YouVersion
Pictograma căutare

ሉቃስ 13

13
ዘይንሳሕ ኵሉ ኸም ዝጠፍእ
1 # ሮሜ 2፡1። በቲ ወርሓት እቱይ፥ ሰባት መፂኦም ብዛዕባ እቶም ጲላጦስ ቀቲሉ፥ ደሞም ምስ መስዋእቶም ዝሓዋወሶ ገሊላውያን ነገርዎ። 2ኢየሱስ መሊሱ ኸምዙይ በሎም፦ “ነዞም ገሊላውያን እዚኣቶም፥ እዝ መከራ እዙይ ዝረኸቦምስ፥ ካብ ኵሎም ገሊላውያን ዝገደዱ ሓጢኣተኛታት ስለ ዝነበሩዶ ይመስለኩም? 3ኣይኮነን፤ እንተ ዘይተነሲህኹምስ፥ ኵልኻትኩምውን ከምኣቶም ክትጠፍኡ ኢኹም እብለኩም ኣለኹ። 4ወይ እቶም ኣብ ሰሊሆም መንደቕ ዝወደቖም እሞ፥ ዝቐተሎም ዓሰርተ ሸሞንተኸ፥ ካብቶም ኣብ ኢየሩሳሌም ዝነብሩ ዅሎም ሰባት፥ ዝበዝሐ ሓጢኣት ዝነበሮምዶ ይመስለኩም? 5ኣይኮነን፤ እንተ ዘይተነሲህኹምስ፥ ኵልኻትኩም ከምኣቶም ክትጠፍኡ ኢኹም” በሎም።
ዘይፈሪ ኦም ከም ዝቝረፅ
6 # ማቴ. 21፡19። ኢየሱስ ነዝ ምስላዙይ ድማ ነገሮም፦ “ሓደ ሰብኣይ፥ ኣብ ቦታ ኣታኽልቲ ወይኑ ዝተተኽለት በለስ ነበረቶ። ፍረ ደልዩ ናብኣ ኸደ፤ ግና ኣይረኸበላን። 7#ማቴ. 25፡30፥ ሉቃ. 3፡9። ነቲ ሓላዊ ኣታኽልቲ ወይኒ ኸዓ፥ ‘እንሆ፥ ካብዛ በለስ እዚኣ ፍረ ደልየ፥ ሰለስተ ዓመት ተመላሊሰ ኣይረኸብኩላን። እምበኣር ቍረፃ፤ ንምንታይከ መሬት እተፅርዕ?’ በሎ። 8#2 ጴጥ. 3፡9። ንሱ ግና፥ ‘ጐይታ! ወሰን ወሰና ኽሳዕ ዝዅስኵሳ፥ ድዅዒውን ኽሳዕ ዝድኵዓ፥ ነዛ ዓመት እዚኣ ሕደጋ። 9ንዓመታ እንተ ፈረየት ፅቡቕ፤ እንተ ዘይኮነ ግና፥ ሽዑ ኽትቈርፃ ኢኻ’ ” ኢሉ መለሰሉ።
ኢየሱስ ዝጐበጠት ሰበይቲ ብሰንበት ከም ዘሕወየ
10 # ሉቃ. 6፡6። ኢየሱስ ብሰንበት፥ ኣብ ሓንቲ ቤተ ፀሎት ኣይሁድ #13፡10 ቤተ ፀሎት ኣይሁድ፦ ወይ “ምኩራብ” ኮይኑ እናመሃሮም እንተሎ፥ 11እንሆ፥ ዓሰርተ ሸሞንተ ዓመት ርኹስ መንፈስ ዘድከማ ሰበይቲ ነበረት፤ ስለ ዝጐበጠትውን ፈፂማ ኽትቀንዕ ኣይትኽእልን ነበረት። 12ኢየሱስ ምስ ረአያ ፀዊዑ “ኣቲ ሰበይቲ! ኻብ ሕማምኪ ተፈቲሕኺ ኢኺ” በላ። 13ኢዱውን ኣንበረላ፤ ሽዑ ንሽዑ ኸዓ ቐንዐት፤ ንእግዚኣብሄር ድማ ኣመስገነት። 14እቲ መራሒ ቤተ ፀሎት ኣይሁድ ግና፥ ኢየሱስ ብሰንበት ስለ ዘሕወየ ተቘጢዑ፥ ነቶም ህዝቢ “ክስርሐለን ዝግባእ ሽዱሽተ መዓልቲታት ኣለዋኹም። እምበኣር በተን ዕለታት እቲኣተን መፂእኹም ተፈወሱ እምበር፥ ብዕለተ ሰንበት ኣይኮነን” ኢሉ ተዛረቦም። 15#ሉቃ. 14፡5፥ ዮሓ. 7፡23። ጐይታ ኸዓ፦ “ኣቱም ግብዛት፥ ነፍሲ ወከፍ ካባኻትኩም ንብዕራዩ ወይ ንኣድጉ፥ ብሰንበት ካብ መእሰሪኡ ፈቲሑ፥ ማይ ከስትዮዶ ኣይወስዶን ኢዩ? 16እንሆ እዛ ዓሰርተ ሸሞንተ ዓመት፥ ሰይጣን ዝኣሰራ ጓል ኣብርሃምከ፥ ካብዝ ማእሰርቲ እዙይ ብዕለተ ሰንበት ክትፍታሕዶ ኣይግብኣን?” ኢሉ መለሰሉ። 17#ሉቃ. 9፡43። እዙይ ምስ በለ፥ ኵሎም እቶም ዝቃወምዎ ዝነበሩ ሓፈሩ፤ እቶም ህዝቢ ኸዓ በቲ ዅሉ ብኢየሱስ ዝተገብረ፥ ዘደንቕ ግብርታት ተሓጐሱ።
ምስላ ፍረ ኣድርን ማይ ብሒቝን
(ማቴ. 13፡31-32ማር. 4፡30-32)
18ድሕሪዙይ ኢየሱስ ከምዙይ በለ፦ “መንግስቲ እግዚኣብሄር፥ እንታይ ትመስል? ብምንታይከ ኽምስላ እየ? 19ሰብ ወሲዱ ኣብ ስፍራ ኣታኽልቱ ዝዘርኣ፥ ፍረ ኣድሪ እያ እትመስል። ዓበየት፤ ዓባይ ኦምውን ኮነት፤ ኣዕዋፍ ሰማይ ከዓ፥ ኣብ ጨናፍራ ሰፈረን ሰርሓ።”
20መሊሱ ድማ፥ “ንመንግስቲ እግዚኣብሄር ብምንታይ እየ ዝምስላ? 21ሰበይቲ ወሲዳ፥ ኵሉ ኽሳዕ ዝበኵዕ፥ ኣብ ሰለስተ መስፈሪ ሕሩጭ ዝለወሰቶ፥ ማይ ብሒቝ እያ እትመስል” በለ።
በታ ፀባብ ኣፍ ደገ እተዉ
(ማቴ. 7፡13-1421-23)
22 # ማቴ. 9፡35፥ ሉቃ. 9፡51። ድሕሪዙይ ኢየሱስ ናብ ኢየሩሳሌም ክኸይድ እንተሎ፥ ኣብ ከተማታትን ዓድታትን እናመሃረ ይሓልፍ ነበረ። 23ሓደ ሰብኣይ ከዓ፥ “ኦ ጐይታ! እቶም ዝድሕኑስ ውሑዳት ድዮም?” በሎ። 24#ማቴ. 7፡13። ንሱ ድማ፥ “በታ ፀባብ ኣፍ ደገ፥ ንምእታው ፀዓሩ፤ ክኣትዉ ዝደልዩ ብዙሓት እዮም፤ ግና ኣይኽእሉን እብለኩም ኣለኹ። 25#ማቴ. 25፡10-12። በዓል ገዛ ተሲኡ ማዕፆኡ ምስ ሸጐረ፥ ሽዑ ኣብ ወፃኢ ደው ምባል ክትጅምሩ፥ ‘ጐይታ፥ ጐይታ፥ ክፈተልና’ እናበልኩምውን ማዕፆ ኽትኵሕዅሑ ኢኹም። ንሱ ኸዓ ‘ካበይ ምዃንኩም ኣይፈልጠኩምን እየ’ ኢሉ ኽምልሰልኩም እዩ። 26#ማቴ. 7፡22። ሽዑ ‘ምሳኻ በሊዕናን ሰቲናን፤ ንስኻውን ኣብ ኣደባባያትና ምሂርካ’ ምባል ክትጅምሩ ኢኹም። 27#ማቴ. 7፡23። ንሱ ኸዓ ‘ኣቱም ገበርቲ ዓመፃ፥ ኵልኻትኩም ካባይ ረሓቑ፤ ካበይ ምዃንኩም ኣይፈልጠኩምን እየ’ ኽብል እዩ። 28#ማቴ. 8፡12። ንኣብርሃምን ይስሓቅን ያእቆብን ንዅሎም ነቢያትን፥ ኣብ መንግስቲ እግዚኣብሄር ምስ ረአኹምዎም፥ ንስኻትኩም ግና ኣብ ወፃኢ ተደርቢኹም ምስ ተረፍኩም፥ ኣብኡ ብኽያትን ምሕርቃም ኣስናንን ክኸውን እዩ። 29#ማቴ. 8፡11፥ ሉቃ. 14፡15። ካብ ምብራቕን ምዕራብን ካብ ሰሜንን ደቡብን ድማ ኽመፁ፥ ኣብ መንግስቲ እግዚኣብሄርውን፥ ኣብ ማእዲ ኽቕመጡ እዮም። 30#ማቴ. 19፡30። እንሆ ድማ ቐዳሞት ዳሕረዎት፥ ዳሕረዎት ከዓ ቐዳሞት ክኾኑ እዮም” በሎም።
ኢየሱስ ንኢየሩሳሌም ከም ዝበኸየላ
(ማቴ. 23፡37-39)
31በታ ጊዜ እቲኣ ገሊኣቶም ሰባት ካብ ፈሪሳውያን፥ ናብ ኢየሱስ መፂኦም፥ “ሄሮድስ ክቐትለካ ይደሊ ኣሎ እሞ፥ ካብዙይ ወፂእኻ ኺድ” በልዎ። 32#ዮሓ. 9፡4። ንሱ ግና፥ “ኬድኩም ነዛ ውኻርያ ‘እንሆ፥ ሎምን ፅባሕን ኣጋንንቲ ኣውፅእ፤ ሕሙማት ኣሕዊ ኣለኹ፤ ኣብ ሳልሰይቲ መዓልቲ ኸዓ ኽፍፅም እየ’ በልዋ፤ 33#ሉቃ. 9፡22። ሎምን ፅባሕን ድሕሪ ፅባሕን ግና፥ ናብ ኢየሩሳሌም ክድይብ ይግብአኒ እዩ፤ #13፡33 ሎምን ፅባሕን ድሕሪ ፅባሕን ግና፦ ግእዝ “ሎምን ፅባሕን ኣለኹ፤ ብሳልሰይቲ መዓልቲ ግና ክኸይድ እየ” ይብል። ነቢይ ኣብ ኢየሩሳሌም እምበር፥ ኣብ ወፃኢ ኽመውት ኣይግባእን እዩ እሞ።” 34#ሉቃ. 19፡41፥ ግ.ሓ. 7፡52፥ ኤር. 7፡13-14። “ኢየሩሳሌም፥ ኢየሩሳሌም፥ ንነቢያት እትቐትሊ፥ ናባኺ ንዝተልኣኹውን ብእምኒ እትቕጥቅጢ፥ ከምቲ ደርሆ ንጨቓውታ፥ ኣብ ትሕቲ ኣኽናፋ እትእክቦም፥ ክንደይሻዕኸ ንደቅኺ ኽእክቦም ዘይደለኹ! ንስኻትኩም ግና ኣበኹም። 35#ሉቃ. 19፡38። እንሆ ገዛኹም ክዓኑ እዩ እብለኩም ኣለኹ፤ ‘ብስም እግዚኣብሄር ዝመፅእ ቡሩኽ እዩ’ ኽሳዕ እትብሉ፥ ኣይትሪኡንን ኢኹም” በሎም።

Evidențiere

Partajează

Copiază

None

Dorești să ai evidențierile salvate pe toate dispozitivele? Înscrie-te sau conectează-te