1
ዮሃንስ 2:11
መፅሓፍ ቅዱስ
ኢየሱስ ነዝ ናይ መጀመርታ ተኣምራት እዙይ፥ ኣብ ገሊላ ኣብ እትርከብ ኣብ ቃና ገበረ። ክብሩ ድማ ገለፀ፤ ደቀ መዛሙርቱውን ብእኡ ኣመኑ።
Compare
Avasta ዮሃንስ 2:11
2
ዮሃንስ 2:4
ኢየሱስ ድማ “ኣቲ ሰበይቲ ምሳኺ እንታይ ኣለኒ? ጊዜይ እኮ ገና ኣይበፅሐን” በላ።
Avasta ዮሃንስ 2:4
3
ዮሃንስ 2:7-8
ኢየሱስ ነቶም መሰለፍቲ “ነዘን ኣጋንእ፥ ማይ ምልእወን” በሎም፤ ንሳቶም ከዓ ኽሳዕ ኣፈን መልእወን። ሽዑ “ሕዚ ቐዲሕኹም ነቲ ኣቦ ዳስ ሃብዎ” በሎም። ንሳቶም ድማ ወሲዶም ሃብዎ።
Avasta ዮሃንስ 2:7-8
4
ዮሃንስ 2:19
ኢየሱስ ድማ፥ “ነዝ ቤተ መቕደስ እዙይ ኣፍርስዎ፤ ኣነ ኸዓ ብሰለስተ መዓልቲ ኸልዕሎ እየ” ኢሉ መለሰሎም።
Avasta ዮሃንስ 2:19
5
ዮሃንስ 2:15-16
ካብ ገመድ ጭጕራፍ ተኒጉ፥ ንዅሎም ኣባጊዕን ኣብዑርን፥ ካብ ቤተ መቕደስ ኣውፅኦም፤ ንገንዘብ እቶም መሽረፍቲ እውን በተኖ፤ ነቲ ጠረጴዛውን ገምጠሎ። ነቶም ሸየጥቲ ርግብታት ድማ “ነዙይ ካብዙይ ኣልዕልዎ! ንቤት ኣቦይ ቤት ንግዲ ኣይትግበርዎ!” በሎም።
Avasta ዮሃንስ 2:15-16
Home
Bible
Plans
Videod