ዘፍጥረት 24
24
ይስሓቅ ንርብቃ ኸም ዝተመርዓዋ
1ኣብርሃም ድማ ዕድመ ዝፀገበ ኣረጋዊ ነበረ፤ እግዚኣብሄር ድማ ንኣብርሃም ብዅሉ ስራሑ ባሪኽዎ ነበረ። 2ኣብርሃም ከዓ ነቲ ዝሸምገለ ኣገልጋሊኡ፥ ኣዛዚ ኵሉ ገንዘቡ “በይዛኻ ኢድካ ኣብ ትሕቲ ሰለፈይ ኣንብር። #24፡2 ኣብ ኣይሁድ እዝ ኣመሓሕላ እዙይ ዘይልወጥ ዓይነት ማሕላ እዩ። 3ካብ ኣጓላት እዞም ኣነ ኣብ ማእኸሎም ዝነብር ዘለኹ ከነዓናውያን፥ ንወደይ ይስሓቅ ሰበይቲ ኸይተምፅአሉ፥ ብእግዚኣብሄር ኣምላኽ ሰማይን፥ ኣምላኽ ምድርን ኣምሕለካ ኣለኹ። 4ናብ ሃገረይን ዓሌተይን ኬድካ ደኣ ንወደይ ይስሓቅ ሰበይቲ ኣምፅአሉ” በሎ።
5እቲ ኣገልጋሊ ኸዓ፥ “ምናልባሽ እታ ጓል ናብዛ ሃገር ክትመፅእ እንተ ዘይፈተወትከ፥ ንወድኻ ናብታ ንስኻ ዝሓደግካያ ሃገርዶ ኽወስዶ?” በሎ።
6ኣብርሃም ድማ “ንወደይ ናብኣ ኸይትወስዶ ተጠንቀቕ። 7እቲ ኻብ ቤት ኣቦይን ካብታ ዝተወለድኩላ ምድርን ዘውፅአኒ ‘ነዛ ምድሪ እዚኣ ንዘርእኻ ኽህባ እየ’ ኢሉ ዝተዛረበንን ዝመሓለለይን፥ ኣምላኽ ሰማይ እግዚኣብሄር፥ ንሱ መልኣኹ ቐቅድሜኻ ኽልእኽ እዩ፤ ካብኡ ድማ ንወደይ ሰበይቲ ኽተምፅአሉ ኢኻ። 8እታ ጓል ምሳኻ ኽትመፅእ እንተ ዘይፈተወት ግና፥ ንወደይ ደኣ ናብኡ ኣይትውሰዶ እምበር፥ ንስኻ ኻብዛ ዘምሕለካ ማሕላ እዚኣ ንፁህ ኢኻ” በሎ። 9እቲ ኣገልጋሊ ኢዱ ኣብ ትሕቲ ሰለፍ ጐይታኡ ኣብርሃም ኣንበረ፤ ከምቲ ዝበሎ ገይሩ ድማ መሓለሉ።
10እቲ ኣገልጋሊ ኸዓ ኻብ ኣግማል ጐይታኡ ዓሰርተ ኣግማል ወሲዱ፥ ካብ ኵሉ ዘዝፀበቐ ውህብቶ ናይ ጐይታኡ ሒዙ ተልዓለ። ተልዒሉውን ናብ መስጴጦምያ ናብ ከተማ ናኮር ኸደ። 11ኣጋ ምሸት፥ በታ ኣንስቲ ንማይ ዝወርዳላ ጊዜ ኸዓ፥ ኣብ ወፃኢ ኸተማ ኣብ ጥቓ ዒላ ማይ፥ ነተን ኣግማል ኣንበርከኸን። 12ቀፂሉ ድማ “ኦ እግዚኣብሄር! ኣምላኽ ጐይታይ ኣብርሃም፥ ሎሚ ኣስምረለይ እሞ ንጐይታይ ኣብርሃም ምሕረትካ ግበር። 13እንሆ፥ ኣነ ኣብ ጥቓ እዝ ዓይኒ ማይ ደው ኢለ ኣለኹ፤ ኣጓላት እዛ ኸተማ ኸዓ፥ ማይ ክቐድሓ ኽወፃ እየን። 14እንሆ ኸዓ፥ ‘ማይ ክሰቲ፥ በይዛኺ ንዕትሮኺ ትሕት ኣብልዮ’ ዝብላ፥ ንሳ ኸዓ ‘ስተ፥ ነግማልካውን ከስትየን እየ’ እትብለኒ ጓል፥ ንሳ ንይስሓቅ ባርያኻ ዝመረፅካያ ትኹን። ንጐይታይ ምሕረት ከም ዝገበርካሉ ኸዓ በዙይ ክፈልጥ እየ” በለ።
15ገና ዘረባኡ እንተይወድአ ድማ እንሆ ርብቃ ዕትሮኣ ኣብ ማእገራ ፆይራ መፀት። ንሳ ጓል ባቱኤል ወዲ ሚልካ፥ ሰበይቲ ናኮር ሓው ኣብርሃም እያ። 16እታ ጓል የመና ፅብቕቲ፥ ሰብኣይ ዘይትፈልጥ ድንግል ነበረት። ናብቲ ዓይኒ ማይ ወሪዳ ኸዓ ዕትሮኣ ማይ መሊኣ ተመሊሳ ደየበት። 17እቲ ኣገልጋሊ ድማ እናጐየየ ኸይዱ፥ “ካብ ዕትሮኺ ቑሩብ ማይ ክተስትይኒ እልምነኪ ኣለኹ” በላ።
18ንሳ ኸዓ “ጐይታይ ስተ” ኢላ ቐልጢፋ ዕትሮኣ ናብ ኢዳ ኣውሪዳ ኣስተየቶ። 19ምስ ኣስተየቶ ድማ “ነግማልካውን ክሳዕ ዝኣኽለን ክሰትያ ኽቐድሐለን እየ” በለቶ። 20ቀልጢፋ እቲ ማይ ካብ ዕትሮኣ ናብ ጋብላ ገልቢጣ መሊሳ ማይ ክትቀድሕ ናብ ዒላ ጐየየት፤ ንዅለን ኣግማሉ ኸዓ ማይ ቐድሐትለን። 21እቲ ሰብኣይ ድማ እግዚኣብሄር መንገዱ ኣቕኒዑሉ እንተ ኾይኑ ወይ እንተ ዘይኮይኑ ኽፈልጥ፥ ስቕ ኢሉ ኣትኲሩ ይጥምታ ነበረ።
22እተን ኣግማል ሰትየን ምስ ረወያ፥ እቲ ሰብኣይ ሓሙሽተን ፈረቓን ግራም ዝሚዛኑ ወርቂ ቐለቤት፥ ሚእትን ዓሰርተን ግራም ዝሚዛኑ ኽልተ ኣምባር ወርቂ ኣውፂኡ ድማ ኣብ ኣእዳዋ ገበረላ። 23ከምዙይውን በላ፦ “ጓል መን ኢኺ? በይዛኺ ንገርኒ፤ ኣብ ቤት ኣቦኺኸ እንሓድረሉ ስፍራዶ ኣሎ?”
24ንሳ ኸዓ “ኣነ ጓል ባቱኤል እየ፤ ባቱኤል ከዓ ሚልካ ኻብ ናኮር ዝወለደቶ እዩ” ኢላ መለሰትሉ። 25ኣስዒባ ኸዓ “ብዙሕ ሓሰርን ድርቋን፥ ንመሕደሪ ኣግማልካ ድማ ስፍራ ኣለና” በለቶ።
26እቲ ሰብኣይ ድማ ፍግም ኢሉ ንእግዚኣብሄር ሰገደ። 27“እቲ ሕያዋይነቱን ተኣማንነቱን ካብ ጐይታይ ዘየቋረፀ፥ ኣምላኽ ጐይታይ ኣብርሃም፥ እግዚኣብሄር ይመስገን። ንኣይ ከዓ እግዚኣብሄር ናብ ቤት ኣሕዋት ጐይታይ መሪሑኒ” ድማ በለ።
28እታ ጓል ከዓ እናጐየየት ከይዳ፥ እቲ ዝኾነ ነገር ንስድራ እኖኣ ነገረት። 29ንርብቃ፥ ላባ ዝስሙ ሓው ነበራ። ብጕያ ወፂኡ ድማ ናብቲ ሰብኣይ፥ ናብቲ ዓይኒ ማይ ከደ። 30ነቲ ቐለቤትን፥ ኣብ ኢድ ሓፍቱ ዝነበረ ኣምባርን ምስ ረአየ፥ ርብቃ ሓፍቱ ድማ “እቲ ሰብኣይ ከምዙይ ኢሉ ተዛሪቡኒ” ኽትብል ምስ ሰምዐ፥ ናብቲ ሰብኣይ መፀ። እቲ ሰብኣይ ከዓ ምስተን ኣግማል ኣብ ጥቓ እቲ ዒላ ደው ኢሉ ነበረ። 31ላባ ድማ “ኣታ ናይ እግዚኣብሄር ቡሩኽ፥ ነዓ እቶ! ንምንታይ ኣብ ደገ ደው ትብል? ንኣኻ መዕረፊ፥ ነግማልካ ኸዓ ሰፈር ኣዳሊወልካ ኣለኹ” በሎ።
32ሽዑ እቲ ሰብኣይ ናብ ገዛ ኣተወ። ነተን ኣግማል ኣራገፈን፤ ሓሰርን ድርቋን ከዓ ሃበን፤ እቲ ሰብኣይን እቶም ምስኡ ዝነበሩ ሰባትን ኣእጋሮም ክሕፀቡ ማይ ኣቕረበሎም። 33ምግቢውን ኣብ ቅድሚኡ ኣቕረበሉ። ንሱ ግና “ጉዳየይ እንተይነገርኩ ኣይበልዕን” በለ። ላባ ኸዓ “ተዛረብ” በሎ።
34ንሱ ድማ “ኣነ ኣገልጋሊ ኣብርሃም እየ። 35እግዚኣብሄር ድማ ንጐይታይ ኣብዚሑ ባረኾ፤ ኣዕበዮውን። ኣባጊዕን ኣላሕምን፥ ወርቅን ብሩርን፥ ኣገልገልትን ኣግራድን፥ ኣግማልን ኣእዱግንውን ሂብዎ እዩ። 36ሳራ ሰበይቲ ጐይታይ ድማ ምስ ኣረገት፥ ንጐይታይ ወዲ ወለደትሉ፤ ጐይታይውን ንወዱ ዘለዎ ዅሉ ሂብዎ ኣሎ። 37-38ጐይታይ ድማ ‘ናብ ቤት ኣቦይን ናብ ዓሌተይን ኬድካ ደኣ ንወደይ ጓል ኣምፅአሉ እምበር፥ ካብ ኣጓላት እዞም ኣነ ኣብ ምድሮም ዝነብር ዘለኹ ከነዓናውያን፥ ንወደይ ሰበይቲ ኸይተምፅኣሉ’ ኢሉ ኣምሓለኒ። 39ሽዑ ኸዓ ኣነ ንጐይታይ ‘ምናልባሽ እታ ሰበይቲ ምሳይ ክትመፅእ እንተ ዘይደለየትከ?’ በልክዎ። 40ንሱ ድማ ‘እቲ ኣነ ኣብ ቅድሚኡ ዝመላለስ እግዚኣብሄር፥ መልኣኹ ምሳኻ ሰዲዱ መንገድኻ ኸቕንዐልካ እዩ እሞ፥ ንወደይ ካብ ዓሌተይን ካብ ቤት ኣቦይን ሰበይቲ ኽተምፅአሉ ኢኻ። 41ናብ ዓሌተይ ምስ ከድካ ድማ፥ ካብቲ ዘምሓልኩኻ ንፁህ ኢኻ፤ እንተ ዘይሃቡኻውን ካብቲ ማሕላይ ንፁህ ክትከውን ኢኻ’ ኢሉኒ።
42“ሎሚ ኸዓ ናብዛ ዓይኒ ማይ መፂአ፥ ‘ኦ እግዚኣብሄር፥ ኣምላኽ ጐይታይ ኣብርሃም፥ ነዛ ኣነ ዝኸዳ ዘለኹ መንገዲ ኣቕንዐለይ። 43እንሆ፥ ኣነ ኣብ ጥቓ እዛ ዓይኒ ማይ ደው ኢለ ኣለኹ፤ “ማይ ክትቀድሕ እትወፅእ፥ ኣነ ኸዓ ኻብ ዕትሮኺ ቑሩብ ማይ ኣስትይኒ” ዝብላ፥ 44ንሳ ድማ፥ “ስተ ነግማልካውን ክቐድሐለን እየ” እትብለኒ ጓል፥ ንሳ እታ እግዚኣብሄር ንወዲ ጐይታይ ዘዳለዋ ሰበይቲ ትኹን’ በልኩ። 45ኣነ ብልበይ ዝዛረቦ ገና እንተይወዳእኹ፥ እንሆ ርብቃ፥ ዕትሮኣ ኣብ ማእገራ ተሸኪማ ወፀት፤ ናብ ዓይኒ ማይ ወሪዳ ድማ ቐድሐት። ኣነ ኸዓ ‘ማይ ኣስትይኒ’ በልክዋ። 46ቀልጢፋ ዕትሮኣ ኣውሪዳ ድማ ‘ስተ፥ ነግማልካውን ከስትየን እየ’ በለትኒ። ኣነ ሰተኹ፤ ነተን ኣግማለይውን ኣስተየተን። 47ኣነ ኸዓ ‘ኣቲ፥ ጓል መን ኢኺ?’ ኢለ ጠየቕክዋ። ንሳ ድማ፥ ‘ጓል ባቱኤል ወዲ ናኮር፥ ሚልካ ዝወለደትሉ እየ’ በለትኒ። ሽዑ ኣነ ቐለቤት ኣእተኹላ፤ ኣምባር ከዓ ኣብ ኣእዳዋ ገበርኩላ። 48ብግንባረይ ፍግም ኢለ ድማ ንእግዚኣብሄር ሰገድኩ፤ ጓል ሓው ጐይታይ ንወዱ ኽወስድ ቅንዕቲ መንገዲ ንዝመርሐኒ፥ ንኣምላኽ ጐይታይ ኣብርሃም ንእግዚኣብሄር ኣመስገንኩ። 49ሕዚ ኸዓ ንጐይታይ ሓልዮትን ተኣማንነትን እተርእዩ እንተ ዄንኩም፥ ንገሩኒ። ዘይትህቡኒ እንተ ዄንኩም ድማ ናብ የማን ወይ ናብ ፀጋም ክብል ንገሩኒ” በሎም።
50ሽዑ ላባን ባቱኤልን “እዝ ነገርዙይ ካብ እግዚኣብሄር ዝመፀ እዩ፤ ክፉእ ኾነ ፅቡቕ ክንዛረብ ኣይንኽእልን ኢና። 51እኒሃ፥ ርብቃ ኣብ ቅድሜኻ ኣላ፤ ሒዝካያ ኺድ። ከምቲ እግዚኣብሄር ዝበሎ ድማ፥ ሰበይቲ ወዲ ጐይታኻ ትኹን” ኢሎም መለሱሉ። 52እቲ ኣገልጋሊ ኣብርሃም ድማ ዘረባኦም ምስ ሰምዐ፥ ኣብ ምድሪ ተደፊኡ ንእግዚኣብሄር ሰገደ። 53ድሕሪዙይ እቲ ኣገልጋሊ፥ ሽልማት ወርቅን ብሩርን ክዳውንትን ኣውፂኡ ንርብቃ ሃባ። ንሓዋን ንኖኣን ድማ ኽቡር ውህብቶ ሃቦም።
54ንሱን እቶም ምስኡ ዝነበሩ ሰባትን ከዓ በሊዖም ሰትዮም ኣብኡ ሓደሩ። ንፅባሒቱ ምስ ተስኡ ኸዓ “ናብ ጐይታይ ክምለስ ኣፋንዉኒ” በሎም።
55ሓዋን እኖኣን ድማ “እዛ ጓል ንዓሰርተ መዓልቲ ዝኣክል ምሳና ትቐኒ፤ ድሕሪኡ ኽትከይድ” በልዎ።
56ንሱ ኸዓ “እግዚኣብሄር መንገደይ ካብ ኣቕንዐለይ ኣይተደናጕዩኒ፤ ናብ ጐይታይ ክኸይድ ስደዱኒ” በሎም።
57ንሳቶም ድማ “ነታ ጓል ፀዊዕና ኽንጥይቓ” ካብ ኣፋውን ክንሰምዕ በልዎ። 58ንርብቃ ፀዊዖም ድማ፥ “ምስ እዝ ሰብኣይ እዙይዶ ኽትከዲ?” በልዋ። ንሳ ድማ “እወ፥ እኸይድ” በለቶም።
59ሽዑ ንርብቃ ሓፍቶምን ንመጕዚታን ነቲ ኣገልጋሊ ኣብርሃምን ንሰቡን ኣሰናበትዎም።
60ንሳቶም ድማ ንርብቃ፦
“ኣቲ ሓፍትና፥ እልፊ ኣእላፋት ፍረዪ፤
ዘርእኺ ድማ ደገ ፀላእቶም ይውረሱ”
እናበሉ መረቕዋ። 61ርብቃ ኸዓ ምስ ኣግራዳ፥ ኣብ ኣግማል ተቐሚጠን ነቲ ሰብኣይ ሰዓባኦ። ድሕሪዙይ እቲ ኣገልጋሊ ንርብቃ ሒዝዋ ኸደ።
62ይስሓቅ ግና ኣብ ምድሪ ነጌብ ይነብር ነበረ። በቲ መንገዲ “ናይቲ ዝሪአኒ ህያው ኣምላኽ” #24፡62 ናይቲ ዝሪአኒ ህያው ኣምላኽ፦ ብዕብራይስጢ “ብኤር ላሓይ ሮኢ” ይብል። ተብሂሉ ዝፅዋዕ ዒላ ኣቢሉ ኸዓ ይመፅእ ነበረ። 63ኣጋ ምሸት ምስ ኮነ ድማ ይስሓቅ ብልቡ እናስተንተነ ናብ ሜዳ ወፂኡ ነበረ። ኣማዕድዩ እንተ ረአየ ኸዓ ኣግማል እንትመፃ ረአየ። 64ርብቃ ድማ ንይስሓቅ ረአየቶ፤ ቀልጢፋ ኻብ ግመል ወሪዳ ኸዓ፥ 65ነቲ ኣገልጋሊ “እቲ ብሜዳ ናባና ዝመፅእ ዘሎ ሰብኣይ መን እዩ?” ኢላ ጠየቐቶ። እቲ ኣገልጋሊ ድማ “ንሱ ጐይታይ እዩ” በላ። ሽዑ መጐልበቢኣ ኣውፂኣ ተጐልበበት። 66እቲ ኣገልጋሊ ድማ ዝገበሮ ዅሉ ንይስሓቅ ነገሮ። 67ይስሓቅ ከዓ ናብ ድንኳን እኖኡ ሳራ ኣእተዋ። ሰበይቱውን ኮነት፤ ፈተዋውን። ይስሓቅ ድማ፥ እንሆ፥ ድሕሪ ሞት እኖኡ ተፀናንዐ።
Currently Selected:
ዘፍጥረት 24: ትመ15
Highlight
Share
Copy
Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in