ዮሃንስ 4
4
ኢየሱስን ሓንቲ ሳምራዊት ሰበይትን
1 #
ዮሓ. 3፡26። ጐይታ ኢየሱስ፥ ካብ ናይ ዮሃንስ ዝበዝሑ ደቀ መዛሙርት፥ ከም ዝገበረን ከም ዘጥመቐን፥ ፈሪሳውያን ከም ዝሰምዑ ምስ ፈለጠ፥ 2ግና ደቀ መዛሙርቱ ደኣ እምበር፥ ባዕሉ ኢየሱስ ኣየጥመቐን። 3እዙይ ምስ ፈለጠ ኸዓ፥ ንምድሪ ይሁዳ ሓዲጉ ናብ ገሊላ ተመለሰ። 4ብሰማርያ ኣቢሉ ኽሓልፍ ከዓ ግዲ ኾኖ። 5#ዘፍ. 33፡19። ስለዙይውን ናብ ጥቓ እታ ያእቆብ ንዮሴፍ ወዱ ዝሃቦ ምድሪ ዘላ፥ ሲካር ናብ እትብሃል ከተማ ሰማርያ መፀ። 6ኣብኡ ኸዓ ዒላ ያእቆብ ነበረ፤ ኢየሱስ ድማ ብምኻድ መንገዲ ደኺሙ፥ ኣብ ጥቓ እቲ ዒላ ተቐመጠ፤ ሽዑ ሽዱሽተ ሰዓት ናይ ቀትሪ ኣቢሉ ነበረ። 7ሓንቲ ሰበይቲ ኻብ ሰማርያ ማይ ክትቀድሕ መፀት፤ ኢየሱስ ድማ “ማይ ኣስትይኒ?” በላ። 8ደቀ መዛሙርቱ ግና፥ ምግቢ ኽዕድጉ ናብ ከተማ ኸይዶም ነበሩ። 9#ሉቃ. 9፡53፥ ዮሓ. 8፡48። ኣይሁድ ምስ ሳምራውያን ኣይተሓባበሩን ነበሩ እሞ፥ እታ ሳምራዊት ሰበይቲ፥ “ንስኻ ኣይሁዳዊ እንተለኻስ፥ ካባይ ካብ ሳምራዊት ሰበይቲ ደኣ፥ ከመይ ኢልካ ማይ ክትሰቲ ትልምን ኣለኻ?” በለቶ። 10#ኢሳ. 12፡3፥ ዮሓ. 7፡37፥ 1 ቆሮ. 10፡4። ኢየሱስ ድማ “ውህብቶ እግዚኣብሄርን፥ እቲ ማይ ኣስትይኒ ዝብለኪ ዘሎ መን ምዃኑን እንተ እትፈልጥስ፥ ንስኺ ምለመንክዮ ኔርኪ፤ ንሱ ኸዓ ማይ ህይወት ምሃበኪ ነይሩ” ኢሉ መለሰላ። 11እታ ሰበይቲ ድማ “ጐይታይ፥ መቕድሒ የብልካን፤ እዝ ዒላ ኸዓ፥ ዓሚቝ እዩ፤ እቲ ማይ ህይወት ደኣ ኻበይ ክተምፅኦ ኢኻ? 12ንስኻዶ ኻብቲ ነዝ ዒላ እዙይ ዝሃበና ኣቦና ያእቆብ፥ ትዓቢ ኢኻ? ንሱን ደቁን ጥሪቱን ካብኡ ሰተዩ” በለቶ። 13#ዮሓ. 6፡58። ኢየሱስ መሊሱ “ኵሉ ኻብዝ ማይ እዙይ ዝሰቲ፥ መሊሱ ኽፀምእ እዩ፤ 14#ዮሓ. 6፡35፥ 7፡38፥ ራእይ 21፡6፥ ኢሳ. 58፡11። ካብቲ ኣነ ዝህቦ ማይ ዝሰቲ ግና፥ ንዘለኣለም ኣይፀምእን፤ እቲ ኣነ ዝህቦ ማይ፥ ኣብ ውሽጡ ዝፍልፍል ዓይኒ ማይ ክኾነሉ እዩ” በላ። 15#ዮሓ. 6፡34። እታ ሰበይቲ ኸዓ “ጐይታይ! ከይፀምእ እሞ ኽቐድሕ ድማ፥ መሊሰ ናብዙይ ከይመፅእስ፥ ካብቲ ማይ እቱይ እንዶ ሃበኒ” በለቶ። 16ኢየሱስ ከዓ “ኪዲሞ ሰብኣይኪ ፀዊዕኺ ናብዙይ ንዒ” በላ። 17እታ ሰበይቲ መሊሳ “ሰብኣይ የብለይን” በለቶ። ኢየሱስ ከዓ “ሰብኣይ የብለይን ምባልክስ ሓቂ ተዛሪብኪ፤ 18ሓሙሽተ ሰብኡት ነይሮምኺ፤ እዝ ሕዚ ምሳኺ ዘሎውን ኣይሰብኣይክን እዩ፤ በዙይ ሓቂ ተዛሪብኪ” በላ። 19እታ ሰበይቲ ኸዓ “ጐይታይ! ንስኻ ነቢይ ምዃንካ እርኢ ኣለኹ። 20#ዘዳ. 11፡29፥ 27፡12፥ መዝ. 122፡3-4። ኣቦታትና ኣብዝ እምባ እዙይ ሰገዱ፤ ንስኻትኩም ግና፥ እቲ ሰባት ክሰግዱሉ ዝግባእ ስፍራ፥ ኣብ ኢየሩሳሌም እዩ ኢኹም እትብሉ” በለቶ። 21ኢየሱስ ድማ “ኣቲ ሰበይቲ፥ ኣብዝ እምባ እዙይ ወይ ኣብ ኢየሩሳሌም፥ ንኣብ ዘይሰግዱሉ ጊዜ ኸም ዝመፅእ እመንኒ። 22#ሉቃ. 1፡69፥ ሮሜ 9፡4፥ ኢሳ. 2፡3። ንስኻትኩም ንዘይትፈልጥዎ ኢኹም እትሰግዱ፤ ንሕና ግና ምድሓን ካብ ኣይሁድ እዩ እሞ፥ ንእንፈልጦ ኢና እንሰግድ። 23እንተ ኾነ እቶም ብሓቂ ዝሰግዱ፥ ንኣብ ብመንፈስን ብሓቅን ዝሰግዱላ ሰዓት ክትመፅእ እያ፤ ንሳ ኸዓ ሕዚ እያ። 24#ፊልጵ. 3፡3። ኣብ ከዓ ኸምዚኣቶም ዝበሉ ሰገድቲ እዩ ዝደሊ፤ እግዚኣብሄር መንፈስ እዩ፤ እቶም ዝሰግዱሉ ድማ፥ ብመንፈስን ብሓቅን ክሰግዱሉ ይግባእ” በላ። 25እታ ሰበይቲ ድማ “እቲ ክርስቶስ ዝብልዎ መሲሕ ከም ዝመፅእ እፈልጥ እየ፤ #4፡25 እፈልጥ እየ፦ ግእዝን ገሊኡ ብራናታት ግሪክን “ንፈልጥ ኢና” ይብል። ንሱ ምስ መፀ ኸዓ፥ ኵሉ ኽነግረና እዩ” በለቶ። 26ኢየሱስ ድማ “ዝዛረበኪ ዘለኹ ኣነ ንሱ እየ” በላ። 27ሽዑ እቶም ደቀ መዛሙርቱ መፁሞ፥ ምስ ሰበይቲ ብምዝርራቡ ተገረሙ፤ ግና “እንታይ ትደሊ?” ወይ “ስለ ምንታይከ ምስኣ ትዛረብ ኣለኻ?” ዝበሎ ሓደኳ ኣይነበረን።
28እታ ሰበይቲ ኸዓ፥ ዕትሮኣ ሓዲጋ ናብ ከተማ ኣተወት፤ ነቶም ሰባትውን 29“ኵሉ ዝገበርክዎ ዝነገረኒ ሰብኣይ ንዑ ረአዩ፤ እንድዒ ክርስቶስ ደኣ ኸይኸውን?” በለቶም። 30እቶም ህዝቢ ኸዓ ኻብ ከተማ ወፂኦም ናብኡ መፁ።
31እዙይ ክኸውን እንተሎ እቶም ደቀ መዛሙርቱ “መምህር፥ ብላዕ” ኢሎም ለመንዎ።
32ኢየሱስ ከዓ “ኣነስ ንስኻትኩም ዘይትፈልጥዎ ዝበልዖ ምግቢ ኣለኒ” በሎም። 33እቶም ደቀ መዛሙርቱ ኸዓ ንስንሳቶም “ሰብ ደኾን ዝብላዕ ኣምፂኡሉ ኾይኑ?” #4፡33 ኣብ ግእዝ “ወይ እታ ሰበይቲዶ ኣምፂኣትሉ ኾይና” ዝብል ይርከብ። ተበሃሃሉ። 34#ዮሓ. 5፡30፥ 6፡38፥ 17፡4። ኢየሱስ ድማ “ምግበይስ፥ ፍቓድ እቲ ዝለኣኸኒ ምግባርን፥ ስራሑ ምፍፃምን እዩ። 35#ማቴ. 9፡37። ንስኻትኩም ‘ድሕሪ ኣርባዕተ ወርሒ ቐውዒ ክኸውን ኢዩዶ ኣይኮንኩምን እትብሉ?’ እንሆ እምበኣር ኣዒንትኹም ኣልዒልኩም፥ ናብቲ ገራሁ ጠምቱ፤ እቲ እኽሊ ኸም ዝፃዕደወ፥ ንዓፂድውን ድሮ ኸም ዝበፅሐ ረአዩ፤ እብለኩም ኣለኹ። 36እቲ ዝዘርእን እቲ ዝዓፅድን፥ ብሓባር ምእንቲ ኽሕጐሱ፥ እቲ ዝዓፅድ ዓስቡ ይቕበል፤ ንዘለኣለም ህይወት ዝኸውን ፍረውን ይእክብ። 37‘እቲ ሓደ ይዘርእ፤ እቲ ሓደ ኸዓ ይዓፅድ’ ዝብል ቃል፥ ሓቂ እዩ እሞ። 38ኣነ ንኣኻትኩም፥ ኣብ ዘይፀዓርኩምሉ ኽትዓፅዱ ለኣኽኩኹም፤ ካልኦት ፀዓሩ፤ ንስኻትኩም ከዓ ኣብቲ ዝፀዓሩሉ ኣተኹም” በሎም።
39እታ ሰበይቲ “ኵሉ ዝገበርክዎ ነጊሩኒ” ኢላ ብዝመስከረቶ ቓል፥ ካብታ ኸተማ እቲኣ ብዙሓት ሳምራውያን ብኢየሱስ ኣመኑ። 40#ሉቃ. 9፡53። እቶም ሳምራውያን ከዓ፥ ናብኡ መፂኦም ምስኣቶም ክቕመጥ ለመንዎ፤ ኣብኡ ኸዓ ኽልተ መዓልቲ ፀንሐ። 41ካብ ቃሉ ዝተልዓለ ድማ ብዙሓት ኣመኑ። 42#ዮሓ. 1፡49፥ 17፡8። ነታ ሰበይቲ እውን “ባዕልትና ሰሚዕና ደኣ እዝ ሰብ እዙይ ብሓቂ ክርስቶስ መድሓኒ ዓለም ምዃኑ ፈሊጥና እምበር፥ ብዘረባኺ ጥራሕ ኣይኮንናን ዝኣመንና” በልዋ።
ኢየሱስ ወዲ ሓደ ሹም ከም ዘሕወየ
43ድሕሪ ኽልተ መዓልቲ፥ ካብኡ ወፂኡ ናብ ገሊላ ኸደ፤ 44#ሉቃ. 4፡24። ነቢይ ኣብ ዓዱ ኸም ዘይኸብር፥ ኢየሱስ ባዕሉ መስኪሩ ነበረሞ። 45#ዮሓ. 2፡23። መሊሱ ናብ ገሊላ ምስ መፀ እቶም ሰብ ገሊላ ዅሎም ንበዓል መፂኦም ነበሩ እሞ፥ ነቲ ዅሉ በቲ በዓል፥ ኣብ ኢየሩሳሌም ዝገበሮ ስለ ዝረአዩ ተቐበልዎ። 46#ማቴ. 8፡5-13፥ ሉቃ. 7፡1-10፥ ዮሓ. 2፡1። ኢየሱስ መሊሱ ናብታ ንማይ ናብ ወይኒ ዝለወጠላ፥ ኣብ ገሊላ ናብ እትርከብ ቃና መፀ፤ ኣብ ቅፍርናሆም ከዓ፥ ወዱ ዝሓመሞ ናይ ንጉስ ወገን ዝኾነ፥ ሓደ ሹም ነበረ። 47ንሱ ኢየሱስ ካብ ይሁዳ ናብ ገሊላ ኸም ዝመፀ ምስ ሰምዐ፥ ናብኡ ኸደ፤ ወዱ ንሞት ቀሪቡ ስለ ዝነበረ ድማ፥ ናብ ቅፍርናሆም ወሪዱ ምእንቲ ኸሕውየሉ ንኢየሱስ ለመኖ። 48#ዮሓ. 2፡11፥ 20፡29። ሽዑ ኢየሱስ “ምልክትን ተኣምራትን እንተ ዘይረአኹም ኣይትኣምኑን ኢኹም” በሎ። 49እቲ ሹም ከዓ “ጐይታይ! ወደይ እንተይሞተ ቐልጢፍካ ውረድ” በሎ። 50ኢየሱስ ድማ “ኪድ፥ ወድኻ ሓውዩ እዩ” በሎ። እቲ ሰብኣይ በቲ ኢየሱስ ዝተዛረቦ ቓል ኣሚኑ ኸደ። 51ክወርድ እንተሎ ኣገልገልቱ ተቐበልዎሞ “ወድኻ ሓውዩ” ኢሎም ኣብሰርዎ። 52ንሱ ኸዓ እታ ዝሓወየላ ሰዓት ጠየቖም፤ ንሳቶም ድማ “ትማሊ ብሻውዐይቲ ሰዓት ናይ ቀትሪ ረስኑ ሓዲግዎ” በልዎ። 53ሽዑ ኣቦኡ በታ ኢየሱስ “ወድኻ ሓውዩ እዩ” ዝበሎ ሰዓት ምዃና ፈለጠ፤ ምስ ኵሉ ስድራ ቤቱ ኸዓ ብኢየሱስ ኣመነ። 54ኢየሱስ ካብ ይሁዳ ናብ ገሊላ መፂኡ ዝገበሮ ተኣምራት እዙይ ካልኣይ እዩ።
Aktualisht i përzgjedhur:
ዮሃንስ 4: ትመ15
Thekso
Ndaje
Copy
A doni që theksimet tuaja të jenë të ruajtura në të gjitha pajisjet që keni? Regjistrohu ose hyr