YouVersion Logo
Search Icon

ግብሪ ሃዋርያት 8

8
ሳውል ንቤተ ክርስቲያን ከም ዘሳደደ
1 # ግ.ሓ. 22፡20። ሳውል ድማ ኣብ ቅትለት እስጢፋኖስ ተሓባቢሩ ነበረ። በታ መዓልቲ እቲኣ ኸዓ፥ ኣብ ልዕሊ እታ ኣብ ኢየሩሳሌም ዝነበረት ቤተ ክርስቲያን ብርቱዕ ስደት ኮነ። እንትርፊ ሃዋርያት፥ ኵሎም ናብ ሃገር ይሁዳን ሰማርያን ተበተኑ። 2ንእስጢፋኖስ፥ ድማ፥ ንእግዚኣብሄር ዝፈርሑ ሰባት ኣልዒሎም ቀበርዎ፤ መሪር ብኽያትውን በኸዩሉ።
3 # ግ.ሓ. 26፡10፥ ገላ. 1፡13። ሳውል ግና ነታ ቤተ ክርስቲያን ከጥፍኣ፥ ገዛ ገዛ እናኸደ፥ ሰብኡትን ኣንስትን እናጐተተ፥ ናብ ቤት ማእሰርቲ የእትዎም ነበረ።
ኣብ ሰማርያ ወንጌል ከም ዝተሰብከ
4 # ማቴ. 10፡23። እቶም ዝተበተኑ ሰባት ግና፥ ኣብ ኵሉ ዝኸድዎ፥ ቃል ወንጌል ሰበኹ። 5ፊልጶስ ከዓ ናብ ሓንቲ ኸተማ ሰማርያ ወሪዱ፥ ብዛዕባ ክርስቶስ ሰበኸሎም። 6እቶም ህዝቢ፥ ነቲ ፊልጶስ ዝነገሮም ሰምዕዎ፤ እቲ ዝገበሮ ተኣምራት፥ ምስ ሰምዑን ምስ ረአዩን ድማ፥ ብሓደ ልቢ ነቲ ዝናገሮ ኣቕለቡ። 7#ማር. 16፡17። ካብ ብዙሓት ሰባት፥ ርኹሳት መናፍስቲ ብዓብዪ ድምፂ እናእወዩ ይወፁ ነበሩ፤ ብዙሓት መፃጕዓትን ሓንካሳትንውን ይሓውዩ ነበሩ። 8#ግ.ሓ. 13፡48፥52። ካብዙይ ዝተልዓለ፥ ኣብታ ኸተማ እቲኣ ዓብዪ ሓጐስ ኮነ።
9ኣብታ ኸተማ፥ ሓደ ሲሞን ዝበሃል ሰብኣይ ነበረ፤ ብጥንቍልናኡን ብዘረባኡን፥ ንባዕሉ ኸም ዓብዪ ሰብ እናቕረበ ንሰብ ሰማርያ የገርሞም ነበረ። 10ካብ ኣናእሽቶም ክሳዕ ዓበይቶም ኵላቶም “ዓብዪ ናይ እግዚኣብሄር ሓይሊ እዙይ እዩ” እናበሉ የዳምፅዎ ነበሩ። 11ዘዳምፅዎ ዝነበሩ ኸዓ፥ ንብዙሕ እዋን ብጥንቍልናኡ የገርሞም ስለ ዝነበረ እዩ። 12#ማቴ. 28፡19-20። ብዛዕባ መንግስቲ እግዚኣብሄርን፥ ብዛዕባ ስም ኢየሱስ ክርስቶስን፥ ፊልጶስ ሰቢኹሎም ምስ ኣመኑ ግና፥ ሰብኡትን ኣንስትን ተጠመቑ። 13ሲሞን ባዕሉውን ኣሚኑ ተጠመቐ፤ ንፊልጶስውን ሰዓቦ፤ ምልክትን ዓበይቲ ተኣምራትን እንትፍፀም ምስ ረአየውን ተገረመ።
14እቶም ኣብ ኢየሩሳሌም ዝነበሩ ሃዋርያት ከዓ፥ ሰብ ሰማርያ ቃል እግዚኣብሄር ከም ዝተቐበሉ ምስ ሰምዑ፥ ንጴጥሮስን ንዮሃንስን ናብኣቶም ለኣኹሎም። 15#ግ.ሓ. 2፡38-39፥ 19፡2። ንሳቶም ድማ ወሪዶም፥ መንፈስ ቅዱስ ምእንቲ ኽቕበሉ ፀለዩሎም። 16ብስም ጐይታና ኢየሱስ ጥራሕ ደኣ ተጠሚቖም ነበሩ እምበር፥ መንፈስ ቅዱስ ገና ኻብኣቶም፥ ኣብ ሓደኳ ኣይወረደን ነበረሞ። 17#ግ.ሓ. 19፡5-6። ሽዑ ኣእዳዎም ኣንበሩሎም እሞ፥ መንፈስ ቅዱስ ተቐበሉ። 18ሲሞን ከዓ ብምንባር ኣእዳው ሃዋርያት፥ መንፈስ ቅዱስ ከም ዝተውሃበ ምስ ረአየ፥ ከምዙይ እናበለ ገንዘብ ኣምፅአሎም፦ 19“እቲ ኣነ ኢደይ ዘንብረሉ፥ መንፈስ ቅዱስ ምእንቲ ኽቕበልስ፥ ንኣይውን እዝ ስልጣን እዙይ ሃቡኒ” በሎም። 20#ማቴ. 10፡8። ጴጥሮስ ግና “ነቲ ውህብቶ እግዚኣብሄር፥ ብገንዘብ ክትዕድጎ ስለ ዝሓሰብካ፥ ገንዘብካ ምሳኻ ይጥፋእ፤ 21#ማቴ. 6፡24፥ ኤፌ. 5፡5። ልብኻ፥ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ቅኑዕ ስለ ዘይኮነ፥ ኣብዝ ነገር እዙይ ክፍሊ ወይ ዕድል የብልካን። 22#ኢሳ. 55፡7፥ 2 ጢሞ. 2፡25። እምበኣር ካብዝ ኽፍኣትካ ተነሳህ፤ ምናልባሽ ክፍኣት ልብኻ እንተ ሓደገልካ ንእግዚኣብሄር ለምን። 23ኣብ መሪር ሕንዚ ቕንእን፥ ኣብ ማእሰርቲ ሓጢኣትን ከም ዘለኻ እሪአካ ኣለኹሞ” በሎ። 24ሲሞን ድማ “ካብዝ ዝበልኩምዎ ነገራት ሓደኳ ኸይበፅሐንስ፥ ንስኻትኩም ንእግዚኣብሄር ለምኑለይ” በሎም።
25እንሆ ኸዓ ንሳቶም ምስ መስከሩን፥ ቃል እግዚኣብሄር ምስ መሃሩን፥ ኣብ ብዙሓት ዓድታት ሰማርያ፥ ወንጌል እናሰበኹ ናብ ኢየሩሳሌም ተመለሱ።
ፊልጶስ ንሓደ ኢትዮጵያዊ ኸም ዘጥመቐ
26መልኣኽ እግዚኣብሄር ግና ንፊልጶስ፥ “ተስእ እሞ በታ ኻብ ኢየሩሳሌም ንጋዛ እተውርድ ምድረ በዳ መንገዲ፥ ናብ ደቡብ #8፡26 ኣብ ግእዝ “ፍርቂ መዓልቲ” ዝብል ይርከብ። ኣቢልካ ኺድ” በሎ። 27#2 ዜና. 6፡32፥ ሶፎ. 3፡10። ተሲኡ ኸዓ ኸደ፤ እንሆ ድማ ሓደ ኢትዮጵያዊ ስሉብ ሰብኣይ፥ ንህንደኬ ንግስቲ ኢትዮጵያ፥ ኣብ ልዕሊ ዅሉ ገንዘባ ምሉእ ስልጣን ዝነበሮ፥ ክሰግድ ናብ ኢየሩሳሌም መፂኡ ነበረ። 28ኣብ ሰረገላኡ ተቐሚጡ ኽምለስ እንተሎ ኸዓ፥ ትንቢት ኢሳይያስ የንብብ ነበረ። 29መንፈስ ቅዱስ ከዓ ንፊልጶስ “ነዝ ሰረገላ እዙይ ኣርክቦ እሞ ምስኡ ኺድ” በሎ። 30ፊልጶስ ከዓ ጐይዩ ኣርከቦ፤ ትንቢት ኢሳይያስ ከንብብ ምስ ሰምዖ ኸዓ፥ “ነዝ እተንብቦ ዘለኻስ፥ ተስተውዕሎዶ ኣለኻ?” ኢሉ ጠየቖ። 31#ዮሓ. 16፡13፥ 2 ቆሮ. 3፡14። ንሱ ድማ “ዝምህረኒ #8፡31 ዝምህረኒ፦ ግእዝ “ዝመሃረኒ” ይብል። ዘይብለይ፥ ከመይ ገይረ ኸስተውዕሎ” በሎ፤ ንፊልጶስ ከዓ ደዪቡ ምስኡ ኽቕመጥ ለመኖ። 32እቲ ዘንብቦ ዝነበረ ኽፍሊ ፅሑፍ ከዓ፦
“ከም በጊዕ፥ ናብ ማሕረዲ ተዀብኰበ፤ #8፡32 ተዀብኰበ፦ ግእዝ “ክሕረድ መፀ” ይብል።
ከምቲ ኣብ ቕድሚ መቃሲኡ ስቕ ዝብል
በጊዕ ከዓ፥ ኣፉ ኣይከፈተን፤
33 # ኢሳ. 53፡7-8። ኣብ ጊዜ ውርደቱ፥ ፍትሒ ሰኣነ፤
ህይወቱ ኻብ ምድሪ ስለ ዝተወሰደት፥ ብዛዕባ
ትውልዱ መን ክነግር ይኽእል?” ዝብል ነበረ።
34እቲ ስሉብ ከዓ፥ መሊሱ #8፡34 መሊሱ፦ ግእዝ “ምልስ ኢሉ” ይብል። ንፊልጶስ “እቲ ነቢይ ብዛዕባ መን እዩ እዙይ ዝብል ዘሎ? ብዛዕባ ርእሱ ድዩ ወይ ብዛዕባ ኻልእ እዩ? በይዛኻ ንገረኒ” በሎ። 35#ሉቃ. 24፡27። ፊልጶስ ከዓ ኣፉ ኸፊቱ፥ ካብዝ መፅሓፍ እዙይ ጀሚሩ ስለ ኢየሱስ ክርስቶስ ብስራት ሰበኸሉ። 36#ግ.ሓ. 10፡47። ክኸዱ እንተለዉ ድማ፥ ማይ ኣብ ዘለዎ ቦታ በፅሑ፤ ሽዑ እቲ ስሉብ “እንሆ ኣብዙይ ማይ ኣሎ፤ ከይጥመቕ ዝኽልክለኒ እንታይ ኣሎ?” #8፡36 እንታይ ኣሎ?፦ ግእዝ “መን እዩ” ይብል። በሎ። 37#ሮሜ 10፡9፥ 1 ዮሓ. 4፡15። ፊልጶስ ከዓ “ብምሉእ ልብኻ እንተ ኣሚንካስ፥ ክትጥመቕ ትኽእል ኢኻ” በሎ። ንሱ ድማ “ኢየሱስ ክርስቶስ ወዲ እግዚኣብሄር ምዃኑ እኣምን እየ” ኢሉ መለሰሉ። 38ነቲ ሰረገላ ደው ከብልዎ ኸዓ ኣዘዘ፤ ፊልጶስን እቲ ስሉብን ክልቲኦም፥ ናብቲ ማይ ወረዱ፤ ኣጥመቖውን። 39#1 ጴጥ. 1፡8፥ ግ.ሓ. 16፡34። ካብቲ ማይ ምስ ወፁ ኸዓ፥ መንፈስ እግዚኣብሄር ንፊልጶስ ወሰዶ፤ ብድሕሪኡ እቲ ስሉብ መሊሱ ኣይረኣዮን፤ እናተሓጐሰውን መንገዱ ቐፀለ። 40ፊልጶስ ድማ ኣብ ሃገር ኣዛጦን ተረኽበ፤ ናብ ቂሳርያ ኽሳዕ ዝመፅእ፥ ንእግረ መንገዱ ኣብ ኵለን ከተማታት እናተዘዋወረ፥ ወንጌል ይሰብኽ ነበረ።

Highlight

Share

Copy

None

Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in