ዘፍጥረት 25
25
ኣብርሃም ካብ ኬጡራ ዝወለዶም
1ኣብርሃም ድማ መሊሱ ኬጡራ ዝስማ ሰበይቲ ኣእተወ። 2ንሳ ኸዓ ንዘምራን፥ ንዮቅሳን፥ ንሜዳን፥ ንምድያምን፥ ንየስቦቅን፥ ንሹኣሕን ወለደትሉ። 3ዮቅሳን ድማ ንሳባን ንድዳንን ወለደ። ደቂ ዴዳን ከዓ ኣሶርውያን ለጡሳውያን ለኡማውያን እዮም። 4ደቂ ምድያም ድማ ጌፌር ኤፌርን ሄኖሕን ኣቢዳዕን ኤልዳዓን እዮም። እዚኣቶም ኵሎም ደቂ ኬጡራ እዮም።
5ኣብርሃም ድማ ዘለዎ ዅሉ ሃብቲ ንይስሓቅ ሃቦ። 6ነቶም ካብ ዕቁባታቱ ዝወለዶም ግና፥ ገና ብህይወቱ እንተሎ፥ ካብ ይስሓቅ ወዱ ኣርሒቑ፥ ውህብቶታት ሂቡ ናብ ምድሪ ምብራቕ ኣቢሉ ሰደዶም።
ሞት ኣብርሃም
7ኣብርሃም ዝነበረለን ዓመታት ዕድሚኡ፥ ሚእትን ሰብዓን ሓሙሽተን ዓመት እየን። 8ኣብርሃም ፅቡቕ መዋእል ረኺቡ፥ ዕድመ ፀጊቡ ሞተ፤ ናብ ወገናቱ ኸዓ ተፀመረ። 9ደቁ ይስሓቅን እስማኤልን ድማ ኣብታ ኣብ ግራት ኤፍሮን ወዲ ሰዓር ኬጢያዊ፥ ኣብ መንፅር መምሬ ዘላ፥ ማክጴላ እትበሃል በዓቲ ቐበርዎ። 10#ዘፍ. 23፡3-16። እዚኣ እታ ኣብርሃም ካብ ደቂ ኬጢ ዝዓደጋ ግራት እያ። ኣብርሃም ከዓ ምስ ሰበይቱ ሳራ ኣብኣ ተቐበረ። 11ድሕሪ ሞት ኣብርሃም፥ እግዚኣብሄር ንይስሓቅ ወዱ ባረኾ። ይስሓቅ ከዓ “ናይቲ ዝሪአኒ ህያው ኣምላኽ” ኣብ ዝተብሃለ ዒላ ይቕመጥ ነበረ።
ደቂ እስማኤል
12ትውልዲ እስማኤል ወዲ ኣብርሃም፥ ኣጋር፥ እታ መገልገሊት ሳራ ግብፃዊት ንኣብርሃም ዝወለደትሉ፥ እዙይ እዩ፦ 13ስም ደቂ እስማኤል በብስሞምን በብትውልዶምን እዙይ እዩ፦ በዅሪ ወዱ ነባዮት፥ ቄዳር፥ ኣድብኤል፥ መብሳም፥ 14ማስማዕ፥ ዱማ፥ ማሳ፥ 15ኩዳን፥ ቴማን፥ ኢጡር፥ ናፌስ፥ ቄድማ። 16ደቂ እስማኤል እዚኣቶም እዮም። ስማቶምውን በብዓዶምን በብቦታኦምን ናይቶም ዓሰርተ ኽልተ መሳፍንቲ እዙይ እዩ። 17እስማኤል ሚእትን ሰላሳን ሸውዓተን ዓመት ምስ ኮኖ ሞተ፤ ናብ ወገናቱ ኸዓ ተፀመረ። 18ደቂ እስማኤል ካብ ሓዊላ ኽሳዕ እታ ኣብ መንፅር ግብፂ ዘላ ሹር፥ ኣብታ ናብ ኣሶር እትወስድ መንገዲ ሰፊሮም ነበሩ። ኣብ መንፅር ኵሎም ኣሕዋቱ ኸዓ ይቕመጥ ነበረ።
ኤሳውን ያእቆብን ከም ዝተወለዱ
19ትውልዲ ይስሓቅ ወዲ ኣብርሃም ከምዙይ እዩ፦ ኣብርሃም ንይስሓቅ ወለደ። 20ይስሓቅ ድማ ንርብቃ ሰበይቱ ኸእትዋ እንተሎ ወዲ ኣርብዓ ዓመት ነበረ። ንሳ ጓል እቲ ኣብ ማእኸል ክልተ ኣፍላግ ዝነብር ሶርያዊ ባቱኤልን፥ ሓፍቲ እቲ ሶርያዊ ላባን ነበረት። 21ይስሓቅ ድማ፥ ሰበይቱ ርብቃ መኻን ስለ ዝነበረት፥ ምእንታኣ ንእግዚኣብሄር ለመነ። እግዚኣብሄር ከዓ ልመናኡ ሰምዖ፤ ሰበይቱ ርብቃ ድማ ጠነሰት። 22እቶም ህፃናት ከዓ ኣብ ማህፀና ይደፋፍኡ ነበሩ። ሽዑ ንሳ “ከምዙይ እንተ ደኣ ኾይኑስ እንታየይ እዩ?” በለት። ንእግዚኣብሄር ክትጥይቕ ድማ ኸደት።
23 #
ሮሜ 9፡12። እግዚኣብሄር ድማ፥
“ኣብ ማህፀንኪ ኽልተ ወገን ኣለዉ፤
ካብ ከርስኺውን ክልተ ህዝቢ ክኽፈሉ እዮም፤
እቲ ሓደ ህዝቢ ኻብቲ ሓደ ህዝቢ ኽብርትዕ እዩ፤
እቲ ዓብዪ ነቲ ንእሽተይ ክግዛእ እዩ” በላ።
24እትወልደሉ ዕለት ምስ በፅሐ ድማ እንሆ ማንታ ወለደት። 25እቲ ቕድም ዝተወልደ ቐይሕ፥ ኵለንትናኡ ኸዓ ፀጓር ነበረ። ስለዙይ ስሙ ኤሳው ኢሎም ሰመይዎ። 26ድሕሪዙይ ድማ ሓዉ ተወለደ። ኢዱ ኸዓ ሸዀና ኤሳው ሒዛ ነበረት። ስለዙይ ስሙ ያእቆብ #25፡26 ያእቆብ፦ ብዕብራይስጢ “ተሓዚ ሸዀና” ወይ “ሓንኳሊ” ማለት እዩ። ተብሃለ። ንሳ ኽትወልዶም እንተላ ኸዓ፥ ይስሓቅ ወዲ ስሳ ዓመት ነበረ። 27እቶም ቈልዑ ድማ ዓበዩ። ኤሳው ሃደን ዝፈልጥ ሰብኣይ በረኻ ኾነ። ያእቆብ ከዓ ኣብ ድንኳን ዝነብር ህዱእ ሰብ ኮነ። 28ኤሳው እናሃደነ ነቦኡ ይስሓቅ ስጋ የብልዖ ስለ ዝነበረ፥ ንኤሳው ይፈቱ ነበረ። ርብቃ ግና ንያእቆብ ትፈቱ ነበረት።
29ያእቆብ ፀብሒ እናሰርሐ እንተሎ፥ ኤሳው ካብ በረኻ ኣተወ፤ ደኺሙ ስለ ዝነበረ ድማ፥ 30ኤሳው ንያእቆብ “ደኺመ ኣለኹሞ በይዛኻንዶ ኻብዝ ቐይሕ ፀብሒ ኣብልዐኒ?” በሎ። ስለዙይ ስሙ ኤዶም ተብሃለ።
31ያእቆብ ከዓ “እምብኣር ብዅርናኻ ሽጠለይ” በሎ።
32ኤሳው ድማ፥ “እንሆ ኽመውት ኢለ ኣለኹ፤ እዛ ብዅርና እዚኣ እንታይዶ ኽትዓብሰለይ እያ?” በሎ።
33 #
ዕብ. 12፡16። ያእቆብ ከዓ “ቅድም መሓለለይ” በሎ እሞ መሓለሉ። ብዅርናኡውን ንያእቆብ ሸጠሉ። 34ያእቆብ ድማ ንኤሳው እንጀራን ፀብሒ ብርስንን ገይሩ ሃቦ። ንሱ ድማ በሊዑን ሰትዩን ተልዒሉ ኸደ። ኤሳው ብኸምዙይ ንብዅርናኡ ነዓቓ።
Currently Selected:
ዘፍጥረት 25: ትመ15
Highlight
Share
Copy
Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in