YouVersion Logo
Search Icon

ሚልክያስ 1

1
1ብኢድ ሚልክያስ ንእስራኤል ዝተነግረ ፆር ቃል እግዚኣብሄር እዙይ እዩ፦
እግዚኣብሄር ንእስራኤል ዘለዎ ፍቕሪ
2“ኣነ ፈትየኩም እየ” ይብል እግዚኣብሄር፤ ንስኻትኩም ግና ብኸመይ ፈተኻና? ትብሉ ኣለኹም።
“ኤሳው ሓው ያእቆብዶ ኣይነበረን? ይብል እግዚኣብሄር፤ ንያእቆብ ፈተኹ፤ 3#ሮሜ 9፡13። ንኤሳው ግና ፀላእኹ። ንእምባታቱ ኣባደምክዎ፤ ርስቱውን ንወኻሩ ምድረ በዳ ሃብክዎ።”
4ኤዶማውያን “ንሕና ፈሪስና ኢና፤ ግና ነቲ ዝፈረሰ መሊስና ኽንሓንፆ ኢና” እንተ በሉ እኳ፥ ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “ንሳቶም ይሰርሑ፥ ኣነ ግና ኸፍርሶ እየ። ‘ብሰባትውን፥ ወሰን በደልን እግዚኣብሄር ንዘለኣለም ዝተቘጥዖም ህዝብን’ ተብሂሎም ክፅውዑ እዮም።”
5 # ኢሳ. 34፡5-17፥ 63፡1-6፥ ኤር. 49፡7-22፥ ሕዝ. 25፡12-14፥ 35፡1-15፥ ኣሞፅ 1፡11-12፥ ኣብ. 1-14። ነዙይ ብዓይንኹም ክትርእይዎ ኢኹም። “ንስኻትኩም ከዓ፥ ካብ ወሰን እስራኤል ንንየው እኳ እግዚኣብሄር ዓቢዪ ይኹን” ኽትብሉ ኢኹም።
እግዚኣብሄር ንኻህናት ከም ዝገሰፆም
6ኣቱም ስመይ እተቃልሉ ኻህናት፥ “ውሉድ ነቦኡ፥ ባርያውን ንጐይታኡ የኽብር እዩ፤ እምበኣር ኣቦ እንተ ኾይነ፥ ክብረተይ ኣበይ ኣሎ? ጐይታ እንተ ኾይነኸ፥ ተፈራሕነተይ ኣበይ ኣሎ?” ይብል ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር። ንስኻትኩም ግና፥ “ስምካ ዘቃለልናዮ ኸመይ እዩ?” ትብሉ ኣለኹም። 7“ኣብ መሰውእየይ ርኹስ እንጀራ ተቕርቡ፤ ንስኻትኩም ግና፥ ‘ዘርከስናካ ብኸመይ እዩ?’ ትብሉ ኣለኹም። 8#ዘዳ. 15፡21። ማእዲ እግዚኣብሄር ዝተንዓቐ እዩ ብምባልኩም እዩ። ዕዉር፥ ሓንካስ ወይ ሕሙም እንስሳ ንመስዋእቲ ምቕራብ ክፉእዶ ኣይኮነን? ዝሓንከሰን ዝሓመመን እንትተቕርቡ፥ እዙይ ክፉእዶ ኣይኮነን? እስኪ እዙይ ንመራሒኻ ኣቕርበሉ፤ ይሕጐሰልካዶ? ወይ ከዓ ኣብ ቅድሚኡዶ ሞገስ ክትረክብ ኢኻ?” ይብል ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር።
9ሕዚ እውን ፀጋ ምእንቲ ኽህበና ንእግዚኣብሄር ለምኑ። ከምዙይ ዝዓይነቱ መስዋእቲ ሒዝኩም እንተ እትቐርቡ ይቕበለኩምዶ? ይብል ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር። 10“ኣብ መሰውእየይ ብኸንቱ ሓዊ ኸይተንድዱ፥ ሓደ ኻባኻትኩም በርታት ዝዓፁ እንተ ዝርከብ! ኣነ ብኣኻትኩም ደስ ኣይብለንን፤ ካብ ኢድኩምውን ዝኾነ ዓይነት ቍርባን ኣይቅበልን፤ ይብል ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር። 11ካብ ምብራቕ ፀሓይ፥ ክሳዕ ምዕራባ፥ ኣብ ማእኸል ኣህዛብ ስመይ ዓብዪ ክኸውን እዩሞ፥ ኣብ ኵሉ ቦታውን ንስመይ ዕጣን ክዓጥኑ፤ ንፁህ ቍርባንውን ከቕርቡ እዮም፤ ስመይ ኣብ ማእኸል ኣህዛብ ዝኸበረ ክኸውን እዩሞ፤ ይብል ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር። 12ንስኻትኩም ግና ‘ማእዲ እግዚኣብሄር ርኹስ እዩ’ ፍረኡን ምግቡን፥ ዝተንዓቐ እዩ፤ ብምባል ተቃልሉ ኣለኹም። 13መሊስኩም፥ እዙይ ድኻም እዩ ብምባል ፂቕ በልኩምሉ፤ ይብል ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር። ከቲርኩም ንዝሓዝኩምዎ፥ ሓንካስን ሕሙምን እንስሳ፥ መስዋእቲ ጌርኩም እንትተቕርቡ፥ ካብ ኢድኩም ክቕበል ድየ? ይብል እግዚኣብሄር። 14ኣነ ዓብዪ ንጉስ እየሞ፥ ይብል ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር፤ ስመይውን ኣብ ኣህዛብ ዝተፈርሐ እዩሞ፥ እቲ ‘ካብ መጓሰኡ ተባዕታይ እንስሳ ኽህብ እየ’ ኢሉ ተመባፂዑ፤ ጐደሎ ዘለዎ እንስሳ ንጐይታ ዝስውእ ርጉም ይኹን።”

Currently Selected:

ሚልክያስ 1: ትመ15

Highlight

Share

Copy

None

Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in