1
ዮሃንስ 6:35
መፅሓፍ ቅዱስ
ኢየሱስ ድማ ኸምዙይ በሎም፦ “ናይ ህይወት እንጀራ ኣነ እየ፤ እቲ ናባይ ዝመፅእ ኣይጠምን፤ እቲ ብኣይ ዝኣምንውን፥ ከቶ ኣይፀምእን እዩ።
对照
探索 ዮሃንስ 6:35
2
ዮሃንስ 6:63
ህያው ዝገብር መንፈስ እዩ፤ ስጋ ግና ምንም ኣይጠቅምን። እዝ ኣነ ዝነገርኩኹም ቃል ከዓ መንፈስ እዩ፤ ህይወትውን እዩ።
探索 ዮሃንስ 6:63
3
ዮሃንስ 6:27
እምበኣር ምእንቲ እቲ ሓላፊ ምግቢ ዘይኮነስ፥ ምእንቲ እቲ ወዲ ሰብ ዝህበኩም፥ ንዘለኣለም ህይወት ዝኸውን ምግቢ ፀዓሩ። ንእኡስ እግዚኣብሄር ኣብ፥ ሓቲምዎ እዩሞ።” በሎም።
探索 ዮሃንስ 6:27
4
ዮሃንስ 6:40
ኵሉ ንወልድ ሪኡ ብእኡ ዝኣምን፥ ናይ ዘለኣለም ህይወት ክረክብ፥ ኣነውን በታ ዳሕረወይቲ መዓልቲ ኸተስኦ እየ፤ እዙይ ፍቓድ ኣቦይ እዩ።”
探索 ዮሃንስ 6:40
5
ዮሃንስ 6:29
ኢየሱስ ድማ “ግብሪ እግዚኣብሄርስ፥ በቲ ንሱ ዝለኣኾ ኽትኣምኑ እዩ” በሎም።
探索 ዮሃንስ 6:29
6
ዮሃንስ 6:37
ኵሉ እቲ ኣብ ዝህበኒ ናባይ ክመፅእ እዩ፤ ነቲ ናባይ ዝመፅእ ኸዓ፥ ንወፃኢ ኸቶ ኣየውፅኦን እየ።
探索 ዮሃንስ 6:37
7
ዮሃንስ 6:68
ስምኦን ጴጥሮስ ከዓ “ኦ ጐይታ፥ ንስኻ ናይ ዘለኣለም ቃል ህይወት ኣለካ፤ ናብ መን እሞ ኢና ኽንከይድ?
探索 ዮሃንስ 6:68
8
ዮሃንስ 6:51
እቲ ኻብ ሰማይ ዝወረደ፥ ናይ ህይወት እንጀራ ኣነ እየ፤ ኵሉ ኻብዝ እንጀራ እዙይ ዝበልዕ፥ ንዘለኣለም ክነብር እዩ፤ እዙይ ንዓለም ህይወት ምእንቲ ክኸውን፥ ኣነ ዝህቦ እንጀራ፥ ስጋይ እዩ።”
探索 ዮሃንስ 6:51
9
ዮሃንስ 6:44
እቲ ዝለኣኸኒ ኣብ፥ ዝሰሓቦ እንተ ዘይኮይኑ፥ ናባይ ክመፅእ ዝኽእል ሓደኳ የለን፤ ኣነ ድማ በታ ዳሕረወይቲ መዓልቲ ኸተስኦ እየ።
探索 ዮሃንስ 6:44
10
ዮሃንስ 6:33
እቲ ኻብ ሰማይ ዝወርድ፥ ንዓለምውን ህይወት ዝህብ፥ ናይ እግዚኣብሄር እንጀራ እዩ እሞ” በሎም።
探索 ዮሃንስ 6:33
11
ዮሃንስ 6:48
ናይ ህይወት እንጀራ ኣነ እየ።
探索 ዮሃንስ 6:48
12
ዮሃንስ 6:11-12
ኢየሱስ ነተን እንጀራ ኣልዒሉ፥ ኣመስጊኑ ንደቀ መዛሙርቱ ሃቦም፤ ደቀ መዛሙርቱ ኸዓ ነቶም ዝተቐመጡ ሰባት ሃብዎም፤ ነቶም ዓሳታትውን ከምኡ ኸከምዝደልዩዎ ሃብዎም። በሊዖም ምስ ፀገቡ ድማ፥ ንደቀ መዛሙርቱ “ካብኡ ሓደኳ ኸይባኽን፥ ነቲ ዝተረፈ ቝርስራስ ኣክብዎ” በሎም።
探索 ዮሃንስ 6:11-12
13
ዮሃንስ 6:19-20
ሓሙሽተ ወይ ሽዱሽተ ኪሎ ሜትር ኣቢሎም ምስ ከዱ፥ ኢየሱስ ኣብ ልዕሊ ባሕሪ እናኸደ፥ ናብታ ጃልባ ኽቐርብ እንተሎ ሪኦም ፈርሑ። ንሱ ግና “ኣነ እየ፤ ኣይትፍርሑ” በሎም።
探索 ዮሃንስ 6:19-20
主页
圣经
计划
视频