1
ዘፍጥረት 4:7
መፅሓፍ ቅዱስ
ፅቡቕ ጌርካ እንተትኸውንስ ገፅካ ምበርሀ ነይሩ። ፅቡቕ ስለ ዘይገበርካ ግና፥ ሓጢኣት ኣብ ኣፍ ደገ ኾይና ትፀናተወካ ኣላ፤ ድሌታውን ናባኻ እዩ፤ ንስኻ ግና ኣብ ልዕሌኣ ንገሰላ” በሎ።
Compare
Avasta ዘፍጥረት 4:7
2
ዘፍጥረት 4:26
ሴት ድማ ወዲ ተወለደሉ፤ ሄኖስ ኢሉ ኸዓ ሰመዮ። ሽዑ ሰባት ብስም እግዚኣብሄር ክፅውዑ ጀመሩ።
Avasta ዘፍጥረት 4:26
3
ዘፍጥረት 4:9
እግዚኣብሄር ከዓ ንቃየል “ሓውካ ኣቤል ኣበይ ኣሎ?” ኢሉ ጠየቖ። ቃየል ድማ “ኣይፈልጥን፤ ኣነዶ ሓላዊ ሓወይ እየ?” ኢሉ መለሰ።
Avasta ዘፍጥረት 4:9
4
ዘፍጥረት 4:10
እግዚኣብሄር ከዓ “እንታይ ጌርካ ኢኻ? ድምፂ ደም ሓውካ ኻብ ምድሪ ናባይ ይጠርዕ ኣሎ።
Avasta ዘፍጥረት 4:10
5
ዘፍጥረት 4:15
እግዚኣብሄር ድማ “እምበኣር ንቃየል ዝቐተለ ዅሉ፥ ሸውዓተ ዕፅፊ ሕነ ኽፍደ እዩ” በለ። ዝረኸቦ ዅሉ ምእንቲ ኸይቐትሎ ኸዓ፥ እግዚኣብሄር ንቃየል ምልክት ገበረሉ።
Avasta ዘፍጥረት 4:15
Home
Bible
Plans
Videos