1
ዮሃንስ 8:12
መፅሓፍ ቅዱስ
ኢየሱስ መሊሱ “ኣነ ናይ ዓለም ብርሃን እየ፤ እቲ ዝኽተለኒ ኸዓ ብርሃን ህይወት ይረክብ እምበር፥ ብፀልማት ኣይኸይድን እዩ” እናበለ ተዛረቦም።
השווה
חקרו ዮሃንስ 8:12
2
ዮሃንስ 8:32
ንሓቂ ኽትፈልጥዋ ኢኹም፤ እታ ሓቂውን፥ ሓራ ኽተውፅአኩም እያ” በሎም።
חקרו ዮሃንስ 8:32
3
ዮሃንስ 8:31
ስለዙይ ኢየሱስ ነቶም ብእኡ ዝኣመኑ ኣይሁድ “ንስኻትኩም ብቓለይ እንተ ፀኒዕኹም፥ ብሓቂ ደቀ መዛሙርተይ ኢኹም።
חקרו ዮሃንስ 8:31
4
ዮሃንስ 8:36
ወልድ ሓራ እንተ ኣውፂኡኩም፥ ብሓቂ ሓራ ዝወፃእኹም ክትኮኑ ኢኹም።
חקרו ዮሃንስ 8:36
5
ዮሃንስ 8:7
ደጋጊሞም ምስ ጠየቕዎ ኸዓ፥ ቅንዕ ኢሉ “ካባኻትኩም ሓጢኣት ዘይብሉ፥ ኣቐዲሙ ብእምኒ ይውቀዓያ” በሎም።
חקרו ዮሃንስ 8:7
6
ዮሃንስ 8:34
ኢየሱስ ድማ “ብሓቂ ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ፥ ኵሉ ሓጢኣት ዝገብር፥ ንሱ ናይ ሓጢኣት ባርያ እዩ።
חקרו ዮሃንስ 8:34
7
ዮሃንስ 8:10-11
ኢየሱስ ከዓ ቕንዕ ኢሉ “ኣቲ ሰበይቲ፥ እቶም ከሰስትኺ ደኣ ኣበይ ኣለዉ? ዝፈረደኪዶ የለን?” በላ። ንሳ ኸዓ “ሓደኳ የለን፥ ጐይታይ” በለቶ። ኢየሱስ ድማ “ኣነውን ኣይፈርደክን እየ፤ ኪዲ እሞ ደጊም ሓጢኣት ኣይትግበሪ” በላ።
חקרו ዮሃንስ 8:10-11
בית
כתבי הקודש
תוכניות
קטעי וידאו