1
ሉቃስ 3:21-22
መፅሓፍ ቅዱስ
ኵሉ እቲ ህዝቢ ምስ ተጠመቐ፥ ኢየሱስውን ተጠመቐ፤ ክፅሊ እንተሎ፥ ሰማይ ተኸፍተ። መንፈስ ቅዱስውን፥ ብኣምሳል ርግቢ ኣብ ልዕሊኡ ወረደ፤ “ብኣኻ ዝተሓጐስኩ፥ ዝፈትወካ ወደይ ንስኻ ኢኻ” ዝብል ድምፂ ድማ ካብ ሰማይ መፀ።
Primerjaj
Explore ሉቃስ 3:21-22
2
ሉቃስ 3:16
ዮሃንስ ከዓ “ኣነ ብማይ እየ ዘጥምቐኩም ዘለኹ፤ እቲ ኻባይ ዝብርትዕን፥ ኣነ መእሰሪ ኣሳእኑ ንምፍታሕ ዘይበቅዕን ግና፥ ይመፅእ ኣሎ፤ ንሱ ብመንፈስ ቅዱስን ብሓዊን፥ ከጥምቐኩም እዩ።
Explore ሉቃስ 3:16
3
ሉቃስ 3:8
እምበኣርከስ ንንስሃ ዝበቅዕ ፍረ ኣፍርዩ እምበር፥ ብልብኹም ‘ኣብርሃም ኣቦ ኣለና’ ብምባል ኣይትዘሃሩ፤ እግዚኣብሄር ንኣብርሃም ካብዘን ኣእማን እዚኣተን፥ ውሉድ ከተስአሉ ኸም ዝኽእል እነግረኩም ኣለኹ።
Explore ሉቃስ 3:8
4
ሉቃስ 3:9
እንሆ ማሕፀ ኣብ ሱር ኣእዋም ተቐሪቡ ኣሎሞ፥ ኵሉ ፅቡቕ ፍረ ዘይፈሪ ኦም ክቝረፅ እዩ፤ ናብ ሓዊውን ክድርበ እዩ” ይብሎም ነበረ።
Explore ሉቃስ 3:9
5
ሉቃስ 3:4-6
እዙይ ከዓ ኸምቲ ኣብ መፅሓፍ ነቢይ ኢሳይያስ፦ “ናይ ሓደ ኣብ ምድረ በዳ ዝእውጅ ድምፂ፥ ጐደና እግዚኣብሄር ኣመዓራርዩ፤ መንገድታቱውን ኣቕንዑ፤ ኵሉ ጕድጓድ ይምላእ፤ ኵሉ እምባን ኰረብታን ትሕት ይበል፤ ኵሉ ጥውይዋይ ዝኾነ ይቕናዕ፤ ድንጉር ይተኻኸል፤ ኵሉ ስጋ ዝለበሰውን ምድሓን እግዚኣብሄር ይርአ፤” ተብሂሉ ኸም ዝተፅሓፈ፥
Explore ሉቃስ 3:4-6
Domov
Sveto pismo
Bralni načrti
Videoposnetki