YouVersion Logo
Search Icon

ሚልክያስ 3

3
1 # ማቴ. 11፡10፥ ማር. 1፡2፥ ሉቃ. 1፡76፥ 7፡27። “እንሆ፥ መንገዲ ዝፀርግ ልኡኸይ ቀቅድመይ እልእኽ ኣለኹ። እቲ እትደልይዎ ጐይታ ኸዓ ናብ መቕደሱ ድንገት ክመፅእ እዩ፤ እቲ እትሕጐሱሉ መልእኽተኛ ቃል ኪዳን፥ እንሆ፥ ይመፅእ ኣሎ” ይብል ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር።
2 # ኢዩ. 2፡11፥ ራእይ 6፡17። ንሱ ግና፥ ከም ሓዊ ኣንጠረኛ፥ ከም ሳሙና ሓፃቢ እዩሞ፥ ነታ ንሱ ዝመፀላ መዓልቲ መን ክፃወራ ይኽእል? ንሱ ኽግለፅ እንተሎኸ፥ ክቐውም ዝኽእል መን እዩ? 3ንሱ ኸምቲ ንብሩር ዝዅልዕን ዘፅርን ሰብ ክቕመጥ እዩሞ፥ ንሌዋውያንውን ኣንፂሁ ኸም ወርቅን ከም ብሩርን ከፅርዮም እዩ። ንሳቶምውን ብፅድቂ ንእግዚኣብሄር ቍርባን ዘቕርቡ ክኾኑ እዮም። 4ሽዑ መስዋእቲ ህዝቢ ይሁዳን ኢየሩሳሌምን፥ ከምተን ዝሓለፋ ዓመታትን፥ ከምቲ ናይ ቀደም ዘመንን፥ ንእግዚኣብሄር ደስ ዘብሎ ክኸውን እዩ።
5“ስለዙይ ኣነ ንፍርዲ ናባኻትኩም ክቐርብ እየ። ኣብ ልዕሊ ኣስማተኛታትን ዘመውትን፥ ኣብ ልዕሊ እቶም ብሓሰት ዝምሕሉን፥ ንበዓል ዓስቢ ዓስቡ ዝዕምፅዎን፥ ንመበለትን ደኽታምን ዝገፍዕዎምን፥ ንስደተኛ መሰሉ ዝኸልእዎን፥ ኣብ ልዕሊ እቶም ንኣይ ዘይፈርሑን፥ ክምስክረሎም ክቕልጥፍ እየ፤ ይብል ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር።
ኣስራት እግዚኣብሄር ምስራቕ
6“ኣነ እግዚኣብሄር ኣይልወጥን እየ፤ ስለዙይ ኣቱም ዘርኢ ያእቆብ፥ ፈፂምኩም ኣይጠፋእኹምን። 7ካብ ዘመን ኣቦታትኩም ጀሚሩ፥ ካብ ትእዛዛተይ ድሕር ኢልኩም ኢኹም፤ ኣይሓለኹምዎንውን፤ ናባይ ተመለሱ፤ ኣነውን ናባኻትኩም ክምለስ እየ፤ ይብል ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር። ንስኻትኩም ግና ብኸመይ ኢና እንምለስ ትብሉ ኣለኹም። 8ሰብዶ ንእግዚኣብሄር ይሰርቆ እዩ? ንስኻትኩም ግና ትሰርቁኒ ኣለኹም። ንስኻትኩም ግና ‘ከመይ ኢና ዝሰረቅናካ?’ ትብሉ ኣለኹም። ብኣስራትን ብበዅራትን እዩ። 9ንስኻትኩምን ኵሉ እቲ ህዝብን ስለ እትሰርቁኒ፥ ብመርገም ዝተረገምኩም ኢኹም። 10#ዘሌ. 27፡30፥ ዘሑ. 18፡21-24፥ ዘዳ. 12፡6፥ 14፡22-29፥ ነህ. 13፡12። ኣብ ቤተይ መብልዕ ምእንቲ ክኸውንስ፥ ንዅሉ ኣስራት ናብ ቤተ መዛግብቲ ኣእትዉ። ሽዑ መሳዅቲ ሰማይ እንተ ዘይከፊተልኩም፥ በረኸት ድማ ሕልፍን ትርፍን ገይረ እንተ ዘየፍሲሰልኩም፥ ብዙይ ፍተኑኒ፤ ይብል ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር። 11ምእንታኻትኩም ፍረ ምድሪኹም ከየጥፍእ፥ ነቲ ሓሰኻ ኽግስፆ እየ፤ ኣብ ግራትኩም ዘሎ ተኽሊ ወይንኹም ፍረኡ ኣየርግፍን፤ ይብል ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር። 12ድሕሪዙይ ምድሪኹም ምድሪ ሓጐስ ስለእትኸውን፥ ኵሎም ኣህዛብ ‘ዝተባረኸ ህዝቢ’ ኢሎም ክፅውዑኹም እዮም፤ ይብል ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር።
ተስፋ ምሕረት እግዚኣብሄር
13“ኣብ ልዕለይ፥ ቃል ድፍረት ተናጊርኩም ኢኹም፤ ይብል ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር። ንስኻትኩም ግና ‘ኣብ ልዕሌኻ ደፊርና ዝተናገርናዮ እንታይ እዩ?’ ትብሉ ኣለኹም። 14ንስኻትኩም፦ ‘ንእግዚኣብሄር ምግልጋል ከንቱ እዩ፤ ኵሉ ናቱ ትእዛዝ ምሕላው፥ ኣብ ቅድሚ ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ሕዙናት ኴንና ምምልላስና፥ እንታይ ክረብሐና እዩ?’ 15ሕዚ እውን ነቶም ትዕቢተኛታት፥ ቡሩኻት እዮም ንብሎም ኣለና፤ እቶም ገበርቲ ኽፉእ ፀኒዖም ኣለዉ፤ እቶም ንእግዚኣብሄር ዝፈታተንዎ ኸዓ የምልጡ ኣለዉ” ትብሉ ኣለኹም።
16በቲ እዋን፥ እቶም ንእግዚኣብሄር ዝፈርሑ ንስንሳቶም ተዘራረቡ፤ እግዚኣብሄር ከዓ ኣዳመፀ፤ ሰምዐውን። ነቶም ንእግዚአብሔር ዝፈርሕዎን፥ ስሙ ንዝሓስቡን፥ ኣብ ቅድሚኡ መዘከርታ መፅሓፍ ተፅሓፈ።
17“በታ ኣነ ዝሰርሐላ መዓልቲ፥ ንሳቶም ገንዘበይ ክኾኑኒ እዮም፤ ይብል ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር። ኣነ ኸዓ፥ ከምቲ ወላዲ ነቲ ዘገልግሎ ውሉዱ ዝምሕሮ፥ ክምሕሮም እየ። 18ንስኻትኩምውን ተመሊስኩም፥ ነቲ ኣብ መንጎ ፃድቕን ሓጥእን፥ ኣብ መንጎ እቲ ንእግዚኣብሄር ዘገልግልን ዘየገልግልን ክትፈልዩ ኢኹም” በለ።

Currently Selected:

ሚልክያስ 3: ትመ15

Highlight

Share

Copy

None

Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in

Video for ሚልክያስ 3