1
ዘፍጥረት 3:6
መፅሓፍ ቅዱስ
እታ ሰበይቲ ድማ፥ እታ ኦም ንዐይኒ ፅብቕቲ፥ እቲ ፍረኣ ንምብላዑ ዘብህግ፥ ጥበብ ብምሃብውን ሰናይ ምዃና ሪኣ፥ ካብታ ፍረ ኦም ወሲዳ በልዐት፤ ንሰብኣያውን ሃበቶ፤ ንሱውን ምስኣ በልዐ።
Palyginti
Naršyti ዘፍጥረት 3:6
2
ዘፍጥረት 3:1
እግዚኣብሄር ኣምላኽ ካብ ኵሉ ዝፈጠሮ ኣራዊት ምድሪ፥ ተመን የመና ጐራሕ ነበረ። ነታ ሰበይቲ ኸዓ “ብሓቂዶ እግዚኣብሄር ‘ካብ ኵሉ ኦም ገነት ኣይትብልዑ’ ኢሉ ኣዚዙኩም እዩ?” ኢሉ ጠየቓ።
Naršyti ዘፍጥረት 3:1
3
ዘፍጥረት 3:15
ኣብ መንጎኻን ኣብ መንጎ እዛ ሰበይትን፥ ኣብ መንጎ ዘርእኻን ኣብ መንጎ ዘርኣን ፅልኢ እተክል ኣለኹ። ንሱ ርእስኻ ኽቕጥቅጥ እዩ፤ ንስኻ ድማ ሸዀናኡ ኽትነክስ ኢኻ” በሎ።
Naršyti ዘፍጥረት 3:15
4
ዘፍጥረት 3:16
ነታ ሰበይቲ ኸዓ “ኣብ ወርሓት ጥንስኺ ንመከራኺ ኸብዝሖ እየ፤ ብፃዕሪ ኽትወልዲ ኢኺ፤ ምስ እዙይውን ድሌትኪ ናብ ሰብኣይኪ ክኸውን እዩ፤ ንሱውን ክመልከኪ እዩ” በላ።
Naršyti ዘፍጥረት 3:16
5
ዘፍጥረት 3:19
ናብታ ዝተፈጠርካላ መሬት ክሳዕ እትምለስ፥ እንጀራኻ ብረሃፅካ ኽትበልዕ ኢኻ። መሬት ኢኻሞ፥ ናብ መሬት ከዓ ኽትምለስ ኢኻ” በሎ።
Naršyti ዘፍጥረት 3:19
6
ዘፍጥረት 3:17
ንኣዳም ከዓ “ቃል ሰበይትኻ ሰሚዕኻ፥ ካብታ ‘ካብኣ ኣይትብላዕ’ ኢለ ዝኣዘዝኩኻ ኦም ስለ ዝበላዕኻ፥ ምድሪ ብሰንክኻ ርግምቲ ትኹን። ብዅሉ ዘመን ህይወትካ እንጀራኻ ኻብኣ ብፃዕሪ ኽትበልዕ ኢኻ።
Naršyti ዘፍጥረት 3:17
7
ዘፍጥረት 3:11
ንሱ ድማ “ጥራሕኻ ምዃንካ መን ነገረካ? ካብታ ‘ካብኣ ኣይትብላዕ’ ኢለ ዝኣዘዝኩኻ ኦምዶ በሊዕኻ ኢኻ?” በሎ።
Naršyti ዘፍጥረት 3:11
8
ዘፍጥረት 3:24
ምስ ኣውፅኦ ድማ፥ ነታ ናብ ኦም ህይወት እትወስድ መንገዲ ዝሕልዉ ኪሩቤልን፥ እትጋላበጥን እተንበልብል ሰይፍን፥ ብወገን ምብራቕ ገነት ኤደን ኣቐመጠ።
Naršyti ዘፍጥረት 3:24
9
ዘፍጥረት 3:20
ኣዳም ድማ ንሰበይቱ፥ እኖ ዅሎም ህያዋን ስለ ዝኾነት “ሄዋን” ኢሉ ሰመያ።
Naršyti ዘፍጥረት 3:20
Pradžia
Biblija
Planai
Vaizdo įrašai