YouVersion Logo
Search Icon

ዮሃንስ 3

3
ዳግም ልደት
1 # ዮሓ. 7፡50፥ 19፡39። ካብ ወገን ፈሪሳውያን ሓለቓ ኣይሁድ ዝኾነ፥ ኒቆዲሞስ ዝበሃል ሰብ ነበረ። 2#ዮሓ. 2፡11፥23። ንሱ ብለይቲ ናብ ኢየሱስ መፂኡ፥ “መምህር፥ ብዘይ እቲ እግዚኣብሄር ምስኡ ዝኾነ ሰብ፥ ነዝ ንስኻ እትገብሮ ዘለኻ ተኣምራት፥ ክገብሮ ዝኽእል ሓደኳ የለን እሞ፥ ንስኻ ኻብ እግዚኣብሄር ዝመፃእኻ መምህር ምዃንካ ንፈልጥ ኢና” በሎ። 3#ማቴ. 18፡3፥ ዮሓ. 1፡13፥ 1 ጴጥ. 1፡23፥ ገላ. 6፡15። ኢየሱስ ድማ “ሰብ ካልኣይ እንተ ዘይተወሊዱ፥ ንመንግስቲ እግዚኣብሄር ክሪኣ ኸቶ ኸም ዘይኽእል፥ ብሓቂ ብሓቂ እብለካ ኣለኹ” ኢሉ መለሰሉ። 4#1 ቆሮ. 2፡14። ኒቆዲሞስ ከዓ “ሰብከ ምስ ዓበየ፥ ከመይ ኢሉ ኻልኣይ ክውለድ ይኽእል? መሊሱ ናብ ማህፀን እኖኡ ኣትዩ ኽውለድዶ ይኽእል እዩ?” በሎ። 5#ሕዝ. 36፡25፥27፥ ሮሜ 8፡9፥ 1 ቆሮ. 6፡11፥ ቲቶ 3፡5። ኢየሱስ ድማ ኸምዙይ ኢሉ መለሰ፦ “ብሓቂ ብሓቂ እብለካ ኣለኹ፤ ሰብ ካብ ማይን ካብ መንፈስ [ቅዱስን] እንተ ዘይተወሊዱ፥ ናብ መንግስቲ እግዚኣብሄር ክኣቱ ዝኽእል ከቶ የለን። 6#ሮሜ 8፡5-6፥ 1 ቆሮ. 15፡50፥ ገላ. 6፡8። እቲ ኻብ ስጋ ዝተወለደ ስጋ እዩ፤ እቲ ኻብ መንፈስ ዝተወለደ ኸዓ፥ መንፈስ እዩ። 7ካልኣይ ክትውለዱ ኣለኩም ስለ ዝበልኩኻ ኣይትገረም። 8#መክ. 11፡5፥ ሕዝ. 37፡9፥ ዮሓ. 14፡17። ንፋስ ናብ ዝደለዮ ይነፍስ፤ ድምፁ ኸዓ ትሰምዕ፤ ካበይ ከም ዝመፅእ፥ ናበይውን ከም ዝኸይድ ግና ኣይትፈልጥን ኢኻ፤ ኵሉ እቲ ኻብ መንፈስ [ቅዱስ] ዝውለድ ድማ ኸምኡ እዩ” ኢሉ መለሰሉ። 9ኒቆዲሞስ ከዓ “እዙይ ደኣ ኸመይ ኢሉ ክኸውን ይኽእል?” በሎ። 10#ማቴ. 11፡25። ኢየሱስ ድማ መሊሱ ኸምዙይ በሎ፦ “ንስኻ መምህር እስራኤል እንትትከውን፥ ከመይ እዝ ነገር እዙይ ዘይትፈልጥ? 11#ዮሓ. 1፡11፥ 3፡32፥ 8፡38፥ 12፡49። ብሓቂ ብሓቂ እብለካ ኣለኹ፥ እንፈልጦ ንዛረብ፤ ዝረአናዮውን ንምስክር፤ ንምስክርነትና ግና ኣይትቕበልዎን ኢኹም። 12ናይ ምድሪ ነገር ነጊረኩም ዘይኣመንኩምስ፥ ናይ ሰማይ ነገር እንተ ነገርኩኹም ግዳ፥ ከመይ ጌርኩም ክትኣምኑ? 13#ኤፌ. 4፡9-10። ብዘይ እቲ ኻብ ሰማይ ዝወረደ ወዲ ሰብ፥ #3፡13 ኣብ ግእዝን ገሊኣቶም ብራናታት ግሪክን “ኣብ ሰማይውን ዘሎ” ዝብል ይርከብ። ናብ ሰማይ ዝደየበ ሓደኳ የለን። 14-15#ዘሑ. 21፡9፥ ኢሳ. 45፡22፥ ማቴ. 16፡21፥ ዮሓ. 6፡40፥ 8፡28፥ 12፡24፥32። ኵሉ ብእኡ ዝኣምን፥ ናይ ዘለኣለም ህይወት ምእንቲ ኽረክብ እምበር፥ ከይጠፍእስ፥ ከምቲ ሙሴ ኣብ ምድረ በዳ ንተመን ዝሰቐሎ፥ ወዲ ሰብ ድማ ኸምኡ ኽስቀል ኣለዎ።
16 # ሮሜ 5፡8፥ 8፡32፥ 1 ዮሓ. 4፡9-10። “ኵሉ ብእኡ ዝኣምን፥ ናይ ዘለኣለም ህይወት ምእንቲ ኽረክብ እምበር ከይጠፍእስ፥ እግዚኣብሄር ንሓደ ወዱ ቤዛ ገይሩ ኽሳዕ ዝህብ፥ ክንድዙይ ንዓለም ኣፍቀሮ። 17#ሉቃ. 19፡10፥ ዮሓ. 12፡47፥ 1 ዮሓ. 4፡14። እግዚኣብሄር ንወዱ ናብ ዓለም ዝለኣኾ፥ ዓለም ብእኡ ምእንቲ ኽድሕን እምበር፥ ንዓለም ክፈርድ ኢሉ ኣይኮነን። 18#ማር. 16፡16፥ ዮሓ. 5፡24፥ ዕብ. 2፡3። እቲ ብእኡ ዝኣምን ኣይፍረዶን እዩ፤ እቲ ብእኡ ዘይኣምን ግና፥ ብስም ሓደ ወዲ እግዚኣብሄር ስለ ዘይኣመነ፥ ድሮ ተፈሪድዎ ኣሎ። 19#ሆሴዕ 5፡4፥ ዮሓ. 1፡5፥ 5፡40፥ 7፡7፥ 12፡48። እቲ ፍርዲ ኸዓ እዙይ እዩ፦ ብርሃን ናብ ዓለም መፀ፤ ሰባት ግና ግብሮም ክፉእ ስለ ዝኾነ፥ ካብ ብርሃን ፀልማት ፈተዉ። 20#ኢዮብ 24፡13፥ ኤፌ. 5፡13። ኵሉ እቲ ኽፉእ ዝገብር፥ ግብሩ ምእንቲ ኸይግለፅ ብርሃን ይፀልእ እምበር፥ ናብ ብርሃን ኣይመፅእን። 21#ማቴ. 5፡16፥ 1 ዮሓ. 1፡6። እቲ ሓቂ ዝገብር ግና፥ እቲ ግብሩ ብእግዚኣብሄር ዝተገበረ እንተ ኾይኑ ምእንቲ ኽግለፅ፥ ናብ ብርሃን ይመፅእ።”
ኢየሱስን መጥምቕ ዮሃንስን
22 # ዮሓ. 4፡2። ድሕሪዙይ ኢየሱስ ምስ ደቀ መዛሙርቱ ናብ ምድሪ ይሁዳ ኸደ፤ ኣብኡ ኸዓ እናጥመቐ ምስኣቶም ቀነየ። 23ኣብ ሄኖን ጥቓ ሳሌም #3፡23 ኣብ ግእዝ “ማዕዶ ዮርዳኖስ” ዝብል ይርከብ። ብዙሕ ማይ ስለ ዝነበረ፥ ዮሃንስ ኣብኡ የጥምቕ ነበረ። ብዙሓት ሰባት ከዓ እናመፁ ብእኡ ይጥመቑ ነበሩ። 24#ሉቃ. 3፡20። ዮሃንስ ገና ናብ ቤት ማእሰርቲ ኣይኣተወን ነበረሞ፤ 25ሽዑ ኣብ መንጎ ደቀ መዛሙርቲ ዮሃንስን ኣይሁድን፥ ብዛዕባ ስርዓት ምንፃህ፥ ክርክር ተልዓለ። 26#ዮሓ. 1፡32-34። ናብ ዮሃንስ መፂኦም ከዓ “መምህር፥ እቲ ኣብ ማዕዶ ዮርዳኖስ ምሳኻ ዝነበረ፥ ንስኻውን ዝመስከርካሉ፥ እንሆ ንሱ የጥምቕ ኣሎ፤ ኵሎም ከዓ ናብኡ ይኸዱ ኣለዉ” በልዎ። 27ዮሃንስ ድማ ኸምዙይ ኢሉ መለሰ፦ “ሰብ ካብ ሰማይ እንተ ዘይተውሂብዎስ፥ ሓንቲ እኳ ኽቕበል ኣይኽእልን እዩ። 28#ማር. 1፡2፥ ዮሓ. 1፡20። ‘ኣነ ቐቅድሚኡ ዝተልኣኽኩ ደኣ እምበር፥ ክርስቶስ ኣይኮንኩን’ ከም ዝበልኩ፥ ንስኻትኩም ባዕልኻትኩም መሰኻኽረይ ኢኹም። 29እቲ መርዓት ዘላቶ ንሱ መርዓዊ እዩ። እቲ ደው ኢሉ ንእኡ ዝሰምዖ ዓርኪ መርዓዊ ግና፥ ብድምፂ መርዓዊ #3፡29 ኣብ ግእዝ “መርዓትን” ዝብል ይርከብ። የመና ይሕጐስ። ደጊም ሓጐሰይ ተፈፀመ። 30ንሱ ኽልዕል ኣነ ኽትሕት ይግባእ። #3፡30 ንሱ ኽልዕል ኣነ ኽትሕት ይግባእ፦ ግእዝ “ናቱ ኽትበዝሕ እያ ናተይ ተፈፂማ ኣላ” ይብል። 31#ዮሓ. 3፡13፥ 8፡23፥ 1 ቆሮ. 15፡47። እቲ ኻብ ላዕሊ ዝመፅእ፥ ንሱ ልዕሊ ዅሉ እዩ፤ እቲ ኻብ ምድሪ ዝኾነ ኸዓ፥ ምድራዊ እዩ፤ ናይ ምድሪ እውን ይዛረብ፤ እቲ ኻብ ሰማይ ዝመፅእ ግና፥ ንሱ ልዕሊ ዅሉ እዩ። 32#ዮሓ. 3፡11፥ ኢሳ. 53፡1። ነቲ ምስክሩ ደኣ ዝቕበሎ የለን እምበር፥ ንሱስ ነቲ ዝረአዮን ዝሰምዖን እዩ ዝምስክር። 33#1 ዮሓ. 5፡10። እቲ ንምስክርነቱ ዝተቐበለ ግና፥ እግዚኣብሄር ሓቀኛ ኸም ዝኾነ ኣረጋገፀ። #3፡33 እግዚኣብሄር ሓቀኛ ኸም ዝኾነ ኣረጋገፀ።፦ ግእዝ “ነዝ ምስክሩ ዝተቐበሎ ግና፥ ፃድቕ ስለ ዝኾነ እግዚኣብሄር መስከረሉ” ይብል። 34#ዮሓ. 7፡16፥ ቈላ. 2፡9፥ ኢሳ. 11፡2። እግዚኣብሄር መንፈሱ ሰፊሩ ኣይህብን እዩ እሞ፥ እቲ እግዚኣብሄር ዝለኣኾ፥ ንሱ ቓል እግዚኣብሄር እዩ ዝነግር። 35ኣብ፥ ንወዱ የፍቅሮ እዩ፤ ኵሉ ነገር ከዓ ኣብ ኢዱ ሃቦ። 36#ዮሓ. 6፡47፥ ሮሜ 1፡18፥ ዕብ. 3፡18-19፥ 1 ዮሓ. 5፡13። እቲ ብወልድ ዝኣምን፥ ናይ ዘለኣለም ህይወት ኣለዎ፤ እቲ ብወልድ ዘይኣምን ግና፥ ቍጥዓ እግዚኣብሄር ደኣ ኣብ ልዕሊኡ ይነብር እምበር፥ ንናይ ዘለኣለም ህይወት ኣይሪኣን እዩ።”

Currently Selected:

ዮሃንስ 3: ትመ15

Highlight

Share

Copy

None

Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in