YouVersion Logo
Search Icon

ማርቆስ 16

16
ትንሳኤ ኢየሱስ ክርስቶስ
(ማቴ. 28፡1-8ሉቃ. 24፡1-12ዮሓ. 20፡1-10)
1ሰንበት ምስ ሓለፈት፥ ማርያም መግደላዊትን ማርያም እኖ ያእቆብን፥ ሰሎሜን ስጋ ኢየሱስ ኽቐብኣ ምዑዝ ሽቱ ዓደጋ። 2በታ ቐዳመይቲ መዓልቲ ሰሙን፥ ንጉሆ ፀሓይ ክትበርቕ እንተላ፥ ናብቲ መቓብር ገስገሳ። 3#ማር. 15፡46። ንስንሳተን ከዓ “ነቲ እምኒ ኻብቲ ኣፍ መቓብር መን ከልዕለልና እዩ?” ተበሃሃላ፤ እቲ እምኒ የመና ገዚፍ ነበረ እሞ። 4#ማቴ. 28፡2። ቅንዕ ኢለን እንተ ጠመታ፥ እቲ እምኒ ተገልቢጡ ረአያኦ። 5ናብቲ መቓብር ኣትየን ከዓ፥ ፃዕዳ ኽዳን ዝተኸደነ ጐበዝ፥ ብወገን የማን ተቐሚጡ ምስ ረአያ የመና ደንገፃ። 6ንሱ #16፡6 ንሱ፦ ግእዝ “እቲ መልኣኽ” ይብል። ግና “ኣይትደንግፃ፤ ንስኻትክንስ ነቲ ዝተሰቕለ፥ ናይ ናዝሬት ኢየሱስ ኢኽን እትደልያ ዘለኽን፤ ተሲኡ እዩ፤ ኣብዙይ የለን፤ እቲ ዝተቐበረሉ ቦታ እንሆ። 7#ማር. 14፡28። ስለዙይ ኪዳ ንደቀ መዛሙርቱን ንጴጥሮስን፥ ‘ናብ ገሊላ ኽቕድመኩም እዩ፤ ከምቲ ዝበለኩም ከዓ፥ ኣብኡ ኽትሪእዎ ኢኹም’ ኢልክን ንገራኦም” በለን። 8[ፍርሓትን ራዕድን] ምድናቕን ሒዝወን ነበረ እሞ፥ ካብቲ መቓብር ወፂአን ጐየያ፤ ፈሪሐን ስለ ዝነበራ ኸዓ፥ ንሓደኳ ኣይነገራን።
ኢየሱስ ንማርያም መግደላዊት ከም ዝተርኣያ
(ማቴ. 28፡9-10ዮሓ. 20፡11-18)
9 # ሉቃ. 8፡2፥ ዮሓ. 20፡11-18። [በታ ቐዳመይቲ መዓልቲ ናይ ሰሙን ንግሆ ኻብ ምውታን ምስ ተስአ፥ ነታ ሸውዓተ ኣጋንንቲ ዘውፅአላ ማርያም መግደላዊት ኣቐዲሙ ተርኣያ። 10#ሉቃ. 24፡10፥ ዮሓ. 16፡20። ንሳ ድማ ኸይዳ ነቶም ምስኡ ዝነበሩ፥ እናበኸዩን እናጐሃዩን እንተለዉ ነገረቶም። 11#ሉቃ. 24፡11። ንሳቶም ግና ንሱ ህያው ከም ዝኾነን፥ ንኣኣውን ከም ዝተርኣያን ሰሚዖም ኣይኣመንዋን።
ኢየሱስ ንኽልተ ደቀ መዛሙርቱ ኸም ዝተገለፀ
(ሉቃ. 24፡13-35)
12ድሕሪዙይ ኢየሱስ ንኽልተ ኻብኣቶም ካብቲ ኸተማ ወፃኢ ናብ ዝርከብ ዓዲ እናኸዱ እንተለዉ ኣብ መንገዲ ብኻልእ መልክዕ ተርኣዮም። 13ንሳቶም ከዓ ተመሊሶም ነቶም ብፆቶም ነገርዎም፤ እንተ ኾነ ንኣኣቶምውን ኣይኣመንዎምን።
ኢየሱስ ነቶም ዓሰርተ ሓደ ሃዋርያት ከም ዝተርኣየ
(ማቴ. 28፡16-20ሉቃ. 24፡36-49ዮሓ. 20፡19-23ግ.ሓ. 1፡6-8)
14 # ሉቃ. 24፡25፥ ዮሓ. 20፡29፥ 1 ቆሮ. 15፡5፥7። ብድሕሪኡ ነቶም ዓሰርተ ሓደ ደቀ መዛሙርት፥ ኣብ ማእዲ ተቐሚጦም እንተለዉ ተርኣዮም፤ ነቶም ምስ ተስአ ዝረአይዎ ኣይኣመንዎምን ነበሩ እሞ፥ ብዘይ ምእማኖምን ብትረት ልቦምን ገሰፆም። 15#ማቴ. 28፡19፥ ማር. 3፡14፥ 13፡10። ከምዙይውን በሎም፦ “ናብ ኵሉ ዓለም ኪዱ፤ ንዅሉ ፍጥረት ከዓ፥ ወንጌል ስበኹ። 16#ዮሓ. 3፡16፥18፥36፥ ግ.ሓ. 2፡38፥ 16፡31፥ ሮሜ 10፡9፥ 1 ጴጥ. 3፡21። እቲ ዝኣመነን ዝተጠመቐን፥ ክድሕን እዩ፤ እቲ ዘይኣመነ ግና፥ ክዅነን እዩ። 17ነቶም ዝኣምኑ፥ እዞም ምልክታት እዚኣቶም ክኽተልዎም እዮም፦ ብስመይ ኣጋንንቲ ኸውፅኡ፥ ብሓደሽቲ ቛንቋታት ክዛረቡ፥ 18#ግ.ሓ. 28፡8። ኣትማን ክሕዙ፥ ዝቐትል መርዚ እንተ ሰተዩውን ከቶ ኣይጐድኦምን፤ ኣእዳዎም ኣብ ልዕሊ ሕሙማት እንተ ኣንበሩ፥ እቶም ሕሙማት ክሓውዩ እዮም።”
ኢየሱስ ናብ ሰማይ ከም ዝዓረገ
(ሉቃ. 24፡50-53ግ.ሓ. 1፡9-11)
19ጐይታና ኢየሱስ ነዙይ ምስ ተዛረቦም፥ ናብ ሰማይ ዓረገ፤ ኣብ የማን እግዚኣብሄርውን ተቐመጠ። 20#ማቴ. 28፡20፥ ግ.ሓ. 3፡16፥ 14፡3፥ ዕብ. 2፡4። ደቀ መዛሙርቱ ድማ፥ ወፂኦም ኣብ ኵሉ ሰበኹ፤ ጐይታ ኸዓ ምስኣቶም ይሰርሕ ነበረ፤ ነቲ ቓሉውን በቲ ዝግበር ተኣምራት የፅንዖ ነበረ። ኣሜን።]

Currently Selected:

ማርቆስ 16: ትመ15

Highlight

Share

Copy

None

Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in