YouVersion Logo
Search Icon

ዮሃንስ 16

16
ብስም ክርስቶስ መከራ ስለ ምቕባል
1“እዙይ ዝነገርኩኹም ከይትዕንቀፉ ኢለ እየ። 2#ማር. 13፡9። ካብ ቤተ ፀሎቶም ከውፅኡኹም እዮም፤ እኳ ደኣ እቲ ዝቐትለኩም፥ ንእግዚኣብሄር ኣገልግሎት ከም ዝፈፀመ #16፡2 ንእግዚኣብሄር ኣገልግሎት ከም ዝፈፀመ፦ ግእዝ “መስዋእቲ ኸም ዘቕረበ” ይብል። ዝመስሎ ጊዜ ኽመፅእ እዩ። 3#ዮሓ. 15፡21፥ 1 ቆሮ. 2፡8። እዝ ዅሉ ዝገብሩኹም፥ ነቦይ ኮነ ንኣይ፥ ስለ ዘይፈለጡ እዮም። 4#ዮሓ. 13፡19። እዝ ነገራት እዙይ ዝነገርኩኹም፥ ጊዜኡ ምስ በፅሐ፥ ኣነ ኸም ዝነገርኩኹም፥ ምእንቲ ኽትዝክርዎ ኢለ እየ፤ ካብ መጀመርታ እዙይ ዘይነገርኩኹም፥ ምሳኻትኩም ስለ ዝነበርኩ እየ።
ስራሕ መንፈስ ቅዱስ
5 # ዮሓ. 7፡33። “ሕዚ ግና ናብቲ ዝለኣኸኒ፥ ናብ ኣብ፥ እኸይድ ኣለኹ፤ ካባኻትኩም ሓደኳ ‘ናበይ ኢኻ ትኸይድ?’ ኢሉ ዝጥይቐኒ የለን። 6እዙይ ስለ ዝነገርኩኹም ግና፥ ኣብ ልብኹም ሓዘን መልአ። 7#ዮሓ. 7፡39፥ ዮሓ. 14፡16። እንተ ኾነ ሓቂ ኽነግረኩም፦ ኣነ ናብ ኣብ፥ እንተ ኸድኩ ይሕሸኩም፤ ኣነ እንተ ዘይከይደ፥ እቲ መፀናንዒ ናባኻትኩም ኣይመፅእን እዩ እሞ፤ ኣነ እንተ ኸይደ ግና፥ ንእኡ ኽሰደልኩም እየ። 8ንሱ ምስ መፀ ኸዓ፥ ንዓለም ብዛዕባ ሓጢኣትን፥ ብዛዕባ ፅድቅን፥ ብዛዕባ ፍርድን ክወቅስ እዩ። 9#ዮሓ. 3፡18-19። ብዛዕባ ሓጢኣት፥ ብኣይ ስለ ዘይኣመኑ እዩ። 10#ግ.ሓ. 5፡31፥ ሮሜ 4፡25፥ 1 ጴጥ. 3፡18። ብዛዕባ ፅድቂ ድማ፥ ናብ ኣብ እኸይድ ኣለኹ እሞ፥ ደጊም ስለ ዘይትሪኡኒ እዩ። 11#ዮሓ. 12፡31። ብዛዕባ ፍርዲ ኸዓ፥ ገዛኢ እዝ ዓለም እዙይ ስለ ዝተፈረዶ እዩ።
12“ገና ብዙሕ ነገር ዝነግረኩም ኣለኒ፤ እንተ ኾነ፥ ሕዚ ኽትፆርዎ ኣይትኽእሉን ኢኹም። 13#ዮሓ. 14፡26። እቲ መንፈስ ሓቂ ምስ መፀ ግና፥ ናብ ኵሉ ሓቂ ኽመርሐኩም እዩ፤ ንሱ ነቲ ዅሉ ዝሰምዖ እዩ ዝዛረብ እምበር፥ ካብ ባዕሉ ኣይዛረብን እዩ፤ ነቲ ኽመፅእ ዘለዎ ነገራትውን ከፍልጠኩም እዩ። 14ንሱ ኻባይ ወሲዱ ስለ ዝገልፀልኩም፥ ንኣይ ከኽብረኒ እዩ። 15#ዮሓ. 17፡10። እቲ ዅሉ ናይ ኣብ ዝኾነ ናተይ እዩ፤ ስለዙይ እየ ኻባይ ወሲዱ፥ ክነግረኩም እዩ ዝበልኩኹም።
16“ድሕሪ ቑሩብ ጊዜ ኣይትሪኡንን ኢኹም፤ መሊስኩም ድማ፥ ድሕሪ ቑሩብ ጊዜ ኽትሪኡኒ ኢኹም።” #16፡16 ኣብ ግእዝን ገሊኣቶም ብራናታት ግሪክን “ናብ ኣቦ እኸይድ ኣለኹ እሞ” ዝብል ይርከብ። 17ሽዑ ገሊኣቶም ካብ ደቀ መዛሙርቱ ንስንሳቶም “እዝ ‘ናብ ኣብ ክኸይድ እየ እሞ፥ ንቑሩብ ጊዜ ኣይትሪኡንን ኢኹም፤ መሊስኩም ንቑሩብ ጊዜ ኽትሪኡኒ ኢኹም’ ዝብለና ዘሎስ እንታይ እዩ?” ተበሃሃሉ። 18ስለዙይ ንሳቶም “እዝ ንቑሩብ ጊዜ ዝብሎ ዘሎስ እንታይ እዩ? እዝ ዝዛረቦ ዘሎ ኣይተረድአናን” ተበሃሃሉ። 19ኢየሱስ ከዓ ኽጥይቕዎ ኸም ዝደለዩ ፈሊጡ “‘ንቑሩብ ጊዜ ኣይትሪኡንን ኢኹም፤ መሊስኩም ንቑሩብ ጊዜ ኽትሪኡኒ ኢኹም’ ስለ ዝበልኩኹምዶ፥ ንስንሳትኩም ትጠያየቑ ኣለኹም?” በሎም። 20#ማር. 2፡20፥ 16፡10። ብሓቂ ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ፥ ንስኻትኩም ክትበኽዩን ክትሓዝኑን ኢኹም፤ ዓለም ግና ደስ ክብሎ እዩ፤ ንስኻትኩም ክትሓዝኑ ኢኹም፤ ግና እቲ ሓዘንኩም፥ ናብ ሓጐስ ክልወጥ እዩ። 21ሰበይቲ ኽትወልድ እንተላ፥ ሕማም ሕርሲ ስለ ዝበፅሓ ትጭነቕ፥ ቈልዓ ምስ ወለደት ግና፥ ሰብ ኣብ ዓለም ስለ ዝተወለደ፥ ትሕጐስ፤ ነቲ ጭንቃውን ኣይትዝክሮን እያ። 22ከምኡውን ንስኻትኩም፥ ሕዚ ሓዚንኩም ኣለኹም፤ ግና መሊሰ ኽሪአኩም እየ፤ ልብኹምውን ክሕጐስ እዩ፤ ንሓጐስኩም ድማ፥ ካባኻትኩም ዝወስዶ የለን። 23በታ እዋን እቲኣ፥ ንኣይ ሓንቲ እኳ ኣይትልምኑን ኢኹም። ብሓቂ ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ፥ ንኣብ ኵሉ ብስመይ ዝለመንኩምዎ ኽህበኩም እዩ። 24#ማቴ. 7፡7-8፥ ዮሓ. 15፡11። ክሳዕ ሕዚ ሓንቲ እኳ ብስመይ ኣይለመንኩምን። #16፡24 ኣይለመንኩምን፦ ግእዝ “ኣይለመንኩምዎን” ይብል። ሓጐስኩም ምሉእ ምእንቲ ክኸውን፥ ለምኑ፤ ክትረኽቡ ድማ ኢኹም።
ንዓለም ስዒረዮ እየ ኸም ዝበለ
25“እዝ ዅሉ ብምስላ እየ ዝተዛረብኩኹም፤ ካብ ብሕዚ ግና፥ ብምስላ ዘይነግረኩም ሰዓት ትመፅእ ኣላ፤ ብዛዕባ ኣብ፥ ብግልፂ ኽነግረኩም እምበር። 26በታ መዓልቲ እቲኣ፥ ብስመይ ክትልምኑ ኢኹም፤ ኣነ ንኣብ ምእንታኻትኩም ክልምኖ እየ ኣይብለኩምን። 27#ዮሓ. 17፡8። ንስኻትኩም ኣነ ኻብ እግዚኣብሄር ከም ዝመፃእኹ፥ ስለ ዝኣመንኩምን ስለ ዘፍቀርኩምንን፥ ኣብ ባዕሉ የፍቅረኩም እዩ እሞ። 28#ዮሓ. 13፡3። ካብ ኣብ ወፂአ፥ ናብ ዓለም መፃእኹ፤ መሊሰውን ንዓለም ሓዲገ፥ ናብ ኣብ ክኸይድ እየ።”
29እቶም ደቀ መዛሙርቱ ኸዓ “እንሆ ሕዚ ብምስላ ዘይኮነስ፥ ብገሃድ ትዛረብ ኣለኻ። 30#ዮሓ. 17፡25። ንስኻ ዅሉ ኸም እትፈልጥ፥ ሓደኳ ኽጥይቐካ #16፡30 ኽጥይቐካ፦ ግእዝ “ክነግረካ” ይብል። ኸም ዘየድልየካ ሕዚ ፈሊጥና፤ በዙይ ድማ ኻብ እግዚኣብሄር ከም ዝመፃእኻ ኣሚንና ኣለና” በልዎ። 31ኢየሱስ ድማ ኸምዙይ ኢሉ መለሰሎም፦ “ሕዚዶ ኣሚንኩም? 32#ማቴ. 26፡31፥ ዮሓ. 8፡29። እንሆ ዅልኻትኩም፥ ነናብ ገዛኹም እትብተኑላ፥ ንበይነይውን እትሓድጉላ ሰዓት ትመፅእ ኣላ፤ ድሮ እኳ እኒሃ መፂኣ፤ ግና ኣብ፥ ምሳይ ስለ ዝኾነ በይነይ ኣይኮንኩን። 33#1 ዮሓ. 4፡4፥ 5፡4። በኣይ ሰላም ምእንቲ ኽትረኽቡ እዙይ ነገርኩኹም። ኣብ ዓለም እንተለኹም፥ መከራ ኣለኩም፤ እንተ ኾነ ኣይዞኹም፥ ኣነ ንዓለም ስዒረዮ እየ።”

Currently Selected:

ዮሃንስ 16: ትመ15

Highlight

Share

Copy

None

Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in