ግብሪ ሃዋርያት 18
18
ጳውሎስ ኣብ ቆሮንቶስ
1ድሕሪዙይ ጳውሎስ ካብ ኣቴና ወፂኡ፥ ናብ ቆሮንቶስ ከደ። 2ቀላውዴዎስ ቄሳር፥ ኵሎም ኣይሁድ ካብ ሮሜ ክወፁ ኣዚዙ ስለ ዝነበረ ኸዓ፥ ምስ ሰበይቱ ጵርስቅላ ኻብ ኢጣልያ ሽዑ ቕነ ዝመፀ፥ ሓደ ኣቂላስ ዝበሃል ኣይሁዳዊ በዓል ጳንጦስ፥ ኣብ ቆሮንቶስ ነበረ። ጳውሎስ ከዓ ምስኣቶም ተራኸበ። 3#ግ.ሓ. 20፡34፥ 1 ቆሮ. 4፡12፥ 1 ተሰ. 2፡9፥ 2 ተሰ. 3፡8። ከምኣቶም ሰፋዪ ድንኳን ስለ ዝነበረ ድማ፥ እናሰርሐ ምስኣቶም ተቐመጠ። 4ሰንበት ሰንበት፥ ኣብ ቤተ ፀሎት ኣይሁድ #18፡4 ቤተ ፀሎት ኣይሁድ፦ ወይ “ምኩራብ” እናሰበኸ ድማ፥ ንኣይሁድን ንግሪካውያንን የረድኦም ነበረ።
5 #
1 ቆሮ. 1፡6፥ 1 ተሰ. 3፡6። ሲላስን ጢሞቴዎስን ካብ መቄዶንያ ናብ ቆሮንቶስ ምስ መፁ፥ ጳውሎስ፥ ኢየሱስ መሲሕ ከም ዝኾነ፥ ኣበርቲዑ ይምስክር ነበረ። 6#ግ.ሓ. 13፡46፥ ሮሜ 1፡16፥ ሕዝ. 3፡18-19። ንሳቶም ምስ ተቓወምዎን ምስ ፀረፍዎን ግና፥ ክዳኑ ነጊፉ፥ “ደምኩም ኣብ ርእስኹም ይኹን፤ ኣነ ንፁህ እየ፤ ድሕሪ ሕዚ ናብ ኣህዛብ ክኸይድ እየ” በሎም። 7ካብኡ ወፂኡ ድማ፥ ኣብ እንዳ እቲ ገዛኡ ኣብ ጥቓ ቤተ ፀሎት ኣይሁድ ዝነበረት፥ ንእግዚኣብሄር ዘምልኽ ኢዮስጦስ ናብ ዝበሃል ሰብ ኣተወ። 8#1 ቆሮ. 1፡14። ቀርስጶስ ዝበሃል መራሒ ቤተ ፀሎት ኣይሁድ ከዓ፥ ምስ ስድራ ቤቱ ብጐይታ ኣመነ፤ ብዙሓት ካብ ሰብ ቆሮንቶስውን፥ ትምህርቲ ጳውሎስ ሰሚዖም፥ ኣመኑን ተጠመቑን። 9ጐይታ ኸዓ፥ ንጳውሎስ ለይቲ ብራእይ ከምዙይ በሎ፦ “ኣይትፍራሕ፤ ተዛረብ ደኣ እምበር ስቕ ኣይትበል። 10#ኢሳ. 41፡10፥ 54፡17፥ ኤር. 1፡8፥ 15፡20፥ ዘፀ. 4፡12፥ ዮሓ. 10፡16፥ 1 ቆሮ. 2፡3። ኣብዛ ኸተማ እዚኣ ብዙሕ ህዝቢ ኣለኒ፤ ኣነ ምሳኻ ስለ ዝኾንኩ ድማ፥ ክጐድአካ ዝኽእል ሓደኳ የለን” በሎ። 11ጳውሎስ ኣብ ማእኸሎም ቃል እግዚኣብሄር እናመሃረ፥ ዓመትን መንፈቕን ኣብ ቆሮንቶስ ተቐመጠ። 12ጋልዮስ ሹም ኣካይያ እንተሎ፥ ኣይሁድ ሓቢሮም ኣብ ልዕሊ ጳውሎስ ተሲኦም፥ ናብ መጋባእያ ኣቕረብዎ። 13“ካብ ሕጊ ወፃኢ፥ ሰባት ንእግዚኣብሄር ከምልኽዎ ይሓባብል ኣሎ” እናበሉ ድማ ኸሰስዎ። 14ጳውሎስ መልሲ ኽህብ ምስተዳለወ ድማ፥ ጋልዮስ ንኣይሁድ ከምዙይ በሎም፦ “ኣቱም ኣይሁድ፥ ብዛዕባ ዝኾነ ዓመፅ ወይ ክፉእ ግብሪ እንተ ዝኸውንስ፥ ሃዲአ ኽሰምዐኩም ግቡእ ነይሩ፤ 15ሕዚ ግና ክትዕኹም፥ ብዛዕባ ቃልን፥ ስምን፥ ናይ ባዕልኻትኩም ሕግን ስለ ዝኾነ፥ ባዕልኻትኩም ትፈልጡ፤ ኣነ ናይዝ ነገር እዙይ ፈራዲ ክኸውን ኣይደልን” በሎም። 16ካብቲ መጋባእያውን ሰጐጎም። 17እቶም ግሪካውያን ኵላቶም ንሶስቴንስ መራሒ ቤተ ፀሎት ኣይሁድ ሒዞም፥ ኣብ ቕድሚ መጋባእያ ዘበጥዎ፤ እንተ ኾነ ጋልዮስ፥ ነዝ ነገር እዙይ ኣይተገደሰሉን።
ጳውሎስ ናብ ኣንፆኪያ ኸም ዝተመለሰ
18ጳውሎስ ኣብ ቆሮንቶስ፥ ምስ ብፆቱ ንቑሩብ መዓልቲ ምስ ቀነየ፥ ካብቶም ኣሕዋት ተሰናቢቱ፥ ምስ ጵርስቅላን ኣቂላን፥ ብመርከብ ናብ ሶርያ ኸደ። ቅድሚ ምኻዱ ግና መብፅዓ ስለ ዝነበሮ፥ ክንክራኦስ ኣብ ዝተብሃለ ኸተማ ርእሱ ተላፀየ። 19ኣብ ኤፌሶን ምስ በፅሑ፥ ንጵርስቅላን ኣቂላን ኣብኡ ሓደጎም፤ ናብ ቤተ ፀሎት ኣይሁድ ኣትዩ ድማ፥ ምስቶም ኣይሁድ ተነጋገረ። 20ንሳቶምውን ብዙሕ መዓልቲ ምስኣቶም ክፀንሕ ለመንዎ፤ እንተ ኾነ ሕራይ ኣይበሎምን። 21ከፋንውዎ እንተለዉ “በቲ ዝመፅእ በዓል፥ ኣብ ኢየሩሳሌም ግድን ከኽብር ኣለኒ። ፍቓድ እግዚኣብሄር እንተ ኾይኑ፥ ናባኻትኩም ክምለስ እየ” ኢሉ ተሰናቢቱ፥ ካብ ኤፌሶን ብመርከብ ከደ። 22ኣብ ቂሳርያ ምስ በፅሐ፥ ናብ ቤተ ክርስቲያን ኣትዩውን ንኣመንቲ ሰላም ምስ በለ፥ ናብ ኣንፆኪያ ወረደ። 23ቁሩብ መዓልቲ ኸዓ ኣብኣ ቐነየ፤ ካብኣ ተልዒሉ ኣብ ሃገር ገላትያን ፍርግያን እናዞረ፥ ንዅሎም ደቀ መዛሙርት ኣፀናንዖም።
ኣጵሎስ ኣብ ኤፌሶንን ቆሮንቶስን
24ሓደ ኣጵሎስ ዝስሙ ኣይሁዳዊ በዓል እስክንድርያ፥ ምሁር ቅዱሳት መፃሕፍትን፥ ክእለት ዘረባ ዘለዎን ሰብኣይ፥ ናብ ኤፌሶን መፀ። 25#ግ.ሓ. 19፡1-3። ንሱ ብዛዕባ መንገዲ ጐይታ ምሁር ነበረ፤ ንሱ ብጥምቀት ዮሃንስ ጥራሕ ዝተጠመቐ እኳ እንተ ነበረ፥ ብመንፈስ ተለዓዒሉ፥ ብዛዕባ ኢየሱስ ኣበርቲዑ ይሰብኽን ይምህርን ነበረ። 26ንሱ ኣብ ቤተ ፀሎት ኣይሁድ፥ ብትብዓት ክምህር ጀመረ፤ ጵርስቅላን ኣቂላን ምስ ሰምዕዎ ኸዓ፥ ናብ ገዛኦም ወሲዶም፥ መንገዲ ጐይታ ኣፀቢቖም ኣረድእዎ። 27#1 ቆሮ. 3፡6። ናብ ኣካይያ ክሓልፍ ምስ ሓሰበ፥ እቶም ኣሕዋት ኣተባብዕዎ፤ ነቶም ኣብ ኣካይያ ዝነበሩ ደቀ መዛሙርት ድማ፥ ክቕበልዎ ፀሓፉሎም፤ ኣብኣቶም ምስ በፅሐ ኸዓ፥ ነቶም ብፀጋ እግዚኣብሄር ዝኣመኑ ብዙሕ ረድኦም። 28#ግ.ሓ. 9፡22። ኢየሱስ መሲሕ ከም ዝኾነውን፥ ካብ መፃሕፍቲ እናርኣየ፥ ንኣይሁድ ኣብ ቕድሚ ዅሉ በርቲዑ የረድኦም ነበረ።
Currently Selected:
ግብሪ ሃዋርያት 18: ትመ15
Highlight
Share
Copy
Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in