ግብሪ ሃዋርያት 23
23
1 #
ግ.ሓ. 24፡16፥ 2 ቆሮ. 1፡12። ሽዑ ጳውሎስ፥ ነቶም ኣብ መጋባእያ ዝተኣከቡ ኣትኲሩ እናጠመተ “ኣቱም ኣሕዋተይ፥ ኣነ ኽሳዕ እዛ መዓልቲ እዚኣ፥ ኣብ ቕድሚ እግዚኣብሄር ብንፁህ ሕሊና እየ ዝተመላለስኩ” በሎም። 2ሓናንያ እቲ ሊቀ ካህናት ግና፥ ነቶም ኣብ ጥቓኡ ደው ኢሎም ዝነበሩ ኣፉ ኽፀፍዕዎ ኣዘዘ። 3ጳውሎስ ድማ ንእኡ “ኣታ ዝተለመፀ መንደቕ፥ እግዚኣብሄር ክወቕዐካ እዩ። ንስኻ ብሕጊ ኽትፈርደኒ ኣብ መንበር ተቐሚጥካስ፥ ብዘይ ሕጊ ኽወቕዑኒዶ ትእዝዝ ኣለኻ?” በሎ። 4እቶም ኣብ ጥቓኡ ደው ኢሎም ዝነበሩ ኸዓ፥ “ንምንታይ ንናይ እግዚኣብሄር ሊቀ ካህናት ትፃረፍ ኣለኻ?” በልዎ። 5#ዘፀ. 22፡28። ጳውሎስ ድማ “ኣሕዋተይ፥ ሊቀ ካህናት ምዃኑ ብዘይምፍላጠይ እየ፤ ‘ንሹም ህዝብኻ ኣይትፅረፍ’ ዝብል ተፅሒፉ እዩ እሞ” በሎም። 6#ግ.ሓ. 22፡3፥ 26፡5-8። ጳውሎስ ከዓ ገሊኣቶም ሰዱቃውያን፥ ገሊኣቶም ፈሪሳውያን ምዃኖም ምስ ፈለጠ፥ ኣብቲ መጋባእያ ዓው ኢሉ “ኣቱም ኣሕዋተይ፥ ኣነ ፈሪሳዊ ወዲ ፈሪሳዊ እየ፤ ምዉታን ከም ዝትስኡ ተስፋ ስለ ዝገብር እዩ፥ ዝፍረደኒ ዘሎ” በሎም።
7እዙይ ምስ ተዛረበ፥ ኣብ መንጎ ፈሪሳውያንን ሰዱቃውያንን ባእሲ ኾነ፤ እቲ ኣኼባውን ተፈላለየ። 8#ሉቃ. 20፡27። ሰዱቃውያን፥ ትንሳኤ ሙታን፥ መልኣኽ፥ ወይ መንፈስ የለን ዝብሉ እንትኾኑ፥ ፈሪሳውያን ግና እዝ ኵሉ ኸም ዘሎ ይኣምኑ ነበሩሞ። 9ብዙሕ ዋዕዋዕታ ድማ ኾነ፤ ካብ ወገን ፈሪሳውያን ዝኾኑ ሓድሓደ መምህራን ሕጊ፥ “ኣብዝ ሰብኣይ እዙይ፥ ሓደኳ ኽፉእ ነገር ኣይረኸብናን፤ መንፈስ ወይ መልኣኽ ተናጊርዎ እንተ ኾነኸ፥ እንታይ ንፈልጥ?” እናበሉ ተሲኦም ተኸራኸሩ።
10ብዙሕ ባእሲ ምስ ኮነ፥ እቲ ሓለቓ ሽሕ፥ እቶም ህዝቢ ንጳውሎስ ከይምንዝዕዎ ፈሪሑ፥ ነቶም ወታደራት “ወሪድኩም ካብ ማእኸሎም ሒዝኩም፥ ናብ ሰፈር ወታደራት ኣብፅሕዎ” ኢሉ ኣዘዞም።
11 #
ግ.ሓ. 18፡9፥ 27፡23-24፥ 28፡23፥ ሮሜ 1፡15። በታ ኻልአይቲ ለይቲ ኸዓ፥ ጐይታ ኣብ ጥቓኡ ደው ኢሉ፥ “ጳውሎስ፥ ከምቲ ኣብ ኢየሩሳሌም ብዛዕባይ ዝመስከርካዮ፥ ከምኡውን ኣብ ሮሜ ክትምስክረለይ ኢኻ እሞ፥ ኣይዞኻ” በሎ።
ንጳውሎስ ክቐትልዎ ኸም ዝተማኸሩ
12ምድሪ ምስ ወግሐ ኸዓ ኣይሁድ፥ “ንጳውሎስ ክሳዕ እንቐትሎ ኣይንብላዕ፥ ኣይንስተ” ኢሎም ተመሓሓሉ። 13እቶም ከምዙይ ዝተማሓሓሉ ድማ፥ ካብ ኣርብዓ ዝበዝሑ ነበሩ። 14ንሳቶም ከዓ፥ ናብ ሊቃነ ካህናትን ናብ ሽማግለታትን ከይዶም፥ “ንሕና ‘ንጳውሎስ እንተይቀተልና፥ ዝኾነ ኸይንጥዕም ተመሓሒልና ኣለና’። 15ሕዚ ድማ ንስኻትኩም፥ ምስቶም ኣብ መጋባእያ ዝተኣከቡ ዄንኩም፥ ንጳውሎስ ናባኻትኩም ከውፅኦ እሞ፥ ኣፀቢቕኩም ክትምርምሩ ኸም ዝደለኹም ጌርኩም፥ ነቲ ሓለቓ ሽሕ ንገርዎ፤ ንሕና ኸዓ ኣባኻትኩም እንተይበፅሐ ኽንቀትሎ ተዳሊና ኣለና” በልዎም።
16ወዲ ሓፍቱ ንጳውሎስ ከዓ፥ ነዝ ምኽሮም ሰሚዑ ኸደ፤ ናብቲ ሰፈር ወታደር ኣትዩ ድማ፥ ንጳውሎስ ነገሮ። 17ጳውሎስ ድማ፥ ካብቶም ኣሕሉቕ ሚእቲ ንሓደ ፀዊዑ፥ “እዝ ወዲ እዙይ፥ ንሓለቓ ሽሕ ዝነግሮ ነገር ኣለዎ እሞ፥ ናብኡ ውሰዶ” በሎ። 18እቲ ሓለቓ ሚእቲ ኸዓ፥ ሒዙ ምስኡ ወሲዱ፥ ናብቲ ሓለቓ ሽሕ ኣእተዎ እሞ “እቲ እሱር ጳውሎስ፥ ናብኡ ፀዊዑ፥ እዝ ወዲ እዙይ ዝነግረካ ዘረባ ስለ ዘለዎ፥ ናባኻ ኸእትዎ ለሚኑኒ” በሎ። 19እቲ ሓለቓ ሽሕ ከዓ፥ ነቲ ወዲ ብኢዱ ሒዙ፥ ንበይኑ ኣግልስ ኣቢሉ፥ “እቲ ኽትነግረኒ እትደልዮ እንታይ እዩ” ኢሉ ጠየቖ። 20ንሱ ኸዓ “ኣይሁድ፥ ንጳውሎስ ብዛዕባኡ ኣፀቢቖም ክጥይቕዎ ኸም ዝደለዩ ኣምሲሎም፥ ፅባሕ ናብ መጋባእያ ኽተውርደሎም ክልምኑኻ ተማኺሮም ኣለዉ። 21ካብኣቶም ካብ ኣርብዓ ዝበዝሑ ሰባት ይፀናተዉ ኣለዉ፤ ንእኡ ኽሳዕ ዝቐትልዎ ድማ፥ ከይበልዑን ከይሰትዩን ተመሓሒሎም ኣለዉ። ሕዚ ኽሳዕ እትልእኸሎም እዮም ዝፅበዩ ዘለዉ። ንስኻ ግና ሕራይ ኣይትበሎም” በሎ። 22ድሕሪዙይ እቲ ሓለቓ ሽሕ ነቲ ወዲ “ንኣይ ከም ዝነገርካኒ፥ ንኻልእ ኣይትንገር” ኢሉ፥ ኣጠንቂቑ ሰደዶ።
ጳውሎስ ኣብ ቕድሚ ፊልክስ ከም ዝቐረበ
23ብድሕሪኡ ንኽልተ ኣሕሉቕ ሚእቲ ፀዊዑ፥ “ንቂሳርያ ዝኸዱ ኽልተ ሚእቲ ወታደራት፥ ሰብዓ ፈረሰኛታት፥ ክልተ ሚእቲ ሰብ ኲናት፥ ለይቲ ብሳልሰይቲ ሰዓት ኣዳልዉ። 24ንጳውሎስ ከዓ መፅዓኛ ቐርቡሉ፤ ናብ ፊልክስ እቲ ገዛኢ ቂሳርያ ድማ ኣብፅሕዎ” በሎም። 25ከምዙይ ኢሉውን መልእኽቲ ፀሓፈ፦
26“ካብ ቀላውዴዎስ ሉስዮስ፥ ናብ ክቡር ሹም ፊልክስ፥ ሰላም ንኣኻ ይኹን። 27ነዝ ሰብኣይ እዙይ ኣይሁድ ሒዞም፥ ክቐትልዎ ደልዮም ነበሩ፤ ኣነ ግና ሮማዊ ዜጋ ምዃኑ ምስ ፈለጥኩ፥ ምስ ወታደራት መፂአ ኣናገፍክዎ። 28እቲ ዝኸሱሉ ምኽንያት ክፈልጥ ደልየ ኸዓ፥ ናብ መጋባእያኣቶም ኣቕረብክዎ። 29ሽዑ ብዛዕባ ኽርክር ሕጎም ከም ዝኸሰስዎ ደኣ እምበር፥ ናብ ሞት ወይ ናብ ማእሰርቲ ዘብፅሕ ክሲ፥ ከቶ ኣይረኸብኩሉን። 30ነዝ ሰብኣይ እዙይ ይፀናተውዎ ኸም ዘለዉ ምስ ሰማዕኹ ኸዓ፥ ብቕልጡፍ ናባኻ ሰዲደዮ ኣለኹ፤ ነቶም ከሰስቱውን፥ ኣብ ቕድሜኻ ክኸስዎ ኣዚዘዮም ኣለኹ፤ ደሓን ኩን።” #23፡30 ደሓን ኩን፦ ኣብ ግእዝን ገሊኣቶም ብራናታት ግሪክን ጥራሕ እዩ ዝርከብ።
31እቶም ወታደራት ድማ ኸምቲ ዝተኣዘዝዎ፥ ንጳውሎስ ወሲዶም፥ ብለይቲ ናብ ኣንቲጳጥሪስ ኣብፅሕዎ። 32ንፅባሒቱ ነቶም ፈረሰኛታት ምስኡ ክኸዱ ሓዲጎምዎም፥ ናብ ሰፈሮም ተመለሱ። 33እቶም ፈረሰኛታት ናብ ቂሳርያ ምስ ኣተዉ ድማ፥ ነታ መልእኽቲ ንፊልክስ ሃብዎ፤ ንጳውሎስውን ኣብ ቅድሚኡ ደው ኣበልዎ። 34ነታ መልእኽቲ ምስ ኣንበባ ኸዓ፥ ናይ መን ግዝኣት ተወላዳይ ምዃኑ ጠየቖ። በዓል ቂልቅያ ምዃኑ ምስ ፈለጠ፥ 35“እምበኣር ከሰስትኻ ምስ መፁ፥ ሽዑ ኽሰምዐኩም እየ” በሎ። ኣብ ናይ ሄሮድስ ቤተ መንግስቲ ኣእትዮም ንኽሕልውዎ ኸዓ ኣዘዘ።
Currently Selected:
ግብሪ ሃዋርያት 23: ትመ15
Highlight
Share
Copy

Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in