ዘፍጥረት 14
14
ኣብራም ንሎጥ ከም ዘድሓኖ
1በቲ ዘመንቱይ ኣምራፌል ንጉስ ሰናኦር፥ ኣርዮክ ንጉስ እላሳር፥ ኮሎዶጎምር ንጉስ ዔላም፥ ቲድዓል ድማ ንጉስ ጐይም፥ 2ምስ ባላ ንጉስ ሰዶም፥ ምስ ብርሳ ንጉስ ገሞራ፥ ምስ ሰነዓር ንጉስ ኣዳማ፥ ምስ ሰሜበር ንጉስ ሰቦይም፥ ምስ ንጉስ ቤላ (ንሳ ኸዓ ዞዓር) ውግእ ገጠሙ። 3እዚኣቶም ኵላቶም ናብቲ ጐልጐል ሲዲም ተብሂሉ ዝፅዋዕ ባሕሪ ጨው #14፡3 ባሕሪ ጨው፦ ሕዚ “ምዉት ባሕሪ” ይበሃል። ተኣከቡ። 4ንኮሎዶጎምር ዓሰርተ ኽልተ ዓመት ተገዚኦምዎ ነበሩ። ኣብ መበል ዓሰርተ ሰለስተ ዓመት ድማ ዓመፁ። 5ኣብ መበል ዓሰርተ ኣርባዕተ ዓመት ድማ ኮሎዶጎምርን እቶም ምስኡ ዝነበሩ ነገስታትን ሓቢሮም መፂኦም፥ ንራፋውያን ኣብ ኣስጣሮት ቃርናይም፥ ንዙዛውያን ኣብ ሃም፥ ንኤሚማውያን ኣብ ጐልጐል ቃርያታይም፥ 6ንሆራውያን ኣብ ኰረብታ ሴይር፥ ክሳዕ እታ ኣብ ጫፍ ምድረ በዳ ዘላ ኤል ፋራን፥ ሰዓርዎም። 7ተመሊሶም ድማ ናብታ ዓይንሚስፓጥ እትበሃል ቃዴስ መፁ፤ ንዅላ ምድሪ ኣማሌቃውያንን፥ ነቶም ኣብ ሓሴቦን ታማር ዝነበሩ ኣሞራውያንን ከዓ ሰዓርዎም።
8-9ሽዑ ንጉስ ሰዶምን ንጉስ ገሞራን ንጉስ ኣዳማን ንጉስ ሰቦይምን ንጉስ ናይታ ዞዓር እትበሃል ቤላን ወፂኦም፥ ምስ ኮሎዶጎሞር ንጉስ ዔላምን፥ ቲድዓል ንጉስ ጐይምን፥ ኣምራፌል ንጉስ ሰናዖርን፥ ኣርዮክ ንጉስ እላሳርን፥ ኣርባዕተ ነገስታት ምስቶም ሓሙሽተ ነገስታት ክዋግኡ ኣብ ጐልጐል ሲዲም ተሰለፉ። 10እቲ ኣብ ጐልጐል ሲዲም ዝርከብ ጐዳጕዲ ድማ ቕጥራን መሊኡ ነበረ። ነገስታት ሰዶምን ገሞራን ክሃድሙ እንተለዉ ኸዓ ኣብኡ ወደቑ። እቶም ዝተረፉ ነገስታት ድማ ናብቲ ጎቦታት ሃደሙ። 11እቶም ኣርባዕተ ነገስታት ከዓ ናይ ሰዶምን ገሞራን ኵሉ ገንዘብን ኵሉ ዝብላዕን ዘሚቶም ከዱ። 12ሎጥ፥ ወዲ ሓዉ ንኣብራም ድማ፥ ኣብ ሰዶም ይነብር ስለ ዝነበረ፥ ምስ ጥሪቱ ማሪኾም ወሰድዎ።
13ካብኡ ዘምለጠ ሓደ ሰብ፥ ናብቲ ዕብራዊ ኣብራም፥ መፂኡ ነቲ ዝኾነ ነገሮ። ኣብራም ድማ ኣብቲ ዓበይቲ ኣእዋም መምሬ፥ እቲ ኣሞራዊ፥ ሓው ኤሽኮልን ሓው ኣውናንን ይቕመጥ ነበረ። ንሳቶም ከዓ ምስ ኣብራም ኪዳን ተኣታትዮም ነበሩ። 14ኣብራም ድማ ሓዉ ኸም ዝተማረኸ ምስ ሰምዐ፥ ሰለስተ ሚእትን ዓሰርተ ሸሞንተን ኣብ ገዛኡ ዝተወለዱ፥ ፍቱናት ሰባት ኣዕጢቑ፥ ክሳዕ ዳን ደድሕሪኣቶም ሰዓበ። 15ንሱን ኣገልገልቱን ተመቓቒሎም ከዓ ብለይቲ ወቕዕዎም፤ ክሳዕ ሆባ፥ ሰሜን ደማስቆ፥ ድማ ኣሳጐጕዎም። 16ነቲ ዅሉ ጥሪት ከዓ ኣምለሶ። ንሎጥ ሓዉን ጥሪቱን ከምኡ ኸዓ፥ ነተን ኣንስትን ነቲ ህዝብን ኣምለሰ።
መልከፄዴቅ ንኣብራም ከም ዝባረኾ
17ኣብራም ንኮሎዶጎሞርን ነቶም ምስኡ ዝነበሩ ነገስታትን ስዒሩ ኽምለስ እንተሎ፥ ንጉስ ሰዶም ክቕበሎ ናብቲ ሩባ ንጉስ ዝበሃል ሩባ ሴዊ ወፀ። 18እቲ ኻህን ልዑል እግዚኣብሄር ዝኾነ መልከፄዴቅ ንጉስ ሳሌም ድማ እንጀራን ወይንን ኣምፅአ። 19ንሱ ድማ ንኣብራም
“ሰማይን ምድርን ዝፈጠረ ልዑል እግዚኣብሄር፥ ይባርኽካ።
20 #
ዕብ. 7፡1-10። እቲ ንፀላእትኻ ኣብ ኢድካ ኣሕሊፉ ዝሃበካ ልዑል እግዚኣብሄር ከዓ ቡሩኽ ይኹን” እናበለ ባረኾ።
ኣብራም ድማ ኻብ ኵሉ ኣስራት ሃቦ።
21ንጉስ ሰዶም ከዓ ንኣብራም፥ “ነቶም ሰባት ሃበኒ፤ ነቲ ጥሪት ግና ንኣኻ ውሰዶ” በሎ።
22ኣብራም ድማ ንንጉስ ሰዶም “ናብ ስም እቲ ሰማይን ምድርን ዝፈጠረ ልዑል እግዚኣብሄር ኢደይ ኣልዒለ ኣለኹ። 23‘ንኣብራም ኣነ ኣሀብተምክዎ’ ኸይትብልስ፥ ፈትሊ ኾነ ስራኽ ኣሳእን ካብ ናትካ ሓንቲ እኳ ኣይወስድን እየ። 24እንትርፊ እቶም ኣጓብዝ ዝበልዕዎ፥ ንባዕለይ ሓንቲ እኳ ኣይወስድን እየ። እቶም ምሳይ ዝኸዱ ሰባት፥ ኣውናንን ኤስኮልን መምሬን ግና ግደኦም ይውሰዱ” በሎ።
Selectat acum:
ዘፍጥረት 14: ትመ15
Evidențiere
Partajează
Copiază
Dorești să ai evidențierile salvate pe toate dispozitivele? Înscrie-te sau conectează-te