ሉቃስ 4
4
ኢየሱስ ብዲያብሎስ ከም ዝተፈተነ
(ማቴ. 4፡1-11፥ ማር. 1፡12-13)
1 #
ኢሳ. 11፡1-2። ኢየሱስ ብምልኣት መንፈስ፥ ቅዱስ ካብ ዮርዳኖስ ተመለሰ፤ ብመንፈስ ተመሪሑ ድማ፥ ናብ በረኻ ኸደ። 2ኣብኡ ድማ ብዲያብሎስ፥ ነርብዓ መዓልቲ ተፈተነ። በተን መዓልቲታት እቲኣተን፥ ፈፂሙ ኣይበልዐን፤ #4፡2 ኣብ ግእዝ “ኣይሰተየን” ዝብል ይርከብ። እተን መዓልቲታት እቲኣተን ምስ ተወደኣውን ጠመየ። 3ዲያብሎስ ድማ “ወዲ እግዚኣብሄር እንተ ዄንካስ፥ እስኪ እዝ እምኒ እዙይ፥ እንጀራ ክኸውን ኣዝዝ!” በሎ። 4#ዘዳ. 8፡3። ኢየሱስ ከዓ “ ‘ሰብ፥ ካብ እግዚኣብሄር ብዝወፅእ ኵሉ ቓል ደኣ እምበር፥ ብእንጀራ ጥራሕ ኣይነብርን እዩ’ ዝብል ተፅሒፉ ኣሎ” ኢሉ መለሰሉ። 5ዲያብሎስ ድማ፥ ናብ ነዊሕ እምባ ኣደየቦ፤ ንመንግስታት ኵሉ ዓለምውን፥ ብቕፅበት ዓይኒ ኣርኣዮ። 6-7ሽዑ ዲያብሎስ “እዝ ስልጣን እዙይን ክብርን፥ ንዝደለኹ ኽህቦ ንኣይ ስለ ዝተውሃበኒ፥ እንተ ሰጊድካለይ ንኣኻ ኽህበካ እየ፤ ኵሉ ድማ ናትካ ክኸውን እዩ” በሎ። 8#ዘዳ. 6፡13። ኢየሱስ ከዓ “ ‘ንእግዚኣብሄር ኣምላኽካ ስገድ፤ ንእኡ በይኑ ድማ ኣምልኽ’ ዝብል ተፅሒፉ ኣሎ” ኢሉ መለሰሉ። 9ዲያብሎስ ከዓ ናብ ኢየሩሳሌም ወሲዱ፥ ኣብ ገምገም ጕልላት ቤተ መቕደስ ደው ኣበሎ፤ “ወዲ እግዚኣብሄር እንተ ደኣ ዄንካስ፥ እስኪ ኻብዙይ ንታሕቲ ተወርወር። 10‘ምእንቲ ኽሕልዉኻ መላእኽቱ ኽእዝዘልካ እዩ፤ 11#መዝ. 91፡11-12። እግርኻ ብእምኒ ኸይትዕንቀፍውን፥ በእዳዎም ክድግፉኻ እዮም’ ዝብል ተፅሒፉ ኣሎሞ” በሎ። 12#ዘዳ. 6፡16። ኢየሱስ ድማ “ ‘ንእግዚኣብሄር ኣምላኽካ ኣይትፈታተኖ’ ዝብል ድማ ኣሎ” ኢሉ መለሰሉ። 13ሽዑ ዲያብሎስ ፈተናኡ ዅሉ ምስ ወድአ፥ ንጊዜኡ ሓደጎ።
ኢየሱስ ኣብ ገሊላ ኽምህር ከም ዝጀመረ
(ማቴ. 4፡12-17፥ 13፡53-58፥ ማር. 1፡14-15፥ 6፡1-6)
14 #
ማቴ. 4፡23-24፥ ሉቃ. 4፡37፥ 5፡15። ኢየሱስ ብሓይሊ መንፈስ ቅዱስ፥ ናብ ገሊላ ተመለሰ፤ ዝናኡውን ኣብ ኵሉ እቲ ኸባቢ ተሰምዐ። 15ንሱ ኸዓ ኣብ ቤተ ፀሎት ኣይሁድ #4፡15 ቤተ ፀሎት ኣይሁድ፦ ወይ “ምኩራብ” ኣትዩ ይምህር ነበረ፤ ብትምህርቱ ድማ፥ ኵሎም ይድነቑን የመስግንዎን ነበሩ።
16ናብታ ዝዓበየላ ናብ ናዝሬት ድማ ኸደ፤ ብዕለት ሰንበት ከዓ፥ ከምቲ ልማዱ ናብ ቤተ ፀሎት ኣይሁድ ኣተወ፤ ከንብብውን ተስአ።
17መፅሓፍ ነቢይ ኢሳይያስ ድማ ሃብዎ፤ ነቲ መፅሓፍ እንተ ቐልዖ ኸዓ፥ ከምዙይ ዝብል ዝተፅሓፎ ኽፍሊ ረኸበ፦
18 #
ኢሳ. 61፡1-2። “መንፈስ እግዚኣብሄር ኣብ ልዕለይ ኣሎ፤
ንድኻታት ከብስሮም ቀብአኒ፤
ንእሱራት ዝፍትሑሉ፥
ንዕዉራት ምርኣይ፥
ንግፉዓት ምውፃእ ሓራ ኸብስር፥
19ንሕርይቲ ዓመት እግዚኣብሄርውን ክሰብኽ ለኣኸኒ።”
20ነቲ መፅሓፍ ዓፂፉ ኸዓ፥ ነቲ ኣገልጋሊ ሂብዎ ተቐመጠ፤ ኵሎም እቶም ኣብታ ቤተ ፀሎት ኣይሁድ ዝነበሩ፥ ኣዒንቶም ኣትኲሮም ይጥምትዎ ነበሩ። 21#ዮሓ. 5፡39። ሽዑ “ናይዚ መፅሓፍ እዙይ ቃል፥ ሎሚ ኣብ ቅድሜኹም ተፈፀመ” ክብሎም ጀመረ።
22 #
ሉቃ. 2፡47። እቶም ዝሰምዕዎ ዅላቶም፥ በቲ ኻብ ኣፉ ዝወፅእ ዝነበረ ፀጋ ዝመልኦ ቓል ተደኒቖም “እዙይ እቲ ወዲ ዮሴፍዶ ኣይኮነን?” በሉ። 23ኢየሱስ ድማ “ ‘ኣታ ሓኪም፥ ቅድም ንባዕልኻ ፈውስ’ ዝብል ምስላ ኸም እትምስሉለይ፥ ከምኡውን፥ ከምቲ ኣብ ቅፍርናሆም ጌርካዮ ተብሂሉ ዝሰማዕናዮ፥ ኣብ ዓድኻውን ግበር ክትብሉኒ ኢኹም” በሎም። 24ኣስዒቡ ኸዓ “ነቢይ ኣብ ዓዱ ኸቶ ኸም ዘይኸብር፥ ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ። 25#1 ነገ. 17። ብዘመን ኤልያስ፥ እቲ ሰማይ ሰለስተ ዓመትን ሽዱሽተ ወርሕን ዝተዓፅወሉ፥ ኣብ ኵላ እታ ምድሪ እውን ብርቱዕ ጥሜት ዝኾነሉ እዋን፥ ኣብ እስራኤል ብዙሓት መበለታት ከም ዝነበራ፥ ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ። 26እንተ ኾነ ኤልያስ፥ ናብታ ኣብ ሰራጵታ ናይ ሲዶና እትርከብ ሓንቲ መበለት ደኣ እምበር፥ ካብኣተን ናብ ሓንቲ እኳ ኣይተልኣኸን። 27#2 ነገ. 5፡1-19። ብዘመን ነቢይ ኤልሳዕውን፥ ኣብ እስራኤል ብዙሓት ለምፃማት ነይሮም፥ እንተ ኾነ እንትርፊ እቲ ሶርያዊ ንእማን፥ ካብኣቶም ሓደኳ ኣይነፅሀን” በሎም።
28 #
ሉቃ. 6፡11። እቶም ኣብታ ቤተ ፀሎት ኣይሁድ ዝነበሩ ዅሎም፥ ነዙይ ምስ ሰምዑ የመና ተቘጥዑ። 29ሽዑ ተሲኦም ካብቲ ዓዲ፥ ናብ ወፃኢ ኣውፅእዎ። ከፅድፍዎውን ዓዶም ተሰሪሓትሉ ናብ ዝነበረት ገምገም እምባ ወሰድዎ። 30#ማቴ. 13፡54-58፥ ማር. 6፡1-6። ንሱ ግና ብማእኸሎም ሓሊፉ ኸደ። #ዮሓ. 8፡59።
ኢየሱስ ርኹስ መንፈስ ከም ዘውፅአ
(ማር. 1፡21-28)
31ድሕሪዙይ ናብ ቅፍርናሆም ከተማ ገሊላ ወረደ፤ ብሰንበትውን ይምህሮም ነበረ። 32ቃሉ ብስልጣን ስለ ዝነበረ ድማ፥ ብትምህርቱ ተገረሙ። 33ኣብታ ቤተ ፀሎት ኣይሁድ ድማ ጋኔን፥ ንሱውን ርኹስ መንፈስ፥ ዝሓደሮ ሰብኣይ ነበረ፤ ብዓብዪ ድምፂ ኸዓ 34#ሉቃ. 4፡41፥ 8፡28፥ ያቆ. 2፡19። “ናይ ናዝሬት ኢየሱስ፥ ንስኻ ምሳና እንታይ ኣለካ? ክተጥፍአናዶ መፂእኻ? መን ምዃንካ እፈልጥ እየ፤ ንስኻ ናይ እግዚኣብሄር ቅዱስ ኢኻ” እናበለ ኣእወየ። 35ኢየሱስ ግና “ስቕ በል! ካብኡውን ውፃእ!” ኢሉ ገሰፆ። እቲ ጋኔን ድማ ነቲ ሰብኣይ ኣብ ማእኸሎም ፃሕ ኣቢሉ ኣውደቖ፤ እንተይጐድኦውን ካብኡ ወፀ። 36ኵሎም ከዓ ተገረሙ፤ ንስንሳቶም ከዓ “እዝ ነገር እዙይ እንታይ እዩ? ንርኹሳት መናፍስቲ ብሓይልን ስልጣንን ይእዝዞም፤ ንሳቶምውን ይወፁ” እናበሉ ተዘራረቡ። 37#ሉቃ. 4፡14። ዝናኡ ድማ ኣብቲ ኣብ ከባቢኡ ዘሎ ዅሉ ዓድታት ተሰምዐ።
ሓማት ስምኦንን ካልኦት ብዙሓት ሕሙማትን ከም ዘሕወየ
(ማቴ. 8፡14-17፥ ማር. 1፡29-34)
38ኢየሱስ ካብ ቤተ ፀሎት ኣይሁድ ወፂኡ፥ ናብ እንዳ ስምኦን ኣተወ። ሓማት ስምኦን ብርቱዕ ረስኒ ሓሚማ ስለ ዝነበረት፥ ብዛዕባኣውን ለመንዎ። 39ኢየሱስ ከዓ ኣብ ጥቓኣ ደው ኢሉ፥ ነቲ ረስና ገሰፆ፤ እቲ ረስናውን ሓደጋ፤ ሽዑ ንሽዑ ተሲኣ ኸዓ ኣገልገለቶም።
40 #
ማቴ. 8፡16-17፥ ማር. 1፡32-34፥ 6፡55-56። ፀሓይ ክትዓርብ እንተላ ድማ፥ ንዅሎም እቶም በብዓይነቱ ዝኾነ ሕማም ዝነበሮም ናብኡ ኣምፅእዎም። ንሱ ድማ፥ ኣብ ነፍሲ ወከፎም ኢዱ እናንበረ ኣሕወዮም። 41#ማቴ. 8፡4፥ ማር. 3፡11፥ ሉቃ. 4፡34። ብዙሓት ኣጋንንቲ እውን ዓው ኢሎም “ንስኻ ክርስቶስ #4፡41 ክርስቶስ፦ ኣብ ገሊኣቶም መፃሕፍቲ “ክርስቶስ” ዝብል ኣይርከብን። ወዲ እግዚኣብሄር ኢኻ” እናበሉ ኻብ ብዙሓት ሰባት ይወፁ ነበሩ። ንሱ ግና ገሰፆም፤ ክርስቶስ ምዃኑ ስለ ዝፈለጡውን ክዛረቡ ኣይፈቐደሎምን።
ኢየሱስ ኣብ ቤተ ፀሎት ኣይሁድ ከም ዝሰበኸ
(ማቴ. 4፡23-25፥ ማር. 1፡35-39)
42ምስ ወግሐ ኢየሱስ ካብኡ ወፂኡ፥ ናብ ፅምዊ ቦታ ኸደ፤ እቶም ህዝቢ ኸዓ ይደልይዎ ነበሩ፤ ናብኡ መፂኦምውን፥ ካብኣቶም ሓሊፉ ኸይኸዶም ሒዞም ኣቖምዎ። 43#ሉቃ. 8፡1። ንሱ ግና “ንኻልኦት ዓድታት ድማ፥ ብስራት መንግስቲ እግዚኣብሄር ክሰብከለን ኣለኒ፤ ምእንቲ እዙይ እየ ዝተልኣኽኩ እሞ” በሎም። 44#ማቴ. 4፡23፥ ማር. 1፡39። ኣብ ይሁዳ ኣብ ዘለዋ ኣብያተ ፀሎት ኣይሁድ #4፡44 ኣብ ይሁዳ፦ ገሊኣቶም ብራናታት “ኣብ ገሊላ” ይብሉ። ከዓ ይሰብኽ ነበረ።
Currently Selected:
ሉቃስ 4: ትመ15
Highlight
Share
Copy
Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in