ማርቆስ 8
8
ኢየሱስ ነርባዕተ ሽሕ ሰብ ከም ዝመገበ
(ማቴ. 15፡32-39)
1በቲ ቕነ እቱይ ብዙሕ ህዝቢ መሊሱ ተኣከበ፤ ዝብላዕ ግና ኣይነበሮምን እሞ፥ ኢየሱስ ነቶም ደቀ መዛሙርቱ ፀዊዑ፦ 2“እዞም ህዝቢ እዚኣቶም ምሳይ ሰለስተ መዓልቲ ገይሮም እዮም፤ ዝብላዕ ከዓ የብሎምን እሞ፥ የሕዝኑኒ ኣለዉ። 3ካብኣቶም ገሊኣቶም ካብ ርሑቕ ዝመፁ እዮም እሞ፥ ብጥሙዮም ነናብ ገዛኦም እንተ ኣፋነኹዎም፥ ኣብ መንገዲ ኽደኽሙ እዮም” በሎም። 4ደቀ መዛሙርቱ ድማ “ነዝ ዅሉ ህዝቢ፥ ኣብዝ በረኻ እዙይ እንጀራ ኸፅግብ ዝኽእል መን እዩ?” ኢሎም መለሱሉ። 5ኢየሱስ ከዓ “ክንደይ ዝኣክል እንጀራ ኣለኩም?” ኢሉ ጠየቖም፤ ንሳቶም ድማ “ሸውዓተ” በልዎ። 6ነቶም ህዝቢ ኣብ ምድሪ ኽቕመጡ ኣዘዞም፤ ነተን ሸውዓተ እንጀራ ሒዙ ኣመስጊኑ ቘረሰ፤ ንደቀ መዛሙርቱ ድማ ኸቕርቡሎም ሃቦም፤ ንሳቶም ከዓ ነቶም ህዝቢ ኣቕረቡሎም። 7ቁሩብ ዓሳውን ነበሮም፤ ንእኡውን ባሪኹ፥ ከቕርቡሎም ኣዘዘ። 8በሊዖም ፀገቡ፤ ዝተረፈ ቝርስራስ ከዓ፥ ሸውዓተ መሶብ ሙሉእ ኣልዓሉ። 9እቶም ዝበልዑ ኣስታት ኣርባዕተ ሽሕ ነበሩ። ሽዑ ድማ ክኸዱ ኣፋነዎም። 10ድሕሪዙይ ምስ ደቀ መዛሙርቱ፥ ናብ ጃልባ ደዪቡ ናብ ሃገር ደልማኑታ #8፡10 ደልማኑታ፦ ገሊኣቶም ብራናታት “ማጋዳን” ገሊኣቶም ድማ “መቕደላ” ይብሉ። ኸደ።
ፈሪሳውያን ምልክት ከርእዮም ከም ዝጠየቕዎ
(ማቴ. 16፡1-4)
11 #
ማቴ. 12፡38። ፈሪሳውያን ናብ ኢየሱስ መፂኦም ክከራኸርዎ ጀመሩ፤ ክፍትንዎውን፥ “ካብ ሰማይ ምልክት ኣርእየና” ኢሎም ጠየቕዎ። 12#ሉቃ. 11፡29። ኢየሱስ ድማ ብመንፈሱ እናሓዘነ፥ “እዝ ትውልዲ እዙይ ንምንታይ እዩ ምልክት ዝደሊ ዘሎ? ነዝ ትውልዲ እዙይ ምልክት ከም ዘይወሃቦ፥ ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ” በለ። 13ሓዲግዎም ድማ ናብ ጃልባ ደየበ፤ ናብ ማዕዶውን ተሳገረ።
ማይ ብሒቝ ፈሪሳውያንን ሄሮድሳውያንን
(ማቴ. 16፡5-12)
14ደቀ መዛሙርቱ ምሓዝ እንጀራ ስለ ዝረስዑ፥ ኣብ ጃልባ እንትርፊ ሓደ እንጀራ ኻልእ ኣይነበሮምን። 15#ማር. 3፡6። ኢየሱስ ድማ “ካብ ማይ ብሒቝ ፈሪሳውያንን ሄሮድስን ተጠንቀቑ” ኢሉ ኣዘዞም። 16ንሳቶም ድማ ንስንሳቶም “እንጀራ ስለ ዘይሓዝና ድዩ ኸምዙይ ዝብለና ዘሎ?” ተበሃሃሉ። 17#ማር. 6፡52። ኢየሱስ ድማ ፈሊጡ፦ “ስለ ምንታይ እንጀራ ብዘይ ምሓዝኩም፥ ንስንሳትኩም ትዘራረቡ? ገናዶ ኣይተረድአኩምን እዩ? ወይ ኣይተስተውዕሉን ዲኹም? ልብኹምከ ደንዚዙ ድዩ? 18#ኤር. 5፡21። ዓይኒ እንተለኩም ኣይትሪኡንዶ? እዝኒ እንተለኩምከ ኣይትሰምዑንዶ? ኣይትዝክሩንዶኸ ኢኹም? 19#ማር. 6፡43። እቲ ሓሙሽተ እንጀራ ንሓሙሽተ ሽሕ ምስ ቈረስኩ፥ ቍርስራስ ዝመልአ ኽንደይ መሶብ ኣልዓልኩም?” በሎም። ንሳቶም ከዓ “ዓሰርተ ኽልተ” በልዎ። 20#ማር. 8፡8። “እቲ ሸውዓተ እንጀራ ነርባዕተ ሽሕ ምስ ቈረስኩኸ፥ ቍርስራስ ዝመልአ ኽንደይ መሶብ ኣልዓልኩም?” ንሳቶም ድማ “ሸውዓተ” በልዎ። 21ንሱ ኸዓ “ስለ ምንታይ ደኣ ዘይተስተውዕሉ?” በሎም።
ኣብ ቤተ ሳይዳ ንሓደ ዕዉር ከም ዘሕወየ
22ናብ ቤተ ሳይዳ ምስ መፁ ድማ፥ ንሓደ ዕዉር ናብኡ ኣምፂኦም ክድህስሶ ለመንዎ። 23ነቲ ዕዉር ብኢዱ ሒዙ ኻብታ ኸተማ መሪሑ ኣውፅኦ፤ ናብ ኣዒንቱ እንትፍ ኢሉውን፥ ኢዱ ኣንበረሉ፤ “ዝኾነ ነገርዶ ትርኢ ኣለኻ?” ኢሉውን ጠየቖ። 24ቆላሕ ኢሉ ድማ “ሰባት ከም ኣእዋም እንትመላለሱ እርኢ ኣለኹ” በለ። 25ኢየሱስ መሊሱ ኢዱ ኣብ ኣዒንቱ ኣንበረሉ እሞ፥ ኣፀቢቑ ረአየ፤ ኵሉውን በሪሁ ተርኣዮ። 26ኢየሱስ ከዓ “ናብ ዓዲ ኣይትእቶ፤ ኣብ ከተማ ድማ ንሓደ እኳ ኣይትንገር” ኢሉ ናብ ገዛኡ ሰደዶ።
እምነት ጴጥሮስን ምስክርነቱን
(ማቴ. 16፡13-20፥ ሉቃ. 9፡18-21)
27ኢየሱስ ምስ ደቀ መዛሙርቱ ናብ ዓድታት ቂሳርያ ናይ ፊልጶስ ከደ፤ ኣብ መንገዲ ድማ ነቶም ደቀ መዛሙርቱ “ሰብ፥ መን እዩ፥ ይብለኒ?” ኢሉ ጠየቖም። 28ንሳቶም ድማ “ገሊኣቶም ‘መጥምቕ ዮሃንስ’ ካልኦት ድማ ‘ኤልያስ’ ካልኦትውን ‘ሓደ ኻብ ነቢያት እዩ’ ይብሉኻ” በልዎ። 29ንሱ ድማ “ንስኻትኩምከ መን እዩ ትብሉኒ?” በሎም። ጴጥሮስ ከዓ “ንስኻ ክርስቶስ ኢኻ” ኢሉ መለሰሉ። 30#ማቴ. 8፡4። ሽዑ ብዛዕባኡ ንሓደኳ ኸይነግሩ ኣበርቲዑ ኣጠንቀቖም።
ኢየሱስ ብዛዕባ መከራኡን ሞቱን ከም ዝተዛረበ
(ማቴ. 16፡21-28፥ ሉቃ. 9፡22-27)
31 #
ማቴ. 16፡21፥ ማር. 9፡12፥31፥ 10፡32-34፥ 14፡41። ወዲ ሰብ ብዙሕ መከራ ኽቕበል፥ ብሽማግለታት ህዝብን፥ ብሊቃነ ካህናትን፥ ብመምህራን ሕግን ክነዓቕን ክቕተልን፥ ኣብ ሳልሳይ መዓልቲ እውን ክትስእ ከም ዘለዎ ኽምህሮም ጀመረ። 32ነዝ ነገር እዙይ ድማ ኣግሂዱ ተዛረቦም። ሽዑ ጴጥሮስ ኣግልል ኣቢሉ “እዙይ ኣይኸውንን” በሎ። 33ኢየሱስ ናብ ደቀ መዛሙርቱ ግልፅ ኢሉ እናጠመተ፥ ንጴጥሮስ፥ “ናይ ሰብ እምበር፥ ናይ እግዚኣብሄር ኣይትሓስብን ኢኻ እሞ ኣታ ሰይጣን፥ ካባይ ረሓቕ!” ኢሉ ገሰፆ።
ንኢየሱስ ምግልጋል ዘስዕቦ መስዋእትነት
(ማቴ. 10፡38-39፥ 16፡24-28፥ ሉቃ. 9፡23-27፥ 14፡26-27)
34ነቶም ህዝቢ ምስ ደቀ መዛሙርቱ ፀዊዑ ኸምዙይ በሎም፦ “እቲ ክኽተለኒ ዝደሊ፥ ንባዕሉ ይኽሓድ፤ መስቀሉ ተሸኪሙ ኸዓ ይከተለኒ። 35እቲ ንህይወቱ ኸድሕና ዝደሊ ኸጥፍኣ እዩ፤ እቲ ንህይወቱ ምእንታይን ምእንቲ ወንጌልን ዘጥፍኣ ግና፥ ከድሕና እዩ። 36#ሉቃ. 12፡16-21። ሰብ ብዅሉ ዓለም ረቢሑ፥ ነፍሱ እንተ ኣጥፍአ እንታይ ይጠቕሞ? 37ሰብከ ቤዛ ነፍሱ እንታይ ምሃበ? 38#ማቴ. 10፡33፥ 16፡27። እቲ ኣብዝ ዘማውን ሓጥእን ዝኾነ ትውልዲ እዙይ፥ ብኣይን ብቓለይን ዝሓፍር፥ ወዲ ሰብ ብግርማ ኣቦኡ ምስ ቅዱሳን መላእኽቱ ምስ መፀ፥ ብእኡ ኽሓፍር እዩ።”
Currently Selected:
ማርቆስ 8: ትመ15
Highlight
Share
Copy

Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in