ዮሃንስ 9
9
ኢየሱስ ብዕዉሩ ንዝተወለደ ኸም ዘሕወየ
1ኢየሱስ ብመንገዲ ኽሓልፍ እንተሎ ዕዉር ኮይኑ ዝተወለደ ሓደ ሰብ ረአየ። 2ደቀ መዛሙርቱ ድማ፥ “መምህር፥ እዝ ሰብ እዙይ ዕዉር ኮይኑ ዝተወለደ፥ ብናይ መን ሓጢኣት እዩ? ብናይ ባዕሉ ድዩ ወይ ብናይ ወለዱ?” ኢሎም ጠየቕዎ። 3#ዘፀ. 4፡11፥ ዮሓ. 11፡4። ኢየሱስ ከዓ ኸምዙይ ኢሉ መለሰ፦ “ግብሪ እግዚኣብሄር ኣብኡ ምእንቲ ኽግለፅ ደኣ እምበር፥ ብናይ ባዕሉ ወይ ብናይ ወለዱ ሓጢኣት ኣይኮነን። 4#ዮሓ. 5፡17፥ 11፡9፥ 12፡35። ሓደኳ ኽሰርሐላ ዘይከኣሎ ለይቲ ትመፅእ ኣላ እሞ፥ መዓልቲ እንተላ፥ ግብሪ እቲ ዝለኣኸኒ ኽሰርሕ ይግብአኒ እዩ። 5#ሉቃ. 2፡32፥ ዮሓ. 8፡12። ኣብ ዓለም እንተለኹ፥ ኣነ ናይ ዓለም ብርሃን እየ።” 6እዙይ ኢሉ ናብ ምድሪ እንትፍ በለ፤ በቲ ምራቑውን ፀብሪ ገበረ፤ በቲ ፀብሪ ኸዓ፥ ኣዒንቲ እቲ ዕዉር ቀብአ እሞ፥ 7“ኬድካ ኣብ ቃላይ ሰሊሆም ተሓፀብ” በሎ። ሰሊሆም ማለት “ዝተልኣኸ” ማለት እዩ። ንሱውን ከይዱ ተሓፀበ እሞ፥ እናረአየ ተመለሰ። 8እቶም ጐረባብቱን እቶም ቅድም እንትልምን ዝሪእዎ ዝነበሩን “እዙይ ደኣ እቲ ኣብ መንገዲ ተቐሚጡ ዝልምን ዝነበረዶ ኣይኮነን?” በሉ። 9ገሊኣቶም “ንሱ እዩ” በሉ፤ ገሊኣቶም ከዓ “ንእኡ ደኣ እዩ ዝመስል እምበር፥ ንሱ ኣይኮነን” በሉ፤ ንሱ ግና “ኣነ እየ” በለ። 10ስለዙይ ንሳቶም “ከመይ ኢለን ደኣ ኣዒንትኻ ተኸፈታ?” በልዎ። 11ንሱ ኸዓ “ኢየሱስ ዝበሃል ሰብ ፀብሪ ገይሩ #9፡11 ፀብሪ ገይሩ፦ ግእዝ “ብምራቑ ኣፅቢሩ” ይብል። ኣዒንተይ ቀቢኡ፥ ‘ናብ ሰሊሆም ኪድ እሞ ተሓፀብ’ በለኒ፤ ከይደ ምስ ተሓፀብኩ ድማ ረአኹ” ኢሉ መለሰሎም። 12ንሳቶም ከዓ “እቲ ሰብኣይ እቱይከ ኣበይ ኣሎ?” በልዎ፤ ንሱ ድማ “ኣይፈልጥን” በሎም።
እቲ ዝሓወየ ዕዉርን ፈሪሳውያንን
13ሽዑ ነቲ ዕዉር ዝነበረ ናብ ፈሪሳውያን ወሰድዎ። 14እታ ኢየሱስ ፀብሪ ገይሩ ኣዒንቱ ዝኸፈተላ መዓልቲ ኸዓ፥ ሰንበት ነበረት። 15ስለዙይ ፈሪሳውያን ከመይ ኢሉ ኸም ዝረአየ መሊሶም ጠየቕዎ። ንሱ ድማ “ፀብሪ ኣብ ኣዒንተይ ገበረለይ፤ ተሓፀብኩ እሞ ረአኹ” በሎም። 16#ዮሓ. 2፡11። ሽዑ ኻብቶም ፈሪሳውያን ገሊኣቶም “እዝ ሰብኣይ እዙይ ሰንበት ስለ ዘየኽብር ካብ እግዚኣብሄር ኣይኮነን” በሉ፤ ካልኦት ድማ “ሓጢኣተኛ ሰብ ደኣ፥ ከመይ ገይሩ ኸምዙይ ዝበለ ተኣምራት ክገብር ይኽእል?” በሉ። ኣብ መንጎኣቶም ከዓ ምፍልላይ ኮነ። 17#ዮሓ. 4፡19። ሽዑ መሊሶም ነቲ ዕዉር “ንስኻኸ ኣዒንትኻ ኸፊቱልካ እዩ እሞ፥ ብዛዕባኡ እንታይ ትብል?” በልዎ፤ ንሱ ድማ “ነቢይ እዩ” በሎም። 18እቶም ኣይሁድ ግና፥ ንወለዲ እቲ ኣዒንቱ ዝተኸፈታሉ ሰብ ክሳዕ ዝፅውዑ፥ ዕዉር ነይሩስ ከም ዝረአየ ኣይኣመንዎን ነበሩ። 19ስለዙይ “እቲ ብዕዉሩ ተወሊዱ እትብልዎ ወድኹም እዙይ ድዩ? ሕዚ ደኣ ኸመይ ኢሉ ኽርኢ ኸኣለ?” ኢሎም ጠየቕዎም። 20እቶም ወለዱ ድማ “እዙይ ወድና ኸም ዝኾነን፥ ብዕዉሩ ኸም ዝተወለደን ንፈልጥ። 21ሕዚ ግና ኸመይ ኢሉ ኽርኢ ኸም ዝኸኣለ ኣይንፈልጥን፤ ኣዒንቱውን መን ከም ዝኸፈተሉ ኣይንፈልጥን፤ ንእኡ ጠይቕዎ፤ ንሱ ዓብዪ እዩ፤ ብዛዕባ ርእሱ ባዕሉ ኽዛረብ ይኽእል እዩ” ኢሎም መለሱ። 22#ዮሓ. 7፡13። እቶም ወለዱ ንኣይሁድ ስለ ዝፈርሑ እዮም እዙይ ዝበሉ። ኣይሁድ “ንሱ ክርስቶስ #9፡22 ክርስቶስ፦ “መሲሕ” ማለት እዩ። እዩ” ኢሉ ንዝመስከረ ኻብ ቤተ ፀሎቶም ክሰጕዎ ተሰማሚዖም ነበሩሞ። 23ስለዙይ እዮም እቶም ወለዱ “ንሱ ዓብዪ እዩ እሞ፥ ጠይቕዎ” ዝበሉ።
24ሽዑ ነቲ ዕዉር ዝነበረ ሰብኣይ፥ ካልኣይ ጊዜ ፀዊዖም “ንእግዚኣብሄር ክብሪ ሃብ፤ ንሕና እዝ ሰብኣይ እዙይ ሓጢኣተኛ ምዃኑ ኢና እንፈልጥ” በልዎ። 25ንሱ ድማ መሊሱ “ኣነስ ሓጥእ ከም ዝኾነ ኣይፈልጥን፤ ዕዉር ከም ዝነበርኩን ሕዚ ግና፥ እርኢ ኸም ዘለኹን፥ እዛ ሓንቲ ነገር እዚኣ እየ ዝፈልጥ” በሎም። 26ንሳቶም ከዓ “እንታይከ ገበረልካ? ኸመይ ገይሩኸ ኣዒንትኻ ኸፈተልካ?” በልዎ። 27ንሱ ድማ “ቅድሚ ሕዚ ነጊረኩም ኣይሰማዕኹምን፤ ንምንታይ መሊስኩም ክትሰምዑ ትደልዩ ኣለኹም? ንስኻትኩምውንዶ ደቀ መዛሙርቱ ኽትኮኑ ትደልዩ ኢኹም?” በሎም። 28ንሳቶም ድማ ፀረፍዎ “ደቀ መዝሙሩስ ንስኻ ኢኻ፤ ንሕና ግና ደቀ መዛሙርቲ ሙሴ ኢና። 29ንሕናስ እግዚኣብሄር ንሙሴ ኸም ዝተናገሮ ንፈልጥ ኢና፤ እዝ ሰብ እዙይ ግና፥ ካበይ ከም ዝኾነ ኣይንፈልጥን ኢና” በልዎ። 30እቲ ሰብኣይ ከዓ “ካበይ ምዃኑ ዘይምፍላጥኩም ዘገርም እዩ፤ ንኣይ ግና ኣዒንተይ ከፊቱለይ። 31እግዚኣብሄር፥ ንዝፈርሖን ፍቓዱ ንዝፍፅምን እዩ ዝሰምዕ እምበር፥ ንሓጥኣን ከም ዘይሰምዖም ንፈልጥ ኢና። 32ዓለም ካብ ዝፍጠር ጀሚሩ፥ ብዕዉሩ ንዝተወለደ ሰብ፥ ኣዒንቱ ኸፊቱሉ ዝበሃል ከቶ ኣይተሰምዐን። 33እዝ ሰብ እዙይ ካብ እግዚኣብሄር እንተ ዘይኸውን፥ ሓደኳ ኽገብር ኣይምኸኣለን ነይሩ” ኢሉ መለሰሎም።
34ንሳቶም ከዓ “ንስኻ ኵለንትናኻ ብሓጢኣት ዝተወለድካ እንተለኻስ ንኣና ኽትምህረና?” ኢሎም ናብ ወፃኢ ኣውፅእዎ።
35ኢየሱስ ናብ ወፃኢ ኸም ዘውፅእዎ ሰምዐ፤ ምስ ረኸቦ ድማ “ንስኻ ብወዲ እግዚኣብሄርዶ ተኣምን ኢኻ?” በሎ። 36ንሱ ኸዓ “ጐይታይ፥ ብእኡ ኽኣምንስ መን እዩ ንሱ?” ኢሉ መለሰ። 37ኢየሱስ ድማ “ርኢኻዮ ኣለኻ፤ ሕዚ እውን ምሳኻ ዝዛረብ ዘሎ ንሱ እዩ” በሎ። 38#ዮሓ. 11፡27፥ 20፡28። ንሱ ኸዓ “ጐይታ፥ እኣምን እየ” ኢሉ ሰገደሉ። 39#ማቴ. 13፡13። ኢየሱስ ድማ “ኣነ እቶም ዘይሪኡ ምእንቲ ኽሪኡ፥ እቶም ዝሪኡ ኸዓ ምእንቲ ኽዓውሩ፥ ንፍርዲ እየ ናብዛ ዓለም እዚኣ መፂአ ዘለኹ” በለ። 40#ማቴ. 15፡14። ካብቶም ምስኡ ዝነበሩ ፈሪሳውያን ገሊኣቶም ነዙይ ሰሚዖም “ንሕናኸ ዕዉራት ምዃንና ዲና?” በልዎ። 41#ኢሳ. 5፡21፥ ሉቃ. 18፡9-14፥ 1 ዮሓ. 1፡8። ኢየሱስ ድማ “ዕዉራት እንተ እትኾኑስ፥ ሓጢኣት ኣይምኾነኩምን ነይሩ፤ ሕዚ ግና ‘ንርኢ ኢና’ ትብሉ ስለ ዘለኹም፥ #9፡41 ኣብ ግእዝ “ኣይትሪኡን” ዝብል ይርከብ። ሓጢኣትኩም ኣባኻትኩም ይነብር ኣሎ” በሎም።
ప్రస్తుతం ఎంపిక చేయబడింది:
ዮሃንስ 9: ትመ15
హైలైట్
షేర్ చేయి
కాపీ
మీ పరికరాలన్నింటి వ్యాప్తంగా మీ హైలైట్స్ సేవ్ చేయబడాలనుకుంటున్నారా? సైన్ అప్ చేయండి లేదా సైన్ ఇన్ చేయండి