ግብሪ ሃዋርያት 14
14
ጳውሎስን በርናባስን ኣብ ኢቆንዮን
1ከምኡ ድማ ኣብ ኢቆንዮን፥ ጳውሎስን በርናባስን፥ ኣብ ቤተ ፀሎት ኣይሁድ #14፡1 ቤተ ፀሎት ኣይሁድ፦ ወይ “ምኵራብ” ኣትዮም፥ ብዙሓት ኣይሁድን ግሪካውያንን ክሳዕ ዝኣምኑ ሰበኹ። 2እቶም ምእማን ዝኣበዩ ኣይሁድ ግና፥ ነቶም ኣህዛብ፥ ኣብ ልዕሊ እቶም ኣመንቲ ብፅልኢ ኸም ዝለዓዓሉ ገበርዎም። #14፡2 ነቶም ኣህዛብ፥ ኣብ ልዕሊ እቶም ኣመንቲ ብፅልኢ ኸም ዝለዓዓሉ ገበርዎም።፦ ግእዝ “ምስ ኣህዛብን ምስ ሃዋርያትን ተበኣሱ፤ ንነፍሶም ከዓ ኣሳቐይዋ” ይብል። 3#ማር. 16፡20፥ ዕብ. 2፡4። ጳውሎስን በርናባስን ግና፥ ብዛዕባ ጐይታ ብትብዓት እናነገሩ ንነዊሕ እዋን ኣብኡ ተቐመጡ። ጐይታ ኸዓ በቲ በእዳዎም ክገብርዎ ዝህቦም ዝነበረ ምልክትን ተኣምራትን፥ ነቲ ናይ ፀጋኡ ቓል የፅንዖ ነበረ። 4ህዝቢ እታ ኸተማ ኸዓ፥ ገሊኣቶም ምስ ኣይሁድ፥ ገሊኣቶም ድማ ምስ ሃዋርያት ኮይኖም ኣብ ክልተ ተኸፈሉ። 5ኣህዛብን ኣይሁድን ከዓ፥ ምስ መራሕቶም ኮይኖም፥ ከሳቕይዎምን ብእምኒ ቐጥቂጦም ክቐትልዎምን ተልዓሉ። 6#ማቴ. 10፡23። ሃዋርያት ድማ እዙይ ምስ ፈለጡ፥ ናብ ሊቃኦንያ፥ ልስጥራን፥ ደርቤን ዝበሃላ ኸተማታትን፥ ኣብ ከባቢአን ናብ ዘሎ ሃገርን ሃደሙ። 7ኣብኡ ኸዓ ወንጌል ይሰብኩ ነበሩ።
ጳውሎስን በርናባስን ኣብ ልስጥራንን ደርቤንን
8ኣብ ልስጥራን እግሩ ዝሰለለ፥ መፃጕዕ ኮይኑ ዝተወለደ፥ ፈፂሙ ኽወሳወስ ዘይኽእል ሓደ ሰብ ተቐሚጡ ነበረ። 9#ማቴ. 8፡14። እዝ ሰብዙይ ጳውሎስ ክዛረብ እንተሎ ይሰምዕ ነበረ። ጳውሎስ ከዓ ኣትኵሩ ጠመቶ፤ ክሓዊ እምነት ከም ዘለዎ ሪኡ ድማ፥ 10ብዓብዪ ድምፂ፦ “ቀጥ ኢልካ በእጋርካ ደው በል!” በሎ። ሽዑ ንሽዑ ኸዓ ብድድ ኢሉ ይመላለስ ነበረ። 11ሽዑ እቶም ህዝቢ፥ ነቲ ጳውሎስ ዝገበሮ ምስ ረአዩ፥ ድምፆም ዓው ኣቢሎም፥ ብቛንቋ ሊቃኦንያ፥ “ኣማልኽቲ ሰብ ተመሲሎም፥ ናባና ወሪዶም” በሉ። 12ንበርናባስ “ድያ” #14፡12 ድያ፦ ብላቲን “ጁፒተር” ዝብልዎ ጣዖት እዩ። ንጳውሎስ ድማ ዋና ተዛራቢ ስለ ዝነበረ “ሄርሜስ” #14፡12 ሄርሜስ፦ ብላቲን “ሜርኩሪ” ዝብልዎ ጣዖት እዩ። ኢሎም ሰመይዎም። 13ካህን ናይታ ኣብ ማዕዶ ኸተማ ዝነበረት ቤተ መቕደስ ድያ ድማ፥ ኣብዑርን ጕንጕን ዕምበባን፥ ናብቲ ኣፍ ደገ ኣምፂኡ፥ ምስቶም ህዝቢ ኾይኑ ኽስውአሎም ደለየ። 14እንተ ኾነ እቶም ሃዋርያት በርናባስን ጳውሎስን፥ እዙይ ምስ ሰምዑ ሓዚኖም ክዳውንቶም ቀደዱ፤ እናእወዩ ድማ ናብቶም ህዝቢ ኣቢሎም ጐየዩ፤ 15#መዝ. 146፡6፥ ኤር. 10፡10፥ ግ.ሓ. 10፡26፥ 1 ቆሮ. 8፡4፥ 1 ተሰ. 1፡9። ከምዙይ ከዓ በልዎም፦ “ኣቱም ሰባት! ስለ ምንታይ ከምዙይ ትገብሩ? ንሕናውንኮ ኸማኻትኩም ሰብ ኢና፤ ነዝ ኸንቱ ነገር ሓዲግኩም፥ ናብቲ ሰማይን ምድርን ባሕርን ኣብኣቶም ዘሎ ዅሉን ዝፈጠረ ህያው እግዚኣብሄር ክትቀርቡ፥ ወንጌል ንሰብከልኩም ኣለና። 16#መዝ. 147፡20፥ ሮሜ 1፡24-32፥ 1 ጴጥ. 4፡3። ብዝሓለፈ ዘመናት፥ እግዚኣብሄር ንዅሎም ኣህዛብ፥ በብዝደለይዎ መንገዲ ክኸዱ ሓደጎም። 17#መዝ. 145፡16፥ 104፡27-28፥ ኤር. 5፡24፥ መዝ. 147፡8፥ ማቴ. 5፡45፥ ሮሜ 1፡20። ምስዙይ ከዓ ፅቡቕ ስራሕ እናሰርሐ፥ ካብ ሰማይ ዝናምን ወርሓት ፍርያትን እናሃበ፥ ብምግብን ብሓጐስን ንልብና እናመልአ፥ ህያው ከም ዝኾነ፥ ንባዕሉ ብዘይ ምስክር ኣይሓደገን።” 18ነዝ ዅሉ ተዛሪቦም ድማ፥ እቶም ህዝቢ ኸይስውኡሎም፥ ብግዲ ኣሕደግዎም።
19ኣይሁድ ግና፥ ካብ ኣንፆኪያን ካብ ኢቆንዮንን መፂኦም፥ ነቶም ህዝቢ ሓበልዎም። ንጳውሎስ ከዓ ብእምኒ ቐጥቀጥዎ፤ ዝሞተ መሲልዎም ድማ፥ ጐቲቶም ካብታ ኸተማ ኣውፅእዎ። 20#2 ቆሮ. 1፡9-10፥ 11፡25። እቶም ደቀ መዛሙርቱ ኣብ ዙርያኡ ደው ምስ በሉ ኸዓ፥ ብድድ ኢሉ ናብ ከተማ ኣተወ፤ ንፅባሒቱ ድማ ምስ በርናባስ፥ ናብ ደርቤን ከደ።
ጳውሎስን በርናባስን ናብ ኣንፆኪያ ናይ ሶርያ ተመለሱ
21ጳውሎስን በርናባስን፥ ኣብ ደርቤን እናሰበኹ ብዙሓት ደቀ መዛሙርት ኣፍረዩ፤ ናብ ልስጥራንን ናብ ኢቆንዮንን ናብ ኣንፆኪያን ተመለሱ። 22#ማቴ. 16፡24፥ ግ.ሓ. 13፡43፥ ሮሜ 8፡17፥ 2 ቆሮ. 4፡17፥ 2 ጢሞ. 3፡12። “ናብ መንግስቲ እግዚኣብሄር ክንኣቱ ዝግብአና፥ ብብዙሕ መከራ እዩ” እናበሉ ነቶም ደቀ መዛሙርት ኣፀናንዕዎም፤ ኣብ እምነቶም ፀኒዖም ክነብሩውን ኣተባብዕዎም። 23#ግ.ሓ. 20፡32፥ ቲቶ 1፡5። ኣብ ነፍሲ ወከፍ፥ ሽማግለታት #14፡23 ሽማግለታት፦ ግእዝ “ቀሳውስቲ” ይብል። ምስ ሸሙሎም ድማ፥ ብፆምን ብፀሎትን፥ ናብቲ ዝኣመንዎ ጐይታ ኣማዕቘብዎም። 24ብጲስድያ ሓሊፎም ናብ ጵምፍልያ መፁ። 25ኣብ ጴርጌ ነቲ ቓል ምስ መሃሩ ናብ ኣጣልያ ወረዱ። 26#ግ.ሓ. 13፡2-3። ካብኣ ኸዓ፥ ናብ ነቲ ዝፈፀምዎ ስራሕ፥ ንፀጋ እግዚኣብሄር ሓደራ ዝተወፈዩላ ዓዲ፥ ናብ ኣንፆኪያ ብመርከብ ተሳገሩ። 27#ቈላ. 4፡3። ናብኣ ምስ በፅሑ፥ ምእመናን ቤተ ክርስቲያን ኣኪቦም፥ እቲ ዅሉ እግዚኣብሄር ዝገበረሎምን ንኣህዛብ ከዓ፥ ኣፍ ደገ እምነት ከም ዝኸፈተሎምን ነገርዎም። 28ምስቶም ደቀ መዛሙርት ድማ፥ ብዙሕ መዓልቲ ተቐመጡ።
Currently Selected:
ግብሪ ሃዋርያት 14: ትመ15
Highlight
Share
Copy
Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in