YouVersion Logo
Search Icon

ዘፍጥረት 8

8
ማይ ጥፍኣት ከም ዝነፀፈ
1እግዚኣብሄር ንኖህን ነቶም ምስኡ ኣብ መርከብ ዝነበሩ ዅሎም ኣራዊትን ኵሎም እንስሳን ዘከረ። እግዚኣብሄር ኣብ ምድሪ ንፋስ ኣንፈሰ፤ እቲ ማይ ከዓ ጐደለ። 2እቲ ኣብ ትሕቲ ምድሪ ዘሎ ዓይኒ ማያትን፥ መሳዅቲ ሰማይን ተዓፅወ። እቲ ኻብ ሰማይ ዝዘንም ዝነበረ ዝናምውን ፀሓየ። 3እቲ ማይ ድማ ኻብ ምድሪ እናጐደለ ኸደ። ኣብ መወዳእታ ሚእትን ሓምሳን መዓልቲ ኸዓ ጐደለ። 4ኣብ መበል ዓሰርተ ሸውዓተ መዓልቲ ናይታ ሻውዐይቲ ወርሒ፥ እታ መርከብ ኣብ እምባ ኣራራት ዓረፈት። 5እቲ ማይ ከዓ ኽሳዕ ዓስረይቲ ወርሒ እናጐደለ ኸደ። በታ ቐዳመይቲ መዓልቲ ናይታ ዓስረይቲ ወርሒ ኸዓ ጫፋት እቶም እምባታት ተርኣዩ።
6ድሕሪ ኣርብዓ መዓልቲ ድማ፥ ኖህ ነቲ ኣብ መርከብ ዝሰርሖ መስኰት ከፈተ፤ 7ንኳዅ ድማ ሰደዶ። ንሱ ኸዓ እቲ ማይ ካብ ምድሪ ኽሳዕ ዝነፅፍ ንየን ነዘን ይብል ነበረ። 8ድሕሪዙይ ድማ ማይ ካብ ምድሪ ጐዲሉ እንተ ኾይኑ ኽትርኢ ኢሉ ንርግቢ ሰደዳ። 9ኣብ ኵላ ምድሪ፥ ማይ ስለ ዝነበረ ግና፥ እታ ርግቢ እግራ እተዕርፈሉ ኣይረኸበትን። ስለዙይውን ናብኡ ናብ መርከብ ተመለሰት። ኢዱ ዘርጊሑ ድማ ተቐበላ፤ ናብኡ ናብ መርከብ ከዓ ኣእተዋ። 10ሸውዓተ መዓልቲ ፀኒሑ ድማ፥ ኖህ ነታ ርግቢ መሊሱ ኻብ መርከብ ሰደዳ። 11ኣጋ ምሸት ምስ ኮነ እታ ርግቢ ናብ ኖህ ተመለሰት። እንሆ ኸዓ ልሙዕ ቘፅሊ ኣውሊዕ ኣብ ኣፋ ሒዛ ነበረት። ሽዑ ኖህ ማይ ካብ ምድሪ ኸም ዝነፀፈ ፈለጠ። 12ከምኡውን ካልእ ሸውዓተ መዓልቲ ፀኒሑ ነታ ርግቢ ሰደዳ። ብድሕሪኡ ግና ናብ ኖህ ኣይተመለሰትን።
13ኣብ መበል ሽዱሽተ ሚእትን ሓደን ዕድመ ኖህ፥ ኣብ ቀዳመይቲ ወርሒ፥ ካብታ ወርሒ ድማ ኣብታ ቐዳመይቲ መዓልቲ፥ እቲ ማይ ካብ ምድሪ ነፀፈ። ሽዑ ኖህ ክዳን መርከብ ቀሊዑ ረአየ፤ እንሆ ኸዓ እታ ምድሪ ነፂፋ ነበረት። 14ኣብ መበል ዕስራን ሸውዓተን መዓልቲ ናይታ ኻልአይቲ ወርሒ፥ እታ ምድሪ ፈፂማ ነቐፀት።
15እግዚኣብሄር ድማ ንኖህ፦ 16“ንስኻን ሰበይትኻን ደቅኻን ኣንስቲ ደቅኻን ካብታ መርከብ ውፁ። 17ኵሉ ምሳኻ ዘሎ ህይወት ዘለዎ ፍጡር፥ ኣዕዋፍን እንስሳን ኣብ ምድሪ ዝንቀሳቐስ ኵሉ ለመምታን፥ ኣብ ምድሪ ኽባዝሑ ምሳኻ ኣውፅኣዮም፤ ኣብ ምድሪ ድማ ይፋረዩን ይባዝሑን” በሎ። 18ሽዑ ኖህን ደቁን ሰበይቱን ኣንስቲ ደቁን ወፁ። 19ኵሉ ኣራዊትን፥ ኵሉ ዝንቀሳቐስን፥ ኵሎም ኣዕዋፍን፥ ኵሉ ኣብ ምድሪ ለመም ዝብልን ድማ በብዓሌታቶም ካብታ መርከብ ወፁ።
ኖህ መስዋእቲ ኸም ዘቕረበ
20ኖህ ድማ ንእግዚኣብሄር መሰውኢ ሰርሐ፤ ካብ ንፁህ እንስሳን ካብ ኵሎም ንፁሃት ኣዕዋፍን ወሲዱ ኸዓ፥ ዝቃፀል መስዋእቲ ኣብቲ መሰውኢ ኣቕረበ። 21እግዚኣብሄር ድማ ነቲ ጥዑም መዓዛ ኣጫነወ፤ እግዚኣብሄርውን ብልቡ፦ “ሓሳብ ልቢ ወዲ ሰብ ካብ ንእስነቱ ጀሚሩ እኳ ኽፉእ እንተ ኾነ፥ ድሕሪ ደጊም ብሰንኪ በደል ሰብ ንምድሪ ኣይረግማን እየ። ድሕሪ ደጊምውን ከምቲ ዝገበርክዎ፥ ህይወት ንዘለዎ ዅሉ፥ መሊሰ ኣየጥፍኦን እየ። 22ምድሪ ኽሳዕ ዘላ፥ ዘርእን ዓፂድን፥ ዛሕልን ሙቐትን፥ ሓጋይን ክረምትን፥ መዓልትን ለይትን፥ ከቶ ኣየቋርፅን እዩ” በለ።

Currently Selected:

ዘፍጥረት 8: ትመ15

Highlight

Share

Copy

None

Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in