YouVersion Logo
Search Icon

ዮሃንስ 14

14
ኢየሱስ መንገድን ሓቅን ህይወትን ከም ዝኾነ
1 # ኢሳ. 43፡1፥ ማር. 11፡22፥ ዮሓ. 14፡27። “ልብኹም ኣይሸበር፤ ብእግዚኣብሄር እመኑ፤ ብኣይውን እመኑ። 2ኣብ እንዳ ኣቦይ፥ ብዙሕ መንበሪ ኣሎ፤ እንተ ዘይህሉስ፥ ስፍራ ኸዳልወልኩም እኸይድ ኣለኹ፥ ኣይምበልኩኹምን ነይረ። 3#ዮሓ. 17፡24፥ ግ.ሓ. 1፡11። ከይደ ስፍራ ምስ ኣዳለኹልኩም፥ ኣብቲ ኣነ ዘለኹዎ፥ ንስኻትኩምውን ኣብኡ ምእንቲ ኽትነብሩ፥ ተመሊሰ ኽመፅእ እየ፤ ናባይውን ክወስደኩም እየ። 4ኣነ ናበይ ከም ዝኸይድ ትፈልጡ ኢኹም፤ መንገዱውን ትፈልጥዎ #14፡4 ትፈልጡ ኢኹም፤ መንገዱውን ትፈልጥዎ፦ ግእዝ “ኣይትፈልጡን፥ ነቲ መንገዱ ግና ትፈልጥዎ” ይብል። ኢኹም።”
5ቶማስ ከዓ “ጐይታ፥ ናበይ ከም እትኸይድ ኣይንፈልጥን ኢና፤ ነቲ መንገዲ ደኣ፥ ከመይ ጌርና ኢና እንፈልጦ?” በሎ። 6#ማቴ. 11፡27፥ ዮሓ. 1፡4፥ 10፡9፥ ዕብ. 10፡20። ኢየሱስ ድማ፦ “ኣነ መንገድን ሓቅን ህይወትን እየ፤ ብዘይ ብኣይ፥ ሓደኳ ናብ ኣብ ዝመፅእ የለን። 7#ዮሓ. 1፡18። ንኣይ ፈሊጥኩምኒ እንተ እትኾኑስ፥ ነቦይውን ምፈለጥኩምዎ ኔርኩም፤ ካብ ሕዚ ግና፥ ፈሊጥኩምዎን ርኢኹምዎን ኣለኹም።” 8ፊልጶስ ከዓ “ጐይታ፥ ንኣብ ደኣ ኣርእየና እምበር፥ ይኣኽለና” በሎ። 9#ዮሓ. 12፡45። ኢየሱስ ድማ ኸምዙይ በሎ፦ “ፊልጶስ፥ እዝ ኽንድዙይ ዝኣክል ጊዜ፥ ምሳኻትኩም ክነብር እንተለኹዶ ኣይፈለጥካንን ኢኻ? እቲ ነኣይ ዝረአየ፥ ንኣብ ረአየ፤ ከመይ ኢልካ ደኣ ‘ንኣብ ኣርእየና’ ትብል ኣለኻ? 10#ዮሓ. 7፡16፥ 10፡37-38። ኣነ ኣብ ኣቦ ኸም ዘለኹ፥ ኣብውን ኣባይ ከም ዘሎዶ ኣይትኣምንን ኢኻ? እቲ ኣባይ ዘሎ ኣብ፥ ባዕሉ እዩ ግብርታቱ ዝገብር ዘሎ እምበር፥ እዝ ነኣኻትኩም ዝነግረኩም ዘለኹ ቓል፥ ካብ ባዕለይ ኣይኮንኩን ዝዛረቦ ዘለኹ። 11#ዮሓ. 5፡36። ኣነ ኣብ ኣቦ ምህላወይ፥ ኣብውን ኣባይ ምህላዉ እመኑ፤ እንተ ዘይኮነ ስለ እቲ ግብርታት #14፡11 እቲ ግብርታት፦ ግእዝ “ግብረይ” ይብል። እኳ እመኑኒ። 12#ማቴ. 21፡21። ኣነ ናብ ኣብ እኸይድ ኣለኹ እሞ፥ እቲ ብኣይ ዝኣምን፥ እቲ ኣነ ዝገብሮ ግብርታት ከም ዝገብር፥ ካብዙይ ዝዓቢውን ከም ዝገብር፥ ብሓቂ ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ። 13#ማቴ. 7፡7-8። ኣብ፥ ብወልድ ምእንቲ ክኸብርስ፥ ኵሉ ብስመይ እትልምንዎ ኽገብረልኩም እየ። 14ኵሉ ብስመይ ዝለመንኩምዎ ድማ ኽገብረልኩም እየ።
መንፈስ ቅዱስ ክሰደሎም ከም ዘተስፈዎም
15 # ዮሓ. 15፡10-14፥ 1 ዮሓ. 5፡3። “ትፈትዉኒ እንተ ዄንኩም ትእዛዛተይ ሓልዉ። 16#ዮሓ. 15፡26፥ 16፡7። ኣነ ኸዓ ንኣብ ክልምኖ እየ፤ ንሱ ድማ ንዘለኣለም ምሳኻትኩም ዝነብር፥ ካልእ መፀናንዒ ኽህበኩም እዩ። 17#ዮሓ. 16፡13፥ ሮሜ 8፡9፥ 1 ቆሮ. 2፡14፥ 3፡16። ንሱ ናይ ሓቂ መንፈስ እዩ፤ ዓለም ዘይሪኦን ዘይፈልጦን ብምዃኑ፥ ክቕበሎ ኣይኽእልን፤ ንስኻትኩም ግና ምሳኻትኩም ዝነብርን ኣባኻትኩም ዝሓድርን ስለ ዝኾነ ትፈልጥዎ ኢኹም።
18“ኣነ ደኽታማት ክትኮኑ ኣይሓድገኩምን እየ፤ ናባኻትኩም ክመፅእ እየ። 19#1 ቆሮ. 15፡20። ደጊም ድሕሪ ቑሩብ ጊዜ፥ ዓለም ኣይሪአንን እዩ፤ ንስኻትኩም ግና፥ ክትሪኡኒ ኢኹም፤ ከምቲ ኣነ ህያው ዝኾንኩ፥ ንስኻትኩምውን ህያዋን ክትኮኑ ኢኹም። 20#ዮሓ. 17፡20-21፥ 2 ቆሮ. 13፡5። በታ መዓልቲ እቲኣ፥ ኣነ ኣብ ኣቦይ፥ #14፡20 ኣብ ግእዝ “ኣብውን ኣባይ” ዝብል ይርከብ። ንስኻትኩም ከዓ ኣባይ፥ ኣነውን ኣባኻትኩም ከም ዘለኹ፥ ክትፈልጡ ኢኹም። 21#ዮሓ. 16፡27። እቲ ትእዛዛተይ ዘለዎሞ ዝሕልዎ፥ ንሱ እዩ ዘፍቅረኒ፤ ነቲ ዘፍቅረኒ ድማ፥ ኣቦይ ከፍቅሮ እዩ፤ ኣነውን ከፍቅሮ እየ፤ ርእሰይ ከዓ ኽገልፀሉ እየ።” 22እቲ ኣስቆሮታዊ ዘይኮነ ይሁዳ ድማ፥ “ጐይታ፥ እቲ ንዓለም ዘይኮነ፥ ንኣና ንባዕልኻ እትገልፀሉ ኸመይ እዩ?” በሎ። 23#1 ዮሓ. 3፡24፥ ራእይ 3፡20። ኢየሱስ ድማ ኸምዙይ ኢሉ መለሰሉ፦ “እቲ ዘፍቅረኒ፥ ቃለይ ክሕሉ እዩ፤ ኣቦይ ከዓ ኸፍቅሮ እዩ፤ መፂእና ድማ ኣብኡ ኽንሓድር ኢና። 24#1 ዮሓ. 2፡4። እቲ ዘየፍቅረኒ ግና፥ ንቓለይ ኣይሕልዎን እዩ፤ እዝ እትሰምዕዎ ዘለኹም ቃል ከዓ፥ ናይቲ ዝለኣኸኒ ኣብ እዩ እምበር፥ ናተይ ኣይኮነን።
25“ገና ምሳኻትኩም እንተለኹ፥ እዝ ነገራት እዙይ ነገርኩኹም። 26#ማቴ. 10፡19-20፥ ዮሓ. 12፡16፥ 1 ቆሮ. 2፡12፥ 1 ዮሓ. 2፡20። እቲ ኣብ፥ ብስመይ ዝሰዶ መፀናንዒ መንፈስ ቅዱስ፥ ንሱ ዅሉ ኽምህረኩም፥ ነቲ ዅሉ ኣነ ዝነገርኩኹምውን ከዘክረኩም እዩ። 27#ዮሓ. 16፡33፥ 20፡19፥ ሮሜ 5፡1፥ ፊልጵ. 4፡7፥ ቈላ. 3፡15፥ 2 ተሰ. 3፡16። ሰላም እሓድገልኩም ኣለኹ፤ ሰላመይውን እህበኩም ኣለኹ፤ እቲ ኣነ ዝህበኩም ዘለኹ፥ ከምቲ ዓለም ዝህቦ ኣይኮነን፤ ልብኹም ኣይሸበር፤ ኣይፍራሕውን። 28#ዮሓ. 10፡29፥ 1 ቆሮ. 15፡28። ‘ኣነ ክኸይድ እየ፤ ናባኻትኩምውን ክምለስ እየ’ ዝበልኩኹም፥ ሰሚዕኹም ኣለኹም፤ እንተ እትፈትዉንስ፥ ናብ ኣብ፥ ብምኻደይ ምተሓጐስኩም ኔርኩም፤ ኣብ፥ ካባይ ይዓቢ እዩ እሞ። 29#ዮሓ. 13፡19። እቲ ነገር ምስ ኮነ ምእንቲ ኽትኣምኑ፥ እንተይኮነ ሕዚ ነጊረኩም ኣለኹ። 30ገዛኢ እዝ ዓለም እዙይ ይመፅእ ስለ ዘሎ፥ ደጊም ምሳኻትኩም ብዙሕ ኣይዛረብን እየ፤ ንሱ ኣባይ ሓንቲ ስልጣን የብሉን፤ 31#ማቴ. 26፡30-46፥ ዮሓ. 17፡18። እንተ ኾነ፥ ኣነ ንኣብ ከም ዘፍቅሮ፥ ዓለም ምእንቲ ኽፈልጥ፥ ከምቲ ኣብ ዝኣዘዘኒ እገብር ኣለኹ፤ ተስኡ ኻብዙይ ንኺድ።

Currently Selected:

ዮሃንስ 14: ትመ15

Highlight

Share

Copy

None

Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in