል፥ ካብ እግዚኣብሄር ተልኣኸ፤ ስም እታ ድንግል ከዓ ማርያም ይበሃል። 28እቲ መልኣኽ ናብቲ ንሳ ዘላቶ ኣትዩ፥ “ኦ ምልእተ ፀጋ ደስ ይበልኪ! እግዚኣብሄር ምሳኺ እዩ፤ ንስኺ ኻብ ኣንስቲ ዝተባረኽኪ ኢኺ” በላ። 29#ሉቃ. 1፡12። ንሳ ድማ ምስ ረአየቶ በቲ ቓሉ ደንገፀት፤ “ከመይ ዝበለ ሰላምታ እዩ?” ኢላውን ሓሰበት። 30እቲ መልኣኽ ከዓ “ኦ ማርያም፥ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ሞገስ ረኺብኪ ኢኺ እሞ ኣይትፍርሒ። 31#ሉቃ. 2፡21፥ ኢሳ. 7፡14። እንሆ ኽትጠንሲ፥ ወዲውን ክትወልዲ ኢኺ፤ ስሙ ድማ ኢየሱስ ክትብልዮ ኢኺ። 32#2 ሳሙ. 7፡12፥ መዝ. 132፡11፥ ኢሳ. 9፡5፥ ሉቃ. 1፡35፥69፥ 3፡22። ንሱ ዓብዪ ክኸውን፥ ወዲ ልዑል እግዚኣብሄርውን ክብሃል እዩ። እግዚኣብሄር ኣምላኽ ድማ፥ ዙፋን ኣቦኡ ዳዊት ክህቦ እዩ። 33#1 ዜና. 17፡14፥ ዳን. 7፡14፥27። ንሱ ኣብ ቤት ያእቆብ ንዘለኣለም ክነግስ እዩ። ንመንግስቱውን መወዳእታ የብሉን” በላ። 34#ሉቃ. 1፡18። ማርያም ድማ ነቲ መልኣኽ፥ “ኣነ ሰብኣይ ኣይፈልጥን፤ እዝ ነገር እዙይ ከመይ ኢሉ ይኸውን?” በለቶ። 35#ማቴ. 1፡18፥20፥ ማር. 1፡1፥ ሉቃ. 1፡32። እቲ መልኣኽ መሊሱ ኸምዙይ በለ፦ “መንፈስ ቅዱስ ናባኺ ኽመፅእ እዩ፤ ሓይሊ ልዑል እግዚኣብሄርውን ከፅልለልኪ እዩ፤ ስለዙይ እቲ ኻባኺ ዝውለድ ቅዱስ እዩ፤ ወዲ እግዚኣብሄርውን ክብሃል እዩ። 36እንሆ እታ ዘመድኪ ኤልሳቤጥ እኳ፥ ኣብ እርጋና ወዲ ጠኒሳ ኣላ፤ እታ መኻን ዝተብሃለት እዙይ ሻድሻይ ወርሓ እዩ፤ 37#ማቴ. 19፡26። ንእግዚኣብሄር ዝሰኣኖ ነገር የለንሞ።” 38ማርያም ድማ “እኒሀኹ፥ ኣነ ባርያ እግዚኣብሄር እየ፤ ከምቲ ዝበልካኒ ይኹነለይ” በለቶ። ብድሕሪዙይ እቲ መልኣኽ ካብኣ ኸደ።
ማርያም ናብ ኤልሳቤጥ ከም ዝኸደት
39በተን መዓልቲታት እቲኣተን፥ ማርያም ቀልጢፋ ኣብ እምባታት ይሁዳ ናብ እትርከብ ሓንቲ ኸተማ ደየበት። 40ናብ እንዳ ዘካርያስ ኣትያ ድማ፥ ንኤልሳቤጥ ሰላም በለታ።
41ኤልሳቤጥ ቃል ሰላምታ ማርያም ምስ ሰምዐት፥ እቲ ህፃን ኣብ ማህፀና ተሰራሰረ፤ ንኤልሳቤጥ ድማ መንፈስ ቅዱስ መልኣ። 42#ሉቃ. 11፡27-28። ብዓብዪ ድምፂውን ከምዙይ በለት፦ “ንስኺ ኻብ ኣንስቲ ዝተባረኽኪ ኢኺ፤ እቲ ናይ ማህፀንኪ ፍረውን ቡሩኽ እዩ። 43እኖ ጐይታይ ናባይ ክትመፂኸ፥ እዙይ ይግብአኒ ድዩ? 44እንሆ ድምፂ ሰላምታኺ ምስ ሰማዕኹ፥ እቲ ህፃን ኣብ ማህፀነይ ብሓጐስ ተሰራሰረ። 45#ሉቃ. 1፡48። እቲ ኻብ እግዚኣብሄር ዝተነግረኪ ቓል ከም ዝፍፀም እትኣምኒ፥ ብፅእቲ ኢኺ።”
ናይ ማርያም ፀሎትን ምስጋናን
46 # 1 ሳሙ. 2፡1፥ መዝ. 34፡2-3። ማርያም ድማ ኸምዙይ በለት፦
“ነፍሰይ ንእግዚኣብሄር ተመስግኖ፤
47መንፈሰይ ከዓ ብኣምላኸይ፥ ብመድሓኒየይ ደስ ይብላ።
48ውርደት ባርያኡ ሪኡ እዩ እሞ፥
እንሆ ኻብ ሕዚ ጀሚሩ፥ ኵሎም ትውልዲ ብፅእቲ ኽብሉኒ እዮም።
49 # መዝ. 35፡9፥ 126፡3፥ 138፡6። እቲ ሓያል፥ ዓብዪ ነገር ገይሩለይ እዩ እሞ፥
ስሙውን ቅዱስ እዩ።
50 # መዝ. 103፡17። ምሕረቱውን ኣብቶም ዝፈርሕዎ ንውሉድ ወለዶ እዩ።
51 # 1 ሳሙ. 2፡3፥9፥ ኢሳ. 52፡10፥ 1 ጴጥ. 5፡5። ብቕልፅሙ ሓይሊ ገበረ፤ ንዕቡያት ምስ ሓሳብ ልቦም በተኖም።
52 # መዝ. 113፡7-8፥ 147፡6። ንሓያላት ካብ ዙፋናቶም ኣውረዶም፤
ንዝተዋረዱ ልዕል ኣበሎም።
53 # 1 ሳሙ. 2፡5፥ መዝ. 107፡9። ንጥሙያት ብበረኸት ኣፅገቦም፤
ንሃብታማት ግና ጥራሕ ኢዶም ሰደዶም።
54-55 # ዘፍ. 17፡7፥ 22፡18፥ መዝ. 98፡3፥ ኢሳ. 41፡8-10። ከምቲ ነቦታትና፥ ንኣብርሃምን ንዘርኡን ዝነገሮም፥
ንዘለኣለም ምሕረቱ እናዘከረ፥ ንእስራኤል ባርያኡ ተቐበሎ” በለት።
56ማርያም ንሰለስተ ወርሒ ዝኣክል፥ ምስ ኤልሳቤጥ ተቐሚጣ፥ ብድሕሪኡ ናብ ገዛኣ ተመለሰት።
ልደት መጥምቕ ዮሃንስ
57ኤልሳቤጥ እትወልደሉ ጊዜ በፅሐ፤ ወዲ ድማ ወለደት። 58#ሉቃ. 1፡14። ጐረባብታን ኣዝማዳን ከዓ፥ እግዚኣብሄር ምሕረቱ ኸም ዘዕበየላ ሰሚዖም፥ ምስኣ ተሓጐሱ። 59ኣብ ሻምነይቲ መዓልቲ ድማ፥ ነቲ ህፃን ክገርዝዎ መፁ፤ ብስም ኣቦኡውን “ዘካርያስ” ኢሎም ሰመይዎ። 60#ሉቃ. 1፡13። እኖኡ ግና “ኣይፋሉን፤ ዮሃንስ ተብሂሉ እዩ ዝፅዋዕ” ኢላ መለሰት። 61ንሳቶም ከዓ “ካብ ኣዝማድኪ በዝ ስም እዙይ ዝፅዋዕ ሓደኳ የለን” በልዋ። 62ነቦኡ ድማ ስሙ መን ክበሃል ከም ዝደሊ፥ እናመልከቱ ጠየቕዎ። 63ንሱ ኸዓ ዝፅሕፈሉ ሉሕ ኽህብዎ ጠዪቑ “ዮሃንስ” ይበሃል ኢሉ ፀሓፈ፤ ኵሎም ድማ ተገረሙ። 64ሽዑ ንሽዑ ኣፉ ተኸፈተ፤ ልሳኑውን ተፈትሐ፤ ንእግዚኣብሄርውን ኣመስገኖ። 65ኣብ ኵሎም ጐረባብቶም ድማ ፍርሓት ወረደ። እዝ ነገር እዙይውን፥ ኣብ እምባታት ይሁዳ ዝርከባ ዓድታት ተሰምዐ። 66#ሉቃ. 2፡19። ኢድ እግዚኣብሄር ከዓ ምስቲ ህፃን ስለ ዝነበረት፥ ኵሎም እቶም ነዝ ነገር እዙይ ዝሰምዕዎ “እዝ ህፃን እዙይስ፥ እንታይ ኮን ክኸውን እዩ?” እናበሉ ኣብ ልቦም ይዓቝርዎ ነበሩ።
ትንቢት ዘካርያስ
67 # 2 ጴጥ. 1፡21። ነቦኡ ዘካርያስ ድማ፥ መንፈስ ቅዱስ መልኦ፤ ከምዙይ ኢሉውን ተነበየ፦
68 # መዝ. 130፡7-8፥ ዘፀ. 4፡31። “ንህዝቡ ስለ ዝተመልከቶምን ዝተቤዘዎምን፥
እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ይባረኽ።
69-70 # 1፡21፥ ሉቃ. 1፡32፥ 2፡11፥ ኤር. 23፡5-6። ከምቲ ኻብ ጥንቲ ጀሚሩ፥ ብኣፍ እቶም ቅዱሳን ነቢያቱ ዝተዛረቦ፥
ካብ ቤት ዳዊት ባርያኡ፥ ሓይሊ ምድሓን ኣተስአልና።
71 # መዝ. 106፡10። ካብ ፀላእትናን፥ ካብ ኢድ ኵሎም እቶም ዝፃረሩናን ምእንቲ ኸድሕነና፥
72 # መዝ. 105፡8-9። ምስ ኣቦታትና ምሕረት ክገብር፥ ነቲ ቕዱስ ኪዳኑ ዘከሮ።
73እዙይ እቲ ነቦና ኣብርሃም ዝመሓለሉ ማሕላ፥
74 # ሚክ. 7፡20፥ ሉቃ. 1፡54-55። ካብ ኢድ ፀላእትና ድሒንና፥ ብዘይ ፍርሓት ክነምልኾ፥
75 # ኤር. 31፡33፥ ሕዝ. 36፡27፥ ሮሜ 6፡22፥ 8፡15፥ ዕብ. 2፡15፥ 1 ዮሓ. 4፡18። ብዅሉ ዘመን ህይወትናውን፥
ኣብ ቅድሚኡ ብቕድስናን ብፅድቅን፥ ምእንቲ ኽነገልግሎ እዩ።
76ኣታ ህፃንውን መንገዲ ልዑል ክትፀርግ፥
ቀቅድሚ እግዚኣብሄር ክትከይድ ኢኻ እሞ፥
ናይ ልዑል ነቢይ ተብሂልካ ኽትፅዋዕ ኢኻ።
77 # ሉቃ. 1፡17፥ 3፡3፥ ኢሳ. 40፡3። ናይ ሓጢኣቶም ሕድገት ዝረኽቡሉ፥ ናይ ድሕነት ፍልጠት፥
ንህዝቡ ኽትህብ ኢኻ።
78በቲ ርህራሀን ምሕረትን ኣምላኽና፥
ካብ ላዕሊ ብርሃን በሪቑ ኽበፅሐና እዩ።
79 # ኢሳ. 9፡1፥ 60፡1-3፥ ሚል. 4፡2፥ ዮሓ. 1፡6-9። ንሱውን ኣብ ፀልማትን ኣብ ፅላሎት ሞትን፥ ንዝርከቡ ኸብርህ እዩ፤
ነእጋርና ድማ ናብ መንገዲ ሰላም ክመርሕ እዩ።”
80 # ሉቃ. 2፡40። እቲ ህፃን ዓበየ፤ ብመንፈስውን ጠንከረ፤ ክሳዕ እታ ንእስራኤል ዝተገለፀላ መዓልቲ እውን፥ ኣብ በረኻ ይነብር ነበረ።

Currently Selected:

ሉቃስ 1: ትመ15

Highlight

Share

Copy

None

Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in