1
ዮሃንስ 8:12
መፅሓፍ ቅዱስ
ኢየሱስ መሊሱ “ኣነ ናይ ዓለም ብርሃን እየ፤ እቲ ዝኽተለኒ ኸዓ ብርሃን ህይወት ይረክብ እምበር፥ ብፀልማት ኣይኸይድን እዩ” እናበለ ተዛረቦም።
比較
ዮሃንስ 8:12で検索
2
ዮሃንስ 8:32
ንሓቂ ኽትፈልጥዋ ኢኹም፤ እታ ሓቂውን፥ ሓራ ኽተውፅአኩም እያ” በሎም።
ዮሃንስ 8:32で検索
3
ዮሃንስ 8:31
ስለዙይ ኢየሱስ ነቶም ብእኡ ዝኣመኑ ኣይሁድ “ንስኻትኩም ብቓለይ እንተ ፀኒዕኹም፥ ብሓቂ ደቀ መዛሙርተይ ኢኹም።
ዮሃንስ 8:31で検索
4
ዮሃንስ 8:36
ወልድ ሓራ እንተ ኣውፂኡኩም፥ ብሓቂ ሓራ ዝወፃእኹም ክትኮኑ ኢኹም።
ዮሃንስ 8:36で検索
5
ዮሃንስ 8:7
ደጋጊሞም ምስ ጠየቕዎ ኸዓ፥ ቅንዕ ኢሉ “ካባኻትኩም ሓጢኣት ዘይብሉ፥ ኣቐዲሙ ብእምኒ ይውቀዓያ” በሎም።
ዮሃንስ 8:7で検索
6
ዮሃንስ 8:34
ኢየሱስ ድማ “ብሓቂ ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ፥ ኵሉ ሓጢኣት ዝገብር፥ ንሱ ናይ ሓጢኣት ባርያ እዩ።
ዮሃንስ 8:34で検索
7
ዮሃንስ 8:10-11
ኢየሱስ ከዓ ቕንዕ ኢሉ “ኣቲ ሰበይቲ፥ እቶም ከሰስትኺ ደኣ ኣበይ ኣለዉ? ዝፈረደኪዶ የለን?” በላ። ንሳ ኸዓ “ሓደኳ የለን፥ ጐይታይ” በለቶ። ኢየሱስ ድማ “ኣነውን ኣይፈርደክን እየ፤ ኪዲ እሞ ደጊም ሓጢኣት ኣይትግበሪ” በላ።
ዮሃንስ 8:10-11で検索
ホーム
聖書
読書プラン
ビデオ