ግብሪ ሃዋርያት 13
13
በርናባስን ሳውልን ንስብከት ወንጌል ከም ዝተልኣኹ
1ኣብታ ኣብ ኣንፆኪያ ዝነበረት ቤተ ክርስቲያን ከዓ፥ ነቢያትን መምህራንን ነበሩ። ንሳቶም ከዓ በርናባስን፥ እቲ “ፀሊም” ተብሂሉ ዝፅዋዕ ስምኦንን፥ ሉቅዮስ ቀሬናውን፥ ምስ ገዛኢ ርባዕ ክፍሊ ዝኾነ ሄሮድስ ዝዓበየ ምናሄን ሳውልን ነበሩ። 2#1 ጢሞ. 1፡12። እዚኣቶም ንእግዚኣብሄር እናገልገሉን እናፆሙን እንተለዉ፥ መንፈስ ቅዱስ፥ “ንበርናባስን ሳውልን፥ ነቲ ኣነ ዝመረፅክዎም ኣገልግሎት ፍለዩለይ” በሎም። 3ምስ ፆሙን ምስ ፀለዩን፥ ኣእዳዎም ኣንበሩሎም እሞ ኣፋነውዎም።
በርናባስን ሳውልን ኣብ ቆጵሮስ
4ንሳቶም ከዓ ብመንፈስ ቅዱስ ተልኢኾም፥ ናብ ሴሌውቅያ ወረዱ፤ ካብኡ ድማ ብመርከብ ናብ ቆጵሮስ ከዱ። 5#ግ.ሓ. 12፡25። ኣብ ስልማና ምስ በፅሑ ኸዓ፥ ኣብ ኣብያተ ፀሎት ኣይሁድ፥ ቃል እግዚኣብሄር መሃሩ፤ ዮሃንስውን ይሕግዞም ነበረ።
6ነታ ደሴት ብምልእታ ኣቋሪፆም ኣብ ጳፉ ምስ በፅሑ፥ ሓደ ጠንቋሊ ሰብኣይ፥ ናይ ሓሰት ነቢይ፥ በርያሱስ ዝስሙ ኣይሁዳዊ ረኸቡ። 7ንሱ ምስቲ መስተውዓሊ ሰብኣይ ሰርግዮስ ጳውሎስ ዝበሃል ሹም ይነብር ነበረ፤ ሰርግዮስ ጳውሎስ፥ ቃል እግዚኣብሄር ክሰምዕ ደልዩ ንበርናባስን ንሳውልን ናብኡ ፀውዖም። 8#2 ጢሞ. 3፡8። ግና ብቛንቋ ግሪክ ኤሊማስ ተብሂሉ ዝፅዋዕ ጠንቋሊ፥ ነቲ ሹም ካብ ምእማን ክኽልክሎ ደልዩ፥ ንበርናባስን ንሳውልን ተቓወሞም። 9እቲ ጳውሎስ ዝተብሃለ ሳውል ግና፥ መንፈስ ቅዱስ መሊእዎ ኣትኲሩ ጠመቶ እሞ፥ 10#ሆሴዕ 14፡9። “ኣታ ዅሉ ተንኰልን ኵሉ ኽፍኣትን ዝመልአካ ወዲ ዲያብሎስ ፀላኢ ዅሉ ፅድቂ፥ ነቲ ቕኑዕ መንገዲ እግዚኣብሄር ካብ ምጥምዛዝዶ ኣይትዓርፍን? 11ሕዚ እውን እንሆ፥ ኢድ ጐይታ ኣብ ልዕሌኻ እያ፤ ክትዓውር፥ ንጊዜኡውን ፀሓይ ኣይትርእን ኢኻ” በሎ። ሽዑ ንሽዑ፥ ጣቓን ፀልማትን ወደቖ፤ ኣብዙይን ኣብቱይን ሃሰስ እናበለ ድማ፥ ብኢዱ ሒዙ ዝመርሖ ደለየ። 12ሽዑ እቲ ሹም፥ ነቲ ዝኾነ ነገር ምስ ረአየ፥ ብትምህርቲ ጐይታ ተደኒቑ ኣመነ።
ጳውሎስን በርናባስን ኣብ ኣንፆኪያ
13ድሕሪዙይ ጳውሎስን ብፆቱን፥ ካብ ጳፉ ተልዒሎም፥ ብመርከብ ናብ ጴርጌን ናይ ጵምፍልያ መፁ። ማርቆስ ዝተብሃለ ዮሃንስ ከዓ፥ ካብኣቶም ተፈልዩ ናብ ኢየሩሳሌም ተመለሰ። 14ንሳቶም ግና ኻብ ጴርጌን ሓሊፎም፥ ናብታ ኣብ ጲስድያ እትርከብ ኣንፆኪያ መፁ፤ ብመዓልቲ ሰንበት፥ ናብ ቤተ ፀሎት ኣይሁድ #13፡14 ቤተ ፀሎት ኣይሁድ፦ ወይ “ምኩራብ” ኣትዮም ተቐመጡ። 15ሕጊ ሙሴን ነቢያትን ምስ ተነበቡ ኸዓ፥ እቶም መራሕቲ ቤተ ፀሎት ኣይሁድ “ኣቱም ኣሕዋትና፥ ንህዝቢ ዝጠቅም ቃል ምዕዳን እንተ ሃልዩኩም ተናገሩ” ኢሎም ለኣኹሎም። 16ሽዑ ጳውሎስ ተሲኡ፥ ነቶም ህዝቢ ብኢዱ እናመልከተ ኸምዙይ በለ፦
“ኣቱም ሰብ እስራኤልን ንእግዚኣብሄር እትፈርሑን ስምዑ። 17#ዘዳ. 4፡37፥ 7፡6-8፥ 26፡18-19፥ መዝ. 105፡24። ኣምላኽ ህዝቢ እስራኤል፥ ነቦታትና ሓረዮም፤ ኣብ ምድሪ ግብፂ ተሰዲዶም ኣብ ዝነበሩሉ ጊዜ፥ ነቲ ህዝቢ ልዕል ልዕል ኣበሎ፤ በቲ ዓብዪ ሓይሉ ድማ፥ ካብኣ ኣውፅኦም። 18#ዘፀ. 16፡35፥ ዘዳ. 1፡31። ነርብዓ ዓመት ዝኣክል ከዓ፥ ኣብ በረኻ ፆሮም። 19#ዘዳ. 7፡1፥ ኢያሱ 18፡10፥ 14፡1-2። ካብ ምድሪ ከነዓን ሸውዓተ መንግስታት ኣጥፊኡ ኸዓ፥ ነቲ ምድሮም ኣውረሶም። 20#መሳ. 2፡16፥ 1 ሳሙ. 13፡20። ድሕሪዙይ ክሳዕ ዘመን ነቢይ ሳሙኤል፥ ንኣርባዕተ ሚእትን ሓምሳን ዓመት ዝኣክል፥ መሳፍንቲ ሸመሎም። 21#1 ሳሙ. 8፡5፥ 10፡21፥24። ብድሕሪዙይ ንጉስ ከንግሰሎም ለመኑ፤ እግዚኣብሄር ከዓ፥ ካብ ነገድ ብንያም ንዝኾነ ሳኦል ወዲ ቂስ፥ ነርብዓ ዓመት ኣንገሰሎም። 22#1 ሳሙ. 13፡14፥ 1 ዜና. 10፡14፥ መዝ. 89፡20። እግዚኣብሄር ንሳኦል ምስ ሰዓሮ ድማ፥ ንዳዊት ኣንገሰሎም፤ ‘ከም ልበይ ዝኾነ ሰብ፥ ኵሉ ፍቓደይ ዝገብር ንዳዊት ወዲ እሴይ ረኸብኩ’ ኢሉ ኸዓ መስከረሉ። 23#መዝ. 132፡11፥ ማቴ. 1፡21፥ ሉቃ. 1፡32። እግዚኣብሄር ከምቲ ኣተስፍይዎ ዝነበረ፥ ካብ ዘርኢ ዳዊት፥ ነቲ መድሓኒ እስራኤል ዝኾነ ኢየሱስ ለኣኾ። 24#ማቴ. 3፡1-11። ቅድሚ ምምፃኡውን፥ ዮሃንስ ንዅሉ ህዝቢ እስራኤል፥ ንንስሃ ዝኸውን ጥምቀት ሰበኸ። 25#ዮሓ. 1፡20፥27። ዮሃንስ ከዓ ተልእኾኡ እንትፍፅም፥ ‘ኣነ መን እመስለኩም? ኣነኮ ክርስቶስ ኣይኮንኩን፤ እቲ ኣነ መእሰሪ ኣሳእኑ፥ ካብ ኣእጋሩ ኽፈትሕ ዘይበቅዕ፥ እንሆ ንሱ ብድሕረይ ይመፅእ ኣሎ’ በለ።
26 #
ግ.ሓ. 3፡25-26። “ኣቱም ኣሕዋትና፥ ደቂ ዓሌት ኣብርሃምን ኣብ ማእኸሎም ዘለኹም ንእግዚኣብሄር እትፈርሑን፥ እዝ ቃል ምድሓን እዙይ ናባኻትኩም #13፡26 ናባኻትኩም፦ ገሊኡ ፅሑፋት “ናባና” ይብል። እዩ ዝተልኣኸ። 27#ሉቃ. 24፡20፥44፥ ዮሓ. 16፡3። እቶም ኣብ ኢየሩሳሌም ዝነብሩን ኣሕሉቖምን ግና፥ ንኢየሱስ ኣይፈለጥዎን፤ እቲ ሰንበት ሰንበት ዘንብብዎ ቓል ነቢያት እንተየስተውዓሉ፥ ምእንቲ ቓል መፃሕፍቲ ኽፍፀም ንሞት ፈረድዎ። 28#ሉቃ. 23፡22-23። ናብ ሞት ዘብፅሕ በደል እኳ እንተ ዘይረኸቡሉ፥ ክቐትሎ ንጲላጦስ ለመንዎ። 29#ማቴ. 27፡59-60። ኹሉ ነቲ ብዛዕባኡ ዝተፅሓፈ ምስ ፈፀሙ ኸዓ፥ ካብ መስቀል ኣውሪዶም ናብ መቓብር ኣእተውዎ። 30#ግ.ሓ. 3፡15። እግዚኣብሄር ግና ካብ ምዉታን ኣተስኦ። 31#ግ.ሓ. 1፡3፥8። ነቶም ካብ ገሊላ ናብ ኢየሩሳሌም ምስኡ ዝደየቡን፥ ሕዚ ኸዓ ኣብ ቅድሚ ህዝቢ መሰኻኽሩ ኾይኖም ንዘለዉን፥ ብዙሕ መዓልቲ ተርኣዮም።
32“ንሕና ኸዓ ነቲ እግዚኣብሄር ነቦታትና ኣተስፍይዎም ዝነበረ፥ ነብስረኩም ኣለና። 33#መዝ. 2፡7። ኣብ ካልኣይ መዝሙረ ዳዊት፦
‘ንስኻ ወደይ ኢኻ፤
ኣነ ኸዓ ሎሚ ወለድኩኻ’
ዝብል ፅሑፍ ከም ዘሎ፥ እግዚኣብሄር ንኢየሱስ ካብ ሞት ከም ዝትስእ ብምግባር፥ ኣባና ኣብ ደቆም፥ ነዝ ተስፋ እዙይ ፈፀሞ። 34#ኢሳ. 55፡3። ከምቲ፦
‘ነቲ ቕዱስን እሙንን በረኸት ዳዊት
ክህበኩም እየ’
ኢሉ ዝተዛረቦ፥ መሊሱ ምብስባስ ከይርኢ ኻብ ምዉታን ኣተስኦ። 35#መዝ. 16፡10። ከምኡ ኸዓ ኣብ ካልእ መዝሙር፦
‘ንቕዱስካ ምብስባስ ክርኢ ኣይትሓድጎን ኢኻ’
ይብል። 36#ግ.ሓ. 2፡29። ዳዊት ግና ብዘመኑ ኸም ፍቓድ እግዚኣብሄር ኣገልግሎቱ ምስ ፈፀመ ዓረፈ፤ ተቐቢሩ ኸዓ ምብስባስ ረአየ። 37#ግ.ሓ. 2፡31። እቲ እግዚኣብሄር ዘተስኦ ግና፥ ምብስባስ ኣይረአየን። 38-39#ሉቃ. 24፡47፥ ሮሜ 8፡3፥ ገላ. 2፡16፥ ኤፌ. 1፡7። እምበኣርከስ ኣቱም ኣሕዋትና፥ እዝ እንነግረኩም መልእኽቲ፥ ‘ስርየት ሓጢኣት ብኢየሱስ እዩ’ ዝብል ከም ዝኾነ ፍለጡ። እቲ ዅሉ፥ ብሕጊ ሙሴ ኽፀድቕ ዘይተኽኣሎ፥ ብኢየሱስ ብምእማን ይፀድቕ።
40-41 #
እንባ. 1፡5። ስለዙይ እቲ ብነቢያት፦
‘ኣቱም መላገፅቲ ረአዩ፤
ሓደኳ እንተ ነገረኩም፥
ከቶ ዘይተኣምንዎ ግብሪ፥
ብዘመንኩም ክገብር እየ እሞ ተገረሙን፥ ጥፍኡን’ #13፡40-41 ተገረሙን፥ ጥፍኡን፦ ግእዝ “እንተ ዘይኮነ ኽትጠፍኡ ኢኹም” ይብል። ዝብል፥
ኣባኻትኩም ከይፍፀም ተጠንቀቑ።”
42ጳውሎስን በርናባስን፥ ካብቲ ቤተ ፀሎት ኣይሁድ ክወፁ እንተለዉ ኸዓ፥ በታ እትመፅእ ሰንበትውን፥ ነዝ ቓል እዙይ ደጊሞም ክነግርዎም ለመንዎም። 43እቲ ኣኼባ ምስ ተበተነ፥ ካብ ኣይሁድን ካብቶም ንእግዚኣብሄር ዝፈርሑ ናብ እምነት ኣይሁድ ዝኣተዉ ወገን ኣህዛብን፥ ብዙሓት ንጳውሎስን ንበርናባስን ሰዓብዎም። ንሳቶም ከዓ ተዛረብዎም፤ ኣብ ፀጋ እግዚኣብሄር ፀኒዖም ክነብሩ ድማ ኣተባብዕዎም። #13፡43 ኣብ ፀጋ እግዚኣብሄር ፀኒዖም ክነብሩ ድማ ኣተባብዕዎም፦ ግእዝ “ብፀጋ እግዚኣብሄር ኣመኑን ተመለሱን” ይብል።
44በታ ኻልአይቲ ሰንበት ድማ፥ ህዝቢ እታ ኸተማ፥ ቃል እግዚኣብሄር ክሰምዑ፥ ዳርጋ ዅሎም ተኣከቡ። 45#ሮሜ 10፡21። ኣይሁድ ግና፥ ነቶም ዝተኣከቡ ህዝቢ ምስ ረአዩ፥ ቅንኣት ሓደሮም፤ ነቲ ጳውሎስ ዝብሎ ዝነበረ ተቓወምዎ፤ ፀረፍዎውን። 46ጳውሎስን በርናባስን ከዓ ተቢዖም፥ ከምዙይ እናበሉ ተዛረቡ፦ “ቃል እግዚኣብሄር፥ ኣቐዲሙ ንኣኻትኩም ክንገር ይግባእ ነይሩ። ካብ ኣበኹምዎን፥ ንናይ ዘለኣለም ህይወት ብቑዓት ከም ዘይኮንኩም፥ ባዕልኻትኩም ካብ ፈረድኩምን ግና፥ እንሆ ገፅና ናብ ኣህዛብ ንምልስ ኣለና። 47#ማቴ. 21፡43፥ ግ.ሓ. 13፡26፥ ሮሜ 10፡19። እግዚኣብሄር
‘ክሳዕ ወሰን ምድሪ፥
ንምድሓን ምእንቲ ኽትከውን፥
ንኣህዛብ ብርሃን ገበርኩኻ’
ኢሉ ኣዚዙና እዩ እሞ።”
48 #
ዮሓ. 6፡37፥ ግ.ሓ. 2፡47፥ ሮሜ 8፡29-30፥ ኤፌ. 1፡4-5። ኣህዛብ ከዓ ነዙይ ሰሚዖም ተሓጐሱ፤ ንቓል እግዚኣብሄር ድማ ኣኽበሩ፤ እቶም ንህይወት ዘለኣለም ዝተዓደሉ ዅላቶምውን ኣመኑ። 49ቃል እግዚኣብሄር ኣብታ ሃገር ብምልእታ በፅሐ። 50ኣይሁድ ግና፥ ነተን እግዚኣብሄር ዝፈርሓ ኽቡራት ኣንስትን፥ ነቶም ዓበይቲ ዓድን ኣለዓዓልዎም፤ ኣብ ጳውሎስን ኣብ በርናባስንውን፥ ስደት ኣለዓዓሉ፤ ካብ ሃገሮምውን ሰጐጕዎም። 51#ማር. 6፡11። ንሳቶም ከዓ፥ ንስምዕታ ክኾኖም፥ ሓመድ ኣእጋሮም ነጊፎምሎም፥ ናብ ኢቆንዮን ከዱ። 52ደቀ መዛሙርትውን፥ ብታሕጓስን ብመንፈስ ቅዱስን ተመልኡ።
Currently Selected:
ግብሪ ሃዋርያት 13: ትመ15
Highlight
Share
Copy
Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in